Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ሰሙናዊ ዜና ቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤ/ክ መድሃኔኣለም

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

    ልዑለ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ስለቲ ዝገበረልና ኩሉ ነገራት ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን!!!

ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና  ሓጥያትና ከይርኣየ በደልና ከይተጸባጸበ ንኩሉ ብዓይኒ ምሕረቱ እናጠመተ ፡ ንንስሓ ዝኸውን ግዜ እናሃበ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ የሰጋግረና ስለዘሎ፡ ስለቲ ዘይውዳእ ውህበቱ ይኽበር ይመስገን ። እንሆ  ሎሚ’ውን ዓቢ ጾም (ጸም ኣርብዓ) ብሰላም ኣፈጺሙ፡ ናብ ትንሳኤ ኣብጺሑና ኣሎ እሞ ክብርን ምስጋናን ብድጋመ ንዕኡ ይኹን። ንሕና ድማ ነቲ ዝተገብረልና ሰናይ ውዕለት ብመዝሙር ምስጋና እናዘመርና፡ ንስሙ ክንውድስን ከነመስግንን  ይግብኣና። ነዚ መሰረት ብምግባር እምበኣር  ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ንኩሉ ምእመን ኣብቲ ናይ ሱባኤ ግዜ( ጾም ግዜ) መዓልትን ለይትን ማዕጾኣ ክፉት ብምግባር ኩሉ  ኣብ ቤተክርስቲያን ተረኺቡ ጸሎቱ ከዕርግ ከም ዘለዎ ክትገብር ቀንያ። ኣብ ሰሙነ  ሕማምት ድማ ኩሉ ኣማኒ ህዝቢ ናይ ጎይታ ሕማማትን ሞትን እናዘከረ ካብ ቤተክርስቲያን ከይ ወጽአ ጸሎትን ዝስግደትን ክገብር ቀንዩ። ንሎሚ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝቀነየ ንጥፈታት ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣሎና፥

ሓሙስ 17/4/2014(ሕጽበተ እግሪ) ካብ ንግሆ ጀሚሩ ምሉእ ማዓልቲ ስርዓት ስግደትን ስርዓት ምሕጻብ እግርን ተፈጺሙ።

    ዓርቢ ዕለት 18/04/2014 (ዓርቢ ስቕለት) ድማ ኩሉ ኣማኒ ካብቲ ዝነኣሰ ህጻን ክሳብ እቲ ዝዓበየ ሽማግለ ስራሕ ክወፍር፡ ትምህርቲ ፡  ካልእ ዋኒነይ ክገብር ከይበለ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ቤተክርስቲያን ተረኺቡ ክሰግድን ጸሎት ክገብርን ውዒሉ። 

 ኣብቲ ዕለት ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ዝጅምር ካብ ኢትዮጲያ ዝመጽኡ መማህራን ወጌልን ዘማርያንን ዝተሳተፍዎ ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ስለ ዝነበረ’ውን ኩሉ ህዝቢ ደኺመ ከይበለ ኣብ ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ተረኪቡ ናይ’ቲ መንፈሳዊ ጉባኤ በረኸት ተኻፊሉ።

ቀዳም ዕለት 19/04/2014፡ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ስንግል ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ናብቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሊቶስጥራ ክሳብ ቀራንዮ ዝረኸቦ መከራን ስቓይን ንምዝካር ብኣካል ናብቲ ቦታ ተረኪብና ነቲ መከራኡን ስቓዩን ንምዝካር ጉዕዞ ናብቲ ቦታ ሰሪዓ ኩሉ ኣማኒ ናይቲ ቅዱስ ቦታ በረከት ከም ዝካፈል ገይራ። 

እቲ ካብ ድሮ ትንሳኤ ማለት (ቀዳም ምሸት) ዝጀመረ ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘበስሩ ወርባትን መዝሙራትን ድማ ካብ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ (ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ) ብኣዝዩ ዝበለጸን ዝመቐን ኣገባብ ቀጸለ። ኣብቲ መዓልቱ ማለት ዕለት 20/04/2014 በዓል ትንሳኤ ብድምቐት ከቢሩ ውዒሉ። ኣብ  እስራኤል ዝቕመጥ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ እንተላይ ካብ ኤርትራ ናብ ኢየሩሳሌም ክነግዱ ዝመጽኡ ነጋዶ’ውን ነቲ ብዓል ድምቀት ሂቦሞ። መቐጸልታ ናይቲ ብድምቀት ተኸቢሩ ዝውዓለ ብዓል ትንሳኤ ድማ ምሸት ሰዓት 8፡00 ዝጀመረ፡ ነቲ በዓል ዝገልጽ ትምህርትን ድራማን መዛሙርን ቀሪቡ። መቐጸልታ ናይዚ’ውን  ቀዳም ምሸት ዕለት 26/04/2014 ብምኽንያት ዳግማይ ትንሳኤ ካብ ኢትዮጵያ ብዝመጽኡ መማህራንን መዘምራንን  ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም (ለቫንዳ 16)፡ ናይ ኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ሰፊሕ መንፈሳዊ ትምህርትን መዛሙርን ቀሪቡ። ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን። ርሑስ ቅንያት ትንሳኤ ይግበረልና!  ኣሜን!

 10295901_655483141153394_2761593329150124165_o736205_655204064514635_2132507715959435222_o10173648_655515604483481_3957486142097935745_n

10269044_655203821181326_5802192179948049151_o10286853_655514504483591_6387895056458082133_o1512054_655483317820043_2994251719297798070_o

10295901_655483141153394_2761593329150124165_o10256614_655515421150166_4355232047805261266_o10257580_655203871181321_8961935205123257884_o1492332_655203727848002_835225704510955541_o

 

 

 

 

 

 

Sorry, comments are closed for this post.