Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ማርያም-ጽዮን (ሕዳር ጽዮን)/ MARYAM TSION (HDAR TSION)(1ይ ክፋል)

               

            በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።  

              ማርያም-ጽዮን (ሕዳር ጽዮን)  (1ይ  ክፋል)                  

        minilik-tsion-2ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ በዚ ወርሒ እዚ ካብ እተብዕሎም በዓላት ሓደ “ሕዳር ጽዮን/ ማርያም ጽዮን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ እመብርሃን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኹ ምስ እንምልከት እስራኤላውያን ን430 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ግብጺ ኣብ ከቢድ መግዛእቲ ድሕሪ ምንባሮም፡ እግዚኣብሔር ካብ ጭንቆም ከናግፎም ፈተወ። ብነቢይ ሙሴ ገይሩ ድማ ባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ  ኣሳገሮም። ንዕኡ ዘምልኹሉ፡ ጸሎቶም  ዘቕርብሉ፡ ዓሰርተ ቃላት ዝሓዘ  ጽላት፡ ንዕኡ መሕደሪ ዝኸውን ታቦት ባዕሉ ብፍቓዱ ብኢድ ነቢይ ሙሴ ገይሩ ሃቦም። ነቲ ዝሃቦም ጽላትን ታቦትን ብሓባር ኣብ ቤት መቕደስ ክቕመጥ ከም ዘለዎ’ውን ኣዘዞ። በቲ ዝተዋህቦም ሕጊ እና ተኣዘዙ፡ ብታቦት ኪዳን ሓይሊ ጉዕዝኦም ጀመሩ። ጉዕዞ ምድረ በዳ ሲና ዛዚሞም ንባሕሪ ዮርዳኖስ ብናይ ታቦት ሓይሊ ኣብ ክልተ  ከፊሎም ተሳገሩ። ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሕዎም ጸላእቶም እናሰዓሩ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ`ውን ብሓይሊ ታቦት ኣፍሪሶም ብሰላም ናብታ ተስፋዊት ሃገር ከንኣን ኣተዉ።  ብድሕሪ እዚውን ታቦት እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ከም ዝረኽቡ ገይርዎም እዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ሲና ብኢድ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢሉ ብዝሃቦም ትእዛዝን ታቦተ ሕጉን መሰረት ዝተፈላለዩ መራሕቲ እናኣተንስአ ብቅዱስ ፍቓዱ ንብዙሓት ዘመናት መርሖም። ንሳቶም እኳ ብተግባሮም ካብ ፍቓዱ እንተወጹ ንሱ ግና ረዲኤቱ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ምፍሳስ ኣየቋረጸን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምልከቶ እስራኤላውያን ጸላእቲ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ዝትንስእሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረ ታቦት ናይ እግዚኣብሔር ኣምሪሖም ናብ ዓውደ ኲናት ይኸዱ ነበሩ፡ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ታቦቱ ሓዲሩ፡ ንጸላእቶም ስዒሮም ብዓወት ናብ ገዝኦም ከም ዝምለሱ፡ ሰላም ዘለዎ ህይወት ከም ዝነብሩ ይገብሮም ነበረ። እንተኾነ ኣብ ዘመነ ካህን ኢሊ ሓደ ዘሕዝን ነገረ ተፈጸመ። ንሱ ከኣ እስራኤላውያን ከም ኩሉ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ግዜ ካህን ኤሊ’ውን ኣንጻር ፍልስጥኤማውያን ኲናት ክገጥሙ ናብ ግንባራት ከዱ። ከምቲ ዝተግልጸ ታቦት ኣምሪሖም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ግዜ  ዓወት ረኺቦም ይምለሱ ነበሩ። ኣብዚ ናይ ካህን ኤሊ ዘመን ግና እስራኤላውያን መገዲ ጽድቂ ገዲፎም ኣንጻር ቅድስናን ንጽህናን፡ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክንቀሳቐሱ፡ ብፍትወት ስጋኦም ክነብሩ፡ በቲ ናይ ክፍኣትን ርኽሰትን በዓል ቤት ዝኾነ ዲያብሎስ ክግዝኡን ተራእዩ። እቶም ብክህነት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ዝተመርጹ ደቂ ካህን ኤሊ (ኦፍኒንን ፊንሃስን) ኣብ ርኽሰት ወዲቖም ተረኽቡ፡ ንእግዚኣብሔር ምስቲ ዝመርሕዎ ሕዝቢ ኮይኖም ኣሕዘንዎ፡ ብፍጹም ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ወሰኹ። ከምዚ ኢሎም ከለዉ እምበኣር ነቲ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ዘጓናጽፎም፡ ንባሕሪ ዮርዳኖስ ኣብ ክልተ ዝኽፈ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ ከም ዝስበር ዝገበረ ታቦት ሒዞም ናብ ኲናት ኣንጻር ፍልስጤማውያን ክገጥሙ ወጹ። እንተኾነ ካብ ርኽሰቶም ዝተላዕለ ብዙሓት ካብ መንጉኦም ሞቱ፡ እቶም ክልተ ደቂ ኤሊ- ኦፍኒንን ፊንሃስን’ውን ኣብቲ ውግእ ሞቱ። ሓይሎምን ክብረቶምን  ዝኾነት ታቦት ከኣ ኣብ ኢድ እቶም መምለኽቲ ጣዖት ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ወደቐት ማሪኾም ናብ ዓዶም ኣብ ቅድሚ ዳጎን ኣቐመጥዋ። ምምራኽ ታቦት ኣምላኽ ዝሰምዐ ካህን ኤሊ ካብቲ ዝነበሮ ወንበር ብስንባደ ወዲቑ ሞተ፡ ጥንስቲ ዝነበረት ሰይቲ ወዱ (ሰበይቲ ፊንሃስ) ሕማም ሕርሲ ተታሕዘት፡ “ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ ኢዩ’ሞ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ” ኢላ ነቲ ዝወልደቶ ውላድ “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።

