Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ምስጢረ ስጋዌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ምስጢረ  ስጋዌ

  ናይ  ኣምላኽ ሰብ ምዃን  ምስጢር ማለት እዩ። ብዙሓት  እግዚኣብሔር ንኣዳምን ንሄዋን ከድሕን ንምንታይ ሰብ ክኸው ኣድለዮ፧ ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ኣለው። እግዚኣብሔር ንስጋ ተዋሒዱ ንሰይጣን ሲዒሩ  ንሰባት ነጻ ከውጽኦም ዘድለየ ምስጢር፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ብሓጎስ ብደስታ  እንዳ ነበሩ ከለው  ጸላኢና  ዲያብሎስ ቀኒኡ  ኣብ ተመን ተሰዊሩ ናብኣቶም ቀረበ።  ኣዳምን ሄዋንን ግና ሰይጣን ምዃኑ  ከይፈለጡ  ኣብ ስጋ ተመን ተሰዊሩ ብዝመጽአ ብምኽሪ ናይ ሰይጣን ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ጠሓሱ። ካብ  ውልድነት እግዚኣብሔር ድማ ተፈለዩ። እግዚኣብሔር እውን ካብ ገነት ኤዶም ኣውጽኦም፡ ሰጎጎም። ዙርያ ገነት ድማ ብእተንበልብልሰይፊ (ሱራፊኤል,ኪርቢኤል) ከም  እትሕሎ ገበረ። ( ዘፍ ፫፡፳፬ / 3 ፡24)

ኣዳምን   ሄዋንን  ንገነት  ትመስል  ቦታ፡ ንእግዚኣብሔር  ዝበለ ጎይታ ብምስኣኖም  ኣብ መንጸፍ  ደይን    ብምውዳቆም  ለይትን  መዓልትን  ምሕረት  ክረክቡ ናብ  እግዚኣብሔር ክጽልዩ ጀመሩ።   እግዚኣብሔር  ድማ  ኣዳም  ብዝበደሎ ንሱ ባዕሉ ካልኣይ ኣዳም ኮይኑ ንኣዳም  ካሕሳ ከፊሉ፡ ካብ  ባርነት  ናይ  ሰይጣን  ነጻ ከምዘውጽኦ ቃል ኣተወሉ።  ነዚ  ተስፋ‘ዚ ሒዙ ኣዳም ናብ መቓብር ወረደ ነፍሱ ድማ  ኣብ ሲኦል ኮነት። ንናይ ሰይጣን ጥበብ እግዚኣብሔር  ብዘይ  ርከብ ጥበቡ ከፍርስ ፡ ከምቲ ሰይጣን  ንኣዳምን  ሄዋንን  ኣብ  ተመን ተሰዊሩ ዘስሓቶም፡ ንሱ’ውን ናይ ስጋዌኡ ምስጢር ካብ ሰይጣን ሰዊሩ፡ ነቲ  ዝወደቐን  ዝተማህለለን  ናይ   ኣዳም  ስጋ  ካብ ባርነት ሰይጣን  ነጻ ንምውጻእ፡ ካብ ንጽህተ ንጹሃን፡ ቅድስተ ቅዱሳን ቅድስት ድንግል  ማርያም ፍጹም ኣምላኽ፡ ፍጽም ሰብ  ኮነ። ንዲያብሎስ ድማ  ኣምላኽ ምዃኑ ክሳብ ዝዝንግዕን ዝጠራጠርን  ድኹም  ኮይኑ ተራእዮ። ዲያብሎስ እውን ፍጡር መሲልዎ ንነፍሱ ናብ ሲኦል ንስግኡ ድማ ናብ  መቓብር  ከውርድ ምስ  ቀረበ   ኣምላኽ  ብኣውታር ንፋስ ወጢሩ  ሓዞ።  ዲያብሎስ ድማ  ከም ዝተሳዕረ ኣመነ። ካብኡ ብዝበለጸ ጥበብ ክርስቶስ ከም ዝሰዓሮ ተረዲኡ ነቶም ምሩኻት ንዳግማዊ  ኣዳም ንኢየሱስ ክርስቶስ  ኣረከቦ ።

4.1 ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንነት

ኢየሱስ  ክርስቶስ  ናይ  ኣብ ናይ ባሕሪ  ወዱ  ኢዩ። በቲ  ዳሕረዋይ  ዘመን ንጽህት  ቅድስት  ካብ  ዝኮነት  ድንግል  ማርያም  ተወሊዱ።   ካብቶም ሰለስተ  ኣካል  ወልድ  ኢየስስ ክርስቶስ ፍጡር ዘይኮነ፡ ፈጣሪ፡ ኣማላዲ ዘይኮነ ተማላዲ እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ቃል  ወልድ፡ ንዓና ንምፍጣር  ዝተፈጥረ  ኣይኮነን። ንሕና ብእኡ ተፈጠርና  ብእኡ ዝተፈጠርና ኢና። ብእኡ ኩሉ ተፈጥረ (ዮ ሓ ፩፡፫/1፡3)

ንዓና ክፈጥር ነቲ  ልዑልን  ሓይልን ከም  መሳርሒ  ኣገልግሎት ተፈጥረ  ኢልካ   ምዝራብ  ካብ ድኹም  ኣተሓሳሳባ  ዝተበገሰ  ኢዩ። ዋላ እኳ ንዓለምና ከም ዝፈጠረ  እንተተፈልጠ  ወልድ ኩሉ  ግዜ  ኔይሩ ኢዩ። ዘይነበረሉ ጊዜ  ኣይነበረን። ብርግጽ ብዘይ ብእኡ ሓደ እኳ ዝተፈጥረ የለን።

ኩሉ ብእኡ   ዝተፈጥረ  ኢዩ። ብዘይ ኢድ ዋላ ሓንቲ ነገር ክስራሕ  ከምዘይከኣል  ወልድ እውን  ናይ  ኣብ  ኢድ  ኢዩ።  ኣብ ብወልድ ጌሩ ንዓለማት ፈጠረ ክበሃል  እንከሎ ብኢድ ጥልፊ ከም ምጥላፍ፡ ስእሊ ከም ምስኣል ማለት ኢዩ።

