Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ሻውዓይቲ ሰንበት ናይ ዓቢ ጾም ኒቆዲሞስ ( NICODEMUS)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ሻውዓይቲ ሰንበት ናይ ዓቢ ጾም    ኒቆዲሞስ

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና  ካብታ ዝሓለፈት ቅድስቲ  ዕለተ ሰንበት ናብዛ ዕለት እዚኣ ስለ ዘብጽሓና ስለ ምሕረቱን  ትዕግስቱን ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን! እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብሰናይ ፍቓዱ ነዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰናብቲ ናይ ዓቢ ጾም ብሰላም ኣሕሊፉ ናብዛ ሻውዓይቲ ሰንበት ብሰላም ዘብጽሓና ሕጂ እውን ስለዘይወዳእ ውህበቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።ኣሜን።ሕጂ እምበኣር ካብዚ ቀጺልና ከምቲ ልሙድ፡እግዚኣብሔር ከም ዝፈቐዶ ብዛዕባ እዛ ቅድስት ዕለት ክንርኢ ኢና።እዛ ዕለት እዚኣ እውን ከምተን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰንበታት ናታ ዝኾነ ስያሜ በቲ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ  ኒቆዲሞስ ብዝብል ስያሜ እዩ ጸዊዕዋ።

ኒቆከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ  እምበኣር  እዛ ቅድስቲ ዕለት “ኒቆዲሞስ ” ተባሂላ  ትጽዋዕ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ  ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ዝጸሓፎ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 3፡1-20 ተገሊጹ ኣሎ።ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝባሃል ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ ፡ብመምህርነት፡ብሽመት እዩ።ንሱ ብለይቲ (ካብቶም ብመዓልቲ  ዝመጹ ኣቐዲሙ) ናብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ።እዚ ናይ  ኣይሁድ ሓለቓ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ዝመጻሉ ምኽንያት  ኔርዎ እዩ። እዚ ከኣ፥

ቀዳማይ ብለይቲ ምምጽኡ ኣይሁድ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ካብ ቤት ጸለቶም ክሰጉዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ እዚ ዝገበረ ከኣ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ እዩ (ዮሓ 9፡22)

ካልኣይ ፡ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ክርስቶስ ፍጹም እምነት ስለ ዘይነበሮ እዩ (2ቆሮ3፡14)።

ሳልሳይ፡ ክሳዕ ሎሚ መምህር እና ተባህለ ኔይሩስ  ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ መታን ከይብልዎ፡ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝደለየ እዩ።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምኽንያታት ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ  መጸ። ከምዚ እና በለ ከኣ ናብ ጎይታ ቀሪቡ ተዛረበ፡ “መምህር ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓደ እኳ  የልቦን እሞ ንስኻ  መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከምዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና በሎ።”

እዚ ማለቱ ፡”መምህር ክትምህር ኢልካ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ኣካል ዘእም ኣካል ባህርይ ዘእም ባህርይ ተወሊድካ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ህልውናኻ  ዘሎ፡ ንስኻ እንተ ዘይኮይኑ  ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ  ተኣምራት ክገብር ዝኽእል ሓዳ እኳ  የልቦን ።” ንኽብል ዝተዛረቦ እዩ።

ጎይታና ኢየሱስ ድማ  ካልኣይ ግዜ ዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይርእያ ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ   ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ ሰብ ምስ ዓበየ ከመይ ጌይሩ ክውለድ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ  ካልኣይ ክውለድ ይክኣል ድዩ ፧በሎ።ኒቆዲሞስ ምስ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዘራረብ ከሎ ነዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ ፡ልደተ ስጋ (ናይ ስጋ ልደት ወይ ምውላድ) ስለ ዝመሰሎ እዩ። ነዚ ርድኢት ናይ ኒቆዲሞስ ምስቲ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቃል ሓደ ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ነቲ ዝተዘርበሉን ዝሓተቶን  ክምለሰሉን ክፈልጦን ስለ ዘልዎ ፡ደጊሙ ነቲ ዘበሎ ቃል ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ቅጽል ኣቢሉ ተዛሪቡ ኣሎ።”ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን  ዘይተወልደ (ጥምቀት ክርስትና ዘይተጠመቐ) ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣቱ ብሓቂ ብሓቂ  ይብለካ ኣለኹ። ከመይ እቲ ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋዊ  እዩ  እቲ ካብ መንፈስ  ዝተውልደ ከኣ መንፈስዊ እዩ” በሎ።እዚ ማለቱ ከኣ ፡

