Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ስለምንታይ ቅዱሳት ኣሳእል ንጥቀም፧

ሕቶ፡

“እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓካ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እየ።” ዘጽ 20፡4-6 ከም ዝብለና በንጻሩ ግን ኦርቶዶክሳውያን ስእልን ምስልን እትጥቀሙ? ስለምንታይ?

መልሲ፦ ስእሊ ማለት

መልክዕ፡ንድፊ፡ቀለማዊ ቅርጺ፡ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ኢዩ። ስእሊ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብኣህዛብ ንኣምልኾ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይሕብር። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስእሊ ክግለጽ ዝጀመረ ግና ካብቲ ልዑል እግዚኣብሔር ንሙሴ ትእዛዝ ኣብ ዝሓገገሉ እዋን ጀሚሩ እዩ። ካብተን ብሙሴ ዝተዋህባ እታ ቀዳማይ ትእዛዝ ከምዚ ዝስዕብ ትብል። “ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኢየ። ብጀካይ ካልእ ኣማልኽቲ ኣይሃልውኻ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እየ። ዘጽ 20+4-6
መብርሂ፡ እግዚኣብሔር ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልውኻ ክብል ከሎ፣ ብጀክኡ ካልእ ኣምላኽ ሓቂ ስለ ዘሎ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኣማልኽቲ ተባሂሎም ዘለዉ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዝተፈላለየ ምስልን ስእልን ሒዞም ዝተቐርጹ ጣኦታት ኢዮም። መዝ 115+4-8 ከምዚ ይብል “ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ስርሓት ብሩርን ወርቅን ኢዮም። ኣፍ ከለዎም ኣይዛረቡን፡ ኣዒይንቲ ከለዎም ኣይርእዩን፡ እዝኒ ከለዎም ኣይሰምዑን፡ ኣፍንጫ ከለዎም ኣይጨንዉን፡ ኢድ ከለዎም ኣይድህስሱን፡ እግሪ ከለዎም ኣይከዱን። ብጎሮርኦም ድማ ገለ እኳ ኣይድምጹን፣ እቶም ዝገበርዎምን ኣብኦም ዝውከሉን ኩሎም ከምኦም ይኹኑ።”
ንኣብነት፦ ባዕሉ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ከመዚ ኢሉ ተዛረቦም “ኣነ ካብ ሰማይ ከም ዝተዛረብኩኹም ባዕልኻትኩም ሪኢኩም ኣለኹም። ብጀካይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፣ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ።” ዘጽ 20፥22-23።

