Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ሽሕ ይሁዳታት እንተኸሓዱ ሽሕ ማትያሳት የተንስእ

          በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

  ሽሕ ይሁዳታት እንተኸሓዱ ሽሕ ማትያሳት የተን

     ክንክንንንእግዚኣብሔር ብሓድነቱ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ብልቢ ዝመኸሮ፡ ዓለም ድሕሪ ምፍጣሩ ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ዝተዛረቦ ትንቢታት ንምፍጻም፡ ካብ ሰለስተ ኣካላት እቲ ሓደ ኣካል፡ ወልድ፡ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ ዓበየ። እዚ ድማ ኣብ 8ይ መዓልቱ ናብ ቤት ግዝረት፡ ኣብ 40 መዓልቱ ቤት መቕደስ ምእታው፣ “ወዲ ተብዓታይ ዘበለ ኩሉ ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ይርአ” ንእትብል ሕጊ ኦሪት ንምፍጻም ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ ናብ ኢየርሳሌም ምኻዱ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል 30 ዓመቱ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቑ፡ 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ምስ ጸለየን ምስ ጾመን ናብ ገሊላ ተመሊሱ ትምህርቲ ኪምህርን ተኣምራት ኪገብርን ጀመረ(ሉቃ. 4፡14)።  ተኣምራቱ ርእዮም ትምህርቱ ሰሚዖም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተኣከቡ 5ተ ዕዳጋ ዚኣኽሉ ሕዝቢ ሰዓብዎ። ካብኣቶም ድማ መጀመርታ 12ተ ሐዋርያት፡ ቀጺሉ 72 ኣርድእትን 36 ቅዱሳን ኣንስትን መረጸ። 120 ቤተ ሰብ ዝበሃሉ እዚኣቶም እዮም (ግብ.ሐዋ 1፥15)። ፍቕዱ ምስ 72 ኣርድእቲ ዝነበረ፡ ብመሰረት ቅዱስ ጴጥሮስ “. . . በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጥምቀት ዮሓንስ ጀሚሩ ክሳዕ እታ ኻባና ዝዓረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወፅኣሉን ኩሉ ዘመን ዝስዑቡና ሰባት ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሣኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ” (ግብ.ሐዋ  1፥21-22) ዝበሎ መተካእታ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ኮይኑ ምስ 12ተ ሓዋርያት ዝተቖጽረ ቅዱስ ማትያስ እዩ። ቅዱሳን ሐዋርያት በቲ ዝተቐበልዎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተሓዲሶም፡ 71 ቋንቋ ተገሊጽሎም ፈራሃት ዝነበሩ ተባዓት ምስ ኮኑ፤ ካብ ኢዮርሳሌም ከይወፅኡ ንሓደ ዓመት ኣብ ዝተቐመጡሉ ጊዜ ቅዱስ ማትያስ ምስኣቶም ነበረ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኩሉ ዓለም/ ኪዱ ንብዘሎ ዓለም መሃሩ” ኢሉ ብዝኣዘዞም መምርሒ ገይሮም ዕጫ ኣውዲቖም ንዓለም ምስ ተማቐልዋ፡ “በላዕተ ሰብእ/በላዕቲ ሰብ” ናብ ዝበሃሉ፡ ናብ ሰባት ዝበልዑ ሃገር በጽሖ። ኣብዛ ሰባት ነንሓድሕዶም ዝባልዑላ ሃገር ምስ በጽሓቶ “ከይበልዑኒ” ዝብል መታረፊ ሓሳብ ኣየምጽአን። “እንሆ ከም ኣባጊዕ ናብ ተዃሉ እልእኸኩም ኣሎኹ. . .(ማቴ 10፥16) ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ. 28፥19-20)፥ ብዝበሎም እሙን ቃል  መሰረት ተጸናኒዑ ናብዛ ሃገር እዚኣ ኣተወ። ወንጌለ መንግስት፡ ድኅነት ዓለም ኪሰብኽ ምስ ጀመረ፡ ኣዒንቱ ጎጥጒጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ነቲ ዝበልዕዎ ሰብ ቅድሚ ምብልዖም ዓይኑ ጎጥጒጦም ን40 መዓልቲ ዝኣክል ሳዕሪ ናይ ምብላዕ ልማድ ስለ ዝነበሮም እዮ። ቅዱስ ማትያስ ብጾሎቱ ክልቲአን ኣዓንቱ እንተኣብርሀ፡ ን40 መዓልቲ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸንሐ። “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ (ማቴ. 28፥19-20)” ዝበለ ጎይታ ተገሊጹ፡ “በዚ ወሪዱካ ዘሎ ማእሰርቲ ጽናዕ፡ ካብ ኩሉ ድማ ከድሕነካ እየ” ኢሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኸውፅኦ ንሐዋርያ እንድርያስ ሰደደሉ። ሐዋርያ እንድርያስ ምስ ክልተ ኣርድእቱ (ሮፎስን እስክንድሮስን) ነቲ ብጹኑዕ መፍትሕ ተዓፅዩ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ድፍእ ኣቢሎም ብምኽፋት፡ ኣብ ቅድሚኡ ሳዕሪ ተኾሚሩ ንሐዋርያ ማትያስ ረኸብዎ። “እንሆ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እልእከኩም ኣሎኹ ዚብል ቃል ኣባኻ ተፈጸመ” ኢሉ ቅዱስ እንድርያስ ንቓል ጎይታ ኣስተንተነ። ከይወዓሉ ከይኃደሩ፡ ነቶም በብሓደ እናተሓርዱ ክብልዑ ተኣሲሮም ዝነበሩ 123 ሰባት ኂዞሞም ወፅኡ። “በላዕተ ሰብእ” ነዝን ካልእን ተኣምራት ርእዮም፡ ብትምህርቱ ኣሚኖም ተጠመቑ። ኣብ እምነቶም ኪጸንዑ፡ ብስነ ምግባር ኪተግሁን ንሰብ ናይ ምብላዕ ልምዲ ሓዲጎም ሰብ ዝምገቦ ንኺበልዑን ሓደራ ኢሉ ቃል ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ንኸብጽሕ ብሰላም ተፋነዎም። ብድሕሪዚ ምስ ሐዋርያ እንድርያስድ ናብ ደማስቆ ኣትዩ፡ “ስለምንታይ እግዚኣብሔር ዝኣክል ፈጣሪ ገዲፍኩም ንፉጡር እምኒ እተምልኹ . . ነቲ ሰማይን ምድርን ንኹሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ ፈጣሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን እዩ ዚግባእ” ኢሉ መሃሮም። ሰብ ደማስቆ ግና “እዚኣቶም ደኣ ካብቶም 12 ሰባት ንዓለም ኪህውኹዋ ዝተላእኹ፡ ሰበይቲ ካብ ሰብኣያ ዝፈላልዩ ዕሉላት መሰርያን እዮም እሞ ንሓዞም” ኢሎም ተቐዳዲሞም ንማትያስ ሒዞም ኣሰርዎ። ስቅያቱ ንኸበርትዑ ብሓዊ ኬንድድዎ ብዙሕ ጸዓሩ። ግናኸ ስጋኡስ ይትረፍ ክዳኑ እኳ ኣይተንከፎን፡ መልክዑ ከም ቆልዓ ተሓዲሱ ምስ ረኣይዎ ካብቲ ሓዊ ኣውፂኦም፡ “ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ማትያስ ካልእ የልቦን” ኢሎም ኣመኑ።

