Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ዓመታዊ ክብረ ብዓል መድሃኔ ኣለም ኣኽቢራ

        በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ።   ኣሜን!

   ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብብዝሒ ምሕረቱ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳሓለወ ካብ ካሊእታትት ናብ ደቓይቕ፡  ካብ ደቓይቕ ናብ ሰዓታት፡ ካብ ሰዓታት ናብ መዓልታት፡  ካብ መዓልታት ናብ ሰሙናት፡ ካብ ሰሙናት ናብ ኣዋርሕ፡  ካብ ኣዋርሕ ድማ ናብ ዓመታት እንዳ ሓለወ ናብዚ ዘለናዮ ዕለት ብሰላም  ስለ ዘብጽሓና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

 ብፍቓድ እግዚኣብሔር ኣምላኽ  እምበኣር  ኣብ ሃገረ እስራኤል እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን   መድሃኔኣለም ብ27 መጋቢት 2006 ዓ. ም.ግ ወይ ድማ 4 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም .ፈ  ቀዳም ዓመታዊ ክብረ ብዓል መድሃኔ ኣለም(ንግደት) ኣብዒላ።  እዚ ዕለት እዚ ጥንተ ስቕለት ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  እዩ።  ነዚ ክቡር ዕለት  እዚ ንምብዓል እምብኣር ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም  ንሕዝባ ከምቲ ዝግባእ ገይራ ንምትእንጋድ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚራ ክትዳለወሉ እያ ቀንያ።   

DSC_7741 DSC_7747DSC_7769

 

DSC_7769 DSC_7772 DSC_7774

 እቲ በዓል ብድሮ ማለት ዓርቢ ሰዓት 3 ጀሙሩ ክሳብ ቀዳም ምሸት እዩ ቀጺሉ ውዒሉ። ድሮ እቲ በዓል ካብ ኩለን ከተማታት እስራኤል ዝመጽኡ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ዋዜማ፡መዝሙራትን ቅኔታትን ድሕሪ ምግባር፡ ኣብቲ መዓልቱ ድማ ማለት ቀዳም ናይ ንግሆ ናይ መዓልቱ ቅዳሴ ምስ ተወድአ ኩሉ  ሰብ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ዘዳለወቶ ናይ ጸበል ኣደራሽ ኣትዩ ምስ ተመገበ ኩሉ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሔር  ዝገበረሉ ውዕለታ ብመዝሙር ምስጋና ንኣምላኩ ኣመስጊኑ።

DSC_7780 DSC_7782 DSC_7789

DSC_7801DSC_7794DSC_7793ብድሕሪ እዚ ካብ ኩለን ኣብ እስራኤል ዝርከባ  ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት  ነዚ ብዓል ንምኽባር  ዝመጽኡ መዘምራን ናይ ሓባር መዝሙር ኣቕሪቦም።  ድሕሪ ናይ ሓባር መዝሙር ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ዕለት ዝገልጽ መንፈሳዊ ትምህርቲ ተዋሂቡ።  ኣብ መወዳእታ ብኣማሕደርቲ ኣቦታት ካህናት ቃል ምስጋናን ማዕዳን  ለበዋኣን ምስ ቀረበ፡  እቲ ክብረ ብዓል  ብጸሎት ተዛዚሙ።

dsc_0327 dsc_0332DSC_7794

 ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኽበር የመስገን!  ኣሜን!!

      

    ስብሃት ለእግዚኣብሔር

            ወለወላዲቱ ድንግል

           ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

       

Sorry, comments are closed for this post.