“ኣብ ናይ ወልድ ኣቦ እምበር ፈጣሪ  ኣይኮነን። ኣቦ እንተኮይኑ ፈጣሪ እውን ክኸውን ኣለዎ” ዝብሉ  ሰባት ኣለው። እዚ ብመሰረቱ ጌጋ ኢዩ። ኣቦናን ኣዴናን ወለድና እምበር ፈጠርትና ከምዘይኮኑ ክንፈልጥ  ይግብኣና።  ንኣብ ካብ ወልድ፡ ንወልድ ካብ ኣብ፡ ፈሊና ክንርእዮም  ኣይንኽእልን። ቅዱስ  ኣትናቴወስ  ነዚ ከብርህ “ህላወ  ጻሓይ ብጩራ(ጻዳል)፡ ህላወ ሓዊ ብነበልበል  ከም ዝፍለጥ፡ ንኣብ ዝፈለጥናዮ ብወልድ ኣቢልና  ኢና።  ጩራ  ካብ  ብርሃኑ  ከም ዘይፍለ፡ ወልድ ካብ ኣብ፡ ኣብ ድማ ካብ ወልድ ኣይፍለን እዩ።  ጻሓይን  ጩራን  ክልተ ጻሓይ ከምዘይበሃሉ ኣብን  ወልድን  ክልተ ኣማልኽቲ ኣይበሃሉን እዮም” ይብል። ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ድማ “ኣነ  ኣብ  ኣቦ፡  ኣቦ ውን  ኣባይ  ኣሎ “  ይብል (ዮሓንስ  ፲፬፡፲/  14፣10)።

ካብ’ዚ ሓሊፍና ከም ኣርዮስ ወይ ድማ ከምዞም ናይ ሕጂ ናይ ይሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ንወልድ ኣጽንዖ  ወይ ድማ ፈጠሮ ማለት ህይወት ንህይወት ኣጽንዖ ከም ምባል ስለ ዝኾነ፡ ወልድ ንስላሴ ህይወቶም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንስላሴ ህይወቶም መንፈስ ቅዱስ፡ ቃሎም ወልድ፡ ልቦም ድማ ኣብ እዩ።

4.2 ወልድ ስጋ ብምውህሃዱ ካብ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ከም ዘይንእስ

   ንወዲ ሰብ ንምድሓን  ኢሉ  ሰብ  ዝኾነ  ናይ እግዚኣብሔር ናይ ባህሪ ወዱ፡ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዋላ ሰብ ውን እንተኮነ ካብ ኣምላኽነቱ  ዘጉድሎ ነገር የለን። ተለዊጡ እውን ካልእ ኣይኮነን። ብዙሓት “ቃል ስጋ ኮነ” ንዝብል ጥቕሲ ብምጥቃስ፡ እቲ ቃል ባዕሉ እዩ ናብ ስጋ ተለዊጡ እምበር፡ካብ ድንግል ማርያም ስጋ ኣይወሰደን” ዝብሉ  መናፍቓን ኣለው። እግዚኣብሔር ግና ብባህሪኡ ሕልፈት ውላጤ ስለ ዘይብሉ ኣነ እግዚኣብሔር ኣይልወጥን እየ (ምልክያስ ፫፡፮/3፡6) ብምባል፡ ብምልዋጥ ዘይኮነ ብተዋህዶ ሰብ ከምዝኾነ የረድኣና ።

   ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልድኣብ ወልደማርያም ክከውን እንከሎ፡ ዘሎን ዝነብርን  እምበር  ሰብ  ከሎ ኣብ ምድሪ  ካብ ኣብ ኣይተፈለየን ተለዊጡ እውን  ፍጡር ወይ  ኣማላዲ ኣይኮነን። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ ኢዩ(ዕብራውያን ፲፫፡፰ /13፣8)።

 ኣብ ወንጌል ተመዝጊቡ ዘሎ ድኻሙ ይኹን ሓይሉ ዝገለጸሉ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ናቱ ናይ ስግው ቃል እዩ። ብጀካ ሓጢኣት ሰብ ዝገበሮ ኩሉ ፈጺምዎ  እዩ። ብዙሕ ድንቂ ተኣምራት ዝገበረ ጎይታ ንሱ ጠመየ፡ ጸምአ፡ ሓዘነ፡ በከየ፡ ኣብጌተሰማኒ  ዚጸለየ፡ ኣብ ጎልጎታ መሪር ኣውያት ዘስመዐ፡ ንሱ ናይ ዕለት ሬሳ ወልደ መበለትን ወለተ ኢያኢሮስን፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሬሳ ኣልኣዛርን ዘተንስአ ባዕሉ ስግው ቃል  እዩ (ማቴ ፱፡፭/ 9፣5, ሉቃስ ፯፡፲፩-፮ /7፣11-6,   ዮሓ ፲፩፡፴፬/11፣34)።

ይኹን  እምበር  ወልድ ብባህሪኡ ሞት ዝስማምዖ ኣይኮነን። ናይ ክርስቶስ ሞት ብስጋ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ   ጴጥሮስ ገሊጽዎ ኣሎ። “ክርስቶስ  ብስግኡ ተሳቕዩ  እዩ” 1ጴጥ ፬፡፩/4፣1።  ስለዚ  ክርስቶስ መከራ ዝተቐበለ ብመዋእለ ስጋዌኡ ካብ ኮነ ፡ እግዚኣብሔር ሞይትልና ኢልካ ምዝራብ  ኣየሸግርን እዩ፡ መለኮ ት ብስጋ ሞተ ይበሃል ድኣ እምበር፡ ናይ ስጋዌ  ስርዓት ዓለም  ቅድሚ  ምፍጣሩ ንዘሎ ወሳሲኽካ እግዚኣብሔር  ብባህሪኡ ሞይቱ ኢልካ ምዝራብ ኣይግባእን ኢዩ። ክሕደት እውን እዩ። ሰለስተ  ኣካላት  ሞይቶም  ከም  ማለት ድማ ኢዩ።  ኣምላኽነት ናይ ሰለስቲኦም ኣካላት፡ ማለት ናይ ኣብ፡ ናይ ወልድ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ገንዘብ እዩ ።

4.3 ትምህርቲ ንስጥሮስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስስ

ንስጥሮስ ኣቀዲምና  ከም  ዝረኣነዮ ብ431ዓ.ም ዝተወገዘ መናፍቕ ኢዩ። ናይ  ንስጥሮስ ትምህርቲ ብሓጺሩ “ኢየስስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል ክልተ ባህሪ ኢዩ፡ ወልደ ማርያም ካልእ ወልደ ኣብ ካልእ ኢዩ፡ ወልደ ማርያም ንወልደ ኣብ መሕደሪኡ ኮኖ፡ ናይ ቃልን  ናይ ስጋን ተዋህዶ ኣካላዊ ኢዩ”ይብል።  ኢዚ ማለት ስጋ ንቃል ማሕደሩ፡ ተሰካሚኡ፡  ክዳኑ፡ መቅደሱ እዩ ማለት እዩ። ከም ንስጥሮስ  ኣበሃህላ “ስጋን ቃልን ከም ዳዊትን ማህደርን፡ሰይፍን ሰገባን ምዃን ማለት እዩ። እዚ ማለት  ማህደር  ካብ  መጽሓፍ ክፍለ ከም ዝኽእል ስጋን ቃልን ዚተፈላለዩ  እዮም   ማለት  እዩ”።  እዚ ትምህርቲ እዚ ብመጽሓፍ  ቅዱስ ይኹን  ብቅዱሳን ኣቦታት ዝተወገዘ እዩ። ክርስቶ ሓደ ኣካል ምዃኑ ድሕር ኢልና ክንርኢ ኢና ።

