Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን

ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን

ትንሳኤ ሙታን፦ ነፍስን ሥጋን ተፈላልዮም ድሕሪ ምንባሮም: ዳግማይ ተዋሂዶም ድሕሪ ሞት: ብነፍስን ብሥጋን ሕይወት ምርካብ ማለት እዩ።

ናይ ትንሳኤ ኣመሰራርታ

ልዑለ ባህርይ ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣልኣዛርን ጓል ኢያኢሮስን ካብ ሞት ድሕሪ ምትንስኡ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከርሰ መቓብር ሓዲሩ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ካብ ሙታን ቀዲሙ ተንሲኡ። ብትንሳኤኡ ትንሳኤና ገሊጹልና ስለዚ ናይ ትንሳኤ ቦኽሪ ናይ ትንሳኤና መስራቲ ንሱ እዩ። 1ይ ቆረ 15፡20-24, ዮሓ 10፡14-18, ዮሃ 19፡1-30, ማቴ 27፡47-53።

ናይ ትንሳኤ ሙታን ኣድላይነት

ካብ ውሽጢ‘ቶም 22 ስነፍጥረታት ትንሳኤ ሙታን ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ። ንሰብ ትንሳኤ ሙታን ዘድለየሉ ምኽንያት ሰብ ዝተፈጥረ ነፍስን ሥጋን ከይተፈላለየ ብሕይወት ንምንባር እዩ እምበር ንሞት ኣይነበረን። ኮይኑ ግና ብሓጢኣያት ምኽንያት ኣብ ገዛእ ርእሱ ሞት ብምምጽኡ ሞት ዘይግብኦ ኣምላኽ ሞይቱ ካብ ሓጥያት (ንምድሓን) ፍርዲ ብምድሓን ንሞት ብምጥፋእ ብዝቐደመ ሂወቱ ንክነብር ንወዲ ሰብ ትንሳኤ ሕይወት ሂብዎ። 1ይ ተሰ 13፡16, ዳን 12፡2

ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዝተነግሩ ትንቢታት

ምሥጢረ ትንሳኤ ሙታን ኣቐዲሙ ብነብያት ተፈሊጡ ስለዝነበረ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ብዙሕ ዝተነግሩ ትንቢታት ኔሮም።

፩       ኢሳ 26፡19 “ምውታት ሕዝብና ሕያዋን ክኾኑ እዮም ሬሳታቶም ከኣ ክትንስኡ እዮም። እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ክትንስኡ እዮም። ዕልል ከኣ ክብሉ እዮም። ከም’ቲ ኣውሊ ንምድሪ ኣብ ወጋሕታ ዘረስርሳ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ቀዲሞም ዝሞቱ ሕያዋን ኪገብሮም ኢዩ”።

፪       ዳን 12፡2 “እቶም ዝሞቱ ኪትንስኡ እዮም ገሊኦም ናብ ናይ ዘልዓለም ሕይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለዓለም ነውርን ክኸዱ እዮም”። ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ብሰፊሑ ተነጊሩ እዩ”።

፫       ዮሓ 5፡28-29 “እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ኩላቶም ድምጹ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ እሞ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ሕይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ትንሳኤ ኩነኔ ኪኸዱ እዮም።

ናይ ምሥጢረ ትንሳኤ ሙታን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምሳሌ

፩       ብናይ ኣቤል ሞት ሞትና: ብሄኖክ ዕርገት ትንሳኤና ተፈሊጡ። ዘፍ 4፡8, ዘፍ 5፡24

፪       ኣቤል ድሕሪ ሙሟቱ ደሙ ምዝራቡ። ዘፍ 4፡10

፫       ኖህ ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ ናብ መርከብ ምእታው ናይ ምቕባርና ምሳሌ ምውጽኡ ከኣ ናይ ምትንሳእና ምሳሌ እዩ።

፬       ኣብርሃም ንይስሓቅ ብሕልንኡ ድሕሪ ምስውኡ ካብ ሞት ምድሓን ናይ ትንሳኤ ምሳሌ እዩ። ዘፍ 22

፭       ያዕቆብን ዮሴፍን ኣብ ሙማቶም እዋን ኣዕጽምቶም ካብ ግብጺ ናብ ከንኣን ንከውጽእሎም ተዛሪቦም እዮም። ግብጺ ናይ መቓብር ከንኣን ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ እያ። ዮሴፍን ያዕቆብን ኣውጺኦሞም ማለት ትንሳኤ ሙታን ንምግላጹ ኢሉ ኢዩ። ዘፍ 47፡29-31

