Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ቃለ መሕትት ምስ ወይዘሮ ምኽንያት

                      በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

                                         ቃለ መሕትት ምስ ወይዘሮ ምኽንያት

   ምኽንያት  ወይዘሮ ምኽንያት፡ በቲ ዝያዳ ዝልለያሉ ብባህሪኤን ኢየን ዝፍለጣ። ካብቲ ዘገርም ልማደን ግና እና ተወልዳን እና ወለዳን እናኣረጋን ይነብራ። ናብቲ ዝርዝራዊ ወለዶ ናይ ወይዘሮ ምኽንያት ምስ እንኣቱ ምኽንያት፡ ንምኽንያት ወሊዳ ሽዑ እታ ውልዶ ምኽንያት ንዝመጽእ ህይወት ብምኽንያት መዊሳቶ። እወ! እታ ምኽንያት ዓባይ ጓላ ንምኽንያት ንጽባሒቱ ጽቡቕ ከም እትገብረላ መብጽዓ ኣትያትላ። ነታ ንእሽቶ ጓል ጓላ ምኽንያት ሕጻን ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ ምኽንያት እንታይ ከም እትገብረላ ትህንጠ። ግና ምኽንያት ትወልዶ ማእለያ የብሉን። ከመይ ከመይ ኢዩ ኣንቱም የሕዋተይ ንስርሓዮ ኣይኮነን ንዕመሞ ኣይኮነን ምኽንያት ትወልዶኮ ምኽንያትን ድሕሪ ምኽንያትን ንዓመታ ምኽንያት ጥራይ ኢዩ። ኣይገርመኩምን’ዶ፧ ምኽንያት ጽባሕሲ ነታ ድሕሪኣ ትመጽእ ምኽንያት ጽባሕ ካልእ ናይ ጽባሕ ምኽንያት ጸቢሓትላ ትጸንሕ። ለካ ናይ ምኽንያት ቁምነገርን ጣቋንሲ ብምኽንያት ምጉባእ እዩ። ኣብቲ ቀደም ናይ ሎሚ ጥንቲ ስለ ናይ ምኽንያት ትንግርቲ ኣቦታትና መሲሎምላ “ እቲ ክህብ ዝደሊ ብንያት፡ እቲ ክኸልእ ዝደሊ ብምኽንያት” ብሓቂ ቅኑዕ ፈሪዶምላ። ንምኽንያት ጽባሕ ጽበሐይ እናበለ ዘመኽኒ ኣየጽብሃሉ ይብሉ። ኣየ ሕማም ዳሕራይ ምኽንያት ንሳ ተታልሎ መን ኣሎስከ ዘታልሎ፧ ፍቕሪ ከይንውጥን ኣመኽንያ ትሓልፎ ጉዕዞና፡ ተስፋ ከይነሰሰን ከም ሳሕዊ ኣእምሮ ዘሎና ትድርተና፡ ብምግባር ትሩፋትን ኣምሃ እምነትን ከይ ንምዕብል ንትህኪት፡ ጥርጣረ፡ ኣበሳ. . .ካን ኩሉ ዘይ ጠቕመና ክፉእ ንዘንተ እለት ሕዛእቲ ጌራቶ ኣይግዳዳ ምኽንያት። ወይለይ ቁሩብ ዘንጊዕና ጸኒሕና መስለኒ፡ ኣዴታታ ንምኽንያት ዘኪርናስ ወላዲኣ ኣቦኣ ማዓራ ከይተዘከረ እቲኳ ዓገብ ዘይኣመሉ ኣምላኽ ክኸውን ዝተመነየን ዝህቅንን ፍልማዊ ጻብእቲ ደቂ ኣዳም፡ ጸላኤ ሰናያት ዲያብሎስ ሒማኣ ነታ ዋር ዋር ትብል ሓጢኣትን እዩ። እምነት መላእኽቲ ክፍትን እግዚኣብሔር ንግዚኡ ምስ ተሰወረ፡ ዲያብሎስ ድማ ምኽንያት ሰሪዑ ልማድ ምኽንያት ጀመረ። ነቶም ሰራዊት እግዚኣብሔር ድማ ከምዚ በሎም። “ኣንቱም ስምዑንዶ እግዚኣብሔር ገዲፉና ካብ ከደስ ኣነ ኣምላኽኩም ክኸውን መታን ይርሓስካ እናበልኩም እባ ቆጽሊ ኣምላኽነት ኣውድቑለይ” ክብል ኣመኽነየ። ምኽንያት ድማ ወግዒ ለቢሳ ተመሓዘወቶ። ሰራዊት እግዚኣብሔር ግና ሰናፋት ኣይነበሩን። ብመሪሕነት ቅዱስ ገብርኤል ቶባእ ንኽሕደት ኣሜን ንእምነት፡ ኢሎም ተላዕሉ። በብዘለውዎ ድማ ኣብ ቅድስንኦም ጽኑዓት ኮኑ። ንሱ ድማ ብግብሩ መንጸፈ ደይኒ ክኸውን ተፈርዶ። ሕነ ንስሓ ምኽንያት ይማሰሓ ከኣ ከምዚ ይመስል። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ከምኡ ዝኣመሰሉ ዘመኻንዩ ፍጡራን ንምርካብ ጓዘመ። ወሃ ዘበለ ክመስል ከኣ ቅዲ ሑጻ ኣዳለወ። እሞ ተግባር ውዲቱ ደኣ ኣብ መንዩ ክፍጸም፧ “ኣዳም ከኣ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ካብታ ኦም ፍረ ሃበትኒ’ሞ በላዕኩ” ኢሉ መለሰ። ኣዝያ ምልክዕቲ ንምዝራባ ምቅርቲ እትመስል ምኽንያት ኣመኽነየ። ሽዑኸ! እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ ስለምታይ እዚ ገበርኪ፧ ኢሉ ሓተታ። እታ ሰበይቲ ከኣ “ተመን ኣስሒቱኒ’የ ዝበላዕኩ” ኢላ መለሰት(ዘፍ 3፡12-13)። ሔዋን ከኣ ካብ ኣዳም ዝበለጸ ምኽንያት ኣጠዓዒማ መማቕርቲ ወሲኻ ንገበና ህይወት ከተልብሶ ዝሃቀነት ትመስል። ንርኣዮ’ሞ እዚኹሉ ሰንፈላል ናብራ ምኽንያት እተምጽኦ ሕሰም ኣቤት ክገዝፍ፡ ክፈሪ! ዳር ትርኢት’ዩ ርሒብ መንፊት ሚሔ እኳ ኣይምሕለፎን። ከምቲ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ዝትንትንዎ፡ መጠን ፍልጠት እታ ኣይትብልዕዋ ዝተባህሉ ኦም “ንዘለኣለም እትነብር ትሕርምቲ ኣይነበረትን” ውዒላ ሓዲራ ኣዳም ክበልዓ ተሓዚኣ ክትጸንሕ፡ መፈተኒ እምነቱ’ውን እያ ዝነበረት። ግና ምኽንያት ከላ ቁምነገር ዝባሃል የልቦን። እምበኣር “እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ ኢዩ። ብምስጋና ንዝቕበሎ ከኣ በቲ ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ዝቕደስ ስለ ዝኾነ ገለኳ ዝድርበ የብሉን” 1ጢሞ4፡4-5፡ እቶም ፈራሓት ግና ነቲ ትእምርቲ እግዚኣብሔር ይኸብደናይ’ዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ከይኮነ ኣይተርፍን ሓደ እዋን ንወይዘሮ ምኽንያት ቃላ መሕተት ኣካይደለን ነይረ። እቶም ዝለኣኹኒ መደብር ማዕከን ድሕነት ዝኾኑ ፍረ መንፈስ ቅዱስ መጠንቀቕታ ሂቦምኒ ነይሮም። ስማዕ እዚ ሓውና ናብ ምኽንያት እንዲኻ ትለኣኽ ዘለካ፡ ምስ ረኸብካያ ምኽንያት ኣምጺኣ ንጽባሕ ንራኸብ ከይትብለካ፡ ኣስተውዕል ኢሎምኒ። ኣነ ግን ገሪሙኒ ክሳዕ እታ እዋን እቲኣ፡ “ንምኽንያት”  ክንድኡ ዝኣክል ህቡብነት ዘለዋ ኣይመስለንን እዩ ዝነበረ። እንተረኣኽዎ ግና ዝዋዓለን ይንገርካ፡ ዝተመኽረን ይምከርካ ምዃኑ ፈሊጠ። ምስ ነፍሰይ ድማ ቃል ኣትየ ተራኺብና እንከለና ንራኸብ ኢላ ከይትቖጽረኒ “እታ ምኽንያት እምበኣር ምስቲ ዘለና ናይ ግዜ ሕጽረትን ጽበት እስቱድዮን ናብቲ ብቐጥታ ዝማሓላለፍ መደብና ከነስግረኩም።