4.4 ትምህርቲ ፖፖሊዮን ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ   

ፖፖሊዮን ይኹን ሰዓብቱ ካብ ኣተሓሳስባ ንስጥሮስ   ብዙሕ ዘይርሓቑ፡ “ክርስቶስ ሓደ  ኣካል  ክልተ    ባህሪ እዩ” ዝብሉ እዮም።

 ብሎጂክ (ብመሰረተ ሓቂ)፡ ናይ ንስጥሮስ ኣተሓሳስባ ካብዚኣቶም ቁሩብ ሓቂ ዘለዎ የምስል፡ ምክንያቱ  ኣካል  ብዘይ ባህሪ፡ ባህሪ ብዘይ ኣካል ኣይግለጽን እዩ። ክልተ ባህሪ  ካብ በሉ ግድን ክልተ ኣካል  ክብሉ ነይርዋም። ንሳቶም ግን ኣካል ኣዋሃሂዶም ሓደ ብምግባር ንባህሪኡ ግን ከፋፈልዎ።  መለኮት ናይ መለኮት  ስራሕ  ይሰርሕ  ስጋ  ናይ ስጋ ስራሕ  ይሰርሕ  ኢሎ ም  ይኣምኑ። እዚ እውን  ካብ  ትምህርቲ  ሓዋርያትን  ካብ  መጽሓፍ  ቅድስን  ወጻኢ  ምዃኑ ቀጺልና  ክንርኢ ኢና ።

4.5 ናይ ተዋህዶ ምስጢር ብቅዱሳን ኣቦታት ክትንተን እንከሎ

ቅዱስ  ቄርሎስ ብዛዕባ ተዋህዶ ቃልን ስጋን  ከምዚ  ይብል። “ቃል ስጋ ኮነ ክበሃል  ከሎ  ቃል  ተለዊጡ ስጋ ኮነ ማለት ኣይኮነን። ስጋ እውን ናብ  ኣምላኽነት ተለዊጡ ማለት  ኣይኮነን። ብዘይ  ምርምር ናይ ተዋህዶ ምስጢር ናይ ቃል ሃብቲ ንስጋ፡ ናይ ስጋ ሃብቲ ድማ ንቃል  ኮነ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት  ናይ መለኮት ገንዘብ ብተዋህዶ ናይ ስጋ ገንዘብ ፡ናይ  ቃል ገንዘብ ድማ ብተዋህዶ ናይ ስጋ ገንዘብ ኮነ ማለት ኢዩ።  ቀዳማይን ዳሕረዋይን ክበሃል  ዝግብኦ  ቃል ክኸውን  እንከሎ፡ ስጋ  ግን ናይ ቃል ገንዘብ ብተዋህዶ ናቱ ስለ ዝገበረ “ቀዳማይን ዳሕረዋይ  ኣነ እየ”  ክብል በቂዑ ኢዩ።  ኢየሱስ  ክርስቶስ  ካብ ክልተ  ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህሪ ሓደ ባህሪ እዩ።  ክልተ ኣካል፡ ክልተ ባህሪ ከመይ ከም ዝኮነ  ንመልከት።

  • መለኮታዊ ኣካል ፥ ረቂቅ፡ ዘይጭበጥ፡  ዘይድህሰስ፡ እሳታዊ፡ ሙሉእ፡   ዝኾነ

  • ስጋዊ ኣካል ፥ ግዙፍ፡ ውሱን፡ ዝጭበጥ፡ ዝድህሰስ

  • መለኮታዊ ባህሪ፥ ቀዳማይ ዳሕረዋይ፡  መጀመርያ  መዋዳእታ፡  ፈጣሪነት፡ ኩሉ ነገር ክገብር ዝኽእል ፡ ዘልዓለማዊነት ፡ ዘይመውት ፡ ዘይልወጥ፡  ዘይሓምም፡ ዘይጠሚ፡ ዘይጸምእ፡ ዘይደክም።

               . ስጋዊ   ባህሪ፥ ምጥማይ፡ ምጽማእ፡ ምድካም፡  ምሟት ዝሰማምዖም።

       እምበር ወልድ ንኣዳምን ንደቁን ካብ ባርነት ሰይጣን ከድሕኖ ክመጽእ እንከሎ ቃል ምስ ስጋ ተዋህደ ማለት መልኮታዊ  ኣካልን ስጋዊ  ኣካልን ተዋህዱ። መለከታዊ ባህርን  ስጋዊ ባህርን ተዋህዱ። ካብ ድንግል ማርያም  ዝተወልደ ኢየሱስ  ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ብዘይምልውዋጥ  ብተዋህዶ ማለት ኢዩ። መለኮት መለኮትነቱ ከይለቀቀ ስጋ  ስጋነቱ ከይለቀቀ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህሪ  ኮኑ።  ስለዚ  ኢዩ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጽም ሰብ ዝበሃል።

 ናይ ስጋን ናይ መለኮትን ተዋህድነት ቅዱስ ቄርሎስ ብሓጺን ብሓውን ክምስሎ እንከሎ   “ሓጺን   ኣብ ሓዊ  ክኣቱ ከሎ ምስ ሓዊ  ምስ ተዋሃሃደ መጠኑ፡ ቅርጹ፡ ጎድኑ፡ ቁመቱ ከይ ተቀየረ ሃብቲ  ናይ ሓዊ  ወሪሱ  ኩለንትንኡ ፍጹም ሓዊ ከምዝኸውን፡ እቲ ሓዊ  ድማ  ናይ  ሓውነት  ባህሪ ጠባይ  ከይገደፈ በቲ ሓጺን  ዓቀን  ናይቲ ሓጺን  ቅርጺ  ከም ዝሕዝ  ብድሕሪኡ ድማ  እቲ  ቀጥቃጢ  ብማርቴሎ  እንተቐጥቅጦ፡ ብመጋዝ እንተቆርጾ፡ ኣብ ሞንጎ ሓውን ሓጺንን ዚኾነ ፍልልይ ከምዘይረአ ምልውዋጥ ውን  ዘይብሉ ናይ መለኮትን ስጋን ተዋህዶ እውን ከምኡ ኢዩ።  ሰለዚ ነቲ ሓደ ክርስቶስ ከፊልና ስጋ ናይ ስጋ ስራሕ ይሰርሕ፡መለኮት ድማ ናይ መለኮት ስራሕ  ይሰርሕ ምባል ጌጋ ዝኾነ ትምህርቲ ኢዩ።

