Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ቀዳማይ ሰሙን ትንሳኤ (ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ)

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ቀዳማይ ሰሙን ትንሳኤ  (ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ)

ስያመ መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን

   jesus-resurrection-easterጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተንስኣላ ሰንበት ንድሕሪት ዘሎ ግዜያት  ነቲ ጎይታ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ዝተንስኣሉ ዕለት እና ዘከርና  እንሕጎሰሉን እንድሰተሉን ግዜያት እዩ። እዚ ቅንያት እዚ ሓጎስና ብብልዕን መስተን እገልጸሉ ቅንያት ዘይኮነ፡ ሓጎስና ምስ ዝተቐይምናዮም እቕረ እናተባሃሃልና፡ ብዝቐደመ ሓጢኣትና ተጣዒስና ብንስሓ ተሓጺብና፡  ካብ ዝወደቕናሉ ብሓድሽ ህይወት ምስ ክርስቶስ እንትስኣሉ ግዜ እዩ

ብፍሉይ ድማ ካብ ሰንበት ትንሳኤ ኣትሒዙ እቶም ዝቕጽሉ ዕለታትን ሰሙናትን ክሳብ በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) ነገረ ትንሳኤኡ ብሰፊሑ ይንገር፡ ይስብኽ፡ ይዝመር። እዘን እዋናት ድማ ብትንሳኤ ክርስቶስ ናይ ዝረኸብናዮ ጸጋ ንኽብረሉን ንዝክረሉን ስለ ዝኾነ ናይ ሓጐስ ፍስሓን መዓልትታት እየን።

ካብ ሰኑይ ጽባሕ ትንሳኤ ሰንበት ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ ሰንበት ዘለዋ መዓልትታት መልእኽተን መልእኽቲ ትንሳኤ ይኹን ደኣ እምበር ነናተን ፍሉይ መጸውዒ ስም ተዋሂብወን ይርከብ።

         ሰኑይ ማዕዶት ተባሂላትጽዋዕ። (ዮሓ19፡18,ሮሜ5፥10-17)  ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ነፍሳት ካብ ሲኦል ኣውጺኡ  (ጸአተሲኦል)  ናብ ገነት ምስግጋሩ ንምዝካር ማዕዶት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። ማዕዶት ማለት ምስግጋር ማለት ከምምዃኑ ነፍሳት ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት፡ ጐይታ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ናጽነት እንተ ሰበኸሎምን ሓራ እንተውጽኦምን እኳ፡እዚኣ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሰኑይ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ግብሪ ተዘክርን ተስተንትንን።

 ሰሉስ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ (ዮሓ20፡24-30)። ኣብ ዕለተ ትንሳኤኡ ሰንበት ምሸት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ሓዋርያት ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ክግለጸሎም ከሎ ኣብ ሞንጎኦም ቶማስ ሓዋርያ ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ዝነበረሉ ምስ ተመልሰ፡ካልኦት ሓዋርያት ትንሳኤ ጐይታ ምስ ነገርዎ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ፡ ኣብ ሰሙኑ ጐይታ ዳግማይ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ ስለ ዝተገልጸን “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ንሱ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸሉ፡ ነዚ መዘከርታ ክኽውን ተባሂሉ እዚኣ ዕለት ብቶማስ ተጸዊዓ ኣላ።

ረቡዕ፦ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ(ዮሓ11፡ 38-46)። ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ኣርባዕተ መዓልቲ ድኅሪ ምማቱ ንምቕባሩን ካብ መቓብር ጸዊዑ ጐይታ ስለ ዘተንስኦን፡ ብዙኃን’ውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለ ዝኣመኑን፡  ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ; እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ” ብምባልብግልጺ ስለ ዝመሃረን ስለዘርኣየን፡እዚኣ መዓልቲ ነዚ ዓቢይ ግብሪ ትንሳኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ።

ሓሙስ ሓሙስ ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ24፥35-49) እቲ ብጌጋኡ ዝወደቐን ሞት ዝተፈርዶን ቀዳማይ ሰብ ኣዳም እዩ። ስለ ዝተጣዕሰ ድማ ናብ ገነት ዳግማይ ከም ዝምለስ፤ ኣምላኽ ካብ ጓልጓሉ ተወሊዱ ድሕሪ 5መዓልትን ፈረቓን ከም ዝደሕኖ ተስፋ ዝተዋህቦ ቅድሚ ኵሉ ድማ ባዕሉ ኣዳም ነበረ። ኣዳም ተስፍኡ ተፈጺሙሉ ምስ ደቁ ደቁ ናብቲ ዝቐደመ ኽብሩን፡ስፍርኡ ገነትን ንምእታዉ መዘከርታ እዛ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ሓሙስ፡ ሓሙስ  ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።

 ዓርቢ፦ ቤተክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ (ማቴ 26፥26-29,  ግብሓዋ20፥28)። ብክርስቶስ ደም ተዓዲጋ ኣብ ዝተመስረተት ቤተክርስቲያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ፋሲካ ዘላ ዓርቢ ቤተክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ቤተክርስቲያን ማእከል ስብከት ስቕለትን ትንሳኤን፡ኣካል ክርስቶስ፡ ቤተ እግዚአብሔር ምዃና ኵልና እንፈልጦ ሓቂ ድማ እዩ።

ቀዳም፦ አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ(ሉቃ8፥2-3,ሉቃ8፥38-42,ማቴ8፥15  ሉቃ23፥27-29,  ሉቃ24፥1-12,  ማቴ25፥1-12)። ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ንጐይታን ሓዋርያትን ብገንዘበንን ብጉልበተንን ንዘገልገላን፡ ኣብ እዋን ስቕለቱ ድማ ዋይ ዋይ እናበላ ክሳብ ቀራንዮ ንዝሰዓባ፡ከይወገሐ ከሎ ኣብ ዕለተ ትንሳኤኡ ቅድሚ ሰበን ብለይቲ ናብ መቓብር ጐይታ ጨና ሒዘን ብምግስጋሰን ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ሰብ ትንሳኤ ክርስቶስ ንዝተገልጸለን ቅዱሳት ኣንስት መዘከርታ ክኸውን ኣንስት ተባሂላ እዛ መዓልቲ ተጸዊዓ ኣላ።

 ሰንበት፦ ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ 20፥24-30) እዚኸኣ ታሪኹ ምስ ቶማስ ሓዋርያ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሰሉስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሓዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ፡ ንትንሳኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩ “ከይረኣኹ ኣይኣምንን” ብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንሱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያ  “ኣጻብዕኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርአ፡ኢድካኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን ” ኢሉዎ። ንሱ’ውን ከምኡ ገበረ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ምሒርዎ። ቶማስ ድማ መሊሱ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚእዚኣ መዓልቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሳኤኡ ዘረጋገጸላን ምስጢር ንሓዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂላ ትፍለጥ።

ቅድስት ቤተክርስቲያን እምበኣር በዚ ኣብ ላዕሊ ብውሑዱን ብሓጺሩን ብዝተገልጸ ምኽንያት ነዘን መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን ትንሳኤ ነናተን ስያመ ሂባ፡ ንደቃ ምእ መናን ብዝግባእ ኣገባብ ትንሳኤ ከኽብሩን ትርጉሙ ክርድኡን ትገብር።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.