Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ምሥጢረ ቁርባን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምሥጢረ ቍርባን

‘ቍርባን’፦ ማለት መንፈሳዊ ኣምኃ፣ መሥዋዕት፣ መባእ . . . ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝቐርብን ዝወሃብን እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መሥዋዕቲ እንስሳን እኽልን ቍርባን ይብሃል ነበረ። (ዘሌ. 4፥1-35፤ 5፥1-19፤ 6፥1-30፤ 7፥1-15) ኣብ ሓዲስ ኪዳን ግና ቍርባን ዚበሃል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን እዩ። (ማቴ. 26፥26፤ 1ይ ቆሮ. 11፥24-27) “ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር።” ዮሓ. 6፡55

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ንቕዱስ ሥጋኡ ቈሪሱ፡ ንኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ ቕድሚ ምሃቡ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝተነግሩ ትንቢታትን ምሳሌታትን ኣለዉ።

• “ጥበብ ቤታ ሓነፀት፡ ሾብዓተ ኣዕኑድ ኣቖመት። ሰባብሕታ ሓረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መኣዳ’ውን ኣሰናደወት።” (ምሳሌ 9፡1) ዝብል ትንቢታዊ ቃል፡ ነቲ ብጸሎተ ቅዳሴ እቲ ኅብስቲ ተለዊጡ ሥጋ መለኮት፡ እቲ ወይኒ ተለዊጡ ደመ መለኮት ዝኾነሉ፣ ንሕና’ውን ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምርካብ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ንቕበለሉ ዓቢይ ምሥጢር ዘመልክት እዩ።

• “ክህነቱ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ምሳሌ ኾይኑ ንዘለዓለም ይነብር” ተባሂሉ ዝተነግረሉ መልከጼዴቅ ናይ ኅብስትን ወይንን መሥዋዕቲ ኣብ ቀራንዮ ይሥውዕ ነበረ። ከምኡ’ውን አበ ብዙኃን ኣብርሃም ምስ ነገሥታቱ ኣብ ውግእ ጸኒሑ ምስ ተመልሰ ኅብስትን ወይንን ኂዙ ተቐበሎ። መልከጼዴቅ ዘቕረቦ ኅብስትን ወይንን ምሳሌ ሥጋኡን ደሙን ኪኸውን ከሎ፡ ባዕሉ መልከጼዴቅ ድማ ምሳሌ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዘፍ. 14፡18-20፣ ዕብ. 5፡6-10፣ 7፡1-3,7)

• እስራኤላውያን ካብ ናይ 430 ዓመት ባርነት ግብጽ፡ ብለውሃት ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር፡ ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል፡ ብመሪሕነት ነቢይ ሙሴ ካብ ምድረ ግብጽ ቅድሚ ምውፅኦም፡ ብመሥዋዕቲ ተባዕታይ በጊዕ ካብ ሞተ በኵር ድኂኖም’ዮም። “. . . . እዛ ወርኂ’ዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርኅ ትኹን። ንዅሉ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርኂ’ዚኣ ኣብ ዓሥረይቲ መዓልቲ ነፍስ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸል ነንቤት ሓደ ገንሸል ይወስድ። . . . ዓመት ዝገበረ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ገንሸል ይኹነልኩም። ኣብዛ ወርኂ’ዚኣ ኸኣ ኽሳዕ መበል ዓሠርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ እቲ እኩብ ማኅበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ። ኣብታ ዚበልዑላ ቤት ድማ ኻብቲ ደም ወሲዶም ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ። ነቲ ሥጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ፡ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ። ምስ ናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር ካብቲ ማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ። ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ እቲ ኻብኡ ኽሳብ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ሓዊ ኣንድድዎ. . . . ንሱ ፋሲካ እግዚአብሔር እዩ” (ዘፀ. 12፡1-12)

