Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ቅዱስ ሚካኤል – መኑ ከም እግዚኣብሔር /QDUS MICHAEL (2ይን መወዳእታን ክፋል)

                        በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

                  ቅዱስ ሚካኤል – መኑ ከም እግዚአብሔር  (2ይን መውዳእታን ክፋል)

                     ዘመነ ሓዲስ   
3333ብመሰረት ትውፊትን ትምህርቲ  ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ’ውን ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ንመግደላዊት ማርያምን ቅዱሳን ኣንስትን ነቲ እምኒ መቃብር ጐይታ ዝገምጠለ (ማቴ 28፡2/ ፳፰፥፪)፤ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰንሰለቱ ፈቲሑ ካብ ቤት ማሕቡስ ዘውጽኦ (ሓዋ 12፡7-11/፲፪፥፯-፲፩)፤ ንቆርኔሌዎስ ኣብ ጸሎቱ ዝተገልጸሉን እንታይ ከምዝገብር ዝነገሮን ቅዱስ ሚካኤል እዩ ነይሩ (ሓዋ 10፡3/ ፲፥፫) ። 

መፈጸምታ ዓለም   
ኣብ መፈጸምታ ዓለም’ውን ነቶም ጽኑዓት ምእመናን ካብ ሓሳዊ መሲሕ ከም ዝሕልዎም ትንቢት ዝተነግረሉ ሕጂ’ውን ሊቀ መልአክ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (ዳን 12፡1/፲፪፥፩)። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጻድቃን ብየማን፡ ንኃጥኣን ድማ ብጸጋሙ ንኸቕውም ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቱ ተዓጂቡ ንፍርዲ ኣብ ዝመጸሉ፤ እቲ ቀቅድሚኡ እንሰምዖ ናይ ዳግም ምጽኣት ድምፂ መለከት ናይ ቅዱስ ሚካኤል እዩ (1ተሰ 4፡16/ ፬፥፲፮)። 

ብሓፈሻ ኣብ ላዕሊ ገለ ውሑዳት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቐስና እምበር ኣቦታትና ንተኣምራቱን ተራዳእነቱን ብሕይወቶምን ሕይወት ካልኦትን ካብ ዝረኣይዎ ብሰፊሑ ጽሒፎሞ ይርከብ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ ድርሳነ ሚካኤል፤ ናይ 12/፲፪ ኅዳርን ሰነን ስንክሳር፤ መጻሕፍተ ገድሊ፤ ድጓን ካልኦትን ብብዙኃን ኣቦታት ተጠቒሱ ይርከብ። ካብኣቶም ዝቐደሙ አበው ሊቃውንት ብዛዕባ ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝገለጹ ድማ ከም እኒ ኣባ እንጦንስ፡ ኣባ መቃርዮስ፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ኤዎስጣቴዎስ ዘአንጾኪያ፡ ቅዱስ ያሬድ፡ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፡ ክርስቶስ ሳምራ፤ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወዘተ ክጥቀሱ ይከኣል። 
ክብረ በዓል 

 ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱስ ሚካኤል ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ መልኣኽ እዩ። ብኣማላድነቱን ተራዳኢነቱን ዝእመነሉ መልኣኽ ስለዝኾነ ድማ ወርሒ መጸ ዕለት 12/ ፲፪  ብዓቢይ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ይኽበር።

 ሎሚ 12 ሕዳር በዓለ ቅዱስ ሚካኤል ብፍሉይ ብዓቢ ድምቀት እነብዕሎ እምበኣር፥ ከምቲ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና “ኣብ መገዲ ክሕልወካ ናብቲ ዘዳለውኽዎ ቦታ ድማ ከእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ይልእኽ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ድማ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ። ስመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ ንበደልካ ኣይክሓድገልካን ኢዩ ”(ዘጸ 23፡20) ብዝበሎ እሙን ቃል መሰረት ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ እናመርሐን እናሓለወን ናብታ ምድረ ተስፋ ስለ ዘእተዎም እዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እግዚኣብሔር ንሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ቃል መልኣኽ እንተ ድኣ ሰሚዑን እምቢ እንተድኣ ዘይኢልዎን ንጸላእቱ ክጻረሮም ናብ ምድሪ ተስፋ ድማ ከእትዎ ምዃኑ ዝነገሮ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ መገዲ ዝረኸብዎም ኣሕዛብ እንዳ ሰዓረ ብሰላም ናብ ዝዓርፍሉ ስፍራ ኣብ ጺሕዎም ኢዩ (ኢያ 5፡13-15, ግ.ሓ 7፡34)።