ገብርሔር፦ ሕራይ ወይዘሮ ምኽንያት ዕድሜና ኣኽቢርክን ኣብዚ ጊዝያዊ ቦታና ብምርካብክን ብስምናን ብስም ተዓዘብትን ሰማዕትን ተግበርትን ነመስግነክን።

ወ/ሮ ምኽንያት፦ ስለቲ ሞያ ናይተን ዝና ኣቦታተይን ክትውከሱ ዝመጻእኩም ኣነ ከኣ የመስግነኩም።

ገብርሔር፦ ቅድሚ ዝኾነ ምኽንያት ብቐጥታ ናብ ሕቶታተይ ክኣቱ፡ ወ/ሮ ምኽንያት ከም መዕለሊ ክኾነና ናይ ቅብጥሮት ስምክን እንታይ ኢዩ፧ ታሪኽ ህይወትክንከ ከመይ ከም ዝመስልዶ ምነገርክናና፧

ወ/ሮ ምኽንያት፦ ናይ ቅብጥሮት ስመይኳ “ምክን” ኢዮም ዝብሉኒ ትርጉሙ ከኣ ም=ምትላል፡ ክ=ክናብ፡ ን=ንያት። ታሪኽ ህይወተይ ድማ ንጹርን ፍሉጥን እዩ። እንተኾነ ስመይ ምኽንያት ይብሉኒ። ስም ኣቦይ ድማ ጸላኤ ሰናያት ይባሃል፡ ስም ኣደይ ከኣ ምኽንያት’ዩ።

ገብርሔር፦ ናይ ብሓቂ ዘሕርቕ ዛንታ’ዩ ዘለክን፡ እዚ ኩሉ ዝና ካብ ምንታይ ዝመጸ ኢዩ ትብላ፧

ወ/ሮ ምኽንያት፦ ዋላኳ ዕለቱን ወርሓቱን እንተዘይ ዘከርክዎ ምስ ሓጢኣት ዝጀመረ ኮይኑ ይስማዓኒ። ከምቲ ኣቦታተይ ዘዘንትውዎ ግና ኩሉ ግዜ እና ተጀመርኩየ ዝነብር፡ ኣብዚ ግና ናተይ ንጥፈት እቲ ዝዓበየ ተራ ከምዘለዎ ካብ ክትስሕቶ ክጥጭምቶ ይቐልል።

ገብርሔር፦ ኣብ ጌጋታት ዘለክን ኣረኣእያ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ብዙሓት ንዝናኽን ዝፈልጡ መቕርብክንን ተንተንቲ ጌጋታትን ይዛረቡ ኢዮም። እዚ’ኸ ካብ ምንታይ እዩ ትብላ።