ቀዳማይ —–ካልኣይ ክትውለዱ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም ።

ካልኣይ-—በዚ ከይትግረምሲ ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ።

ቅጽል ኣቢሉ እውን

ቀዳማይ—ንኣብነት ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ ባህሪ ክግስጽ፡ ገረብ  ክናውጽ ከሎ ደሃዩ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ’ውን  ከም ዝኸይድ  ኣይትፈልጥን  ኢኻ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ናይ ዓለም 12 መሳኹቲ ንፋስ  ኣሎ። እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድ ዝበሎ ድማ  ከምኡ እዩ። ማለት ብርቀት እዩ       ዝውለድ ።

ካልኣይ —-መንፈስ ረድኤት ኣብ ዝደለዮ ይሓድር ፡ ትንቢት ከናግር ፡ሱባኤ ከቚጽር ከሎ ትሰምዕ ።ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ እውን  ከም ዝኸይድ  ማለት  ሃብቲ ሙሴ ንኢያሱ ፡ሃብቲ ኤልያስ  ንኤልሳዕ  ከመይ ኢሉ ከም ዝወሃብ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ (ዘሁ27፡33, 1ነገ19፡19, 2ነገ2፡9-14)።

ሳልሳይ—መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝደለዮ ይሓድር ።ቋንቋ ከናግር ምስጢር ክትርጉም ከሎ ትሰምዖ፡ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይ ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን  ኢኻ። ኣቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ  ዝውለድ ድማ  ከምኡ እዩ ማለት ብርቀት እዩ።ነዚ ዝሰምዐ ኒቆዲሞስ “እዚ ድኣ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል” ኢሉ ደጊሙ ነቲ ዘይበርሃሉ ንኽበርሃሉ፡ዘይተገልጸሉ ድማ ጽቡቕ ጌይሩ መታን ክርድኦ  መሊሱ ሕቶ ሓተተ።ጎይታና ኢየሱስ ስክርስቶስ ድማ “ንስኻ መምህር እስራኤል  ኢካ ነዚ ነገር እዚ’ዶ ኣይትፈልጥን፧(ንስኻ መምህር እስራኤልሲ ነዚ ነገር እዚ ኣይትፈልጥን) በሎ።ብሓቂ ብሓቂ ይብለካ  ኣለኹ እንፈልጦ ንዛረብ ዝረኣናዮ እውን ንምስክር ኣሎና ።ነዚ ምስክራትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም  ዘለኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ  ነገር እንተ ነጊረኩም ግዳ  ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ በሎ።

ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ፡ “እንፈልጦን ዝረኣናዮን ማለቱ ንገዛእ ርእሱ ምስ ዮሓንስ መጥምቕ ቆጺሩ እዩ። ብዛዕባ ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ምባሉ ከኣ፡ እዚ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ልደት ምኽንያት ኣለዎ፡ ማይ ቀሪብካ ብጸሎትን  ብጥምቀትን  ብንፍሓተ እስትንፋስን  እዩ ዝፍጸም። ሰማያዊ ልደት ተባሂሉ ዘሎ ግና  ምኽንያት ዘይብሉ ፍሉይ ልደተ ሙታን (ትንሳኤ ምዉታን) እዩ። ቀጺሉ ንኒቆዲሞስ፡”ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ እውን ዘሎ ወልደ እጓለ እመሕያው(ወዲ ሰብ ) ሓደ  እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የልቦን” በሎ። እዚ ዝበለ እውን  ካብ ሰማይ ዝወረደ  ወዲ ሰብ ምባሉ  ድማ  ናይ ሰብ ባህርይ ለቢሱን ተዋሃሂዱን  ሓደ ኣካል ሓደ  ባህርይ  ስለዝኾነ (ዮሓ 6፡62) ናይ ስጋ  ባህርይ ንቓል ናይ  ቃል ባህርይ ንስጋ ኮነ  ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ (ቄርሎስ ክፍሊ 9)። ከምቲ ሙሴ ንተመን ዝሰቐሎ ወልደ እጓለ እመሕያው (ወዲ ሰብ ) ክርስቶስ ድማ  ከምኡ ክስቀል  ይግባእ እዩ። ክርስቶስ ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ ዝተሰቕለ እንተበልና  ፡ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን  ንምፍጻም እዩ።