4.6 ስጋ ብተዋህዶ ናይ ባህርይ  ኣምላኽ  ከምዝኾነ ዘረድኡና  ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቅስታት፥

ትንቢተ ዳን ፯፡፲፫ /7፡13  “ ለይቲ ብራኢ ክጥምት ከለኹ፡ እንሆ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደመና  ሰማይ  ይመጽእ ነበረ። ናብቲ  ካብ ዘለዓለም ዝነብር  ድማ  በጽሐ፡ ናብ ቅድሚኡ’ውን ኣቕረብዎ። ኩላቶ ም  ኣሕዛብን  ወገናትን በበይኑ  ዓይነት ቋንቋታትን  ዝዛረቡ ከገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን  ተዋህቦ። ግዝኣቱ  ዘይሓልፍ  ዘልዓለማዊ ግዝኣት ኢዩ። መንግስቱ እውን ኮቶ  ኣይክትጠፍእን  ኢያ። ስልጣን  ዝበሎ   ናይ  ኣምላክነት  ስልጣን  ማለት ኢዩ። እዚ ዘተገብረ  ንመለኮት  ጥራይ  ኢዩ   ከይንብል  ወዲ ሰብ  ኢሉ  ገሊጽዎ ኣሎ።  እሞ  ትስብእት ሰብነት ብተዋህዶ  ኣምላኽ ኣይከውንን  እዩ እንተተባህለ  ኣህዛብን  ወገናትን ልሳናትን  ከገልግልዎ  ተባሂሉ  ስለምንታይ  ተጻሕፈ።

መዝሙር ፪፡፯ / 2፡7   “እግዚኣብሔር ንስኻ  ወደይ ኢካ ኣነ ሎሚ  ወለድክኻ”  እግዚኣብሔር  ኣብ፡ንሓደ ወዱ ካብ ድንግል ማርያም ንዝተወሃሃዶ ስጋ ብኣካል፡  ብባህሪ፡ ብፍቃድ ፡ ሓደ  ከም ዝኾነ  ኣቀዲሙ  ስለዝፈልጥ ንዓና ንኸረድኣና “ሎሚ ወለድኩኻ”  ኢሉ  መስከረሉ።

መዝሙር  ፵፯፡፭-፮ / 47፡5-6   “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ  መለኸት ዓረገ። ዘምሩ፡ ምስጋና ንኣምላክና ዘመሩ፡ ዘምሩ ምስጋና ንንጉስና  ዘምሩ”  ሓዋርያት ክዓርግ  ከሎ ዝረኣይዎ፡ እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ምዃኑ ዳዊት ነጊሩና። እንተዘይከውን  እግዚኣብሔር ኢሉ ኣይምጸውዖን ነይሩ።

ወንጌለ ዮሓንስ  ፱፡፴፭ / 9 ፡35  “ብወዲ ሰብዶ ትኣምን ኢኻ” በሎ ፡ንሱ  ኸኣ “ጎይታይ ብእኡ  ክኣምንሲ  መን ኢዩ ንሱ፧”ኢሉ  ሓቶ። ኢየሱስ ድማ ሪእኻዮ  ኣሎካ ፡ እዚ ሕጂ ምሳኻ  ዝዘራረብ ዘሎ ንሱ ኢዩ በሎ። ጎይታ ባዕሉ  ዝተዋህዶ ስጋ፡ ኣምላኽ ምኻኑ ስለ  ዝፈልጥ ኣብ ግንባሩ ዓይኒ ንዝፈጠረሉ  ዕውር ብእኡ ክኣምንሲ ወዲ እግዚኣብሔር መን ኢዩ  እንተ  በሎ “ርኢኻዮ  ኣሎኻ ምሳኻ’ ውን  ዝዘራረብ ዘሎ እዩ” ኢሉ መስከረ  እምበር “ኣብውሽጠይ ዘሎ ኢዩ” ኣይበሎን። ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ስለ ዝኾነ ።

ወንጌለ ዮሓንስ ፩፡፲፬ / 1፡14፥ ሓደ ውሉድ ሓደ ክብሪ ሓደ ገጽ ሓደ ስራሕ ርኢና ኢሉ እናመሃረ፡ብተዋህዶ ሓደ ንዝኾነ ትስብእት፡ ሓደ ውሉድ፡ ሓደ ገጽ፡ ሓደ ክብሪ ርኤኹ ኢሉ መስከረ። ጴጥሮስ’ውን “ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ”ኢሉ መለሰ።ንስኻ ዝበሎ ፡ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል፡ ሓደ ባህሪ ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጡ ንዝነበረ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስዶ ኣይኮነን፧(ማቴ ፲፮፡፲፮ / 16፡16)

ኢሳያስ ፱፡፮ /9፡6  “ህጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ፡ ንሱ ከኣ ገዛኢና ክኸውን እዩ ። ንሱ ግሩም መኻሪ፡  ብርቱዕ  ኣምላኽ፡  ዘልኣለማዊ  ኣቦ፡ መስፍን  ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ ኢዩ። ነቲ  ህጻን ጎይታ  ናይ ዘልኣለም  ኣቦ ብርቱዕ ኣምላኽ መስፍን ሰላም፡ ኢዩ  ዝበሎ። ስጋ ብተዋህዶ ምስ ቃል ሓደ ስለ ዝኾነ መለኮትን  ትስብእትን ብባህሪ ተዋህዶ ሓደ ድሕሪ  ምዃኖም  ብግብሪ ይኹን ብሓሳብ’ውን ክንፈልዮም ኣይግባእን።

ዕብራውያን  ፭፡፯ / 5፡7 ቅድስ  ጳውሎስ፡ ቃልን ስጋን  ኣብ ዝተዋሃሃደሉ ግዜ በኸየ ጸለየ።ምብካይ፡ምጽላይ፡ምፍራህ ናይ ስጋ እምበር ናይ መሎኮት ኣይኮነን። ደሓር ግን  መሎ ኮትን  ስጋን ምስ ተዋሃሃዱ ሓደ ባህሪ ስለ ዝኾኑ ስጋ ዝሰረሖ፡መሎኮት ይሰርሖ፡መለኮት ዝሰርሖ ድማ ስጋ ይሰርሖ  ይብል።

ራኢ ዮሓንስ ፩፡፲፯  1፡17 “ኣይትፍራህ ኣነ  እቲ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ እቲ ህያውን ኢየ፡ሞይተውን  ነበርኩ።  እንሆ  ከኣ  ንዘልኣለም ህያው እየ፡ ኣብ  ልዕሊ  ሞትን  ሲኦልን ድማ ስልጣን ኣሎኒ”። ስጋ  ቀዳማይን  ዳሕራይን  ክኸውን ኣይክእልን እዩ  ቅድሚ  ዓለም፡ ድሕሪ ዓለም  ዝነብር ኣምላኽ ጥራሕ  ኢዩ። ሞት እውን ናይ ስጋ እምበር ናይ ኣምላኽ  ኣይኮነን፡ ጎይታ ግን ምስ ስጋ ሓደ  ባህሪ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ እቲ ቀዳማይን  ዳሕራይን  እቲ  ዝመትኩ’ውን  ኣነ እየ  ኢሉ ተዛረበ።