ወ/ሮ ምኽንያ፦ ብልክዕ! ኣይተጋገዩን ጽቡቕ ኢዮም ዘለዉ። እቲ ዝያዳ ኣነ ዝነጥፈሉ ሞያ ንጌጋታት ዘመናውን መልክዕ ኣብ ምሃብ ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ ክኾውን ዘለዎ ገዲፍካ ነቲ ዘይጠቅም ሓሸውየ፡ ምኽንያታዊ ምግባር። ነቲ ጌጋ ከም ቅኑዕ ወሲዶም ብምኽንያት ጓለቦይ ጸላኤ ሰናይ ዝብል ማሕተመይ ለጢፎም ንኽጓዓዙ ብኽለሳ ሓሳብን ብግብርን እተሓጋገዞም። እቲ ኣበሳ ድማ ኣዝዩ ይምልክዓሎም ማለት ኢዩ።

ገብርሔር እዚ ኩሉ ክትጠቕሳለይ ዝጸናሕክን ናይ ስራሕ ዕድላት መን ይኸፍተልክን፧ እቶም ቀንዲ ዓማዊልክንከ ከመይ ዝኣመሰሉ ኢዮም፧

ወ/ሮ ምኽንያት እቶም ንኸይ እረሙ ዝተላዕሉ እቶም ንጌጋኦም ከም ጌጋ ገይሮም ዘይቅበሉ። እቶም ንቕንዕና ከም ሓያል ቁሪ ወጋሕታ ገይሮም ዝፈርሕዋ ቀንዲ ዓማዊል ናይ ትካለይ ምዃኖም ይፈልጥ፡ ኣነ ከኣ ብዝከኣለኒ መጠን ኣብ ስርሖም ምስሉይ ውሕስነት እህቦም፡ በዚ ኣገባብ እዚ ስርሐይ የሳልጥ፡ ደሓር ከኣ ዓማዊለይ ከመኻንዩ ከለዉ መታን ክትሓፍሩ ብመገዲ መፈጸምታ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ትሕትና የደናግሩ።

ገብርሔር መቸም ኣብ ሓጢኣት ንግዲ ክትዋፈር ከለኻ መሻርኽቲ ወይ ከኣ ሰብ ብርኪ ክህሉውኻ ንቡር ኢዩ። ኣብ ትካክን ወሰንቲ መሳርሕቲ ዝህብዎ መጠን ኣበርክቶ ከመይ ይመስል፧

ወ/ሮ ምኽንያት፦ እወ! ኣብቲ ንግደይ ሰብ ብርኪ ጥራይ ዘይኮኑ ሰብ ሙሉእ ኣካል ኢዮም ዘድልዩኒ። ምስኡ ከኣ እቲ ኣለኒ ዝብሎ ዝዓበየ መሻርኽተይ ባዕሉ ወላድየይ ጸላኢ ሰናያት ምዃኑ ክገልጸልካ ይፈቱ። እቲ ፍቓድ ዋኒን ናይ ትካለይ’ውን ብስሙ ኢዩ ተዋሂቡኒ። ካልእ ወላዲተይ ምኽንያት’ውን ዘይነዓቕ ደገፍ ትገብረለይ። ኣሕዋተይ እኒ ትህኪ፡ እኒ ተንኮል፡ ንስኻ ዘይምምሳል፡ እኒ ኽፋእ፡ ትዕቢት ስለቲ ዝገብርዎ ግዳሴን ሞራላዊ ሓገዝን ንዓይ ንሓፍቶም ዘለዎም ኣኽብሮትን ልዕልናን ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንዳግማይ ወፍሪ ተተባብዑ ይብሎም።