በዚ ዕለት’ውን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ኩሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝሰተሸመሉ ዕለት ኢዩ። ስለ ትሕትንኡን ክብሩን ድማ በዚ ዕለት እና ተኸበረ ይነብር።

ሊቀ መላእክት  ቅዱስ ሚካኤል ከም ኩሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ  ሰባት ብዙሕ ዝኾኑ ድንቂ ተኣምራት ዝፈጸም ሓያል መልኣኽ ኢዩ። እንሆ በዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ ልዕሊ  ዱራታኦስን ቴዎብሲታን ዓቢ ናይ በረኸት ተኣምር ዝፈጸመሉ ዕለት ኢዩ። ዱራታኦስን ቴዎብሲታን ብቕድስና ዝነብሩ ኩሉ ግዜ ዓመት መጸ ድማ በዛ ቅድስት ዕለት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝክር ዝገብሩ ኣፍቀርቲ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ዝኽሪ ክገብሩ ኣብ ዝቀራረብሉ ዝነበሩ ግዜ ኣብታ ሃገር ዓቢ ጥሜት ኣጋጠመ። ዝገብርዎ ድማ ጠፍኦም። እንሆ ከኣ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኽሪ ንምግባር ዝነበሮም ክዳውንቲ ክሸጡ ግዲ ኮነ።  ዱራታኦስን ቴዎብሲታን ናተይ ክዳን ይሸየጥ ናተይ እባ ተበሃሃሉ ኣብ መወዳእታ ከኣ ዱራታኦስ ክዳን ናይ ሰበይቱ ቴዎብሲታ ሒዙ ናብ ዕዳጋ ተበገሰ። እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ከምቲ ንኢያሱ ዝተራእዮ፡ በዓል ስልጣን ወተሃደር መሲሉ ተራእዮ (ኢያሱ 3፡13-15)። ናበይ ድኣ ትኸይድ ኣለኻ ክብል ክኣ ተወከሶ። ዱራታኦስ ድማ ምኽንያት መኼድኡ ዝሕረድ በጊዕን ንመግቢ ዝኸውን እኽልን ክዕድግ ምዃኑ ገለጸሉ። ቅዱስ ሚካኤል ድማ “እንሆ ናብቲ ዋና ኣባጊዕ ኪድ ሃበኒ በሎ ክህበካ ኢዩ፡ ናብቲ በዓል እኽሊ ስርናይ ድማ ኪድ ክህበካ ኢዩ፡ ናብቲ በዓል ዓሳ’ውን ኪድ ንሱ’አን ክህበካ ኢዩ፡ ውራይካ ምስ ኣሕለፍካ ከኣ ክትከፍሎም ኢኻ፡ እቲ ስርናይ ንመግቢ ይኹንካ፡ ነቲ በጊዕ ድማ ሕረዶ፡ ነቲ ዓሳ ግና ኣነ ከይመጻኹ ኣይትሕረዶ” ኢሉ ኣፋነዎ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ኩሉ ኮነሉ። ናብ ቤቱ ምስ ከደ ድማ እቲ ውሑድ ዝነበረ ኣዝዩ በርከተሎም።  በዚ ዘደንቕ ስራሕ ድማ ኣዝዮም ተገረሙ ንኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። ብኸምዚ ከኣ ነቲ ብዘይ ምቁራጽ ኩሉ ግዜ ሕዳር ዕለት 12 ዘብዕልዎ ዝነበሩ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ብጽቡቕ ኣሕለፍዎ። ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ሚካኤል ከምቲ ኣቐዲሙ ንዱራታኦስ ዝተራእዮ ኮይኑ ናብ ቤቶም መጸ። ናብ ቤቶም ድማ ኣእተውዎ። ነቲ ኣቐዲሙ ከይትሓርዶ ኢልዎ ዝነበረ ዓሳ ድማ ክሓርዶ ከም ዘለዎ ነገሮ። እቲ ዓሳ እንተተሓርደ ድማ 303ብሩር ቅርሺ ኣብ ውሽጡ ኣጽንሐ። እቲ 300 ንዕኡ መናበሪ እቲ ዝተረፈ 3 ዲናር ከኣ ነቶም በጊዕ፡ ዓሳ፡ ስርናይ ዝሃብዎ ሰባት ዕድኡ ከፈለ። ብድሕርዚ እቲ ሓያል መልኣኽ ንሱ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ገለጸሎም ኣዝዮም፣ ከኣ ተገረሙ። ገዲፍዎም ድማ ናብ ሰማይ ዓረገ።  ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምበኣር ነዚ ነገር እዚ እና ዘከረት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብረ በዓል ከተብዕል ትነብር ኣላ። ቅዱስ ሚካኤል፡ ከምቲ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላኢኦም ዝኾነ ፎርዖን መሪሑን ሓልዩን ብሰላም ናብ ሃገሮም ዝመለሶም፡ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወቶም ድማ ዝረድኦም፡ ንዓና ድማ ክረድኣና ክሕልወናን ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹን። ኣሜን።
