Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ሓድሽ ዓመት/ Hadsh Amet

                                                         ሓድሽ ዓመት

                       በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

   ግህግህኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ናይ ሓደ ዓመት ናይ መጀመርያ ወርሒ መስከረም   ኢዩ”ብላዕ በሐፈ ገጽከ” (ዘፍ፫፡፲፰/3፡18) ተባሂሉ ንኣቦና ኣዳም ዝተነግሮ ቃል ሕጊ ተፈጥራኣዊ ኮይኑ ወዲ ሰብ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ብረሃጽ ገጹ መግቡን ዕለታዊ ናብርኡን ክመርሕ ግዲ ኮኖ። በዚ መሰረት ዘርኢ ዘሪኦም፡ ተኽሊ ተኺሎም ዝነብሩ ናይ ምድሪ ሓረስቶት እግዚኣብሔር ብዝህቦ ጸጋ ክረምቲ ብማይን ብጠልን ለምሊሙ ካብ ቆጽሊ ናብ ፍረ  ዝበጽሓሉ፡ እቲ ኣድካሚ ወርሓት ክረምቲ ብማይን ብጭቃን ናይ ጻህያይን ናይ ምኹስኳስ ግዜ ኣብቂዑ ፍረ ምድሪ ናብ ቆፎ ንምእካብ ምድላዋት ዝግበረሉ ፈላሚ ወርሒ፡ወርሒ መስከረም ኢዩ።

“ንምድሪ ትሓልየላ፡ዝናብ ሰዲድካ ከኣ ተጽግባ፡ፍርያምን ሃብታምን ትገብራ።ነዚ ኩሉ ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ትገብሮ፡ንነግሕታት ተስትዮ ፡ንድንኲላታ ትምድምዶ ፡ብዝናም ተለምልማ፡ንብቑላ ትባርኾ፡ንዓመት ብሳህልኻ ኣትኽልላ፡ንስኻ ኣብ ዘለኻዮ ጽጋብ ኣሎ።ሰውሕታት ብኸብቲ ይመልእ ኮረቢት’ውን ብሓጎስ ይኽደን።ኣሳውሕ በባጊዕ ይኽደን ጉርሁታት ድማ ብእኽሊ ይጒልበብ ፡ኩሉ ከኣ ዕልል ይብልን ይዝምርን”(መዝ፷፭፡፱-፲፫/65፡9-13) ከም ዝበለ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት።524049_555690381132671_229921472_n

እዚ ዕለት ወይ ድማ እዚ ወርሒ እዚ ዘመን ሓሊፉ ብሓድሽ ዘመን ዝትክኣሉ ናይ ዘመን መቀያየሪ ኢዩ። “ወትባረክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ” ከም ዝብል (መዝ፷፭፡፲፩/65፡11)።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብምሕረቱ ንዝጓስየና ኣምላኽና እግዚኣብሔር ምስጋናን ንምቕራብ ቅዱስ  ዮሓንስ ብዝብል ስያሜ እናኽበረቶ ትነብር። ብናይ ቅዱስ ዮሓንስ ስም ዝተጸውዓለ ወይ ድማ ዝተሰመየሉምኽንያት ድማ፥ ዮሓንስ፡ “ኣማን እብለክሙ ኢንተሥኣ እም ትውልደ ኣንስት ዘየዐቢ እም ዮሓንስ/ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ  ዘበሉ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘየተስእ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ”(ማቴ፲፩፡፲፩/11፡11) ተባሂሉ ዝተነግረሉ ካብ ጻድቃንን ሰማዕታትን ርእሲ ከም ዝኾነ በዓሉ ናይ በዓላት በዂሪ ኢዩ፡፡

ኣንድም፥  ዮሓንስ ካብ ነቢያት መጨረሽታ ካብ ሓዋርያት መጀመርያ ተረኺቡ ካብ ሰማያት ክወርድ ካብ ድንግል ክውለድ ምባል ገዲፉ “ነዋ በግዑ ለእግዚኣብሔር ዘየኣአትት ኃጥአተ ዓለም/እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” (ዮሓ ፩፡፳፱/1፡29) ኢሉ ዘመነ ሓድሽ ከም ዝሰበኸ ዕለቱ ናይ ዘመናት መቀያየሪ ኢዩ።

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዓረገ ብ፻፹/180 ዓመተ ምሕረት ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ተሸይሙ ዝነበረ ቅዱስ ድሜጥሮስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብሰናይ ፍቓዱ ስለ ዝገለጸሉ ባሕረ ሐሳብ ብዮሃንስ ጀሚሩ ደሪስዎ ይርከብ።“ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ“ ምባሉ ከኣ በዚ ምኽንያት ኢዩ።ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዚ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ኮይኑ ንድሜጥሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዝገለጸሉ ባሕረ ሐሳብ ገይራ ስለ ኩሎም ዕለታትን ኣውድኣመታትን ተመሪሓ ትኸይድን ኣላን።

