Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)/ Metmqe melekot qdus Yohans(part 2)

                                                            መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

                             ምስክርነት ቅዱስ ዮሐንስ ብዛዕባ ክርስቶስ

 556528_286692328111595_182906436_nቅዱስ ዮሓንስ በቲ ዝህቦ ትምህርትን ብግብሩን ብዙኃን እቲ ንጽበዮ መሲሕ ዶ ይኸውን ኢሎም ዝተጠራጠሩ እኳ እንተነበሩ፡ ንሱ ግና ብትሕትና መሲሕ ክርስቶስ ከምዘይኮነ ከምዝነገሮም ወንጌላዊ ዮሓንስ ክገልጽ ከሎ “ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን” ይብል። እኳ ደኣ ምስክርነት ዮሓንስ ብዛዕባ ክርስቶስ ምንባሩ ድኅሪ ምግላጽ ልዕልናን ቅድምናን ክርስቶስ እናመስከረ ይምልሰሎም ከምዝነበረ “እቲ ቅድመይ ዚነበረ ብድኅረይ ዚመጽእ ኣሎ ኢለ ብዛዕባኡ ዝነገርኩኹም እዚ እዩ፥” ብምባል የርእዮም ነበረ። በዚ ኸኣ ቅድመ ዓለም ካብ አብ ብዘይ ኣደ ዝተወልደን፡ ድኅረ ዓለም ድማ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ብዘይ ኣቦ ተጸኒሱ ዝተወልደን ብተዋሕዶ ንሱ ሓደ ምዃኑ በቲ ምሥጢር ዝሓዘለ ትምህርቱ መስኪሩ እዩ። እቲ ቃላቱ ደጊምና ነስተውዕሎ።  “እቲ ቅድመይ ዚነበረ ብድኅረይ ዚመጽእ ኣሎ ኢለ ብዛዕባኡ ዝነገርኩኹም እዚ እዩ፥” ደጊሙ’ውን ልዕልና ክርስቶስ ኣብ ዝተዛረበሉ “ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፥ እቲ ካባይ ዚብርትዕ ሥራኽ ኣሣእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ”ብምባል ምስክርነቱ ሃበ። ነቶም መንነቱ ክፈልጡ ንዝመጹ ልኡኻት ኣይሁድ ንስኻ መን ኢኻ ኢሎም ምስ ሓተትዎ “ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን ኢሉ ተኣመነ እምበር ኣይከሓደን”። ብዛዕባ መድኃኒትነት ክርስቶስ ኣብ ዝመስከረሉ ኸኣ ንሱ ክርስቶስ ምእንቲ ዓለም በጃ ዝኸውን ገንሸል ፋሲካ ምዃኑ’ውን ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ገሊጹ ኣሎ። “እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል ምስክርነቱ ሃበ። ደጊሙ’ውን ብጽባሒቱ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ “እንሆ ገንሸል ኣምላኽ በለ” ብምባል ነቲ ክሓልፍ ከሎ ብዛዕባ ዝረኣዮ ክርስቶስ መስከረ። በዚ ኸኣ ብኅብረ ነገርን ምሳሌን ነቢያት ዝተነበዩሉ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ምዃኑ፤ እቶም ትንቢታት ነቢያት ብክርስቶስ ከምዝፍጸሙ ኣርጊጹ ተዛረበ።መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክልተ ልኢኹ፡ “እቲ ዝመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና” ምባሉ፡ ብዛዕባ ሰብ ከይነገሮ ገንሸል ኣምላኽ ኢሉ ናይ ዝመስከረሉ ጐይታ መንነት ጠፊእዎ ወይውን ተጠራጢሩ ኣይኮነን። ክብሪ ኣምላኽነቱ ፈሊጡ ኣነ እምበር ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ ኢሉ ብትሕትና ናይ ዝተዛረቦ ጐይታ መንነት ስኢንዎ’ውን ኣይኮነን። ሰማያት ተኸፊቶም ኣእዛኑ ዝሰምዕዎምን ኣዕይንቱ ዝረኣይዎምን ምስክርነት አብን መንፈስ ቅዱስን ረሲእዎውን ኣይኮነን። ምስ ምሉእ ልቦንኡ ኣብ 30/፴ ዓመቱ ይትረፍሲ መንፈስ መሊእዎ ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ከሎ ፈሊጡ ብሓጐስ ዝተሰራሰረሉን ዝሰገደሉን እዩ። እንታይ ደኣ ሰማእትነቱ ይቐርብ ስለዝነበረ ነቶም ዝተጠራጠሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ዮሓንስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝነገሮም ንሱ ምዃኑ ናይ ቃል ትምህርቱን ናይ ኢዱ ተኣምራቱን ሰሚዖምን ርእዮምን ኣርጊጾም ተረዲኦም ድኅሪ ሞቱ ምእንቲ ክስዕብዎ ብማለት እዩ። ጐይታ ድማ ኣምላኽነቱ ብቃሉ ዘይኮነሲ ብግብሩ ድኅሪ ምርኣዩን ልቦናኦም (ብዮሓንስ መሲሉ) ብእምነት ከጽንዑ ድኅሪ ምንጋሩ ብእኡ ዘይዕንቀፍ ብፅዕ ምዃኑ ኣለቢምዎም እዩ። ጐይታን ዮሓንስን በቲ ረቂቕ ምዝርራቦም ተረዳዲኦም፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ትምህርቲ ከምዝረኸቡ ገይሮሞም እዮም። እዚ ትውልዲ ግና ገና ነቲ ምሥጢር መጻሕፍቲ ብዘይ ምስትውዓሉ ደጊሙ ይስሕትን ይጠራጠርን ኣሎ።