ገብርሔር ብቐጻሊ ተዓዘብትና ዝሓትዎ ኢየ ክሓተክን፦ ስለምንታይ ኢዩ ስምክን ምስ ስም ኣዴኽን ሓደ ኮይኑ፧ ማለት ንኹላትክን ምኽንያት ዝብል ጥብቆ ተዋሂቡክን፧

ወ/ሮ ምኽንያት፦ ኩሉ ንዝናና ብቐረባ ዝፈልጥ ሰብ ክድነቕ ከሎ ብሰሓቕ ፍሕስ ኢየ ዝብል። ምኽንያቱ ኣነ ምኽንያትን ኣደይ ምኽንያትን እና ተወላለድካ እና ተወላለድካ ናይ ምንባር ባህሪ ኣለና። ኣነ እንተደኺመ ኣደይ ትትንስእ፡ ኣደይ እንተሓሚማም ድማ ኣነ እሓዊ፡ እቲ ናይ ምትኽኻእ ኣገባብና ኣብ ምዕቃብ ድማ ንተግህ።

ገብርሔር ኣብ ተሞክሮኽን ክመጽእ፡ ኣብ ስነ ግጥሚ ሃያል ዕቑር ዓቕሚ ከም እትውንና ፈተውትኽን ይገልጹ ኢዮም። እስከ ካብቲ ጽሑፍክን ገል ገለ ነግሕታት ኣስምዓና፧

ወ/ሮ ምኽንያት፦ ኣብ መጽሔት ትዕቢት ከም ዝገለጽክዎ ኩሉ ግጥምታተይ ሰብ ክፉእ ግብሪ እምበር እቶም ሰብ ጽቡቕ ግብሪ ኣይፈትዉንን ኢዮም። ድሓን ግን ሓንቲ ከስማዓካ።

“ኣመለይ ጎማ ልሳነይ ሃልኪ

ባህረይ ህሮርማ እንታይ ክወጻኪ

ተንኮለይ ክፉእ ጥልመተይ ባኖ

ሓጢኣትካዶ ይምኖ”።

ገብርሔር ቅድሚ ዕላልና ምውድእና እንታይ ትጸልኣ፧

ወ/ሮ ምኽንያት፦ ብሓፈሻ ኩሉ ጽቡቕ ይጸልእ፡ ካብኡ ናብኡ ግና ቅንዕና ንጽህና ግሉጽነት ንብጻዩ ዘፍቅር፡ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ብዘይ ምኽንያት ዝሕሉን ዝትግብርን ይጸልእ።

ገብርሔር፦ እንታይ’ከ ትፈትዋ፧ ማለተይ ንዓኽን ዕግበት ዝፈጥሩልክን ባእታታት፧

ወ/ሮ ምኽንያት ኩሉ ዝጽላእ እፈቱ፡ ሓጢኣት ብዓንደ ርእሱ፡ ጌግኡ ዘጸባብቕ ዘይጣዓስ ምስኡ ንኽህሉ ዝዕድመኒ፡ ብስመይ መዕቆቢ ዘሰርሕ፡ ኮታስ ኩሉ ዘይጽቡቕ ይፍተወኒ።

ገብርሔ፦ ወይዘሮ ምኽንያት ስለቲ ዝሃብክናና መብርሂ ብስም መደበር ድሕነት ፍረ መንፈስ ቅዱስን ብስም እቶም ፍቕሪ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ብቐጥታ ዝከታተሉና ዘለዉ ተዓዘብትን ሰማዕትን ተግበርትን የቐንየልና።