ፍልስጥኤማውያን ንታቦት ኣብ ቅድሚ ደጎን ኣቐመጥዎ፡ እንተኾነ ግና እቲ ከም ኣምላኽ ቆጺሮም ፍግም ኢሎም ዝሰግድሉ ዝነበሩ ዳጎን ተሰባቢሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ወደቐ። ፍልስጥኤማውያን በቲ ዝኾነ ነገር ተሸበሩ፡ ሽግሮም ካብ ዕለት ናብ ዕለት በዝሐ። ኣብ መወዳታ ድማ ድሕሪ እቲ ብታቦት ዝወረዶም ሽግርን መከራን ናብ ኢየሩሳሌም ክመልስዋ ግዲ ኮኖም። ቅዱስ እግዚኣብሔር ክድንግጸሎም ኣብ ሰረገላ ጽዒኖም ብክልተ ሓራሳት ኣሓ ገይሮም ካብ ዓዶም ናብ እስራኤል ሰደድዎ። እስራኤላውያን ተቐቢሎም ኣብ ቤት ኣሚናዳብ 20 ዓመት፡ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም 3 ወርሒ ኣቐመጥዎ። ጸኒሑ ግና ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ናብ ከተምኡ ናብ ጽዮን ኣእተዎ (1 ሳሙ 4፡1-መፈ, 1 ሳሙ5፡1-መፈ, 1 ሳሙ6፡1-መፈ, 2 ሳሙ6፡1-መፈ)።

      ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዚ ዕለት እዚ ማርያም ጽዮን (ታቦተ ጽዮን/ሕዳር ጽዮን) እና ተባህለ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ይኽበር። እዚ ከኣ እዚ ወርሒ እዚ ታቦት ካብ ምርኮ ዝተመልሰትሉ ኢዩ። እዚ መንጎ ታቦትን ቅድስት ድንግል ማርያምን ዓቢይ ናይ ሃይማኖት ምስጢር ስለ ዘሎ እዩ።

   ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት እተዛረበላ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስታ ታቦተ ጽዮን ብምዝማድ ካብ ብዙሕ ብውሑድ ክንርኢ ኢና። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ’ውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ንኣማናዊት ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር” ብምባል ነዚ ምሳሌያዊ ምስጢር ገሊጹዎ እዩ።

  • ብሉይ ትንቢት፡ ምሳሌ፡ ተስፋ፡ ሓዲስ ድማ ፍጻሜ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብንጹር የረድኣና እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክስዕር ኣይመጻእኩን” ብምባል ብግልጺ ነጊሩና እዩ። ኣፉ ብምሳሌ ከም ዝከፍት ትንቢት ከም ዝተነግረሉ ድማ ንኵሉ ምሳሌኡን ፍጻሜኡን ኣረድኣና። ሓዋርያት’ውን ነቲ ኣብ ብሉይ ዘሎ ታሪኻት መሊሶም ምሳሌኡ እናጠቐሱ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዘለዎ ትርጓሜ ኣመሳጢሮም ምሂሮምና እዮም። ሊቃውንትና ድማ ነዚ ኣሰር ስዒቦሞ እዮም። እምበኣርከስ ጽዮን ተባሂላ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተነግረላ ሓንሳብ ብቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ሓንሳብ ድማ ብመንግስተ ሰማያት፡ ሓንሳብ ከኣ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እናተመሰለት ክትግለጽን ክትምስጠርን ትነብር ኣላ። ብኻልእ’ውን ኣብ ዘመነ ብሉይ ተምሳል እስራኤል ዘስጋ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብምእመናን ኮይና ትግለጸሉ እዋን ኣሎ። ንሎሚ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ሞንጎ እታ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዝኾነት ታቦተ ጽዮንን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንዘሎ ዓሚቕ ዝኾነ ምስጢራዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ብውሑዱ ቃላት ፈሊና ክንጠቕስ ኢና።