ናይ ጐይታ ቃል ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስን ክብሩን

          10447599_677351278984890_1032117993916124529_n መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ብጐይታ ዝተመጐሰ ነቢይን ጻድቕን እዩ። “ካብ ኣንስቲ ካብ ዝተወልዱ ካብ ዮሐንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ብምባል ክብሪ ዮሓንስ ክሳብ ክንደይ ልሒቅ ምዃኑ ወሃብ ክብሪ ብዝኾነ ብጐይታናን ኣምላኽናን ዝተመስከረሉ ቅዱስ ሰብ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ነቢያት ኵሉ ዝዓቢ ምዃኑ’ውን ጐይታ ክዛረብ ከሎ “እወ ካብ ነቢዪ እኳ ዝበልጽ እዩ እብለኩም ኣሎኹ” ብምባል መስኪሩሉ እዩ። ዮሐንስ ሓቀኛ መምህር፤ ነቢይ፤ ካህን፤ ሰማዕት፤ ሐዋርያ ብምዃኑ ካብ ኣምላኹ ክብሪ ዝረኸበ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ ባዕሉ ኣግሂዱ ብዛዕባ ክብሪ ዮሐንስ ዝተዛረበ። ትንቢት ዝተነግረሉ ዮሓንስ ክብሩ ብመልኣኽውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢይ ከምዝኸውን ዝተመስከረሉን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኸኣ ብኣቦኡ “ነቢየ ልዑል” ከም ዝበሃል ዝተነግረሉ እዩ። ባዕሉ’ውን ዓርኪ መርዓዊ ክርስቶስ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። በቲ ኣብ ሰማእትነቱ ዝተፈጸመ ተኣምራት ኸኣ ርእሱ ኣኽናፍ ኣውጺኣ ብምስባኻ ‘ዮሐንስ ኣብ ምድሪ ከም ሥጋ ዝለበሰ መልኣኽ’ ነይሩ ኢሎም ዝውድስዎ ኣለዉ። እዚ ኸኣ መልኣኽ ነይሩ ንማለት ዘይኮነሲ ክሳብ ክንደይ ንጹሕን ዓቢይ መንፈሳዊ ግብሪ ከምዝነበሮን ብኸመይ መገዲ ድማ ሰማዕትነቱ ከምዝፈጸመን ንምግላጽ እዩ።

      ዮሓንስን ኤልያስን

 ዮሓንስ ብዛዕባ መንነቱ ኣብ ዝተሓተተሉ “ነቢይ ዲኻ” “ኤልያስ ዲኻ” ምስ ተባህለ ስለ ትሕትናን ስለቲ ድኹም ርድኢቶምን ከምዘይኮነ እኳ እንተነገሮም ጐይታናን መድኃኒናን ግና “ክትኣምኑ እንተደሌኹምሲ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ” ብምባል መስኪሩሉ እዩ። እዚ ማለት ንሱ ባዕሉ ነቢይ ኤልያስ እዩ ንማለት ዘይኮነስ ብትምህርትን ትንቢትን ኤልያስ ዝመጸ ነቢይ እዩ ንማለት እዩ። ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ’ውን “ብመንፈስ ኤልያስን ብኃይሉን ቀቅድሚኡ ኺኸይድ” ተባሂሉሉ እዩ።

