Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

በዓለ ሓምሳ/ጳራቅሊጦስ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

በዓለ ሓምሳ/ጳራቅሊጦስ

በዓለ50በዓለ ሓምሳ  ድሕሪ ትንሳኤ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ፋሲካ ) ቆጺርና  ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ወይ ድማ ድሕሪ ዕርገት ናይ ጎይታ ኣብ  መበል 10ይ መዓልቲ እነብዕሎ ዓቢ በዓል እዩ። ኣብዚ ዕለት እቶም 120 ቤተ ሰብ (ሰዓብቲ ጎይታ) ከምቲ ክርስቶስ “እንሆ ኣነ  እቲ  ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም  እየ ፣ንስኻትኩ ም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ  “ዝበሎም (ሉቃ 24፡49) ንሳቶም ድማ ካብ ከተማ  ኢየሩሳሌም ከይወጹ ካብ ላዕሊ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኽቕበሉ  ብሕብረት ኩሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ እና ኣመስገኑን እና ጸለዩን ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ መጺኡ ነቲ ዝነበረዎ ገዛ  ብምምላእ ከም ልሳን ሓዊ ተመቓቒሉ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ብምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልሉ ዕለት እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ነዚ በዓል እዚ በዓለ መንፈስ ቅዱስ     ጰራቅሊጦስ (ጴንጠ ቆስጠ) እና በለት ትሰምዮ።

   በዓለ ሓምሳ ኣብ ዘመነ ኦሪት

ብኣምልኾተ እግዚኣብሔር ቀዳሞት ዝኾኑ እስራኤላውያን ኣብ ዘመነ ኦሪት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ባርነት ናጻ ዘውጻኦም መዓልቲ ዘኪሮም  ካብ ዘብዕልውዎ  በዓል ፋሲካ(በዓል ቅጫ) ካብቲ እና ኣወዛወዙ ዘቕርብዎ እንዳእቲ ዘምጽኡላ መዓልቲ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት  ሽውዓተ ምሉእ ሳምንቲ  ቆጺሮም ክሳዕ  ጽባሕ እታ  ሸውዓይቲ መዓልቲ (ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ )  ከምቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝኣዘዞም ሓድሽ መስዋዕቲ እኽልን ድዑልን  ብምቕራብ ቅዱስ ኣኼባ ገይሮም ዘብዕልዎ በዓል ከም ዝነብረ ኣብ ዘሌ 23፡15-21,  መጽሓፈ ጦቢት 2፡1  ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ በዓል ብቋንቋ እብራይስጥ ሸቨኦት(shavuot) ይበሃል። እዚ ከኣ ካብ ሸቫ(ሸውዓተ) ዝብል ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ሰሙናት ማለት እዩ። ኣብ ዘመን ሃዋርያት እውን እንተኾነ  ነዚ በዓል ሰሙናት ( በዓል ሓሙሳ) ንምብዓል ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲዶም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን  ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት  ብምምጻእ ናብ ኢየሩሳሌም ይነግዱ ነይሮም (ግ.ሃዋ 2፡1-11)።

ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን እውን  ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እና ተወራረሱ የብዕልዎ  ከም ዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና። እንተኾነ ግን ብሉይ ኪዳን ናይ ሓዲሽ ኪዳን ጽላሎት  ከም ዝኾነ ኣይሁድ ነቲ ንዓለም ከድሕን ኢሉ ብስጋ ዝተገልጸ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕውረት ልቦም ብዘይ ምእማኖም ነቲ ዑረት ልቦም ኣልዩ ካብቲ  ዘለውዎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ  ናብታ ኣማናዊት ዝኾነ እምነት ከቕንዑ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ ልቦም የብርሃሎም ኣሜን።