፮  በትረ ኣሮን ኣቐዲማ ብምልማላ ምንባራ ብሕይወተ ሥጋ ምንባርና ዳሕራይ ምድራቓ ናይ ሙማትና ደጊማ‘ውን ምልምላማ ናይ ትንሳኤና ምሳሌ እዩ። ዘሁ 17፡11

ካብ ስነ ፍጥረት ናይ ደቂ ሰብ

፩       ኮፍ ምባልና:- ካብ መሬት ምፍጣርና

፪       ምትንሳእና:- ናብ ሰማይት ጉዕዞና የመልክት

፫       ምድቃስና:- ሞትና የመልክት

፬       ምትሳእና:- ትንሳኤ ሙታን ከምዘሎና የመልክት

ናይ ስነ ፍጥረት ምሳሌ:-

ጸሓይ:- ብምስራቅ ምውጽኣ ምውላድና ናብ ምዕራብ ምኻዳ ኣብዚ ዓለም ምንባርና ብምዕራብ ናይ ሙማትና ዜራ ናብ ምስራቅ ምውጽኣ ናይ ትንሳኤ ምሳሌ እዩ።

ወርሒ:- ምውላዳ ምውላድና፡ ምዕባያ ምዕባይና፡ ምጥፍኣ ናይ ሙማትና ዳግማይ ምውላዳ ናይ ትንሳኤና ምሳሌ እዩ

እኽሊ፡- ጸጉሪ፡ ጽፍሪ።

ናይ ትንሳኤ ሙታን ኣተሳስኣ ከመይ እዩ፧

፩፣ ዝሞትካ ተንስእ ዝብል ኣዋጅ ብሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ይእወጅ። 1ይ ተሰ 4፡16

፪፣ ናይ መጀመርያ ረቂቕ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ኣራዊት ዝበልዖ ነብሲ ብዝተፈላለየ ዝጠፍአ ዝደቐቐ ኩሉ ባዕሉ ኣብ ዝፈረሰሉ ቦታ ይእከብ (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘስ ቁ 911)። በድኒ ናብ ዘለዎ ኣሞራታት ከም ዝእከቡ ኩሉ ዝፈረሰ ኣካል ርእሲ ናብ ዘለዎ ይእከብ። ማቴ 24፡28

፫       ካልኣይ ረቂቕ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ኣዕጽምትን ስጋን ተዋሂዶም ከይተንቀሳቐሱ ውዑይ በድኒ ይኾኑ።ኣዕጽምትን ጅማውትን ምስ ስጋን ደምን ሓቢሮም ይተሓሓዙ ። ክሳብ ዝትንስኡ’ውን ከይተንቀሳቐሱ ፍጹም በድኒ ይኾኑ።

፬       ሳልሳይ ረቂቕ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ብኣካል ብትዛረብ ኣንደበት ቁጽሮምን ሰውነቶምን ከይጎደለ ወዲ ተባዕታይ ናይ 30 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ናይ 15 ዓመት ኮይኖ ብጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ስርሖም ሒዞም ይትንስኡ። ጐይታ ከምዝተዛረቦ ኣባጊዕ ብየማን ኣጣል ብጸጋም ደው ይብሉ ። ማቴ 25፡31-46

ጻድቃን ብበጊዕ ሓጥኣን ብኣጣል ዝተመሰልሉ ንምንታይ እዩ፧

፩       ኣባጊዕ ብዘመነ ኦሪት ንመስዋእቲ ይቐርቡ ኔሮም። ናይ ጻድቃን ጸሎት‘ውን በብእዋኑ ናብ እግዚኣብሔር ይበጽሕ። ናይ ኣጣል ግና ንመስዋእቲ ኣይቀርብን ኔሩ። እንተቐረበ‘ውን ብደገ እምበር ናብ ውሽጢ ኣይኣቱን እዩ። ናይ ሓጥኣን ጸሎት ብኸንቱ ውዳሴ ይተርፍ እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣይበጽሕን እዩ።