 ብኵሉ መገዱ ኸኣ ቅዱስ፡ ጸዋማይ፡ ተሓራማይ፡ ባሕታዊ፡ ድንግል፡ ንጹሕ ብምንባሩ ምስ ነቢይ ኤልያስ ይመሳሰሉ። እቲ ቀንዲ ግና ነቢይ ኤልያስ እግዚአብሔር ሞት ከይጠዓመ ይውሰዶ ደኣ እምበር ዳኅራይ ቀቅድሚ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ብምምጻእ ትምህርቲ ሓሳዊ መሲሕ ብምቕዋም ምስ ሄኖክ ብምዃን (ክልተ ቀንዴላት ዝበሎም ራእየ ዮሓንስ) ስለቲ ሓቀኛ ክርስቶስ ከምዝምስክሩን ሰማእትነት ከምዝቕበሉን፡ ዮሓንስ’ውን ብመንፈሰ ኤልያስ ቀቅድሚ ክርስቶስ ብምምጻእ ብዛዕባ ክርስቶስ ብምምስካሩ ምስ ኤልያስ ተዛሚዱ ቀሪቡ ኣሎ። ብሓጺሩ ክልቲኦም ቀቅድሚ ክርስቶስ ብምምጻእ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምስክሩ ስለዝኾኑ ብግብሮም ተዛሚዶም ቀሪቦም ኣለዉ። ነዚ ኣገላልጻ ኸኣ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ታቦር ክብሩ ገሊጹ ምስ ወረደ ዝበሎ ዝያዳ ኣነጺርዎ እዩ፦ “ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ፡ ኢየሱስ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንሥእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ፡ ኢሉ ኣዘዞም ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ። ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ። ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፤ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለለይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሐንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።” 

    ሰማዕትነት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቕ

ኣብቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ኃዉ ስለዘእተዋ፤ ቅዱስ ዮሐንስ ኸኣ ሰባኺ ወንጌል ሓዋርያ ብምዃኑ ሰበይቲ ኃውኻ ከተእቱ ኣይግብኣካን ብምባል ነቲ ንጉሥ ገሰጾ። እዚ ትምህርቱ ኸኣ ሓዋርያ ሰባኬ ወንጌል የስምዮ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ጓል ሄሮድያዳ ኣብቲ ዕለት ልደቱ መጺኣ ሳዕሲዓ ኣሓጐሰቶ፣ ንሱ ከኣ ክሳዕ ፍርቂ መንግሥቱ ኪህብ ምስ መሓለላ፤ ንሳ ኣቐዲማ ምስ ኣዲኣ ተማኺራትሉስለ ዝነበረት ከይዳ ነዲኣ ሄሮድያዳ ነገረታ። ኣዲኣ ድማ “ዮሐንስ እዩ ከልኪሉና እምበር ኣነ ሰበይቲ ንጉሥ፡ ንስኺ ጓል ንጉሥ ኴንና ምነበርና ስለዚ ርእሲ ዮሐንስ ቈሪጽካ ሃበኒ” በልዮ በለታ። እዚ ኸኣ ዮሓንስ እንተሞይቱ ዝቓወሞም ስለዘየለ ፍርቂ ኣይኮነን ምሉእ መንግሥቲ ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ ካብ ዝብል ክፉእ ሓሳብ ዝነቐለ እዩ። ጓላ ብዝተመኽረቶ ድማ “ርእሲ ዮሐንስ መጥምቕ ኣብዚ ኣብ ጻሕሊ ሃበኒ” በለቶ። ሽዑ እቲ ንጉሥ ብተንኰላ ስለዘምሓለቶ ጐሃየ። ቃሉ ከይዓጽፍ ክብል ድማወተሃደራት ልኢኹ ርእሲ ዮሐንስ ቈሪጾም ኪህብዋ ኣዘዘ።