ወንገለ ዮሓንስ ፮፡፶፩ / 6 ፡51 “እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራ ኣነ ኢየ”። ካብ ሰማይ ዝወረደ  እንጌራ ማለቱ ካብ ድንግል  ማርያም ንዝነስኦ ስጋዶ ኣይኮነን፧ ወይስ  ስግኡ ካብ ሰማይ ሒዝዎ ድዩ ወሪዱ፧ እዚ ኸኣ ኣብ  መጽሓፍ  ቅዱስ ኣይተጻሕፈን።  ካብ  ሰማይ  ዚወረደ  ቃል ጥራይ ኢዩ፡ግና ብባህሪ ተዋህዶ ከይትሓዋወሰ ከይተደባለቀ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ  ኮነ ንብል። ከምኡ እንተዘይከውን ካብ ሰማይ ዝወረድኩ እንጌራ ኣነ እየ ኣይምበለን።

4.7 ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ምዃኑ ዘረድኡ ጥቕስታት

1 ዮሓ ፩፡፩ /1፡1  “ ካብ መጀመርታ ዝነበረ” ዝበሎ ንመን ኢዩ ንቀዳማዊ ቃል መሎኮት ዶ ኣይኮነን፧ብዓይኒ ስጋኸ ከመይ ኢሉ ይርአ። ኢድከ ከመይ ኢላ (ትድህስሶ ) ቃል ምስ ስጋ ብተዋህዶ ሓደ ባህሪ እንተዘይኮውን ኔሩ ነቲ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ መለኮት ከመይ ኢሉ ሪኢናዮ ዳህሲስናዮ ዝበለ፡ ዝርአን  ዝድህሰስን ግዙፍ ዝኾነ ኢዩ እምበር  ረቂቅ  ዝኮነ  ከመይ ኢሉ  ይርአ፧ ከመይ ኢሉኸ ይድህሰስ፧  ቃል ምስ  ስጋ   ብተዋህዶ  ሓደ   ኣካል፡ ሓደ ባህሪ እንተ ዘይከውን ኣይምተዳህሰሰን ኣይምተጨበጠን ኔሩ።

 ግብ.ሃዋ  ፳፡፳፰ /20=28 “ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተክርስቲያን ኣምላኽ”  እግዚኣብሔር ረቂቕ  መንፈስ ኢዩ። ደም እውን የብሉን። ደም ናይ ስጋ ኢዩ፡ እንተኮነ  ግን መለኮትን ትስብእትን ብዘይፍለ ተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ስለ ዝኾነ  ቤተክርስቲያን  ኣምላኽ  ክትህሉ  ብገዛእ  ደሙ  ዘጥረያ  በለ።  ኢየሱስ ብደሙ  ዝተበጃዋ  እንተዝብል ናይ ትስብእት ስም ኢዩ ብምባል ክልተ ባህሪ በሃልቲ መእተዊ ምረኸቡ ነይሮም።ሕጂ ግን ፈልዩ እግዚኣብሔር ኢሉ  እዩ ዝጸውዖ። እሞ እንታይ ይበሉ፧

ማርቆስ  ፲፬፡፷፩ /14፡61 “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽ ዶ ንስኻ ኢካ” ኢሉ  ሓቶቶ፡ “እወ ኣነ እየ፡ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ ብደመና ሰማይ ክመጽእ ከሎ  ክትርእይዎ  ኢኹም ቀያፋ ኣብ እቲ ጉባኤ  ዚሓተቶ ነቲ  ዝተታሕዘ   ኢየስስ  ዶ  ኣይኮነን ፡ ክልተ ባህሪ ኢዩ  እንተ በሉ በየናይ  ባህሪ  ኢዩ  ነዚ  ዝምልስ፡ ብመሎኮት  ኢዩ  ከይብሉ  መለኮት፡ ግዝፍ ስለ ዘይኮነ ኣይትሓዝን ኣይእሰርን  ኢዩ።  ዘይተታሕዘ ዘይተሓተተ ድኣ ከመይ  ኢሉ  “ኣነ  ኢየ”ኢሉ መስከረ፧ ተታሒዙ  ዝተሓተተ ናይ ስጋ ባህሪ ጥራይ  ኢዩ  እንተበሉ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ባህሪ ወዱ ከመይ ኢሉ “ኣነ እየ” ብምባል ብሓሶት ይምስክር፧ ከም ናይ ኦርቶዶስ  ተዋህዶ እምነት፡ ብተዋህዶ  ሓደ ኣካል  ሓደ ባህርይ  እንተዘይኮይኑ ነዚ  ምስጢር ብትኽክል ክምልሶ ዝኽእል የለን።

  ማርቆስ ፲፭፡፴፯ / 15፡ 37፡“እቲ ሓለቓ  ሚኢቲ ከኣ ነፍሱ ከምዚ ኢላ ከምዝወጸት ምስ ረኣየ እዚ ሰብዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላክ ነይሩ” በለ። ነስተውዕል! ነቲ ተገሪፉ፡ ኣብ መስቀል ንዝተሰቕለ ንወልደ ማርያም መድሃኒዓለም  ክርስቶስ ንእግዚኣብሔር ናይ ባህርይ ወዱ  ምዃኑ ከረድኣናከሎ ፥

መዝሙር ፳፪፡፲፪-፲፫ /22፡12-13  “ልበይ  ከም ስምዒ ኮነ ኣእዳወይን ኣእጋረይን  ከኣ ሸንከሩኒ ንኩሉ ኣዕጽምተይ ድማ  ቆጸርዎ”ተመልከት! በል ቃል ናይ ስጋ ዘበለ ናቱ  ክገብር ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስጋ ክኸውን ከሎ  ቅድሚ ሽሕ ዓመት  ቀዳማዊ  ቃል ኣብ  ቅዱስ ዳዊት ሓዲሩ፡ ሓደ ባህርይ ምካኑ የረድኣና።

ራኢ ዮሓንስ ፪፡፰/2፡8  “እቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ሞይቱ  ዝነበረ  ሕያው ዝኾነን ከምዚ ይብል ኣሎ ..  ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ድሕሪ ዓለም ዝነብር  እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ እምበር ንሰብ ኣይከኣሎን ኢዩ።  እግዚኣብሔር  ከምዘይመውት  ንፈልጥ ኢና። ባዕሉ  ግና ሞይተ ነበርኩ ሕጂ ግን ህያው እየ”በለ። ብናይ ባህሪ ሰብነተይ ሞይተ ነበርኩ ኣይበለን። ሞለኮት ግና ብ ስጋ ሞተ፡ ቅድሚ ዓለም  ዝነበረ  እቲ  ሓደ  ንሱ  ኢዩ። ኩሉ ጊዜ ዝነበረ ዝበሎ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ድሕሪ  ዓለም ንዓለም  ኣሕሊፉ ዝነብር እቲ ዝሞተ ካልእ ኣይኮነን እቲ ስጋ ዝኾነ ቃል እዩ።