ህዝቢ እስራኤል ግና ነቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞም ትእዛዝ ጢሒሶም ብወርቅን ብሩርን እተሰርሐ ምራኽ (ጣኦት) ኣምለኹ። “እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረኣየ፣ ናብ ኣሮን ተኣከበ እሞ፣ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፣ እቲ ሰብኣይ፣ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፣ ተንስእ፣ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፣ በልዎ። ኣሮን ድማ፣ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቒ ቐንጢጥኩም ኣምጽኡለይ በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቀላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹ፣ ኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ ዎ እስራኤል፣ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም በሉ። ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፣ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሔ፣ ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ፡ ኢሉ ድማ ኣወጀ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፣ ዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡ፣ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ፣ ኪስሐቑ ኸኣ ተንስኡ። ሽዑ እግዚኣብሔር ንሙሴ በሎ፣ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፣ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገበሩ። ሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፣ ዎ እስራኤል እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም ድማ በሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፣ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ። እንሆ፣ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፣ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።” ዘጽ 32፡1-8 
በዚ በደል እዚ ምክንያት ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ብዙሕ ህዝቢ ተቐዝፈ። “ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፡ ጥሒኑ ኣድከሞ፡ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም። ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ እዚ ዓብዪ ሓጢያት ዘምጻእካሉስ እዚ ህዝብዚ እንታይ ገበርካ፧ በሎ። ኣሮን ከኣ፡ ኵራ ጐይታይ ኣይንደድ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽፋእ ምኳኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሙሴ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበና ሰብኣይ፡ ንእኡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በሉኒ። ኣነ ድማ፡ ወርቂ ዘለዎ ይቐንጥጦ፡ በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ሀቡኒ፡ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርቤኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ኸኣ ወጸ። ኣሮን ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ጻላእቶም ንመነወሪ ስዲ ሐዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ምስ ረኣዮም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ናባይ ይምጻእ፡ በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸኣ ናብኡ ተኣከቡ። ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ እቑኡ ይዕጠቕ። ካብ ደገ ናብ ደገ ኸኣ ኣብዚ ሰፈር ተመላለሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ንፈታዊኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ንጐረቤቱ ይቕተል፡ በሎም። ደቂ ሌዊ ድማ ከምቲ ዘረባ ሙሴ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወደቑ። ሙሴ ድማ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ በረኸት ምእንቲ ኺወሀበኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብወዱን ብሓዉን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ተቐደሱ፡ በለ።
ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕጂ ኸኣ፡ ምናልባሽ ሓጢያኣትኩም እንተ ኣተዐረቕኩ፡ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ፡ በሎም። ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ። ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ፡ በለ።” ዘጽ፡32፣20-32 ።
ትርጉም ናይዚ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ ተባሂሉ ዘሎ ጥቅሲ ባዕሉ ሙሴ ኣብ ዘዳግም ገሊጽዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል በታ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዳግም 4፡15-19፡ “በታ እግዚኣብሄር ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ እኳ ኣይርኤኹምን እሞ፡ ተጠንቂቕኩም ነፍሳትኩም ሐልዉ። ብዝዀነ ምስሊ፡ ብመልኽዕ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዂሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡ ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ዂሉ ዓሳ ኸኣ፡ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።” ይብለና።
ከምኡ’ውን፣ “ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም” ሮሜ 1፡22-25።

እምበኣር ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓካ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ተባሂሉ ዘሎ ጥቅሲ እንታይ ዓይነት ምስልን ስእልን ከምዝኾነ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ድማ እዚ ስእልን ምስልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር ዝብል ጥቅሲ፣ ነቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ወይ ድማ ኣብ ቤትጸሎት ተሳኢሉ ዝርአ ስእሊ፣ ስእሊ ቅዱሳን ከም ዘይምልከትን ከም ዘይቃወምን በቲ ንሙሴ ባዕሉ ዝሃቦ ትርጉም ክፍለጥ ይከእል ኢዩ። ብመንጽሩ ከኣ እግዚኣብሔር ንሙሴ ስእሊ ኩርቤል ክስእል ኣዚዝዎ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል፣ “ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም። ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፡ ካልኣይ ኪሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኪሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ዀይኑ፡ ብኽልተ ወሰኑ ግበርዎም። እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል። ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለው ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ። ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን። ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፡ ብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። ዙርያኡ ድማ ጋት ዝምግፋሑ ኽቡስ ግበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። ” ዘጽ 25፡18-25።

“ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚእብሔር ዝኣዘዞ ገበረ። ክልተ ስእሊ ኩርቤል ሲኢሉ ኣብ ልዕሊ ጽላት ማልት ታቦት ኣክናፎም ዘርጊሖም ከምዝጋርዱ ገበረ ድሕሪ እዚ ድማ ሙሴ ምስኡ ንምዝርራብ ናብቲ እግዚኣብሔር ዝርከበሉ ድንኳን ምስ ኣተወ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዘሎ ሕድገት ሓጥያት ዝርከበሉ መክደን ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ኩርቤል እዚ ድምጺ ክዛረቦ ይስማዕ ነበረ። ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ ማለት ሙሴ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ሰሚዑ ንህዝቢ እስራኤል ክምህሮም በቲ ስእሊ ኩርቤል መልእኽቲ ቃል እግዚኣብሔር ይመሓላለፍ ብምንባሩ ይገልጽ እዩ።” ዘሁ 7፡89 ከምኡ’ውን

“ ኣብታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ክልተ ናይ ወቐርቲ ስራሕ ብዝዀኑ ኪሩቤል ገበረ፡ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም። ምንዋሕ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ከኣ ዕስራ እመት ነበረ። እታ ሓንቲ ኽንፊ ናይቲ ሓደ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊውን ሓሙሽተ እመት ነበረት። ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት እሞ፡ ንኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ተርክብ ነበረት። ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ዕስራ እመት ተዘርጊሔን ነበራ። በእጋሮም ከኣ ደው ኢሎም፡ ገጻቶም ናብ ቤት ኣቢሉ ነበረ።”2ይ ዜና 3፡10፡13
ተወሳኺ ጥቅስታት፡

  • “ንደገ እቲ ቤት ራእይ ድማ ካብ ኦም ኣውልዕ መዓጹ ገበረሉ፡ ላዕላይ ልዳትን ቀዋሚ ልዳትን ካብቲ መንደቕ ሓምሳይ ኢድ ነበረ። ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ መዓጹ ገይሩ ድማ ኣብኤን ቅርጺ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጸ፡ ብወርቂውን ለበጠን፡ ነቲ ወርቂ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ኣብ ልዕሊ ስየን ዘርግሖ። ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብቲ መንደቕ ራብዓይ ኢድ ዝምርጓዱ ኻብ ኦም ኣውልዕ ልዳውቲ ገበረሉ። ካብ ኦም ጽሕዲ ድማ ክልተ

    ማዕጾ ገበረ፡ እቲ ሓደ ማዕጾ ኽልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ክልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ። ኣብኡ ድማ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀሪጹ፡ ነቲ ቕርጺ ብወርቂ ኣዳላዲሉ ለበጦ።”1ይ ነገስት 6፡31-35

  • “እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ታቦትን ነቲ መሰላታቱን እቶም ኪሩቤል ከደንዎ። ጫፍ እቲ መሰላትት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ።”1ይ ነገስት 8፡6-8

ስለዚ ከኣ ነዛ ብስእሊ መላእክቲ ብምልእታ ተሰሊማን ጸቢቃን ማዕሪጋን ዝነበረት ሰሎሙን ዝሰርሓ ቤት መቕደስ እግዚኣኣብሔር ከኣ ከምዚ ክብል በቲ ዘይሓልፍ ቃሉ ተዛረበላ “ እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ
ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት መቕደስ፡ ስመይ ክሳዕ ዘለአለም ኣብአ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን
ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።”1ይ ነገስት 9፡3 ብምባል ከም ዝሓረያን ዝቕደሳን ተዛረበ ። ከመይ ኣብታ ቤት መቕደስ ስእሊ ቅዱሳን መላእኽቲ ምህላዉ እግዚኣብሔር ብህ ኣቢልዎ ሰለ ዝነበረ። ነብይ ህዝቕኤል እውን ነዚ ቅዱሳት ኣሳእል ናይዞም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ኸመይ ገይሩ መሊኡ ከመዝነበረ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጸልና።

  • “ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፣ ብወጻእን ብዙርያ ዅሉ እቲ መንደቕን፣ ብኣታዊኡን ብወጻኢኡን ብልክዕ እዩ። ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ኪሩቤልን ከኣ ሓንቲ ስየ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከኣ ከክልተ ገጽ ኣለዎ።

    ነታ ስየን ናብዚ ወገና ገጽ ሰብ፣ ነታ ስየስ ናብቲ ወገና ኸኣ ገጽ ኣንበሳ ኣለዋ። ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ

    ዙርያኣ ኸምኡ ተገይርዋ እዩ። ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ ኪሩቤል ስየን ተቕሪጽዎ ኣሎ።

    እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ እዩ።” ህዝ 41፡17-20 

    • “ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ድማ ክልተ መቃን፣ ኣብ ከክልተ ዚዕጸፉ መቃን፣ ነታ ሓንቲ ማዕጾ ኽልተ መቃን፣ ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ክልተ መቃን ኣለዋኤን። ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፣ ኣብተን ደጌታት መቕደስ ከኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽወን ኣሎ። ኣብ ወጻኢ እቲ ገጽ ገበላ ኸኣ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ። ኣብ ጎቦታት እታ ገበላ ኸኣ በዝን በትን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን

    ኣለዋ። እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንጻን እቲ ናሕሲ ዕጨይትን ከኣ ከምኡ እዩ።” ህዝ 41፡24-26

እዞም ኩሩቤል ተባሂሎም ዘለዉ፣ መልኣኽቲ ከም ዝኾኑ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ይሕብረና ።
“ንኣዳም ምስ ኣውጽኦ ድማ ነታ ናብ ኦም ህይውት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤል ሃልሃል እንዳበለት እተንበልብል ሰይፍን ብሸነኽ ምብራቅ ገነት ኤደን ኣቐመጠ ።”ዘፍ 3፡24 ብምባል ንገነት ዝሕልዉ ኪሩቤል ዝበሃሉ መላእኽቲ ምዃኖም ይነግረና ኢዩ። ከምኡ’ውን ነቢይ ህዝቅኤል ኣብ ትንቢቱ ከምዚ ይብለና “እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ። ኪነቕሉ ኸለዉ ኸኣ፣ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኦም ኰይኑ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተላዕሉ፣ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቘሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።” ህዝ 10፡19።

እንበኣር ስእሊ ናይ’ዞም መላእኽቲ ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ጥራይ ዘይኮነ ተወሲኖም ዝነብሩ ነይሮም ብተወሳኺ እውን እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ። “ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ ፡ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራይን ውጹእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትሊን ብዝተፋሕሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ።ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።”ዘጽ 26፡1 ተወሳኪ እውን ከምዚ ይብል “ ብሰማያውን ሓምራይን ውጹእ ቀይሕን ዝኾነ ፈትሊ ብዝተፋሕሰ ሃርን ጌርካ መጋረጃ ግበር ክኢላታት ሰባት ከኣ ምስሊ ኪሩቤል ይግበሩ።” ዘጽ 26፡31

እዚ ኩሉ ድማ ኣብታ ብዓለባታት ተሰሪሓ ዝነበረት ድንኳን ምርኻብ ማለት( ቤተ-መቕደስ ) ንክኸውን እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝኣዘዞ ነበረ። እዚ እውን ብግዜ ጥበበኛ ሰሎሙን ውን እታ ሰሎሙን ንእግዚኣብሔር ዝሰርሓ ቤት መቕደስ ብስእሊ መሊኣን ተሰሊማን ምንባራ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። “ነታ ቤት መቕደስ ድማ ብኽቡር ኣእማንን ካብ ጳርዋያም ብዝበለጸ ውርቅን ገይሩ ሰለማ ነቲ ኣግማልን ልዳውትን መናድቕን መዓጹን ናይታ መቕደስ ከኣ ብወርቂ ለበጦ ምስሊ ኪሩቤል ድማ ቀረጸሉ”2ይ ዜና መዋእል 3፡5፡7 ተወሳኪ እውን ከምዚ ይብል “ብሰማያውን ሓምራይን ውጹእ ቀይሕ ሃርን መጋረጃ ገበረ ኪሩቤል ከኣ ገበረሉ።” 2ይ ዜና መዋእል 3፡14 ።