  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጽዮን” ተባሂላ ትጽዋዕ። ምኽንያቱ ከኣ ጽዮን ማለት እምባ፡ መጸግዒ ማለት ከም ዝኾነ ኣዴና’ውን እምባናን ጸግዕናን ስለዝኾነት እዩ። ብሓቂ ንዝኣምን ንሳ ናይ ስጋን ነፍስን፡ ናይ ሓጥኣንን ጻድቃንን እምባ መጽግዒት እያ።

  • አምነቅዱስ ዳዊት ኣዴን ቅድስት ድንግል ማርያም “ኣማናዊት ጽዮን” ምዃና ዛረብ ከሎ ኣቐዲሙ መሰረታ ዓበይትን ቅዱሳንን አበው ምዃኖም እዩ ነጊሩና (መዝ 87፥1)። ካብ ኣዳም ጀሚሮም ከም እኒ አብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ … ዳዊት ኵሎም አበውን  ነቢያትን ኣቦታታ ናይ እግዚአብሔር ሰባት ቅዱሳን እዮም። ኣብቲ ዘመነ ጸልማት ዝኾነ ዘመነ ፍዳን ኵነኔን ሕግን ፍቓድን እግዚአብሔር ብምፍጻም ነቲ ዝተዋህበ ተስፋ ድሕነት ብዓቢይ ሓንቀውታ ዝጽበዩን ዝልምኑን፤ ሱባኤ እናቖጸሩ ትንቢት እናተዛረቡ ምሳሌታት እናመሰሉ ዝጸንሑ እዮም። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንኣኣቶምን ብምዝካር እዩ “ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም” ክብል በብዘመኑ እግዚአብሔር ንዝገለጸሎም ሕብረ ነገርን ሕብረ ትንቢትን መእተዊ መልእኽቲ ዕብራውያን ዝገበሮ (ዕብ 1፡1)

ቅዱስ ዳዊት፡ መሰረት ኣዴና ጽዮን ካብቶም ቅዱሳን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ልዑል እግዚአብሔር ንኣኣ ብዝምልከት ካብ ኵሉ ማሕደራት ንላዕሊ ንደጌታት ጽዮን ከም ዘፍቀረ፤ ንኣኣ ከም ዝሓረየ ኣብ ትንቢታዊ መዝሙሩ ኣስፊሑ ገሊጹ እዩ። እዚ ትንቢት ከኣ መጋቤ ሐዲስ ቅዱስ ገብርኤል ንእመ ብርሃን ወላዲተ አምላክ ነቲ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ደቂ ሰባት ክውለድን ከድሕኖምን ተስፋ ንዝገብርዎ ኣምላኽ ከም እትወልድ ኣብ ዘበሰረሉ እዋን ዝጠቐሶ እዩ። “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግስ እዩ፡ መንግስቱ ከኣ መወዳእታ የብላን።” ብምባል እዩ ንኣዴና ነጊርዋ። እዚ ቃል እዚ ረቂቕ ምስጢረ ተዋሕዶ ዝገልጽን፤ ካብ እግዝእትነ ማርያም ዝውለድ መድሃኒት ክርስቶስ ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ፡ ብተዋሕዶ ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ሰብ ድማ ፍጹም ኣምላኽ ከም ዝኸውን ዝነግርን፡ ከምቲ ኣብ ትንቢት ዝተነግረ ካብ ወገን ዳዊት ካብ እትውለድ ድንግል ፍጻሜ ከም ዝረኸበ ኣነጺሩ ዘረድእ እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እቲ ትንቢት ምስ ተፈጸመ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ “ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም” ከም ዝበለቶ፡ ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ፍጻሜ እዚ ኣቐዲሙ ብምርኣዩ፡ ምስጢራዊ ትንቢት እናዘመረ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ኣዴና ጽዮን’ ክብል ዝጸውዓን ኵሉ ሰብ ድማ ከምኡ ‘እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ’ ብምባል ከም ዝጽውዓን ትንቢት ተዛረበ። ምኽንያቱ ኣብ ዝገለጸሉ ድማ ትሕት ኢሉ፡ ሰማያዊ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ካብኣ ሰብ ስለ ዝኸውን ካብኣ “ሰብ ተወልደ” ብምባል ወልደ እጓለ እምሕያው ክርስቶስ ካብኣ ከም ዝውለድ መብርሂ ትንቢቱ ተዛረበ። ክንደይ ደስ ዘብል ቃልን ምስጢርን እዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ንኣቦታትና ዝገለጸ እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ትንቢት ጠቒሱ መድሓኒት ክርስቶስ ካብ ጽዮን ከም ዝርከብ ጠቒሱ ኣሎ። “ከምቲ ጽሑፍ፡ መድሃኒት ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያዕቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዝብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ክድሕን እዩ” ድማ ይብል (ሮሜ 11፥26-27)።

                                                                         ናብ  2ይ ክፋል ይቕጽል………..

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለምስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.