ትንቢት — “ስቅልተ ተሬእያ ለሕይወትከ” ዝበሎ እዩ (ዘዳ 28፡66)።

ታሪኽ

እስራኤላውያን ሓደ ግዜ ብምኽንያት  መግቢ  ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን  ኣብ ልዕሊ ነቢይ ሙሴን ኣጉረምረሙ።እግዚኣብሔር ከኣ ዝነዱ ኣትማን ሰደደሎም  እሞ ካብ እስራኤል ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ነቢይ ሙሴ መጺኦም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን  ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና። ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና  ንእግዚኣብሔር ለምነልና በልዎ። ነቢይ ሙሴ ድማ ምእንቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኣስራዚ ተመን  ሰሪሑ  ኣብ ባላ ክሰቕለሎም  ብተመን ዝተነኽሰ  ዘበለ ድማ ነቲ ተመን ኣስራዚ ጠሚቱ  ከምዝሓዊ ነገሮ እሞ ነቢይ ሙሴ ከምኡ ገበረ፡ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ኩሉ ድማ  ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ጠመተ  ይሓዊ ነበረ (21፡5-9) ።እዚ ምሳሌ እዩ ።ንእስራኤላውያን ነኺሱ ዝጎድኦም  ተመን ናይ ዲያብሎስ  ምሳሌ፡ ተመን ብመርዙ ከም ዝጎድእ ፡ዲያብሎስ ድማ ብግብሩ ይጎድእ እዩ (ራእ12፡9)።ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ተመን ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ ፡ተመን ኣስራዚ  ብምሳሌ ተመን ከም ዝተሰቕለ ፡ክርስቶስ ከኣ ምስ በደለኛታት ተቆጺሩ ተሰቕለ (ኢሳ53፡12)። ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ተመን  መርዚ ዘይብሉ ጽሩይ ከም ዝኾነ  ክርስቶስ ከኣ ጽሩየ ባህርይ እዩ።ተመን ኣስራዚ ኣብ ባላ ከም ዝተሰቕለ  እሞ ብተመን ዝተነኽሱ  እስራኤላውያን ንዕኡ ርእዮም ከም ዝሓወዩ፡ክርስቶስ ድማ ብእኡ ንዝኣምን ዘበለ  ብስቕለቱን ብሞቱን ከድሕን  ከም ዝተሰቕለ  ዝገልጽ ምሳሌ እዩ። ብሓፈሻ  እምበኣር ኩላትና ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመና ፡ኣምላኽና  ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝዓደገና ፡ኒቆዲሞስ ሓለቓ ከሎ፡ ሃብታምን በዓል ብዙሕ ጸጋን እናሃለዉ እንተኾነ ግን ካብቲ ህይወት ዝህብ ኣምላኽ ህይወት ዘውህብ፡ ንልቢ ዘረስርስ ፡ካብ ሓጢኣት ዝፈሊ ንጹህ ኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕን ክመሃርን ጸልማት ኮይኑኒ ከይበለ፡ ቀትሪ ኣብ  ስራሕ ውዒለ እየ ከዕርፍ ብዘይ ምባል ኣብ እግሪ ጎይትኡ ኮፍ ኢሉ ዝተመሃረ  ልቡ ከፊቱ ስለ ዝተማህረ ናይ ክርስቶስ መስካሪ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት  ዓለም ኣብ ኣደባብያት ቀራንዮ ምስ ተሰቕለ ድማ ፡እንሆ ንሬሳ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ  ክቐብር ዝበቕዐ ኒቆዲሞስ ምስ ዮሴፍ እዩ  ኔይሩ። ስለዚ  ትሕትና ፍቕሪ ኣምላክ ከም ዝህልወካ ትገብር እያ።እንሆ  ኣብ እግሪ ጎይታ ኮፍ ኢሉ ዝተማህረ  ኒቆዲሞስ ፡ብዝተማህሮ ኣይከደን እንተኾነ ነቲ ዝተማህሮ ብትብዓት ክምስክረሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ  ጲላጦስ ከኣ ሞጎስ ክረክብ ክኢሉ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንስጋ ናይ  መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ ብኽብሪ ንኽቀብር ዝኸኣለ (ማቴ27፡53-66)ሎሚ እውን ንሕና ኩሉ ትዕቢት  ኮነ ኣብ ቅድሚ  ኣምላኽ ዘየብጽሓና ፡ቃል ኣምላኽ ንኸይንሰምዕ ዝዕንቅፉና ነገራት  ገዲፍና ኣብ ቅድስቲ  ቤተ ክርስቲያን ክንርከብ፡ ኣብ እግሪ ኣቦታትና  ተረኺብና  ክንመሃርን ክንመዓድን ይግባእና።እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ይሓግዘና ኣሜን።ስለ እቲ ዘይፈለጥናዮን ዘየስተማቐርናዮን  መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቃል ኣምላኽ  ክንሰምዕ ፡ሰሚዕና ብምስትውዓልን  ብምስትንታንን ክነብረሉ ቅዱስ ፍቓድ ናይ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ይኹን። ኣሜን።

            መዝሙር           ንባባት                                ስብከት

         ሖረ ሓቤሁ          ሮሜ7፡1-12                 መዝሙር119፡62-63

                           1ዮሓ 4፡18-መፈ፣

                     ግ፣ሃዋ 5፡34-ፍጻ

                                ዮሓ 3፡1-13

መወከሲ

ትርጓሜ   ኣርባዕቱ ወንጌል ብግዕዝን ትግርኛን

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!!

ይቕጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.