እዚ ስእሊ ናይዞም መላእኽቲ እንበኣር ኣብዚ ጥራይ ኣይተረፈን እታ ተሰሪሓ ዝነበረት ቤት መቕደስ እውን እንተኾነ ብምልእታ ተሰሊማን ማዕሪጋን ክመዝነበረት ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕብረና “ኣብ ኲሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን፡ ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባታትን ቀረጸሉ።” 1ይ ነገስት 6፡29
ስለዚ እምበኣር ስእሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ከምኡ ‘ውን ስእሊ ካልኦት ቅዱሳን ኣብ ኩሉ ቤት-ጸሎት ተሳኢሉ ዝርከብ ዘሎ ከምቲ እግዚእብሔር ስእሊ ኩርቤል ግበር ኢሉ ንሙሴ ዝኣዘዞ መሰረት ተተሓሒዙ ዝመጸ ስርዓት ኢዩ።
ገለ ካብ ጥቅምታት ቅዱሳን ኣሳእል፡

  • መግለጺ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኢዮም።

    • ኣብ ጸሎትን ልመናን ዓቢ ተራ ኣለዎም።

    • መንፈሳዊ ምስጢራት ንምግላጽ ይጠቅሙ።

    • ቅዱሳት መጻሕፍቲ በቃላት ንዝገልጽዎ ቅዱሳን ብንድፊ ይገልጽዎ።

    • በቶም እንርእዮም ስእልታት ቅዱስ እግዚኣብሔር ክንዝክር ይገብሩና።

    • ብብዙሕ ትእምርትታት ናብ እግዚኣብሔር የቅሩብና።

እንበኣር ኣብ ሓዲሽ ኪዳን እውን እንተኾነ እዚ ቅዱሳን ኣሳእል ኣይተረፈን ተሪፉ ዝብል ጽሑፍ ውን የሎን።
ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብታ ብስእሊ ቅዱሳት መልእኽቲ መሊኣን ተሰሊማን ዝነበረት ቤት መቕደስ፣ክርስቶስ ክምህርን ክመላለስን ኢና እንርእዮ ። ንኣብንት ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ክትበሃል ኢያ ፡ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። ስለዚ እታ ቤት ጾሎት እቲኣ ብስእልን ምስልን ዘግየጸት ኢያ ነይራ ግን ክርስቶስ ንኣህዛብ ቤት ጸሎት ክትኮኖም ሰለዝሓሰባ ኣቀዲሙ ኣጽረያ ተወሳኪ እውን “ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ።” ሉቃስ 2፡46 ። ከምኡ ውን “ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።” ዮሓ 2፡13 
ሓዋርያት እውን እንተኮነ ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ቤተ መቅደስ እቲኣ ተኣኪቦም ይጽልዩን የመስግኑን ከምዝነበሩ ኢዩ ይነግረና ። ሉቃስ 24፡50-53 ግብ 2፡46

ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን ኣብኣ ኣብታ ቅዱሳን ኣሳእል ዝመለአት ክጽሊ እንኸሎ ጎይታ ተገለጸሉ። ግብሪ ሓዋርያት 22፡17-21 እንበኣርከስ ካብ እምነት ርሕቕ ኢልና ኣብ ጥርጥር ኴንና ነቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ዝጥምትን ዘስተውዕልን ዓይኒ ክህልወና ስለ ዘይክእል ነቲ ጥርጥር ደርቢና ብእምነት ክንጸንጸአንዕ ይግበኣና። ምስዚ ናይ ስእሊ ትምህርቲ ዝሰማማዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻዊ ፍጻሜ እንተደኣ ሪኢና እውን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ሓቂ ዝወጺእ ኣይኮነን ንዕኡ ኢዩ ከኣ ዘብርሃልና ።መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል። “ጴጥሮስ ክሓልፍ ከሎ ንገሊኣቶም ምእንቲ ከንጻላልዎም ኢሎም ነቶም ሕሙማት የምጽእዎም
እሞ ኩሎም ከኣ ይሓውዪ ነበሩ።”ግብ 5፡15-16