 ፊሊ ፪፡፮/2፡6  “ንሱ ብባህሪኡ  ኣምላኽ  እኳ  እንተኾነ  ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ   ማዕርነት  ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተከራኸረን”። መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ናብ ምድሪ መጸ።  ንመልከት!  ቅዱስ  ጳውሎስ   ኣምላኽነት ጎይታ ንኽገልጽ ንሱ ብባህኡ  ኣምላኽ ኣኳ እንተኾነ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ሮሜ፭፡፲/5 ፡10  “ ጸላእቱ  እንከለና  ምስ  ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቐና” ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ   ኢየሱስ ወልደማርያም ናይ እግዚኣብሔር  ናይ ባህሪ ወዱ  እዩ ኢሉ መስከረ። ወልደማርያም ካልእ ወልደ ኣብ ካልእ  እንተዝኸውን ወይ እቲ ዝተሰቕለ  ስጋዊ ባህሪ ጥራይ እንተዝኸውን ግን “ብሞት ወዱ…” ኣይምበለን ኔሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዘይ ምክፍፋል ሓደ ዝኾነ፡ዘይግባእ  ኣጸያፊ ዝኾነ  ዘረባ ምዝራብ ከምዘይግባእ ብመንፈስ  ቅዱስ  ተመሊኡ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ምዃኑ  መስኪሩ ።

ማቴ ፫፡፲፯ /3፡17  “ብእኡ ዚተሓጎስኩ ፍትው  ወደይ እዚ ኢዩ” ኣብ ባዕሉ ካብ ድንግል ማርያም  ንዘተወልደ ን ጎይታናን መ ድሓኒናን ኢየስስ “ወደይ” ኢዩ  ኢልዎ ።  ኣብ ውሽጢ ኢየሱስ ዝሓደረ  እንተዝብል  ኔሩ  ንስጥሮሳውያን  መእተዊ ምረኸቡ ኔሮ ም።  ኣብ ግና ስጋን  መለኮትን ሓደ ጌሩ  ኣወሃሂዱ  ኢዩ  “እቲ ፍትው ወደይ  ኣዚ እዩ”  ኢሉ ዝመስከረ። እሞ ወልድ ማርያም  ካልእ  ወልድ ኣብ ካልእ ኢዩ   ዝብል  ትምህርቲ  ካበይ መጸ፧

ሃዋርያዊት ቤተክርስቲያን ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር እያ ወልደኣብ  ወልደማርያም  ብተዋህዶ ልደት ከበረ፡ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህሪ ሓደ ባህሪ ኮነ እትብል።

 ወንጌለ ዮሓንስ 15፡24   “ሕጂ ግና ርእዮም ከለው ንኣይን ነኣቦይን ጸልኡና”  ኣይሁድ  ዝረኣይዎ   ንስጋ   ኢዩ ነቲ ረቂቅ መለኮት ኣይረኣዩን። ባዕሉ ጎይታ ግና ንኣይን ነቦይን ርእዮም ከለው ጸልኡና በለ። ስጋ ምስ  ቃል  ብባህሪ ተዋህዶ  ሓደ  ስለ ዝኮነ ንኣይ  ዝረኣየ ንኣብ  ፈጺሙ ረኣየ። ንኣይ ዝጸልእ ንኣብ ፈጺሙ ይጸልእ።  ስለዚ ሓደ ባህሪ  ኣይንብልን እንተበሉ ኣይሁድ ዚረኣይዎ  ንስጋ እዩ  እንበር ነቲ  ቀዳማዊ  ቃል ኣይረኣይዎን። እምበኣር ንምንታይ ድኣ  ተኾነኑ ዝብሎም፧ ብዘይረአይዎ ከመይ ጌሮም እኹነኑ፧ ጎይታኸ ብተዋህዶ ሓደ ባህሪ እንተዘይከውን ከመይ ኢሉ ከይረኣዩ ርእዮም  ጸልኡኒ  ይብል ፧

ወንጌለ ዮሓንስ ፲፯፡፳፬ /17፡24  “ኦ ኣቦ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ስለዘፍቀርካኒ፡ እዞም ዝሃብካኒ ከኣ ነቲ ዝሃብካኒ  ክብሪ  ምእንቲ  ክርእዮ…” ኢሉ ዝተዛረቦ ኢየስስ  ክርስቶስ  ባዕሉ  ኢዩ።  ስለ ገዛእ ርእሱ ተዛረበ እንበር ስለ ካልእ ኣይተዛረበን።  ምስ  ቀዳማዊ  ቃል   ብባህሪ፡  ብፍቓድ  ሓደ  እንተዘይከውን  ኔሩ ከመይ  ኢሉ  ንኣብ ደፊሩ “ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ስለ ዘፍቀርካኒ ይብሎ፧ ዘይነበረ እንከሎ ፈቲዎ ማለት ድዩ፧ ከይነበረ ከመይ ኢሉ ይፈትዎ፧ ከይነበረ ከመይ ኢሉ ኔሩ ክብሎ፧

ወንጌለ ዮሓንስ፫፡፲፬ / 3፡14  “ብእኡ ዝኣምን  ዘበለ  ኩሉ  ናይ  ዘልዓልም ሕይወት ምእንቲ  ክረክብ  እምበር  ከይጠ ፍእሲ……  “ከምቲ  ሙሴ ኣብ በረኻ  ንተመን ዝሰቀለ ወዲሰብ  ድማ   ከምኡ  ክስቀል  ይግባእ  ኢዩ።  ኣብ  መስቀል ንዝተሰቅለ ንኢየሱስ  ናይ ስጋ ባህሪ ኢዩ ዝብሉ ምስ ናይ እግዚኣብሔር  ናይ  ባህሪ ወዱ ብባህሪ ፡ብፍቃድ ሓደ እንተዘይከውን  ከመይ  ኢሉ ብእኡ  ዝኣምን  ኣይጠፈእን ፡ናይ ዘልዓለም  ህይወት ክረክብ ኢዩ ዝብለና፧ ናይ ሰብ ደምከ ካብ ሞት ከንጽህ ይኽእል ድዩ፧ ብፍጽም! ልዑል  እግዚኣብሔር ኣብ ትንቢተ ኤርምያስ ፲፯፡፲፭ /17፡5 “እቲ ኣብ ሰብ ዝውከል ሰብ ርጉም ይኹን”ይብል።

