Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

መጋቢት 10 መስቀል/ 10th March (Mesqel)

        በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!             

መጋቢት 10 መስቀል

  mwsqel ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜታትን ብዝተፈለለዩ ሰባትን ድሕሪ ምቕባሩ ብ 10 መጋቢት ተፋሒሩ ወጸ። መጀመርያ ብንግስቲ ኢለኒ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ካልኣይ ግዜ ድማ ብንጉስ ሕርቃል ኣብ ፋርስ ወጸ። “ወበዛእቲ ዕለት እምበለ ይዕዱ ጌሰመ መስቀል ተርክበ እምዞተ ሃብዐ ወገብረ ሰላም በኢየሩሳሌም ቅድሚ ወበፋርስ ዳግመ” ከም ዝብል። ኣብ ኢየሩሳሌም ብንግስቲ እሌኔ ከም ዝተፋሕረ እንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ናይ ፋርስ ከኣ ፋርሳውያን ንግብጺ ወሪዶም ዘሚቶም እናተመልሱ ክለዉ  ከስሮኤስ ዝተባህለ ንጉስ ፋርስ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣትዮ ብዙሕ ሃብትን ንብረትን ፣ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባትን ማሪኹ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ከደ፣፣ ምስቲ ማሪኽዎ ዝኸደ ብሩርን ወርቅን ከኣ ነቲ ቅዱስ መስቀል ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ ዝፈርስ ኣፍሪሱ ዝስበር ሰቢሩ ፣ሒዝዎ ከደ፣፣ ብናጽነት ክነብሩ ዝጸንሑ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን ፣ቅዱስ መስቀል ፣ኣቀዲሙ ካብ ዝተቕሮ ብምውጽኡ ክሕጎሱ እኳ እንተጸንሐኡ፣መጠን እቲ ዝተሓጎስዎ ድማ ኣዝዮም ጓሃዩ፣፣ ቅዱስ መስቀል ኣብ ፋርሳውያን ብምውዳቑ ድማ ልቦም ብጓሂ መልአ፣፣ ድቃስ ኣበዮም ፣ኣምሪሮም ከኣ ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ጸለዩ ፣፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ እዩ ከኣ እግዚኣብሔር ንንጉስ ሕርቃል ኣነቓቕሖ፣፣ ንጉስ ሕርቃል ፣መስቐል ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ ንኹሉ ክርስቲያን መልእኽቲ ልኢኹ ብጸሎት ክሕግዝዎ፣ ጾም ኣወጀ፣፣ ነቲ ቅዱስ መስቀል ካብ ምርኮ ንምምላስ ከኣ ስባኤ ኣተወ፣፣ ንእግዚኣብሔር ብጾምን ጸሎትን ተማዕቊቡ ድማ መገዱ ናብ ፋርስ ጀመረ፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ተዋጊኡ ካብ ጸላእቶም ዘናገፎምን ዓወት ዝሃቦምን ንንጉስ ሕርቃል እውን ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ዓወት ሃቦ፣ ብሰላም ካብ ኲናት ተመለሰ ‘ነቲ ቅዱስ መስቀል ከኣ ካብቲ ተማሪኽሉ ዝነበረ ስፍራ መለሶ፣፣

ሎሚ ቤተ ክርስቲያና  ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓቢ ጾም መእተዊ   ጾመ ንንጉስ (ጾመ ሕርቃል) ኢላ እትጽውዖን እትጸሞን  እምበኣር፡ በዚ ምኽንያት እዩ።

 በረኸትን ጸጋን ናይ ቅዱስ መስቀል የካፍለና ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

 

 

Uncategorized

Leave a reply