Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

መልሲ ንሕቶታትኩም

            በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

     መልሲ ንሕቶታትኩም

ሕቶ፥ ገለ ሰባት “ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከሎ፡ ካብቲ ካብ ሞት ከድሕኖ ዝኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለዝነበረ ከኣ ተሰምዐ” (ዕብ 5፡7) ዝብልጥቕሲ ብምልዓል “ጎይታ ኣማላዲ እዩ” ክብሉ ይስምዑ እዮም እሞ ፡ እዛ ጥኽሲ ትርጉማ እንተተብርሁልና፧

melsi nhtotatkum መልሲ፥    እዚ ጥቕሲ እዚ ጎይታ ኣማላዲ እዩ ንምባል ኣይኮነትን። ጎይታ ኣምላኽ እምበር ኣማላዲ ኣይኮነን። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ብንጹር ዝገልጾ ነገረ ስጋዌ እዩ። እዚ ከኣ ጎይታ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ብምዃን ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ብዘይካ ሓጢኣት ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ፈጺሙ እዩ። ንኣብነት ከም ዝበልዐ፡ ከም ዝሰተየ፡ ከም ዝጾመ፡ ከም ዝጠመየ፡ ከም ዝደቀሰ፡ ከም ዝበከየ ……. ወዘተ ኣብ  መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ (ማቴ 26፡20, ማቴ 14፡24-35,  ዮሓ 11፡35)። ጎይታ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” (ዮሓ 14፡6) ኢሉ ከም ዝመሃረና፡ ኣርኣያ፡ ኣብነት፡ መምህር ብምኳን ጸይሙ (ማቴ 4፡1-10)፡ ጸልዩ (ሉቃ 22፡39-46)።

ጎይታ ሊቀ ካህናት እዩ፡ ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ከም ሊቀ ካህናት ኦሪት ናይ በጊዕን ጤልን ደም ኣየቕረበን። እንተኾነ ጸሎት ከም ላም፡ ልመና ከኣ ከም በጊዕ ገይሩ ኣቕረበ። ሓደ ግዜ ስለዝኾነ ዘቕርቦ ድማ ብስጋዊ ነገር ሓሲቡ “ብዓቢይ ገዓር ወአንብዕ/ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፡” ኣቕረበ ኢሉ። “ካብቲ ካብ ሞት ከድሕኖ ዝኽእል” ክብል ከሎ ድማ፡ሰብ ኩሉ ብሓደ ኣዳም ከም ዝሞተ፡ ብጎይታ ድማ ኩሉ ድሕነት ክምዝረኸበ ንምሕባር እዩ። ናይ ጎይታ ሞትን ትንሳኤን ብገዛእ ስልጣኑ ከም ዘማትእ ኣይኮነን።“ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለዝነበረ ከኣ ተሰምዐ” ዝብል ወልድ “በኹሪ” ከንሱ፡ ኣምላኽነት ገንዘቡ ከሎ፡ ፍጹም ሰብ ብሙዃን ምእንቲ ኣዳም ዘቕረቦ ልመና ተሰምዓሉ፡ “ኣነ ኣምላኽ እየ ክጽሊ ኣይግበኣንን እዩ” ከይበለ ሰብ ብሙዃን ተኣዘዘ። ምእንቲ ኣዳም ኢሉ እምበር ጎይታ ሰብ ስለዝኾነ የማልድ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ዝገበሮ ንሕና ብብርቱዕ  ንብዓትን ጸሎትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንቀርብ ኣብነት ክኾነና ኢሉ እዩ። እንታይ ክንገብር ከምዘለና መገዱ ከርእየና ኢሉ እዩ።

ስለቲ ኩሉ ውዕለታቱ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝኸበረን ዝተመስገንን ይኹን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Sorry, comments are closed for this post.