እቲ እስራኤል ካብ ሞተ በኵር ዝደኃኑሉ ገንሸል፡ ምሳሌ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ምእመናን ቆሮንቶስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ ፦ “ፋሲካና ክርስቶስ ተሓሪዱ’ዩ” ይብል። (1ይ ቆሮ. 5፡7)። ኣቐዲሙ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ’ውን “እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዘስተሥሪ ገንሸል እግዚአብሔር” ብምባል ናብቲ ብዕለተ ዓርቢ ንድኅነተ ዓለም ዝሥዋዕ ኣማናዊ ገንሸል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመልከተ። (ዮሓ. 1፡29፣ ኢሳ. 53፡1-6)
እቲ ገንሸል ጐደሎ ወይ ነውሪ ዘይብሉ ምዃኑ ብባህርይኡ ንጹሕ ዝኾነ ጐይታ ብኣይሁድ ኣብ መስቀል ቤዛ ዓለም ኮይኑ ናይ ሙማቱ ምሳሌ እዩ። ደም’ቲ ገንሸል ኣብ ኽልቲኡ ልዳት ምልካዮም ንጊዜኡ ነቲ ዝቐስፍ መልኣኽ ሓበሬታ ኪኾኖ ኪኸውን ከሎ፡ ፍጻሜኡ ግና ኸምቲ ጐይታና “ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ” ኢሉ ዝተዛረቦ እቶም ብሥጋን ደምን ኣምላኽ ዝተኃትሙ ሞተ ነፍስ ከምዘይረኽቦምን ኣብ ዳግመ ምጽኣት’ውን ትንሣኤ ዘለክብር ከምዝትንሥኡ ዘረድእ እዩ። ‘ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ’ ምባሉ ሥጋ ጐይታና ኣብ መቓብር ፈሪሱን በስቢሱን ተሪፉ ዝብሉ ኣለዉ’ሞ ኸምኡ ኣይትበሉ ንምባል’ዩ። ‘ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዑ’ ምባሉ እቲ ብሓዊ ዝተመሰለ መለኮት ዝተዋሓዶን ነፍሲ ዝተፈልዮን ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን ከምትበልዑን ከምትሰትዩን እመኑ ማለቱ እዩ።

ከምኡ ድማ ምስ መሪር ሓምሊ ኺበልዕዎ ምእዛዙ ምሥጢሩ ሥጋን ደምን ኣምላኽና ንዓሠርተ ሸሞንተው ሰዓታት ጾይምና ኣፍና ዕረ ዕረ ኽጥዕመና (ምረት ክስምዓና) ኸሎ ኽንቅበል ከምዝግበኣና ዝሕብር ምዃኑ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ይምህሩ።

• እቲ ኻልእ ምሳሌ፦ ንእስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ዝወረደሎም ማና’ዩ። ደቂ እስራኤል ናብታ ተስፋ ዝገበሩላ ምድሪ ንምእታው ኣብ ዝጐዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብቲ ምድረ በዳ ዝብላዕ ስኢኖም ጠመዩ እሞ፡ ነቢይ ሙሴ ድማ ናብ እግዚአብሔር ኣመልከተ። ብድኅር’ዚ ማና ኻብ ሰማይ ወሪዱሎም ንእኡ ተመጊቦም ካብ ጥሜቶም ተዓንገሉ። ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ካብ ደመና ዝወረደሎም ማና ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን ምሳሌ’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ዘለዓለማዊ ጥሜት ነፍሲ እንድኅነሉ ቕዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ሂቡና’ዩ። እቲ ማና ዝተረኽበሉ ደመና ድማ ምሳሌ ናይታ ጐይታ ኻብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ኻብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ዝኾነላ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። (ዮሓ. 6:41)
• . . . ወዘይመስሎ

ስለዚ ነዞም ትንቢታትን ምሳሌታትን ንምፍጻምን ኣማናዊ ንምግባርን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሸት ኃሙስ (ቅድሚ ዓርቢ ስቕለት ዘሎ ኃሙስ) ንምሥጢረ ቍርባን መሥረተ። “ኺበልዑ ኸለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ። ባሪኹ ቘሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም እዚ ሥጋይ’ዩ ውሰዱ ብልዑ’ በሎም፡ ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ኸምዚ እናበለ ሃቦም ‘እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ’ዩ እሞ ኻብዚ ኵልኹም ስተዩ’” (ማቴ. 26፡26) በዚ ኸኣ መሥዋዕቲ ኦሪት ኃሊፉ ብመሥዋዕተ ሓዲስ ተተክአ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሸት ኃሙስ፡ ነቲ ኅብስትን ወይንን ባሪኹ እዚ ሥጋይ’ዩ እዚ ደመይ’ዩ እናበለ መሃሮምን ኣቝረቦምን።

ነዚ መሠረት ብምግባር ሎሚ’ውን እዚ ምሥጢር’ዚ ወትሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ይፍጸም ኣሎ። እቲ ካህን ነቲ ንመሥዋዕቲ ዝቐረበ ኅብስትን ወይንን ብጸሎተ ቅዳሴ ኣመስጊኑ ምስ ባረኾ፡ እቲ ኅብስቲ ተቐዪሩ ኣማናዊ ሥጋ ወልደ እግዚአብሔር፣ እቲ ወይኒ ድማ ተቐዪሩ ኣማናዊ ደመ ወልደ እግዚአብሔር ይኸውን።

ብሓፈሻ እቲ ምሸት ኃሙስ ዝተመሥረተ ቅዱስ ቍርባን፣ ብዕለተ ዓርብ መሥዋዕት ዝኾነ ከምኡ’ውን ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ክሳዕ ዳግመ ምጽኣት ዝሥዋዕ ዘሎ መሥዋዕተ ሓዲስ ቅዱስ ቍርባን ኵሉ ሓደ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Sorry, comments are closed for this post.