Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ምስጋና/MSGANA

ምስጋናረርረ

ምስጋና ንእግዚኣብሔር ነቲ ፈጣሪ ኩሉ

ኣድማስ ብርሃን ዝመስሎ ዘይብሉ

ሕያዋይ ጓሳ  ውጹዕ ዝሕሉ

ኣቦ ፍቕሪ ፍጹም ዘየዳሉ።

                ንኣምላኽ ኣሚና ኣብ እንኸዶ ወፍሪ

                ደረቕ ዝነበረ ማይ ህይወት ይዛሪ

                ንመኻናት ዝተባህሉ ቅዱሳት ዘፍሪ።

ምስጋና ንእግዚኣብሔር ቃላቱ ንውሓጦ

ኣሰርና ክጸንዕ ደልሃመት ከይውሕጦ

ብርሃና ክደምቕ ግመና ክቕንጥጦ።

                ምስጋና ንኣምላኽ ምስጉን ብባህርያቱ

                ኣባይ ከይወርሰና ይሰድድ መላእኽቱ

                ምሕረት ዘውህብ ብኪዳን ቅዱሳናቱ

                ዘንጊ ሓቂ ኣለና መጽሓፍ ቅዱስ ቃላቱ።

ንተግብሮ ቃላቱ ንብጽሓዮ ቅዱስ ቤቱ

ብጾምን ጸሎትን ንቑም ኣብ ፊቱ

 ብየማኑ ክንቀውም ክንወርስ  መንግስቱ።

              ንሱ’ዩ ሓይልና ንሱ’ዩ ብርሃና

              ንቤቱ ንሰጉም ነንጽህ ልብና

              መገድና ንጽረግ ንእለዮ ሓጹርና።

ንጎይታ ኣሚንካ እትኸዶ መገዲ

ጉዕዞኻ ብሩህ  ዘይብሉ ቀያዲ

ቤትካ ስሩሕ ብዘይ ዓንዲ

ካብ ሲእል ትድሕን ኣብ ግዜ ፍርዲ።

               ንየማን ክንጉዓዝ መገዱ ክንሓሪ

               ዘርእና ክባረኽ ካዕበት ክንፈሪ

               ርስሓትና ክንጸርግ ልብና ክጸሪ

               መንፈስ ቅዱስ  ይልኣኸልና ላዕለዋይ ፈጣሪ።

       ስብሃት ለእግዚኣብሔር  ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

ካብ ” ፍኖተ ቅዱሳ” ብምኽንያት 2 ዓመት ምምስራት ቤ/ት/ሰ/ ኣቡነ ገበረ መንፈስ ቅዱስ ኦር ዩሁዳ እስራኤል ዝወጸ ጽሑፍ ዝተወስደ

Uncategorized

Leave a reply