Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ማርያም-ጽዮን (ሕዳር ጽዮን)/ Maryam Tsion (HDAR TSION) (2ይን መወዳእታን ክፋል)

                     በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።  

                     ማርያም-ጽዮን (ሕዳር ጽዮን)(2ይን መወዳእታን ክፋል)

           ark 7እቲ ዝውለድ ኣምላኽ ትስብእታዊ ልደቱ ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ስለ ዝኾነን፡ ንዳዊት ኣቦኣ ነዚ ተስፋ ብመንበር መሲሉ ኣጽኒዑሉ ስለ ዝነበረን ድማ ቅዱስ ገብርኤል ከብስራ ከሎ “ዝፋን ዳዊት ኣቦኡ ክህቦ እዩ” ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ተስፋ ትንቢት ካብኣ ብዝውለድ ኣምላኽ ከም ዝፍጸም ብትሕትና ነጊርዋ። ስለዚ እዩ ድማ ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ወለዶ ጐይታ ክጽብጽብ ከሎ “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ኢሉ ዝጀመረ። ስለዚ እዩ ድማ ብዙሓት ክልምንዎ ከለዉ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት” ኢሎም ዝጸውዕዎ ዝነበሩ። ስለዚ እዩ ድማ ህጻናት ከይተረፉ ከመስግንዎ ከለዉ “ሆሳዕና ለወልደ ዳዊት” ዝበሉ። ባዕሉ’ውን ነቶም መንነቱ ዝተጠራጠሩ ኣይሁድ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ክብል ምስሓተቶም፡ ፈላጣት መጻሕፍቲ ስለዝነበሩ “ወዲ ዳዊት” ዝበልዎ ነዚ ትንቢት ኣጸቢቖም ዝርድኡ ብምንባሮም እዩ። ንሱ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ክበሃል ዝኸኣለ ግና “ወልደ ኣብ በመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም በትስብእቱ” ከም ዝብል ብስጋ  ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ተዋሂዱ ፍጹም ሰብ ስለዝኾነ እዩ።

  • ሰብ ኣዴና ጽዮን ከም ዝብል ትንቢት እተዛረበ ቅዱስ ዳዊት ደጊሙ’ውን “እስመ ኀረያ እግዚአብሔር ለጽዮን፡ ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ፡ ዛቲ ይእቲ ምእራፍየ ለዓለም፡ ዝየ አኀድር እስመ ኀረየክዋ” (እግዚአብሔር ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፤ መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ፡ እዚኣ  ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ መሪጸያ እያ እሞ ኣብዚኣ ክሓድር) ኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ መሕደሪኡ ክትከውን ንዝመረጻን ኣብ ማሕጸና ተወሲኑ ንዝሓደረላን ኣዴና ቅድስት ድንግል ዝተዘርበ ትንቢት እዩ። እዚ ከኣ ንሱ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ከም ምዃኑ ንሳ ድማ ንዘለዓለም ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ ከምእትጽዋዕ ዘመልክት እዩ። ብካልእ ትንቢቱ’ውን “ደብረ ጽዮን ዘአፍቀረ፡ ሐነፀ መቅደሶ በአርያም፡ ወሣረረ ውስተ ምድር ዘለዓለም” (ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንመቕደሱ ከምታ አርያም ሓነጸ፡ ንዘለዓለም ኣብ ምድሪ ሰረታ) ብምባል ደጊሙ ብዛዕባ ናይ ኣዴና ጽዮንነት ኣመስጢሩ ተነቢዩ ነበረ። ጽርሐ አርያም ማለት ካብ ሾብዓተ ሰማያት ሓደ ኮይኑ ኪሩቤል ዝሽከምዎ (ብረድኤት እግዚአብሔር) ሱራፌል ዝዓጥንዎ ናይ እግዚአብሔር ዙፋን ዝርከበሉ እዩ። እዚ ዙፋን ከኣ ብሾብዓተ ናይ እሳት መንጦላዕት (መጋረጃታት) ዝተሸፈነ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ያሬድ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ኣብ ዝወደሰሉ ኣብ ናይ ኣንቀጸ ብርሃን ድርሰቱ “ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጽርሐ ማርያም፡ ንስኺ ኣብ ምድሪ ኣርያም ኮንኪ” ብምባል መሲሉ ዘመስገና። ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ አርያም ኢሉ ዝጠቐሶ ትንቢት ንኣዴና ምዃኑ ነስተውዕል።