ክቡራት ተዓዘብትና ናብ ቀዋሚ እስትድዮና መጺና ኣለና። ከምቲ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ወይዘሮ ምኽንያት ብዛዕባ ኣመጻጽአአን ሓበሬታ ሂበናና ኣለዋ። ንሕና’ውን ካብቲ ንሰን ከውርዳልና ዝኸኣላ ሃስያ ካብታ ዝእውጃልና እሉም ምግደራ ክንላቐቕ እንወስዶ ናይ ናብራ ቅድስና ቅልስ ክዛይድ ይግባእ። ምኽንያቱ ይብላ ወይዘሮ ምኽንያት ከምቲ ኣብ 1ይ ነገስት 18፡20-21 ተጠቒሱ ዘሎ ሃይለ ቃል፡ “ኣክኣብ ድማ ልኢኹ ንኹሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ንነቢያት ጣኦት ባዓልን ናብ እምባ ቄርሜሎስ ኣከቦም፡ ኤልያስ ድማ ናብ ዘሎ እቲ ህዝቢ ቀሪቡ፡ ክሳብ ማዓስ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን ትሕንክሱ፡ እግዚኣብሔር እንተኾይኑ ኣም፡ላኽ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፡ በዓል እንተኾይኑ ኣምላኽ ከኣ ንዕኡ ሰዓቡ በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቃል እኳ ኣይመለስሉን። ብርግጽ ኣይክምልሱሉን ከኣ ኢዮም። ምኽንያት መልሲ ስለ ዘይኮነ። እቲ ምንታይ ከብዲ እግርኻ ፈጸጋ እንተ ሃልይዎ፡ ቀጥ ኢልካ ክትከይድ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ፈጸጋ ከብዲ እግርኻ ኣሕዊኻ ከምቲ ሓጢኣትካ ኣጽሪኻ ብመገዲ እቲ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ ኣንፈት ምጉዓዝ ይመስል። እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝተባህሉ ሰብ ኦሪት እስራኤላውያን’ውን ንምኽንያት ከም ቀንዲ ዕርዲ ገይሮም ይኸዱ ከም ዝነበሩ ሪኢናዮም፡ ኣብ መወዳእታ ግና ዘመካንይዎ ምኽንያት ስለ ዘይነበሮም ክምለሱ ኣይከኣሉን። ስለዚ ንሕና ድማ ክንክተሎ ዘለና መስመር፡ ንምኽንያት ወጊድ ዝበለ በቲ ዝመራሕናዮ ህይወት ክረምቱ ዘጥልል ዓይነት ኣእምሮ ምውናን ናይ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ። ነቲ ከገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ ከም እሙን ቆጺሩ ከኣ ናብዚ ኣገልግሎት ዝመደበኒ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ የመስግኖ ኣለኹ። ሽሕ እኳ ቀደም ስም ጎያታ ዝጸርፍ፡ ዘሳድድን ገፋዕን እንተነበርኩ፡ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን ጸጋ ጎይታና ኣባይ ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። (1ጢሞ 1፡12-14)። እንበኣር እምነትን ፍቕርን ጸጋ ጎይታና ብዘይ መጠን ኣባና ክዓዝዝ እንተኾይኑ ከምቶም ንኸይጸድቁ ዘመኻንዩ ክንከውን ኣይግባኣናን። ነታ ዕንቅፋት ቅድስና ዝኾነት ምኽንያት ኣሊና፡ እንድሕነሉ ፍኖት ከነናዲ እንወጽኣሉን እንኣትወሉን ልዳት ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ከነርሕዎ ዝተቐረበ ሰናይ ማኣዲ እምነት’ውን ተነቢሩልና ኣሎ። “እወ ብስጋ ሰብ ተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ ብመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ ፡ብኽብሪ ዓረገ ዝብል ናይ እምነት ምስጢር ብርግጽ ዓቢይ ኢዩ” (1ጢሞ 3፡16)።     ስለዚ ኣይንዓሹ! ምኽንያት ንዕየየላ ግህዶ ሎሚ ንኹልና ምህሮ መዘዝ ከይፈጠረስ ይኣክል ይበሎ።

 ካብ መጽሔት ፍኖተ ሂወት ዝተወስደ ጽሑፍ

ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ኣማላድነት፡ ጸጋን በረከትን ናይ ኩሎም ቅዱሳን ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!!!     

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Leave a reply