    mat ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ፡ ነቲ ኩሉ ዝገበርዎ ረሲዑ፡ ነታ ዳሕረወይቲ እምነቶም ተቐበለሎም፡ “እምነትኩም ፍጹም ኪኸውን ንጣዖታትኩም ናብ ባሕሪ ኣጥሕልዎም” ስለ ዝበሎም፡ ንጣዖታቶም ናብ ባሕሪ ኣጥሓልዎም። ንትምህርቱ ከም ዝተቐበልዎ ኣረጋጊጹ ምስ ኣጠመቖም ብሰላም ተፋነዎም። ኣብ መወዳእታ  ድማ ዕድመ ጸጊቡ ብ፰/8 መጋቢት ብሰላም ዓረፈ

   ኦ ሕዝበ ክርስትያን! ልዕሊ ኩለን ጉባኤ ሐዋርያትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ንቅዱሳን ሐዋርያት ገድሎም ብምምስካር፡ በዓላቶም ብምኽባር ብስሞም ቤተ ክርስትያን ብምጽዋዕ፡ ስእሎም ብምስኣል . . . ክብሪ ክትህቦም ከላ፡ ብኣማላድነቶም ኣሚና፡ ኣሰረ ፍኖቶም ስዒብና፡ ንዓኣቶም መሲልና ህይወት ክንረክብ ወትሩ ትምህረና።

    ዋላ እኳ ቅድም ካብ ማሕበረ መላእኽቲ ዲያብሎስ፡ ካብ ማሕበረ ሐዋርያት ይሁዳ፡ ካብ ማሕበረ ሊቃውንቲ ኣርዮስ መቅደንዮስን ንስጥሮስ ካልኦትን ከም ዚተፈልዩ ሕጂን ንዚመጽእን ናትና ዘይኮኑ ግና ነኣና መሲሎም ናይ ወይኒ ቦታ ዘበላሽዉ ተዃሉ በብጊዜኡ እንተ ተንስኡ፡ ነዛ ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻ ከጥፍኡ ኣይኽእሉን እዮም።

  ከመይ! እቲ ርእሳን መርዓዊኣን ዝኾነ ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ሽሕ ይሁዳታት እንተኸሓዱ፡ ሽሕ ማትያሳት ዘተንስእ ኣምላኽ ስለዝኾነ!

     ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ሃይማኖት ክሕደት ካብ ናይ ሰይጣን ስሕተት የድሕነና ኣሜን!

በረከትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ሓዋርያ  ማትያስ ኣይፈለየና ኣሜን!!!

        ካብ መጽሔት ሰእሊለነ ቅድስት ዝተወስደ ጽሑፍ

                       ስብሐት ለእግዚኣብሔር

                ወለወላዲቱ ድንግል

                ወለመስቀሉ ክቡር

                     ኣሜን!

Sorry, comments are closed for this post.