ኣባዓዕላ በዓል

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብቅዳሴን ብምስጋናን ንኣምላኽ እና ኣመስገነት ንደቃ ድማ ንህይወት ዝኸውን ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከእትዎም ዝኽእል ዘልኣለማዊ ናይ እግዚኣብሔር ቃል እና መሃረት ነዚ ቅዱስ ዕለት ብኽብሪ ተብዕሎ።ናይ ክረምቲ ወርሓት ብጠሊ ምሕረቱ ከሊሉ ነታ ብርሃጽ ገጽና ክነብረላ ዝተዋህበትና ምድሪ ብዝናም ኣለምሊሙ፡ምድሪ ዘራእትን በብዓይነቶም ኣእዋም ወቂቡ፡እንስሳታት ብወገኖም በቲ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ድንቂ ስራሕ ባህ ኢልዎም ይኣትዉን ይወፍሩን።እቲ ባህርያዊ ነገር ብኸምዚ ይውቅብን ይምዕርግን።ደቂ ሰባት ድማ ተቛደስቲ  ናይቲ ድንቂ ስራሕ ናይ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾና ብዝፈጠራና ኣምላኽና እግዚኣብሔር ባህ ይብለና ስለ ዝመገበናን ዝጓስየናን ከኣ ነምስግኖ።ንኹሉ ዘመናት ብስርዓትን ብኣገባብን ብዘይምትሕውዋስ ክኸይድ ዝገብር ባዕሉ እቲ ንዘመናት ዝፈጠረ ኣምላኽ ኢዩ።ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ንዓመት ብዘመናት ከፋፊሉ ብጥበቡ ጸኒዖም ከምዝኸዱ ዝገብር።

ነዚ ኩሉ ንዝገብር እግዚኣብሔር ካብ ዝሓለፈ ዘመን ናብ ካልእ(ሓድሽ ዘመን) ንዘሰጋግር፡ዝሓለፈ ዘመን ብሰላም ጓሲዩ ብበረኸት ዘጽገበና ንዝመጽእ ሓድሽ ዘመን ከኣ ብሰላም ክጓስየና፡ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጋናን ጸሎትን ምህልላን ተካይድ ብኸምዚ መንፈሳዊ ዕዮታት ከኣ ነዚ ቅዱስ ዕለት ተኽብር።

እንተኾነ ናይ ሎሚ ወለዶ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ካብኡ  ናብኡ ከኣ ኣብ ስደት እንርከብ መንእሰያት ብፍላይ ኩላትና ናይ ቅድስት ተዋህዶ ደቂ ከኣ ብሓፈሻ ስለ እዚ በዓል እዚ ዘለና ኣኽብሮትን ተገዳስነትን ከመይ ይመስል፧ ብሓቂ ከምቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እትምህረና ዲና እንነብር ዘሎና፧

ብዙሓት ሰባት ከም ምኽኒት እነቕርቦ “ኣብ ስደት እንዲና ዘለና፡ ኣይጠዓመናን” ዝብል ኮንቱ ዝኾነ ሓሳብ ኢዩ።ብዛዕባ ስደት እንተኾይኑ ቅድሜና እቲ ንሰማይን ንምድርን ብቓሉ ዝፈጠረ ንኹሉ ከኣ ብስልጣኑ ዝገዝእ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰዲዱ ኢዩ።እወ! ሎሚ ካብ ሃይማኖት ምዝንባል ካብ ግብሪ ጽድቂ ምርሓቕ ብምኽንያት ስደት መታን ከይከውን ምስ ክብርቲ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብቲ መሪር ምድረ በዳ ግብጺ ብጥሜትን ብጽምእን ተጓዒዙ፡ንስደትና ባሪኹ ሂቡና ኢዩ።

ብዙሓት ቅዱሳን እውን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ፡ብሓይሊ ተጨውዮም ኣብ ትሕቲ ጨካናት ነገስታት ወዲቖም ኢዮም፡  እንተኾነ ግን ንኣምላኽ ካብ ምስዓብን ስርዓት ኣቦታቶም ካብ ምሕላውን ንድሕሪት ዝበልሉ ግዜ ኣይነበረን።

ኣብ መንጎ ዓሌቱን ቤተ ሰቡን በይኑ ናይ እግዚኣብሔር በዓላት ከምቲ ዝግባእ ዘኽብር ዝነብረ ጦቢት፡ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን እንተኾነ በቲ ናይ ኣቦታቱ ስርዓትን ብሕጊ ኣምላኽን ድኣ እምበር ብናይ ስርዓት ሰብ ኣሶር(ነነዌ) ክኸይድ ኣይተራእየን (መጽ.ጦቢት፩፡፮-፰-፲፪/1፡6-12)።