yohansንሳቶም ርእሲ ዮሐንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቈሪጾም ነታ ርእሱ ብጻሕሊ ኣምጺኦም ነታ ጓል ሃብዋ፥ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኣዲኣ ሃበታ። ሽዑ ሄሮድያዳ ነታ ርእሲ ዮሐንስ መጥምቕ “ንንጉሥን ንግሥትን ክትዘልፍ ዘይትኃፍር ዚነበረት መልሓስ ዮሐንስ ብሞት ተሓትመት” ኢላ ብዚኃዘቶ መስፈ እንተተንከፈታ ክልተ ክንፊ ኣውፂኣ፥ ነቲ ቤት ሰንጢቓ ነፊራ ከደት እሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ኪምህር ከሎ ከይዳ ሰገደትሉ፣ ጐይታ ድማ ብዘለኽዮ ስበኺ ኢልዋ፥ ንዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ዝኣክል ምስ ሰበኸት ኣብ ኣድያመ ዓረብያ (ለሰ ዮርዳኖስ) ዓረፈት። ኣካል ብዘይብሉ ኣእዳው ኣጽሒፉ ንናቡከደናጾር ዝገሰጸ ኣምላኽ፤ ኣእባን ቢታንያ ዘዛረበ ኣምላኽ እንታይ ይሰኣኖ? ርእሲ ዮሓንስ ምስባኻ’ውን ስራሕ ኣምላኽ እዩ። ነጋዶ ኪኃልፉ ከለዉ ርእሲ ዮሓንስከም ዕንቍ ከተብርህ ርእዮም ንደቀመዛሙርት ዮሐንስ ርእሲ መምህርኩም ወዲቓ ኣላ ኢሎም ነገርዎም እሞ ደቀመዛሙርት ዮሐንስ ወሲዶም ቀበርዋ። ንሬስኡ ግና ደቂ መዛሙርቱ ኣልዒሎም ቀበርዎ። መጺኦም ድማ ንጐይታና ኢየሱስ ሞት መምህሮም ዮሐንስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ ኣጸናንዖም። መወዳእታ ዕጫ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሰብ ክፉእ ዝመኸሩን ዝገበሩን ንጉሥን ንግሥትን ጓላን ግና ኣዝዩ ዘሰንብድ መቕሰፍታዊ ሞት ከምዝነበረ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ እዩ። ሰማዕትነትን ዕረፍትን ዮሐንስ 2/፪ መስከረም እዩ።

    ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሓንስን

 መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዝዕረፈሉ ዕለት 2 መስከረም ይኹን ደኣ እምበር ባሕቲ መስከረም ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ክኽበር ንረኽቦ። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ነቢያት (ብሉይ ኪዳን)  መወዳእታ ናይ ሓዋርያት (ሓዲስ ኪዳን) መጀመርታ ብምዃኑ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓበይቲ ዘመናት ስለዝርከብ፡ ብተምሳሉ ዘመን መቐየሪ ተባሂሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ኣቦታት ብመደብ ዝገብርዎ እዩ። ርእሰ ዓወደ ዓመት ተባሂሉ ኸኣ ዝደመቐ ኣገባብ ይኽበር። በዚ መሰረት ኸኣ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ወንጌላውያን ግና በብዓመቱ እናተቐያየሩ ንእንዖዱን ንዓለም ክምግብዋ ይነብሩ። ማቴዎስ ማርቆስ ዮሐንስ 365 ዕለታት ክኸውን ከሎ ሉቃስ ግና 366 ዕለታት ይኸውን። በብዓመቱ ባሕቲኣ ብቤተክርስቲያን ልዑል ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ናይ በዓላት ንኣጽዋማት ንዕለታት ንምእመናን ዘፍስሱሉ (ዘስምዑሉ) ዕለት ብምዃኑ “ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ” (ዮሐንስ ናይ ዓመት መጀመርታ ወይውን ርእሲ ናይ መጥቅዕን አበቅቴን መርከቢ) ብማለት ይግለጽ። መጥቅዕ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን መውጽኢ ክኸውን ከሎ፡ አበቅቴ ድማ ምስ ሰርቀ መዓልትን ሕጸጽን ተደሚሩ ናይ ሰርቀ ሌሊት መውጽኢ እዩ። ቅዱስ ያሬድ’ውን “ውስተ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተጽሕፈ ተዝካርከ፤ ባርከኒ እንሣእ በረከተከ” ብምባል ነዚ ዕለት ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ዝርከበሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልተ ወቕትታት (ክረምትን ቀውዕን) ብምዃኑ ክረምቲ ናይ ብሉይ፡ ቀውዒ ኸኣ ናይ ሓዲስ ኪዳን ምሳሌ ኮይኑ ስለዝቐርብ እዩ። ንኵሉን በዓላትን ኣጽዋማትን ናይ ዓመት ቀመር’ውን መሰረት ስለዝኾነ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ኣብ ምእታው ሓዲሽ ዘመን ይኽበር። መሰረቱ ኸኣ ተግባር መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ንዘመነ ወንጌል መእተዊ ኆኅት ወይውን መበገሲ ኮይኑ ስለዝተረኽበ አበው ሊቃውንት በዓላት ኣብ ዝደንገጉሉ እዋን መዘከርታ ቅዱስ ዮሐንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ኮይኑ ባሕቲ ክኽበር በብዓመቱ ኸኣ መጀመርታ ዘመን ብስሙ ክጽዋዕ ስርዓት ብምግባሮም እዩ። (ድርሳን ዘቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ስንክሳር’ውን መጀመሪ ሓድሽ ዓመት መስከረም ምዃኑ ገሊጹ ይርከብ። ብሊቃውንቲ ኣዘራርባውን ጸልማት ኣብ ዝነበረ ዘመነ ፍዳ ዘይተሰምዐ ቃል፡ሓድሽ ተስፋ መንግስተ ሰማያትን ስብከት ብርሃንን ብዮሓንስ ስለ ዝጀመረ ናይ ሓድሽ ዘመን መኽሰቲ ኢሎም ምስ ምጅማር ሓድሽ ዘመን የተኣሳስርዎ። መስከረም ዘመን መለወጢ ምዃኑ ድማ ብርሃናት (ፀሐይ፤ ወርሒ ከዋክብቲ) ናይ ዓመት ዑደቶም ኣብ ወርሒ ጳጒሜን ፈጺሞም ኣብ ወርሒ መስከረም ስለዝጅምሩ እዩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኸኣ ለይቲ ምስ መዓልቲ ይተኻኸልን መዓረ 12 ሰዓት ይኸውንን። ድኅሪ እዚ ግና ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ መዓልቲ በብቝሩብ እናጐደለ ይኸይድ። ነዚ መሰረቶም ኸኣ ሄኖክ እዩ (ሄኖ 21፥49)። ናይ ኣቡሻኽር (ባሕረ ሓሳብ) ሊቃውንትውን ዓለም ብማየ ኣይኅ ኣዕለቕሊቓን ተኸዲናን ድኅሪ ምጽናሕ ካብቲ ዝነበረ ማይ ክተጽፈፍን ምድሪ ክተረኣይ ዝጀመረትሉ ወርሒ መስከረም እዩ ብምባል ምኽንያት መለወጢ ዘመን ወሲኾም የረድኡ እዮም (ኩፋ 7፡1)።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ሃገርናን ባህልናን

           ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ኮይኑ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቦታትና ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም በረኸቱ ንኽረክቡ ብስሙ ታቦት ቀሪጾም ከኽብርዎ ክሳብ ሕጂ ዘሎናዮ ዘመን በጺሑ ኣሎ። ኣስታት ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዝገማገም ዕድመ ዘለዎን ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ዝኾነ ቴድረር’ውን ብስም ቅዱስ ዮሓንስ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓንጸን ብስሙ ታቦት ዝተቐርጸሉ ምዃኑ ምጥቓስ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ኣቦታትና ነዚ ክርስቶስ ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ካብኡ ዝዓቢ የልቦን ኢሉ ዝመስከረሉ ኣቦ ዘለዎም ክብሪ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና’ውን ብስሙ ዝተቐርጹ ጥንታውያን ታቦታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ባህልና’ውን ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ውሽጢ ኅብረተሰብ ሰሪጹ ዝርከብን ብዝተፈላለየ መገዲ ሕዝብና ኣኽብሮቱን ፍቕሩን ዝገልጸሉ ኣገባብ ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ብፍላይ ኸኣ ምስ ምእታው ሓድሽ ዘመንን ኣብ ምብቃዕ ዝገማገም ዘሎ ዘመነ ክራማትን ምስ ትስፉው ምጅማር ሰዊትን ፍርያትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ፍሉይን መሳጥን ኣከባብራ ኣብ ገጠራዊ ክፋል ሕዝብና ይርከቦ፤ ነዚ በዓል ኸኣ ፍሉይ ምድላው ይግበረሉ። ነዚ በዓል ዘይዕጠቕ ዘይዳሎ ክፋል ኅብረተሰብ ድማ የልቦን። ብድሮ ቅንያት ቅዱስ ዮሓንስ፡ ጓሶት ጥሪቶም እናጓሰዩ ምስቲ ልሙዕ ክራማትን ጽጉባት መጓሰኦምን ብሓጐስ ንቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን ዝኸውን ሽግ ይእክቡን ይሰርሑን። ምሸት ምሸት ድማ ጥሪቶም ኮብኲቦም ሽጎም ተተሰኪሞም ብሓጐስ ይኣትዉ። ሰብኡት ከኣ ንዓውደ ዓመት ዝኸውን ክዳውንቲ ይገዛዝኡ፤ ኵሉ በብዘለዎ ድማ ነቲ ኣሎኒ ዝብሎ ክዳን ሩባ ወሪዱ የጻራርይ፤ ሕሩድን ካልእን ድማ ይቀራርቡ። ኣዴታት ድማ ኵሉ ናይ ነፍሰን ይኹን ኣሎ ዝበሃል ናይ ውሻጠአን ምቕራርብ የጻፍፋ። ዝስተን ዝብላዕን ኸኣ ብውህልነት ይዳሎ። ኣዋልድን መርዑን ኸኣ ምሽልላምን ካልእን ከምኡ ፍሉይ ምድላዋት ይገብራ። ኣብ ድሮ (ዋዜማ) ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ኣጕባዝን ሰብኡትን ሸሽጎም ሒዞም ኣብ ባይቶ ዓዲ ይእከቡ። ኣዋልድን ኣንስትን መርዑን ድማ ኮበሮአን ሒዘን ይመጻ። ኣብቲ ዓዲ ታቱላ በብመኣዝኑ ይስማዕ፡ እዚ ኸኣ ብስራት ሓድሽ ዘመን እዩ። ብወገን ቤተ ክርስቲያን ናይ ዋዜማ ደወል ከም ማለት እዩ። ሽግ ድማ ብዓበይቲ ተባሪኹ ይውላዕ። እዚ ብርሃን ኸኣ ተምሳል ናይ ሓድሽ ዘመን እዩ። ቅድሚ ካልኦት ግና ብመጀመርታ ናብ ዓበይቲ ኣረጋውያን፡ ሕሙማት ወቦ ዘተርፈ እሞ ናብ ባይቶ ዓዲ ክመጹ ናብ ዘይክእሉ ኣብ በብዘለዉዎ ብምውሳድ ሽግ ወሊዕኻ ሓዊ ከምዝሰግሩ ይግበር። ንሶም ድማ ካብ ልቦም ትምኒቶም ብምግላጽ ይምርቑ። ብድኅሪ እዚ “በዓል ሽግ፡ በዓል ሽግ” እናተባህለ መጸዋዕታ ይቐርብ። ሽግ ዘለዎ ሽጉ ሒዙ ድማ ደበኽ ይብል። ኵሉ ሽግ ዝሓዘ ድማ ሽጉ የብርህ። ቅድሚ ኵሉ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ድኅሪኡ ኸኣ ንብምሉኡ ዓዲ ሆየ እናበልካ ብመስርዕ ይኹለል። መርዑን ኣዋልድን ደድኅሪ ሽግ ሆየ ይስለፋ። ደቂ ተባዕትዮ ሽጎም ዓቲሮም ሆየ ሆየ እናበሉ ክኸዱ ከለዉ ኣዋልድን መርዑን ድማ ኮበሮአን ሒዘን እናተቐበላ ደድኅሪኦም ይስዕባ። ካብቲ ኣብዚ እዋን ንመበሰሪ ሓድሽ ዓመት ዝብሃል ኸኣ  “ዮሐንሰ ይአቶ ኣብሪህዋ ንባይቶ! ዮሐንሰይ ቅዱሰይ ዘለዓለም ንጉሠይ!” “ንዮሐንሰይ መስቀለየ ድርብ ኮበሮ ሓዛለይ” ዝብል ይርከቦ። ኣደታት ኣብ ድርኲዂት ኣባይተን ኮይነን ዕልል ይብላ። ቱቱላ በብማእዘኑ ይንፋሕ። ዓዲ ብብርሃን ሽግ ትደምቕ። ዓበይቲ ወለዲ ኸኣ ተመስገን ኣምላኽ እንቋዕ ነዚ ኣርኣኻና፤ እንቋዕ ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ኣስገርካና ኢሎም ናብ ኣምላኽ ምስጋና የቕርቡ። ነቶም ሆየ ዝብሉ መንእሰያት ኸኣ ኃይልኹም ኃይሊ ሓጺን ይግበሮ፤ ሰስኑ እምበር ኣይትውሓዱ፤ ውላድኩም የርእየና፤ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ይጸንብረና፤ ዓመት ንዓመታ የድግመና፡ ብሰላም የብጽሓና እናበሉ ይምርቑ። ድኅሪ እዚ ኵሉ ኸኣ ሽግ ዝሓዘ ዘይሓዘን ኵሉ ብሓንሳብ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይእከብ። ሽዑ ካህናት ዓዲ ነቲ ሓድሽ ዘመን ባሪኾም መሐረነ ኢሎም አቡነ ዘበሰማያት ይህቡን ይደግሙን። ሕዝቢ ድማ ተቐቢሉ ጸሎቱ የብጽሕ። ኣብ መወዳእታ ሽግ ዘይሰገረ እንተሎ ይሰግር። ዓበይቲ ሰብኡትን ኣንስትን ድማ “ሓምሊ ቁራዕ ውጻእ፡ ገዓት ጠስሚ እቶ፤ ከምዚ ንዓመታ ብሰላም ኣጽንሓና፤ ቡሩኽ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና፤ ቀዳዊና ዘመን ኣምጽኣልና፤ ዓድና ባረኸልና፤ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ጸንብረና፤ ዝዝራእናዮ ኣፍርየልና፤ ዝወለድናዮ ኣዕብየልና፤ ዘመነ ሰላም ዘመነ ራህዋ ግበረልና” እናበሉ ነቲ ሓዊ ሽግ ይሰግሩ።  ኣብ መወዳእታ ካህናት ይባርኹሞ ነበርቲ ዓዲ ሽግ ሰጊሮም ሰርሖተ ሕዝቢ ይኸውን። መንእሰያት ግና ባህላዊ ጸዋትኦም ይቕጽሉ።  