ወንጌለ ዮሓንስ ፫፡፲፮ / 3፡16  “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣምን ዘበለ ናይ ዘልዓለም  ህይወት  ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።  ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ኣፍሲሱ ስግኡ ቆሪሱ ንወዲ ሰብ ብደሙ ዝተበጀወ  ወልደማርያም ኢየሱስ ዶ ኣይኮነን ኢዩ፧ ምስ ቃል ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ እንተዘይኮኑ ኣምላኽ ንወዱ ክሳብ ዝህብ ንምንታይ በለ።

ራኢ ዮሓንስ ፭፡፲፪/ 5፡12  “እቲ  ዝተሓርደ ገንሸል  ስልጣን፡ ሃብቲ ፡ ጥበብ፡ ሓይሊ፡ ክብሪ፡ ግርማ  ውዳሴ  ክቕበል ብቅዕ ኢዩ” ዝተሓርደ በጊዕ ዝተባህለ ከማና ስጋን ደምን ዘለዎ ሰብ ዝኮነ ኢዩ። ካብ ንጽህት ድንግል ማርያም  ብሕቱም ድንግልና ተጸኒሱ ብሕቱም ድንግልና ዝተወልደ ኢዩ። ቅድሚ ዓለም ምስ ዝነበረ ናይ  እግዚኣብር  ቃል  ብተዋህዶ ሓደ  ኣካል  ሓደ ባህሪ  እንተዘይከውን  እቲ  ኩሉ ክብርን ልዕልናን  ከመይ  ኢሉ ክወሃቦ  ይኽእል፧ ትስብእት ብተዋህዶ ምስ ቃል ሓደ ባህሪ እንተዘይኮኑ እዚ ኩሉ  ልዕልና (ንመለኮት ጥራይ  ዝቐርብ) ምስጋና ከመይ ጌሩ ቀሪቡሉ፧  ክሳብ ሕጂ  ዚተገልጹ  ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ   ቅዱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ  ምዃኑ  ዘረጋግጹልና  ኢዮም።

4.8 ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር እዩ

     ናይ  የሆዋ  መሰካክር “ኢየስስ  ክርስቶስ ብስም  እግዚኣብሔር  ክጽዋዕ  ኣይግብኦን  ኢዩ፡ ንሱ ንኹሉ ዝክእል ኣምላኽ  ኣይኮነን  ከምኡ  እውን  ኢየሱስ  ክርስቶስ እቲ  ሚካኤል   ዚተባህለ ናይ  መጀመርያ መልኣኽ  ኢዩ” ይብሉ።  ኢየሱስ  ክርስቶስ ግና ናይ መልኣኽ  ፈጣሪ  ንመልኣክቱ  ንፋሳት  ንኣገልግለቱ ድማ ነበልባል  እሳት ዝገብር ኩሉ ዝኽእል  ፈጣሪ  ኢዩ ።ዕብ  ፩፡፯/ 1፡7  መልኣኽ  ከም  ዘይኮነ   ቅዱስ  ጳውሎስ  ክገልጽ  ከሎ ካብ መላኣኽቲ  “ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ  ዝበሎ እስከ ንመን ኣሎ፧ብምባል ክርስቶስ መልኣኽ  ከምዘይኮነ የረድኣና። ናይ ክርስቶስ  ኣምላኽነት  ኣብ  መጽሓፍ  ቅዱስ  ከምዚ  ዝስዕብ  ይግለጽ፥

ኢሳያስ ፵፭፡፳-፳፬ /  45 ፡20- 24 ፥”……ኣምላኽ ኣነ እየ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። ኣነ መድሃኒት እየ ስለዚ ኣቱም ኣብ ኩሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ ናባይተመለሱ እሞ ድሓኑ”ኣብዚ እንርእዮ እግዚኣብሔር ብዘይክኡ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ ንሱ ባዕሉ መድሃኒት ከምዝኾነ ገሊጹ፡ ነዚ ዝመስል ካልእ ጥቕሲ ውን  ንርአ፡

ትን፡ሆሴ ፲፫፡፬ / 13፡4  “ኣነ ካብ ሃገረ ግብጺ ዘውጸኣክኹም እግዚኣብሔር  ኣምላክኩም ኢየ ብጀካይ  ካልእ  ኣምላክ  ኣይትፈልጡን   ኢኹም ብጀካይ ድማ  መድሃኒት   የብልኩምን”  ሕጂ  እውን  እግዚኣብሔር  ብጀክኡ ካልእ  ኣምላኽ፡ካልእ መድሃኒት ከምዘየለ ብዙሕ ቃል ነገረና። ሕጂ እውን ነዚ ዚመስል ንመልከት።

ቲቶ ፩፡፫/ 1፡3   ፡” ብትእዛዝ  እቲ  መድሃኒት ዝኾነ ኣምላኽ” ከምቲ ኣብ ላዕሊ  ተገሊጹ  ዘሎ ንኹሉ ሰብ መድሃኒት ክኸውን ዝኽእል ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ተገሊጹ ኢዩ ። ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ጥቅስታት ምስቶም  ኣብ  ላዕሊ  ዘለው  ጥቕስታት ነመዛዝኖም።

ቲቶ  ፪፡፲፪-፲፫ / 2 ፡12-13 “ነቲ ብሩኽ ተስፋን ናይ’ቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽን ክብርን ንጽበ ኣሎና”። ጳውሎስ ንቲቶ ክርስቶስ ኣምላኽን መድሃኒትን ንምዃኑ ገሊጹሉ።  እሞ  ክርስቶስ  ፍጡር ካብ ተባህለ እግዚኣብሔር’ውን ካብ ዘይኮነ ድኣ፡ከመይ ኢሉ ኣምላኽ መድሃኒት ክበሃል ይከኣል፧ እግዚኣብሔር ኣብ  ሆሴዕ “ኣነ በይነይ ኣምላኽን  መድሃኒትን  ኢየ”በለ ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ ናይ ባህሪ ኣምላኽ  ስለዚኮነ። ጻድቃን ኣማልኽት እንተተባህሉ ናይ ጸጋ እዮም።  ናይ ክርስቶስ  ኣምላኽነት  ግን ናይ  ባህሪ ኢዩ ።

ግብ፡ሃዋ ፬፡፲፪ / 4 ፡12 “ ብእኡ ክንድሕን ዝግብኣና ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ  ንደቂ  ሰባት ኣይተዋህበን”

ሉቃስ ፪፡፲፩/2፡11 “ሎሚ መድሓኒ  ክርስቶስ ጎይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ”፡፡