ካብ ዓዶም ካብ እስራኤል ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ዝተወዱ ሰለስተ መንእሰያት(ኣናንያ፡ኣዛርያ፡ሚሳኤል) ከምኡ ብጥበቡ ዝተመስከረሉ ዳኒኤል ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ስደት እኳ ድኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ከለዉ ንሃይማኖቶም ፡ንስርዓቶም ኣይሓደጉን፡ነቶም ብሓይሊ ንስርዓቶም ክሓድጉ ዝገደድዎ ነገስታት ብዘይ ምፍራሕ ክሳዕ ሞት እሙናት ኮኑ፡እቲ ነቶም ዝኣምንዎ ዘየሕፍር ኣምላኽ ድማ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ልዕል ኣበሎም።ብዝገበርዎ ሰናይ ነገር ድማ እግዚኣብሔር ብልሳን እቶም ዘይኣምኑ ዝነበሩ ከም ዝምስገንን ንሳቶም ድማ ክኸብሩን ተራእዩ(ት.ዳንኤል፫፡፩-መፈ/3፡1-መፈ , ፮፡፩-መፈ/6፡1-መፈ)

ስለዚ እንነብረሉ ዘለና ሃገር ኮነ ደረጃ መነባብሮ ካብ ስርዓት ቅድስት ሃይማኖትና ዘትርፈና፡ንዕኡ ገዲፍና ናብ ካልእ ዘብልና ኣይኮነን።ብሓቂ’ውን ብእመነት ናይቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታት ደቂ ክሳዕ ዝኾነ ንዓኣቶም ክንመስል ኣብ ኣሰሮም ክንህሉ ሃይማኖታዊ ግዴታ ኣሎና።

ብኻልእ ወገን ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓትን ኣካይዳን ወጻኢ ዝካያዱ ነገራት ብዙሓት ኢዩም።ኩሎም እዞም ካብ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ እንፍጽሞም  ተግባራት ናይ ኣሕዛብ ድኣ እምበር ናይ ደቂ ተዋህዶ ኣይኮኑን።ብኹሉ ዘመን ህይወትና እግዚኣብሔር ዝእዝዘና ክንፍጽም ኣይትግበርዎም ዝተባህለን ዝተነግረን ከኣ ምግዳፍ ኢዩ።እንተኾነ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ደወላ እና ደወለት “ንዕኡ ንጸሎት፡ንዑ ተማሃሩ፡ ንኣምላኽ ኣመስግኑ፡ብህይወት ክትነብሩ ህይወት ሕረዩ” እና በለት ከላ፡ ገለ ካብ ደቃ ብዝያዳ ናይዚ ወለዶ መንእሰያት ግና ፈቖዶ እና መስተን ባእስን ዕብዳንን እንኸይድ ውሑዳት ኣይኮናን።

ስለዚ እምበኣር ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ድኹም ኣካይዳና ገዲፍና ምስ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ኣካይዳን ኣናባብራን ክንጅምር ይግባእ።ሓድሽ ዓመት ስሙ ከም ዝሕብሮ ንሕና እቶም ደኺምና ዘለና ካብ ድኻምና እንትንስኣሉ ብዛዕባ መጻኢ ኣካይዳና ምስ ኣቦታትና ካህናት እንዛተየሉ ዝፈጸምናዮ ርኽሰት እንንስሓሉ፡ሓድሽ ህይወት ንምልባስ ኣብ ኣካይዳናን ኣናባብራን መቐይሮ እንገብረሉ ኢዩ እምበር ሓድሽ ዘመን ስለ ዝተባህለ ነቲ ዘመን  ዝግደፍ ኣይኮነን።ሓድሽ ዘመን ዝኣረገ ህይወትና እንሕድሰሉ፡ካብ ርኽሰት ብፍጹም እንርሕቐሉ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣካይዳናን መጻኢናን ኣብ ትሕቲ ጽላልን ፍቓድን ናይቲ ልዑል ኣምላኽ መደብ እንሰርዓሉ ኢዩ።

ስለዚ እምበኣር ናይቲ ልዑል ኣምላኽ ደቂ ዝኾንኩም ኣብ መሰረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተሰረትኩም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ድኹም ኣካይዳና ኣለሊና ንዝያዳ ብርታዐ ክንጽዕር ምስ ሓድሽ ዘመን ሓድሽ ህይወት ክንሕዝ ብሃይማኖት ጸኒዕና ብሰናይ ፍረ ጽድቂ ክንሽለም ንእግዚኣብሔር ንለምኖ።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመና ናይ ሰላምን ናይ ጽድቅን ናይ ፍቕርን ቅሳነትን ክገብረልና ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።ኣሜን!!!

ካብ ዝሓለፈ ዘመነ ማርቆስ  ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ዘብጽሓና ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

            ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

            ወለወላዲቱ ድንግል

            ወለመስቀሉ ክቡር

             ኣሜን።

 

 

Sorry, comments are closed for this post.