እንበኣር ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ዘመልክተናን ክንሓስብ ዝገብረናን ኣጎሊሑ ዝረኣየና ናይ እግዚኣብሔር ሓይልን ናይቶምህዝቢ እምነትን ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ምንባሩ እዩ “ከመይሲ እግዚኣብሔር መጠን’ቲ ንኣምኖ እዩ ዝህበናን ዘረድኣናን ስለዚ ኣብ ጥርጥር ግን ገላ እኳ የልቦን። እምነት ናይዞም ህዝቢ ነስተውዕል እንተኾይና’ኸ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅዱሳን ቆይምካ ምጽላይ እንታይ የጣራጥረና እንበኣር ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጽላሎት’እኮ ብርግጽ ስእሊ ኢዩ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ኢዩ ምክንያቱ ጽላሎት ቅዱስ ጴጥሮስ ንስእሊ ዘስእሊ ኩሉ ነገር ዘማለአት እያ።
ነዚ ዝስዕብ ንመልከት

***ሰኣሊ*** ጸሓይ ብጩራኣ——-**ተስኣሊ**ቅዱስ ጴጥሮስ
**ስእሊ** ——ተንቀሳቃሲ ስእሊ ከኣ (ጽላሎት)
ወረቐት—- መሬት++++ ሕብሪ—-ጸሊም
እንተኾነ ግን እዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስልን ቅርጽን ሒዙ ኣብ መሬት ዝዓለበ ተንቀሳቃሲ ስእልን (ጽላሎት) እንተኾነ ንሰብ እምነት ክፍውስ ተራእዩ። እንበኣር ሎሚ ንሕና ‘ውን ልዕሊ ጽላሎት እንታይነት ቅዱስ ጴጥሮስ ኽገልጽ ዝኽእል ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ስእሊ ኣብ ቅድሜና ጌርና ክንጽሊ ከለና ናይ ነፍስና ሕማም (ሓጥያት ከምዝፍውሰልና ልክዕ ከምቶም ብጽላለቱ ዝተፈወሱ ከም እንፍወስ እምነት ኣሎና ምክንያቱ እቲ ብጽላሎት ዝፍውስ ኣምላኽ ሎሚ እውን ስለ ዘይተለውጠ

ከምኡ ውን ስእሊ ቅዱሳን ንጾሎት ይጥቅም ኢዩ” ንኣብነት ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቆይምና ክንጽልን ክንልምንን ከለና ሓሳባትና ናብቲ ስእሊ ኮይኑ እንተደኣ ኮይኑ ድማ ስእሊ ኣብ ጽሎትና ዓቢ ምንቕቃሕ ሰለዝፈትረልና ኢዩ እንበኣር ኣብ ቅድሚ ስእሊ ኴንካ ምጽላይ እውን ካብ ነብይ ሙሴ ዝተማሃርናዮ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ ።ከመይሲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣሳእል -ቅዱሳት መላእኽቲ ኮይኑ ይጽሊ ነበረ እግዚኣብሔር እውን ይምልሰሉ ነይሩ ። “ሙሴ ምስኡ ንምዝርራብ ናብቲ እግዚኣብሔር ዝርከበሉ ድንካን ምስ ኣተወ” ካብ ምንጎ እቶም ክላተ ኪሩቤል እቲ ድምጺ ክዛረቦ ይሰምዕ ነበረ።ንሱ ድማ ይዛረቦ ነበረ” ኦሪት-ዘሁ 7፡89 እንበኣር ንሕና ስለዚ ኢና ሎሚ ኣብ ግዜ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት ኣሳእል ደው ኢልናን ተንበርኪኽናን ምስ እግዚኣብሔር ንዘራረብ እግዚኣብሔር እውን ጸሎትና ከምዝሰምዓናን ከምዝምልሰልናን ዓቢይ እምነት ኣሎና ይሰምዓና ኢዩ ከኣ መን ኣሎ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ጸሎቱ ናብ ኣምላክ ጌሩ ዘይተሰምዐ። ብሓቂ ቡዙሓት ሕልናና ስለ ዝሸጥናዮ እንበር ቡዙሓት ዶ ኣይኮኑን ብስእሊ ዝተፈወሱ።