 111 ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ! ብሓጺሩ ግና ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲሽ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ልዑል ጸጋን ክብርን፡ ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞምን ዓበይቲ ተኣምራትን ተራዳእነትን ብዙሕ ስለዝኾነ በዓሉ ክኸበር ግብእ ምዃኑ ዝስሕት ሰብ ክህሉ ኣይግባእን።  ማኑሄ’ውን ንቅዱስ ሚካኤል “እቲ ቃልካ ምስ ተፈጸመ። ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ንሕና’ውን ነቲ ኵሉ ዝፈጸሞ ነገራት ኣስተውዒልና ከነኽብሮ ይግባእና። ነዚ ኵሉ መሠረት ብምግባር ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብተን ብኣዋጅ ወርሓዊ ክበዓሉ ኢላ ካብ ዝሰርዓቶም በዓላት እቲ ሓደ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል እዩ። ብሓፈሻ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ፍጹም ኣገልጋሊ ስለዝኾነ ብእግዚአብሔር ንዝኣምኑ ኵሎም ምሕረት ዝለምን፡ ሰኣሌ ምሕረት ብምዃኑ ብግቡእ ከነኽብሮ ይግብኣና። 
  ሎሚ’ውን ቅዱስ ሚካኤል ንዝኣምንዎን ዘኽብርዎን ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ክራዳእ ይነብር ኣሎ። ትማሊ ንቅዱሳን ከም ዝተራድኦምን ከም ዝመስከሩሉን፡ ሎሚ’ውን ዝዛረበሉ ስኢኑ እምበር ተኣምራቱን ተራዳእነቱን ኣይተቋረጸን። እዚ ንሕና ዘሎናዮ ወለዶ ብዘየገድስ፡ እቲ ቃል እሙን እዩ እሞ ቅዱሳን ሰባት ኣግሂዶም ንቅዱሳን መላእኽቲ ስለቲ እተዋህቦም ቃል ኪዳን ንምዝራብ ድሕር ኣይበሉን። “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር፤ የናግፎም ከኣ” (መዝ 34፡7/ ፴፬፥፯) ኸኣ ይብሉ። ምኽንያቱ ንሳቶም ተረዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝፈልጡ ስለዝኾኑ ሓቀኛ ምስክርነቶም እዮም ሂቦም። “ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዝሕግዘኒ የብለይን።” (ዳን 10፡21 /፲፥፳፩) ፥ “እንሆ ኸኣ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጸ” (ዳን 10፡13 /፲፥፲፫)።
ትማሊ ንናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ ባሕሪ ከፊሉ ከም ዘሳገሮም፡ ሎሚ’ውን ካብ ኩሉ ሽግርን መከራን የናግፈና። ነቲ ዝኸቦምን መሕለፊ ዝስእኑሉ ኣብ ህይወቶም ዘጓንፎም መከራ ኵሉ ንሱ መንገዱ ከርእዮምን ክመርሖምን እዩ። ነቶም ዘኽብርዎን ዝዝክርዎን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ከሳሲኦምን ሰይጣን ከም ጠበቓ ይቖመሎም። ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ድልየቶም ይራድኦምን ካብ ሓዘን የጸናንዖምን እዩ፤ ነቶም ድኹማት ይራድኣና፤ ኣማላድነቱ ኣይፈለየና፤ ኣብ ጊዜ ጸገምና ድማ ብክንፈ ረድኤቱ ይጋርደልና። ንኢያሱ ዝተራደአ መልኣኽ ንዓና ውን ይርድኣና!
               በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምሳና ጸኒዑ ይንበር። ኣሜን!

                     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                    ወለወላዲቱ ድንግል

                       ወለመስቀሉ ክቡር

                                 ኣሜን!

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.