“ምስላ ዘርእን ዘራእን(ማቴ፲፫፡፩-፲/13፡1-10)”

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ወበይእቲ ዕለት ወጺኦ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ እምቤት ነበረ መንገለ ሐይቀ ባሕር ወተጋብኡ ኃቤሁ ሰብእ እስከ ሶበ የዐርግ ውስተ ሐመር ወይነብር፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ጎይታ ኢየሱስ ካብ ቤት ወጺኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፡ ኣብ ጃልባ ኣትዩ ክሳዕ ዝቕመጥ ብዙሕ ሕዝቢ ናብኡ  ተኣከቡ

ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ክበዝሕ ከሎ ንቑጽ መሬት እንተኾይኑ ኣብ እምባ፡ ባሕሪ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ጃልባ ኮይኑ ይምህር ነበረ። ምኽንያቱ ድማ መምህር ልዕል ኣብ ዝበለ ቦታ ሰማዕቲ ድማ  ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ እንተኾኑ ትምህርቲ ንምስምዑ ርዱእ ይኸውን። እዚ ከኣ ሊቀ ነቢያት ሙሴትምህርተይ ከም ዝናብ ይኻፊ፡ ዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዛዕታ ይወርድከም ዝበሎ ኢዩ (ዘዳ፴፪፡፩/321-2)

ኣብ ጃልባ ኣብ ዝተቐመጠሉ ግዜ ንትምህርቱ ክሰምዑ ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ። ከምዚ እንዳ በለ ድማ ብምስላ መሃሮም።

ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ስለምንታይ ኢዩ ብምስላ ዝመሃሮም እንተበልና፡ኣፈይ ብምስላ ይኸፍት፡ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረ ይነግር ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም ኢዩ (መዝ፸፰፡፩/781-2) ከምኡውን ንዝፈልጥ ምእንቲ ክግለጸሉ፡ ንዘይፈልጥ ድማ ምእንቲ ክስወሮ ኢዩ።

እንዘ ይብል ናሁ ወጽአ ይዝራእ ዘይዘርእ፡ ወእንዘ ይዘርእ ዘወድቀ ውስተ ፍኖት፡ ወመጽኡ አዕዋፈ ሰማይ ወበልዕዎ፡ ወቦ ዘወድቀ ዲበ ኴኲሕ ኅበ ኣልቦ መሬት ብዙኅ ወውእተ ጊዜ ሠረፀ እስመ አልቦ ዕሙቅ ለመሬቱ። ወሶበ ሠረቀ ፀሐይ መጽለወ ወየብስ እስመ አልቦ ሥርው ወቦ ዘወድቀ ውስተ ምድር ሠናይት፡ ወወሀበ ፍሬ ዘምእት ወቦ ዘስሳ ወቦ ዘሠላሳ፡ እንሆ ዘራኢ ክዘርእ ወፈረ እንዳ በለ ብምስላ መሃረ፡ ክዘርእ ከሎ ገሊኡ ኣብ መንገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ  መጺኤን ድማ በልዓዖ፡ ገሊኡ ድማ ብዙሕ መሬት ኣብ ዘይብሉ ከውሒ ወደቐ፡ ዕምቆት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ ቀልጢፉ በቖለ። ጸሓይ ምስ በረቐ ግና ቀምሰለ(ሃጎገ) ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ሓረረ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ ምስ በቐለ ድማ እሾኽ ሓኒቑ ሓዞ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ጽቡቕ(ልስሉስ) መሬት ወደቐ እምሆ ከኣ ገሉኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሳላሳ ፍረ ድማ ፈረየ

ክዘርእ ከሎ ገሊኡ ኣብ መንገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ  መጺኤን ድማ በልዓዖ፦ክምህር ከሎ ኣብ ልቢ ዝንጉዓን ዝወደቐ ትምህርቲ ነበረ፡ ኣጋንንቲ ድማ መንጢሎም ወሰድዎ። ብኣዕዋፍ  ዝተመሰሉ ኣጋንንቲ ኢዮም። ዑፍ ብፍጥነት ከም ዝነፍር ኣጋንንቲ ድማ ሰብ ንምስሓት ስለ ዝፈጥኑ ኢዩ።ንዘረባኻ ዑፍ ሰማይ የውጽኦ ኢዩ እሞ ኣብ ቤትካ ንሰብ ኣይትሕመ”(መክ፲፡፳/1020)

ገሊኡ ድማ ብዙሕ መሬት ኣብ ዘይብሉ ከውሒ ወደቐ፡ ዕምቆት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ ቀልጢፉ በቖለ። ጸሓይ ምስ በረቐ ግና ቀምሰለ(ሃጎገ) ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ሓረረ፦ ካብቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዕምቀት ኣእምሮ ኣብ ዘይብሉ ሰብ ዝሓደረ ነበረ። መከራ ምስ ረኸቦ ግና ዕምቆት ስለ ዘይብሉ ቀልጢፉ ከሓደ።

ገሊኡ ከኣ ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ ምስ በቖለ ድማ እሾኽ ሓኒቑ ሓዞ፦ ኣብ ማእከል እሾኽ ዝወደቐ ዝተባህለ ከኣ ኣፍኣዊ ምግባር ትሩፋት ፈጺሙ ውሽጣዊ ምግባር ትሩፋት ከይፈጸመ ዝተረፈ ኢዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሳው ሃብትን ድማ ነቲ ዝተማሃሮ ቃል ይሓንቆን ከየፍረየውን ይተርፍ።

ገሊኡ ከኣ ኣብ ጽቡቕ(ልስሉስ) መሬት ወደቐ እምሆ ከኣ ገሉኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሳላሳ ፍረ ድማ ፈረየ፦ ኣብ ሰናይ ልቦና(ሕልና) ዝሓደረ ትምህርቲ ነበረ፡ ንሱ ነቲ ቃል ብምስትውዓል ሰሚዑ ብሓቂ ፍረ ዝፈሪ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ዝህብ ኢዩ። ኣብዚ

1) በዓል ሚእቲ ፍጹም ላዕላዋይ ደረጃ፡ በዓል ስሳ ማእከላይ ደረጃ፡ በዓል ሰላሳ መጠኒ(ጀማሪ) ኢዩ።

2) ካብ ሰማዕታት ዝለዓለ በዓል ሚእቲ ከም እኒ ቅዱስ ጊዮርግስ፡ ማእከላይ በዓል ስሳ ካብኡ ዝተሓተ በዓል ሰላሳ።

3) ካብ መነኮሳት ዝለዓለ በዓል ሚእቲ ከም እንጦንስን መቃርስን፡ ማእክላይ በዓል ስሳ ካብኡ ዝተሓተ በዓል ሰላሳ።

4) ካብ ስጋውያን ዝለዓለ በዓል ሚእቲ  ከም ኣብርሃምን ኢዮብን፡ ማእከላይ በዓል ስሳ ካብኡ ዝተሓተ በዓል ሰላሳ ኢዩ።

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ማለት እዝነ ልቦና ዘለዎ የስተውዕል

                 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                  ወለወላዲቱ  ድንግል

                  ወለመስቀሉ ክቡር

                     ኣሜን።