፪፣    ኣባጊዕ ኣብ ከበሳ እምበር ኣብ ቆላ ኣይነብሩን እዮም። ጻድቃን ብመከራ ሥጋ እምበር ብተድላ ብሓጎስ ኣይነብሩን እዮም። ንሥግኦም እንዳ ኣሐጎሱ ኣይነብሩን እዮም ማለት እዩ። ኣጣል ግና ኣብ ቆላ እምበር ኣብ ከበሳ ኣይነብሩን እዮም። ሓጥኣን ብተድላ ስጋ እምበር ብምከራ ስጋ ኣይነብሩን እዮም።

፫፣ ኣባጊዕ ጓስአን ኣብ ዝመርሐን ቦታ ረጊአን ይውዕላ ጻድቃን‘ውን ጓስኦም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝመርሖም (ዘውፈሮም) ብምግባር ብሃይማኖት ጸኒዖም ይነብሩ። ኣጣል ግና ጓስአን ኣብ ዘውፈረን ቦታ ጸኒዐን ኣይጸንሓን እየን ። ሓጥኣን ጓስኦም ኣብ ዘውፈሮም ብምግባርን ብሃይማኖትን ጸኒዖም ኣይነብሩን እዮም።

፬፣  ኣባጊዕ ቁሩብ ሳዕሪ እንተረኺበን ተኣኪበን ይበልዓ ብምስምማዕ ማለት እዩ። ጻድቃን‘ውን ዘለዎም ዝረኸብዋ ምስ ኣሕዋቶም ብሓባር ተሰማሚዖም ይበልዕዋ። ኣጣል ግን ካብ ብዙሕ ሳዕሪ ብዙሕ ቆጽሊ እንተረኸቡ ተሰማሚዐን ኣይበልዓን እየን ፡ክዋግኣን ከቑረምርማን ይውዕላ። ሓጥኣን‘ውን ዝብላዕን ዝስተን መሊኡ ከሎ ተሰማሚዕና ኣይንበልዕን ኢሎም ክዋግኡን ክቃተሉን ይውዕሉ።

፭ ፣  ናይ ኣባጊዕ ጭራ (ኮልኮል) ዝወረደን ሕፍረት ሥግኦም ዝተሰወረን እዩ። ናይ ጻድቃን ጸሎት ኣብ ቅድሚ ሰብ ስዉር እዩ። ሓጢኣት እንተሰርሑ ‘ውን ብንስሓ ካልእ ሰብ ከይሰናኸሎም ንንስሓ ኣብኦም ነጊሮም ቀልጢፎም የጥፍእዎ። ናይ ኣጣል ጭርአን (ኮልኮል) ዝተሰቕለን ሕፍረተን ‘ውን ዝተጋህደ እዩ። ናይ ሓጥኣን ምግባር ንኩሉ ግልጺ እዩ ።ሓጢኣት ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ብንስሓ ነጥፍኣዮ ኣይብሉን እዮም።

፮       ኣባጊዕ ንታሕቲ እምበር ክሳዶም ወጥዊጦም ኣይርእዩን እዮም። ጻድቃን ሞትን ገሃነም እሳትን ይሓስቡ እምበር ንርእሶም ንሸለም ኣይብሉን እዮም። ኣጣል ግና ክሳደን ክሳደን ወጥዊጠን ቀኒዐን እየን ዝርእያ፡ ሓጥኣን ንርእሶም ንሸለም እምበር ገሃነም እሳት ኣይሓስቡን እዮም ኩሉ ግዜ ተፈላጥነት ልዕልነት ይርኣዮም።

፯       ካብ ኣባጊዕ ንሓዲአን ኣራዊት (ወኻርያ) እንተወሰደ ዝተረፈኡ ሃዲሞም ናብ በረኻ ይኸዱ ጻድቃን ሓደ ካብኣቶም ብሞት እንድሕር ተፈልዩ ጽባሕ ናቶም ተርታ ምዃኑ ተረዲኦም ስንቅና ንድለ ኢሎም መኒኖም ግርማ ለይቲ ድምጺ ኣራዊትር ጻብእ ኣጋንንቲ ኪኢሎም ተዓጊሶም ይነብሩ። ኣጣል ግና ካብ ማእከለን ሓደ ብኣራዊት (ወኻርያ) እንተተወስደ እቶም ዝተረፉ ይሃድሙ ግና ተመሊሶም ከኣ ይእከቡ። ሓጥኣን‘ውን ኣብ ማእከሎም ሓደ ብሞት እንተተፈልዩ ንግዚኡ ናይ ሓዘን ልብሲ ይኽደኑ ዳሕራይ እቲ ዝሞተ ካብ ሕልንኦም ምስ ጠፍአ ናይ ዓለም ኩነታት ማሪኽዎም ናብ ሓጢኣቶም ይምለሱ።