ወንጌለ ዮሓንስ ፬፡፵፪/4 ፡42  “እዚ ብሓቂ ክርስቶስ መድሕን ዓለም ምኻኑ ፈሊጥና”    ኢየሱስ  ክርስቶስ መድሃኒት ምዃኑ እንተተኣሚኑ ግድን እግዚኣብሔር እውን ከም ዝኮነ  ክእመን ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ ብጀካ እግዚኣብሔር መድሃኒት የለን። ኣብ ዘመን ብሉይ “ብጀካይ ካልእ እግዚኣብሔር ኣምላኽን መድሃኒትን የለን” ዝበለ በቲ ዳሕረዋይ ዘመን ካብ ንጽህተ ንጹሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። ካልእ  መረዳእታ’ውን ፥

ኢሳ  ፱፡፮ /9፡6፥  “ህጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂብና ኢዩ ንሱ ከኣ ገዛኢና ክኸውን  ኢዩ ንሱ ግሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኽ ዘልዓለማዊ  ኣቦ፡ መስፍን ሰላም ተባሂሉ  ክጽዋዕ ኢዩ”። ብርቱዕ  ኣምላኽ ዘለኣለማዊ  ኣቦ መስፍን  ሰላም  ዝብሉ ሓይሊ ቃላት  ንእግዚኣብሔር ጥራይ  ዝግብኡ  እዮም። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን  እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ብርቱዕ ኣምላኽ  ዘለኣለማዊ  ኣቦ  መስፍን  ሰላም ተባሂሉ።  ነዚ እውን  ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቅሲ ምስናይ  ይከኣል  ኢዩ። “ኩላትና ዶ ሓደ ኣቦ ኣይኮነን  ዘሎና። ሓደ  ኣምላኽ ዶኸ  ኣይኮነን ዝፈጠረና ንብል” ምልክያስ ፪፡፲/2፡10  እወ  ስላሴ ብባህሪ፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብምፍጣር ሓደ ስለዝኾኑ ሓደ ኣምላኽ ፈጠረና ንብል። ጎይታ ናይ  ዘለኣለም ኣቦ ካብ ኮነ ሚልክያስ ዝመስከረሉ እቲ ሓደ ኣቦና ንሱ ኢዩ ።

ራኢ ዮሓንስ ፩፡፰/ 1፡8 ፥ “እቲ  ዘሎን ዝነብርን  ዝመጽእን፡ኩሉ ዝኽእል  እግዚኣብሔር  ኣምላኽ ኣልፋን ኦሜጋን  ኣነ  እየ”  ይብል  ኣሎ።  እግዚኣብሔር ንሙሴ እቲ ዘሎን ዝነብርን ኣነ ኢየ  በሎ(ዘጽ  3፡14)።  ኣብ ራኢ ዮሓንስ  ዝተገልጸ ንጎይታ   ኢዩ።  ዘሎን ዝነብርን  እግዚኣብሔር  ከም ዝኾነ ኣብ ዘጽኣት ፫፡፲፬ /3፡14 ዝተጠቕሰ ድማ ነዚ እዩ።እምበኣር ይሆዋ  ማለት ክርስቶስ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ይሆዋ ማለት ዘሎ፡ ዝነበረ፡ዝነብር ማለት ስለዝኾነ።

ራኢ ዮሓንስ ፳፪፡፲፪-፲፫ / 22፡12-13 “እንሆ  ቀልጢፈ ይመጽእ  ኣሎኹ፡ ንነፍስወከፍ  ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቡ ምሳይ  ኣሎ።  ኣልፋን  ኦሜጋን  ቀዳማይን ዳሕረዋይን፡መጀመርታን መወዳእታን  ኣነ  ኢየ”። ነዚ  ዝተዛረበ  ጎይታናን  መ ድሓኒናን  ኢየስስ  ክርስቶስ ኢዩ። ነዚ ምስ ናይ ኢሳያስ ቃል ምስክርነት ነዛምዶ “እንሆ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ነቶም ዝተበጀዎም ህዝቢ ሒዙ፡ ብሓይሊ ክገዝእ ይመጽእ ኣሎ”(ኢሳ ፵፡፲/40፡10)ንፍርዲ ዝመጽእ ኢየሱስ  ክርስቶስ ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ እንረኽቦ እዩ። ኢሳያስ ድማ ንጎይታ እግዚኣብሔር ከምዝበሎ ኣስተውዒልና ዶ፧  ጎይታ ዓስቢ  ከም ዝህብ’ውን ተዛሪቡ እዩ።

ግብ፡ሓዋ ፩፡፱/ 1፡9 “  እዚ ምስበለ  ድማ እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ካብ  ኣዕይንቶም  ድማ  ደመና  ሰማይ ሰወረቶ”። ሓዋርያት እንዳረኣይዎ  ብርቀት  ዘይኮነ ብርሕቐት ዝዓረገ  ጎይታ ኢየስስ ኢዩ። ዳዊት ድማ   “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ፡ ዘምሩ ምስጋና ንኣምላኽ ዘምሩ”መዝ ፵፯፡፭ 47፡5 እቲ ዝዓረገ  ኢየሱስ ክርስቶስ እምበር ኣብ ኣይኮነን፡ እሞ  እንታይ ድኣ እግዚኣብሔር  እንተዘይከውን ኔሩ ዳዊት ስለምንታይ እግዚኣብሔር ኢልዎ፧

ግብ. ሓዋ ፩፡፲፩ / 1፡11   “ኣቱም  ሰብ  ገሊላ  ስለምንታይ   ኢኹም  ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም  እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም እዚ ካባኻትኩም  ናብ  ሰማይ ዝዓረገ ኢየስስ  ከምቲ  ናብ   ሰማይ ክዓርግ  ከሎ ዝረኣኽምዎ  ከምኡ  ገይሩ ከኣ ክመጽእ  ኢዩ” ።  እቲ ዝመጽእ ኢየስስ   ክርስቶስ   ከምዝኾነ እቶም መላእኽቲ  መስኪሮም ኢዮም።ዳዊት  ድማ  ኣብ መዝ ፶፡፪/ 50፡2  ነቲ  ዚመጽእ  ኢየሱስ ክርስቶስ  እግዚኣብሔር ብምባል ጸውዖ፡ ዳዊት ጥራይ ዘይኮነ  ዘካርያስ  እውን “እግዚኣብሔር  ኣምላኽ ድማ  ምስ ኩሎም ቅዱሳናቱ ክመጽ’ዩ” ዘካር ፲፬፡፭/14፡ 5 ንክርስቶስ  እግዚኣብሔር ኢሉ ጸውዖ። ጳውሎስ ድማ ንናይ ዘካርያስ ምስክርነት ብምሓዝ“በታ ጎይታ ምስ  ኩሎም ቅዱሳን  ዝመጸላ  መዓልቲ” 1ተሰ ፫፡፲፫/ 3፡13  ኢሉ መስከረ።

ስጋና ለቢሱ ዘድሓና ኣምላክክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣሜን!!!

Sorry, comments are closed for this post.