ናይ ተስፋ ቃል 

በዓለ501ቅዱሳን ሃዋርያት ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክስዕብዎ ከለዉ  ነቲ ዘለዎም ንብረት ገዲፎም  ካብ ስድርኦምን ካብ ቤቶምን ዓዶምን  ወጺኦም ደድሕሪ ጎይታ ብምስዓብ  ኣብ ዝሓደሮ እና ሓደሩ ኣብ ዝወዓሎ እና ወዓሉ  ነቲ  ቅዱስ ቃሉ  እና ሰምዑ ይውዕሉ ነበሩ። ጎይታ ድማ ካብኣቶም  ንቕሩብ ግዜ ከም ዝፍለዮም እንተኾነ  ግን ከም ዘኽታማት ኮይኖም ከይተርፉ  ነቲ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ  ከም ዝሰደሎም ኣተስፈዎም። ከምቲ ዝበሎ እውን ኣይሁድ ብኽፍኣት ሒዞም ብብዙሕ ስቅያት ገሪፎም  እና ኣላገጹ ክሳዕ መስቀል ኣብጺሖም ሰቒሎም  ቀተልዎ ፡ ሃዋርያት እዚ ኩሉ ምስኮነ  ተበታተኑ። እዚ ኩሉ ግን ብፍቓዱ እዩ ዝነበረ።

zionኣብ መበል ሳልሰይቲ መዓልቲ ከምቲ ብሕቱም ድንግልና  ዝተወልደ መቓብር ክፈቱለይ  መግነዝ ፍትሑለይ  ከይበለ ብሓይሉ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ብምትንሳእ ነቶም ብፍርሒ ተዋሒጦም  ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ካብቲ ዝተበተንዎ ቦታ ኣኻኸቦም።

“ጎይታ ኣይተንስአን፡ ምትሃት እዩ” ኢሎም እቶም ትንሳኤ ጎይታ ዘይኣምኑ  መናፍቓን  መዛረቢ ከይረኽቡ  ን40 መዓልቲ ዝኣክል ምስኦም ብምጽናሕ  “እንሆ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ ንስኻትኩም  ከኣ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” በሎም። ናብ ወጻኢ ከተማ ኢዮሩሳሌም  ናብ ቢታንያ ወሲዱ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም ክባርኾም ከሎ ድማ ካብኣቶም ተፈልዩ እንዳ ረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ። ነዚ ቃል ተስፋ ብምግባር ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ  ንሱ ድማ ኣብ ሰባት ሓዲሩ ዝምህር ዝዛረብን፡ ሉቃ13፡12, ንሱ  ጎይታ ዝመሃሮን ዝነገሮን  ዘዛኻኽሮም  ዮሓ 1፡14-26, ፡ካብ ነፍሶም ፍርሕን ሽበራን ዘርሕቕ ዮሓ 14፡27, ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ፍርድን ዝረትዕ ዮሓ 16፡8፡ ነቲ ክጸርዎ  ዘይከኣሎም ዘጽውር  ናብ ሓቂ ዘበለ ዝመርሕ  ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ነገራት ዘፍልጥ  ዮሓ 16፡12, ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኽቕበሉ  ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም  ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ብሓደ ልቢ  ናብ ኣምላኽ ይጽልዩን የመስግኑን  ነበሩ። እዚኣቶም ድማ 12 ሃዋርያት፡ 72 ኣርድእቲ ፡ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ  ጠቕላላ 120 ቤተ ሰብ (ሰዓብቲ ) ጎይታ እዮም።

ምውራድ መንፈስ ቅዱስ 

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ  ዝውዕል በዓል ኩላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ  ነበሩ ። ብሃንደበት ከኣ  ከም  ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ  ድምጺ መጸ፡ ነታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤት’ውን  መልኣ ፡ ልሳናት  ሓዊ ዝመስል ድማ ተራእዮም ፡ ተመቓቒሉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ዓለበ። ንኹሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም ፡ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ከም ዝሃቦም’ውን ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁ ኣይሁድ ኣብ ኢዮሩሳለም  ነበሩ።እዚ ዳሃይ እዚ ምስ ኮነ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። ነፍሲ ወከፎም በብቋንቁኦም ክዛረቡ ምስ  ሰምዑ ዝብልዎ ጠፍኦም። ከምዚ ዝስዕብ እና በሉ ከኣ ኩላቶም ተገረሙን ተደነቑን  “እንሆ እዞም ዝዛረቡ  ኩሎም ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን! ከመይ ኢልና  ድኣ በብቲ ዝተወለድናሉ ቋንቋ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። ንሕና ሰብ ጴርቴን፡ ሰብ ሜድን፡ ሰብ ኢላምን፡ እቶም ኣብ ሞሶጶታምያን  ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን  ኣብ ጶንጦስን  ኣብ እስያ እንነብር  ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብጽን  ኣብ ከባቢ ቅሬኔ ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮማ ዝመጻና ኣይሁድ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተና ወገን ኣህዛብን  ሰብ  ቀርጤስን  ዓረብን ኢና እንተኾነ  እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢ ግብሪ ኣምላኽ  ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።ኩላቶም  ዝብልዎ ጠፊኦም ነንሕድሕዶም እዚ ነገር እዚስ እንታይ ኮን ይኸውን ተበሃሃሉ(ግ.ሃዋ2፡1-12)።

ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ  

 ከምቲ ሓዊ ንሓጺን ዘጽርዮ ንዕትሮ ከኣ ዘትርሮ፡ እቶም ፈራሓት ዝነበሩ  ሓዋርያት በቲ  ብኣምሳል ሓዊ ዝወረደ  መንፈስ ቅዱስ ደፋራትን ተባዓትን ኮኑ።

ሽዑ ድማ ቅዱስ ጴጥሮስ  ዓው ኢሉ “በተን መወዳእታ መዓልታት ከምዚ ክኸውን እዩ ይብል ኣሎ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ  መንፈሰይ ከፍስስ እየ,,,,,,,”(ግ.ሃዋ 2፡17-19, ኢዩ 2፡28-32) እምበኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም  ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ ንዕኡ  ጎይታን መሲሕን ከምዝገበሮ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ(ግ.ሃዋ2፡17-36 )እንዳ በለ  ብትብዓት መሃሮም ነዚ ቃል እዚ ዝሰምዑ ዝነበሩን ነቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ትእምርቲ ዝረኣዩ  300 ሰባት ልቦም ተወጊኡ ብጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ብምእማን ተኒስሖም ተጠመቑ ፡ብድሕሪ እዚ ‘ውን  ሃዋርያት በቲ ዝተዋህቦም ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ምዝራብ  ጸጋ ናብ መላእ ዓለም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም  ናይ ወንጌል ብርሃን ኣብርሁ። ናብዚ ዘሎናዮ ዝመን ምእንቲ ክበጽሕን  ናይቲ ድሕነት ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውንን ነዚ ኩሉ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብጽሑፍ ኣስፊሮም  ምእንቲ ክርስቶስ ብብዙሕ ስቅያትን መከራን ተሰቒሎም፡ ብሴፍ ተቖሪጾም ሰማእትነት  ተቐበሉ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ስንክሳር  ተጻሒፉ እንረኽቦ ገድሊ ቅዱሳን ብናይ ተጋድሎ እምነት ጸኒዖም ነታ እትመጽእ መንግስተ ሰማያት ተስፋ ብምግባር ኣብዚ ዓለም መስቀል ክርስቶስ  ተሸኪሞም መከራ ተቐቢሎም ፡ብዳርባ እምኒ ተጨፍጪፎም፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ብመጋዝ ተተርቲሮም  ፡ዲኖ ኣባጊዕ ተኸዲኖም ፈቐዶ በዓትታትን ስንጭሮታትን ዝነብሩ ዝነበሩ(እብ 11፡32)። ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ መከራ፡ ጸበባ፡ ስደት፡ ጥምየት፡ ዕርቃን፡ ከይፈለዮም  ሰማእትነት ተቐቢሎም።ንሳቶም ካብ ክፉእ ጸላእን  ካብ መናፍቕነት ንቤተ ክርስቲያን ዝተበጀውዋ ናይ መንፈስ ቅዱስ ማሕደር ስለ ዝኾኑ እዮም። እዚ ዘጸናንዕ  መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሰባት እንተዘይሓድር  ነይሩ ዓላውያን  ንቤተ ክርስቲያን ከጥፍኡ፡ ንሓቂ ክቐብሩ ምስ ተላዕሉ ንሓቂ (ንወንጌል)  ዝምስክር ምተሳእነ፡ ንሕና’ውን ንወንጌል  ኣይምፈለጥናያን ነይርና። ክርስቲያን እየ  ዝብል ሰብ እውን ኣይምተረኽበን ነይሩ። ከምዚ ከይንኸውን እግዚኣብሔር  መንፈስ ቅዱስ ንቕዱሳኑ ሰዲዱ  ቅዱሳን  መጻሕፍቲ ጽሒፎም  ብመንፈስ ቅዱስ  ተርጉሞም ንኣምላኽና ፈሊጥና  ድሕነት ክንረክብ ዝገበረ እግዚኣብሔር ምስ ኩሎም ቅዱሳናቱ ዝተመስገነ ይኹን። ኣሜን!