ጻድቃን ብየማን ሓጥኣን ብጸጋም ደው ዝብልሉ ምኽንያት ንምንታይ እዩ፧

ጻድቃን ብየማን ደው ዝብሉ ምሳሌ እዩ።

፩       የማን ፈጣን እዩ። ጻድቃን ብምግባርን ብሃይማኖትን ንምትግባር ፈጣናት እዮም።

፪       የማን ብርቱዕ እዩ። ጻድቃን ብሃይማኖትን ምግባርን ንምስራሕ ብርቱዓት እዮም።

፫       የማን ቅኑዕ እዩ። ጻድቃን ሃይማኖት ምግባርን ንምስራሕን ቅኑዓት እዮም።

ሓጥኣን ብጸጋም ደው ዝብልሉ ምሳሌ:-

፩       ጸጋም ሰነፍ እዩ። ሓጥኣን ብሃይማኖት ኮነ ብምግባር ብርትዕ ዝበለ ነገር ክገጥሞን ከሎ ደኺምና ሰልችዩና ኢሎም ይገድፍዎ።

፪       ጸጋም ቅኑዕ ኣይኮነን። ሓጥኣን ምግባርን ሃይማኖትን ንምትግባር ስኑፋት እዮም በዚ ክብሎም በቲ ይብሉ፡ ምኽንያት የብዝሑ።

፫       ጸጋም ዕቡይ እዩ። ሓጥኣን ምግባር ሃይማኖት ንምስራሕ ዕቡያት እዮም።

ትንሳኤ ሙታን መዓስ እዩ ዝኸውን፧

ጐይታና ዝመጸሉ ግዜን ዘመኑን ኣይፍለጥን እዩ። ማቴ 24፡44 መዓልቱ ግና ዓለም ዝተፈጥረትሉ: ጐይታና ሰብ ዝኾነሉ: ካብ ሞት ዝተንስኣሉ ሰንበት እዩ።

ናይ ጐይታና ኣመጻጽእኡ ከመይ እዩ፧

እልፈ ኣእላፋት መላእክት ኣኸቲሉ ካብ ሰማይ ብበርቂ እንዳተኣስረ ብርሃን ካብ ኣጽናፍ ክሳብ ኣጽናፍ መሊኡ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንዳብርሀ ዝተወግኣሉ ኲናት ኣትሒዙ ንደሙ እንዳንጠብጠበ ይመጽእ። ማር 24፡31 ራእ 1፡7

ኣመጻጽእኡ ከም ቀደም ወዲ ዮሴፍ ተባሂሉ ካብ ኣይሁድ መከራ ንምቕባል መስቀል ንምስካም ኣይኮነን። ምምጽኡ ኣብ ልዕሊ ሕያዋንን ሙታንን ክፈርድ እዩ። መዝ 50፡2-3

ሕያዋንን ሙታንን ዝተባህሉ በዓል መን እዮም፧

ሕያዋን፦ ዝብሃሉ ጻድቃን እዮም። ጻድቃን ኣብዚኣ ምድሪ ኣብታ መጻኢት ዓለም ህያው ዝገብሮም ሃይማኖት ምግባር ሒዞም ተረኺቦም እዮም።

ሙታን፦ ሓጥኣን ሙታን ይበሃሉ። ምኽንያቱ ኣብዚኣ ምድሪ ኣብታ መጻኢት ዓለም ምውታት ዝኾነሉ ስራሕ ሰሪሖም እዮም።

፩       ብትንሳኤ ሙታን ናይ ቅዱሳን ዋጋ ብኸንቱ ኣይተርፍን፡ ናይ ሓጥኣን ብናይ ስርሖም ደሞዝ‘ውን ኣይስእኑን እዮም። ራእ 22፡12

፪       ብትንሳኤ ዘልኣለማዊ ፍርዲ ኣሎ። ራእ 1፡7, ማቴ 25፡31-33, ራእ 20፡12-13, ዳን 12፡2

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር!

Sorry, comments are closed for this post.