  • ዘለኣለማዊ ድንግልናኣ ኣብ ዝገለጸሉ ትንቢት’ውን ደጊሙ ከምዚ ይብል። “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ ወሰብሒዮ ለአምላክኪ ጸዮን፥ እስመ አጽንዐ መናግሥተ ኆኃትኪ” (ኦ ኢየሩሳሌም ንእግዚአብሔር ኣመስግኒ፡ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ ወድሲ፡መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ)። እዚ ቃል ድማ እቲ ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ ምስ ዝመስከረ ነቢይ ሕዝቅኤል ዝሰማማዕ ትንቢት እዩ (ሕዝ 44፥1-2)። ኣዴና’ውን “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ” ብምባል ትንቢት ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ምላሽ ሂባትሉ እያ። ናይ ነቢያት ናይ መንፈስ ምዝርራብን ፍጻሜ ትንቢቱን ክንደይ ዘደንቕ እዩ።

  • ታቦት መሕደሪ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ፡ ኣዴና’ውን መሕደሪት እግዚአብሔር እያ። እግዚአብሔር ኣብ ታቦተ ጽዮን ኮይኑ ክብሩ ክገልጽ፡ ዓበይቲ ተኣምራቱ ከርእይ ከሎ ኣብ ልዕሊ ታቦት ብረድኤት ሓዲሩ እዩ። ኣብታ ኣማናዊት ታቦት ግና እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ብቃልነቱ ከዊን ፍጹም ተዋሂዱ እዩ። ስለዚ ድማ  ኢና ወላዲተ ቃል፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኢልና ንጽውዓ።

  aksum tsion churchታቦት ጽዮን ናይ ቃለ እግዚአብሔር መሕደሪ ከም ምዃና፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንአካላዊ ቃል ንእግዚአብሔር ወልድ መሕደሪ ኮነቶ። ናይ ድርሰት ጸጋ ዝተዋህቦ ናይ መንፈስ ቅዱስ በገና ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ከረድእ ከሎ “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር ፆርኪዮ በከርስኪ ተስዓተ አውርኃ አንቲ ማእምንት ለዘኢያገምርዎ ሰማያት ወምድር” ኢሉ ነይሩ። ትርጉሙ ኸኣ ኦ ድንግል ማርያም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ ኣምላኽ ንእኡ መሕደሪኡ ኮይንኪ፤ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸንኪ ጾርክዮ። ኦ ድንግል ሰማይን ምድርን ንዘይውስንዎ ኣምላኽ ንምውሳን ዝተኣመንኪ ንስኺ ኢኺ ዝብል እዩ። 

ታቦት በወርቅ ልቡጥ እምኵለሄ ዘግቡር እምዕፅ ዘኢይነቅዝ” ካብ ዘይምሽምሽ ዕንጸይቲ ዝተጸርበ ብውሽጢ ብአፍአ (ደገ) ብወርቂ ዝተሸለመት ኢሉ ቅዱስ ኤፍሬም ዝገለጻ ንኣዴና ቅድስት ድንግል እዩ። እዚኸኣ ስለ ፍጹም ንጽህናኣ እዩ፡ ንሳ ብስጋ ብነፍስ ብልቦና ብኵሉ ንጽሕትን ቅድስትን እያ። ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “አልብኪ ነውር ወኢምንትኒ ላዕሌኪ” (ነውር የብልክን፤ ሕፍቲ’ውን የብልክን) እናበለ ዘመስገና እያ። ምኽንያቱ ነውሪ ኃጢኣት ዘይቀረባ ናይ ቅድስና ባህርይኣ ከይረስሐ ብንጽሕናኣ ጸኒዓ ዝነበረት ንጽሕት ብድንግልና ስርጉት ብቅድስና ክብርት ብልዕልና ንሳ ንጽሕተ ንጹሓን እያ።