በዚ መስረት  ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ በዓል እዚ ልደት ቤተ ክርስቲያን  ኢሎም ይገልጽዎ እዮም። ነዚ ድማ ኩላትና ኣሰር ኣቦታትና ብምስዓብ ንመንፈስ ቅዱስ ቅዱሳን ኣቦታት ብቅድስናን ንጽህናን ከም ዝተቐበልዎ ተረዲእና ነቲ ዝሓለፈ ናይ ድንቁርና ዘመን ገዲፍና ካብ ግብረ ስጋ ( ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ኣምልኾ ጣዖት፡ ጥንቆላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቑጥዓ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው፡ ምፍልላይ፡መናፍቕነት፡ ቅንኣት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ዝኣመሰሉ( ገላ 5፡19-22) ርሒቕና ከምቲ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ንስኽእትኩም’ውን ቅዱሳን ኩኑ” ዝበለና ቅዱሳን ክንከውን ይግባኣና እዩ(ዘሌ 19፡1-2)።

ነዚ ዘይተረድኡ ናይ ዘመና  መናፍቓን ነቲ ቅዱሳን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ንዝጸሓፍዎን ንዝተርጎምዎን  ብገዛእ ፍቓዶም ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3፡16  “እቶም ደናቑር  ዘይጽኑዓትን  ከምቲ ነቲ ቅዱሳን መጻሕፍቲ  ዝጠዋውይዎ  ዘለዉ ንጥፍኣት ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ” ከም ዝበሎ ንሳቶም እውን ነቲ ቅዱስ ቃል ክጠዋውይዎ ይርከቡ።

ገለገለ ሰባት “ሓዋርያት ዝይተዛረብዎ ቋንቋታት ትርጉም ዘይብሉ እዩ ነይሩ” ኢሎም ይገልጹ፡ ገለ እውን “ሓዋርያት ብቋንቋታት ስለ ዝተዛረቡ ንሕና እውን ብቋንቋታት ንዛረብ ኣሎና” ብምባል ትርጉሙ ዘይፈልጥዎ፡ ተሓቲቶም ዘይምልስዎ ክዛረቡ ይስምዑ ኣለዉ ። እዚ ግና ጌጋ እዩ። ሓዋርያት ዝተዛረብዎ ትርጉም ዘይብሉ ኣይነበረን፡ ዝተዛረብዎ ዘይፈልጡ’ውን ኣይነበሩን። ካብ ግብረ ሃዋርያት ምዕራፍ 2 ከይወጻእና  እንተድኣ ኣንቢብናዮ እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንበዓለ ሓምሳ ከብዕሉ ዝመጹ ሰባት  ብሃዋርያት ስለ ዝተደነቑ ዶ ኣይኮኑን “ከመይ ኢሎም ድኣ በብቲ ዝተወለድናሉ  ቋንቋታት ይዛረቡ ኣለዉ”  ዝበሉ፧ ነቲ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ሰሚዖም ዶ ኣይኮኑን፧ እቲ ሓዋርያት ዝተዛረብዎ ዘይስማዕ ነይሩ እንተዝኸውን  ነይሩ ከመይ ኢሎም  3000 ሰባት ብሓደ  ግዜ ልቦም ተውጊኡ ብጎይታ ኣሚኖም  ተጠምቁ፧

እምበኣር ኣብ  ዓለም በብይኑ ዝኾነ ቋንቋታት ኣሎ ትርጉም ዘይብሉ ግና የለን”(1ቆሮ 14፡10)። ሓዋርያት ብቋንቋታት ንኽዛረቡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህቦም  ንዘይኣመኑ ትእምርቲ ክኾኖምን ናብ ኩሉ ዓለም ብምኻድ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም  በብቋንቁኡ ወንጌል ንምምሃርን እዩ ።

 ንሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ዝሓቦም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኹላትና መንፈስ ቅዱሱ ይልኣከልና! በረከትን ረድኤትን ናይ እመ ኣምላክ ኣይፈለየና ኣሜን!

                      ወስብሃት ለእግዚኣብሔር     

                     ወለወላዲቱ ድንግል

                      ወለመስቀሉ ክቡር

                          ኣሜን!

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.