 በዚ ኣገባብ ድሮ ቅዱስ ዮሐንስ ምስ ተዛዘመ፤ ንጽባሒቱ ሓድሽ ዓመት ኵሉ ክዳኑ ኣጸራርዩን ተሸላሊሙን ቤተ ክርስቲያን ተሳሊሙን ጸሎቱ ኣብጺሑን ናብ ገገዝኡ ይምለስ። ምድላው ክግበረሉ ዝቐነየ ምሉእ ሽሻይ ሽዑ ይወርድ፤ ይብላዕን ይስተን። ብድኅሪኡ ኣቱም እንዳ እከለ ከመይ ሓዲርኩም፤ እንቋዕ ናብ ሓዲሽ ዓመት ኣብጽሓኩም ኣብጸሓና፤ ብሩኽ ዓውደ ዓመት፤ ቀዳዊና መሐጐሲና ዘመን ይግበሮ እናተባሃሃሉ ይበጻጽሑ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ዝሰተን ዝብላዕን ክቕረብን፡ ኣጋይሽካ ክትቕበልን ብሓጐስ እዚ ዓውደ ዓመት ይሓልፍ።

 ባህልና ክሳብ ክንደይ መንፈሳዊ መሠረት ከምዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል። ቤተ ክርስቲያን ሕመረት ናይ ከምዚ ባህሊ ዘለዎ ሕዝቢ ምዃና ብተሳትፎ ካህናት ዓዲ ብቀሊሉ ክንርዳእ ንኽእል። ባህልና ግና ምስ ምዕባለ ዓለም – ዓለማዊ ገጹ እናሰዓረን ክርዳድ እናበቖሎን ሕዝኣቱ እናተስዓረን ከይከይድ ዘይሰክፍ ኣይኮነን።

 መጠቓለሊ

  መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ዓርኪ መርዓዊ፤ ነቢየ ልዑል፤ ነቢይን ሓዋርያን፤ ካህንን ሰማእትን እዩ። ቀቅድሚ ጐይታ ብምምጻእ መገዲ ዝጸረገ፤ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝሰበከ ቃለ ዓዋዲ እዩ። ባዕሉ ጐይታ ኣኽቢርዎ መሪጽዎን እዩ እሞ ነዚ ክቡርን ቅዱስን ኣቦ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ተኽብሮ እያ።

            በረኸቱን ጸሎቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። ኣሜን!

            ስብሃት ለእግዚኣብሔር

            ወለወላዲቱ ድንግል

                ወለመስቀሉ ክቡር

                       ኣሜን!

Sorry, comments are closed for this post.