ታቦተ ጽዮን ብዝኸበረን ናይ ንጽሕና ምሳሌ ብዝኾነን ጽሩይ ወርቂ ከምዝተሸለመት፤ ኣዴና’ውን ብንጽሐ ስጋ ብንጽሐ ነፍስ ከምኡውን ብንጽሐ ልቦና ዝተሰርገወትን ዘጌጸትን ምዃና ዘርእይ እዩ። እታ ታቦተ ሕጉ ኣብ ዝተቐደሰት መቕደሱ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ትቕመጥ ከምዝነበረት፤ ኣዴና’ውን ቅድስተ ቅዱሳን ብውሽጣን ብደጊኣን ንጽሕቲ ቅድስቲ እያ። 

  • ደብረ ጽዮንን ታቦተ ጽዮንን ምሳሌኣ ዝኾኑ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ከም ዝትነበየላ ንኣኣ ዝፈቱን ዘኽብርን “ኣዴና ጽዮን” እናበለ ክጽውዓ ክነብር እዩ። ንኣኣ ዘኽብር ንርእሱ ይኸብር። ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ድማ ይውሰኸሉ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ክንዳና ኮይኑ ንኣዴና ንኽቕበለልና ንቅዱስ ዮሐንስ እዩ መሪጽዎ። እቲ ሕሩይ ሐዋርያውን ንኣደ ኣምላኽ ዝተረከበሉ ስፍራ ንድሕነተ ዓለም ኣብ ዝመረጾ ቀራንዮ ኣብ መልዕልተ መስቀል ከሎ እዩ። ኣዴና ምእንቲ ክንብላን እቲ ትንቢት ፍጻሜ ክርከብን ድማ በቲ ህይወት ዝህብ ቃሉ  “እንሀት ኣዴኻ” ከኣ በሎ (ዮሐ 19፡27)።

 “ዕግትዋ ለጽዮን” (ንጽዮን ክበብዋ) ኢሉ እቲ ቅዱስ ነቢይ ነቲ ሕግን ቃላትን እግዚአብሔር እተጻሕፈላ ናይ እስራኤል እምባን መጽግዒን ንዝነበረት ታቦተ ጽዮን ሌዋውያን ካህናት ከቢቦም ውዳሴ የቕርቡላን ምስ ኣምላኽ ይራኸቡላን ከም ዝነበረ፤ ሎሚውን ካህናትን ምእመናን ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቦም ነታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ብማህሌት ብዝማሬ ብቅኔ ብቅዳሴ ብውዳሴ የኽብርዋ ኣለዉ። እቶም ንኣኣ ዘመስገኑን ዝኸበቡን እስራኤል ዘስጋ ካብ እግዚአብሔር በረኸትን ጸጋን ከም ዝረኸቡ፤ ሎሚ ድማ ምሳሌኦም ወሲዶም ብናይ ሓዲስ ክብሪ ንኣዴና ዘኽብሩ ኵሎም ዝለዓለ ክብርን ጸጋን ምስታፎም እሙን ነገር እዩ። ስለዚ ድማ ደቃ ዝኾንና ኵልና፡ እምባ መጽግዒት (ጽዮን) ምዃና እንኣምን ኵልና፡ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና “ኣዴና ጽዮን” ኢልና ንዘምረላን ንወድሳን።

   በረኸት ኣዴና ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

                       ስብሐት ለእግዚአብሔር

                      ወለወላዲቱ ድንግል

                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                               ኣሜን!

 

 

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.