ንቅዱሳት ኣሳእል ብምስዓምንን ብምንብርካኽን እንህቦ ክብሪ ድማ ክንዮ እቲ ስእሊ ንዋና እቲ ስእሊ ብምጥማትን ብምዝካርን ኢና እነክብሮ። ምክንያቱ ኣቲ ስእሊ ኣብ እንጥምቶ ግዜ ዋና እቲ ስእሊ ኣብ ኣእምሮና ስለዝቕረጽን እንሓስቦን በዚ ኢና ከኣ ዓይንና ብዝጠመተቶ ኣእምሮና ክንዮ እቲ ስእሊ ብምካድ ንዋና እቲ ስእሊ ሰልዝሓስብን ዝዝክርን ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቆይምካ ምጽላይ ዝያዳ ንጸሎት የነቃቅሓና። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ እውን ክንሓስብን ክንዝክርን (ክሰኣል) ከምዘለዎን የዘኻኽረና። “ ኣቱም ዱንዙዛት ሰብ ገላትያ! ኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም’ዶ ብግሁድ ከም ስእሊ ተሰጢሑ ኣይነበረን ንኸይታምኑ መን እዩ ዝዓዘመኩም።” ገላትያ 3፡1

*** እንበኣር ካብዞም ዝረኣናዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ቅዱሳን ኣሳእል ንኽህልዉ ዝኣዘዘ እግዚኣብሔር ምዃኑን ነዚ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ዝቅበሉን ዘኽብርዎን ቅዱሳን ሰባት ድማ ይጥቀምሎም ከምዝነበሩን እንተደኣ ተረዲእና። ሰልዚ ቅዱሳን ኣሳእል ዘይምቅባል ንተእዛዝ እግዚኣብሔር ምእባይን ምጥሓስን ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና ። ( ስእሊ ቅዱሳን ጣኦት ኢዩ ኣየድልየናን) እንዳበልና ኣብ ምቅዋም እግዚኣብሔር ዝገበሮ ነገር ዘለና ናብ እግዚኣብሔር ተመሊስና ኣሰር ናይ ነብያት ክንሕዝ ይግበኣና።
ብሓቂ እንታዎት ኢና ንሕና እግዚኣብሔር ንዝኣዘዞ ስእሊ ቅዱሳን ጣኦት ኢዩ፣ እንዳበልና ፍቃድን ድልየትን ናይ እግዚኣብሔር ነርክሶ፧!!

እንበኣር ቅዱሳን ኣሳእል ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽን ታሪክ ቤት ክርስትያንን ተበጊሶም ስልዝሰኣሉ፣ ልዕሊ ቃላት ዝዛረቡ ዓበይቲ መረዳእታታት ኢዮም ሰልዚ ደማ ኩሉ ኣማኒ ብፍላይ ከኣ ኣንቢቦም ዘይክእሉ ህጻናትንን ዓበይትን ወለድን ይመሃሩሎምም ካብኡ ሓሊፉ እውን ሎሚ ዓለም ቅዱሳት ኣሳእል ናይ ክርእዩ እንከለዉ ክርስቶሳውያን ክርስትያን ምኳና ይምህሩ ኢዮም ብቃላት ዘይዛረቡ ሰበኽቲ ንዓለም ከኣ ይሰብኩ ኣለዉ ።
እቶም ጣኦት ኢዩ እንዳበሉ ዝዛረቡ እግዚኣብሔር ልቢ ይሃቦም። ንሕና ድማ ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ተረዲእና ከነክብሮ እግዚኣብሔር ይደግፈና። ኣሜን!!!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ደንግል
ወለመስቀሉ ክቡር! ኣሜን ኣሜን ኣሜን

Sorry, comments are closed for this post.