Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ብምኽንያት ሆሳዕና ናብ ከተማ ኢዮሩሳሌም መንፈሳዊ ግዕዞ ኣካይዳ!

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ብመጀምርታ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓጥያትናን ኣበሳናን ከይተጸባጸበ ናብዚ ክቡር ዕለት ሆሳዕና ዘብጸሓና ምስ ኩሎም ቅዱሳኑ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ቀዳም 12/4/2014 ዓ/ም/ፈ ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ብምኽንያት ክቡር በዓል ሆሳዕና፡ናብ ከተማ ኢዮሩሳሌም መንፈሳዊ ጉዕዞ ተኻይዱ ውዒሉ።

DSC_8463 - CopyDSC_8479 - CopyDSC_8486 - Copy

እቲ ዝተገብረ መንፈሳዊ ጉዕዞ ብዙሓት ምእመናንን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ካብቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድጊ ተሰቒሉ ናብ ከተማ ኢዮሩሳሌም  ዝተበገሰሉ ቤተ ፋጌ ኢዩ ጀሚሩ።

ኣብ ቤተ ፋጌ ሰፊሕ ትምህርቲ ብዛዕባ በዓል ሆሳዕናን ብዛዕባ’ቲ ቅዱስ ቦታን ምስ ተዋህበ ፡ተሳተፍቲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ካብ ቤተ ፋጌ ጀሚሮም ዝተፈላልዩ ነቲ ክብረ በዓል ዝገልጽ  መዛሙር ብድሙቕ ዕልልታ እና ዘመሩ ክሳብ ደብረ ዘይቲ በጺሖም።

ኣብ ደብረ ዘይቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ቦታን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ በሪኽ ቦታ ኮይንካ ዝረአ ዝተፈላለየ ኣብ ከተማ ኢዮሩሳሌም ዝርከብ ቅዱሳን መካናት፡ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ ነቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኮይኖም ዝርእይዎ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ተኣምራት ዝተፈጸመሉ ቅዱሳን ቦታታት ናይ ከተማ ኢዮሩሳሌም ንምብጻሕ እና ዘመሩ ጉዕዞኦም ናብ ጌተ ሰማኒ ቀጺሎም። ኣብ ጌተ ሰማኒ ድማ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ቦታታት ማለት ጎይታ ኣብ ኣድጊ ተሰቒሉ ብዓቢይ ክብሪ ናብ ኢዮሩሳሌም ይኣትወሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ንኢየሩሳሌም ዘልቀሰላ ቦታ፡ ቤተክርስቲያን ማርያም መግደላዊት፡ ጎይታ ዝጸለየሉ ቦታ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተቐብረትሉን ዝዓረገትሉን ቦታ፡ ቀዳሜ ሰማእት ሊቀ ድያቆናት ኢስጢፋኖስ ሰማእትነት ዝተቐበለሉ ቤተክርስቲያን. . .ወዘተ  በጺሖም።

ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ምሳሕ ሰዓታት ድማ እቲ ጉዕዞ ካብ ጌተሰማኒ ናብ’ዩ ጽርሃጽዮን ቀጺሉ፡ ኣብ ጽርሃጽዮን ዝርከቦ ቅዱሳን ቦታታት፡መንፈስ ቅዱስ በኣምሳለ ነበልባል ሓዊ ናብ ሓዋርያት ዝወረደሉ ቦታ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉን ዝተገንዘትሉን ቅዱስ ቦታ፡ጎይታ ብምሸት ሓሙስ ምስ ሓዋርያት መኣዲ ተቐሪቡ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉ ከምኡ’ውን መቓብር ንጉስ ዘማራይ ዳዊት ዝርከበሉን ቅዱሳን ቦታታት  በጺሖም። ብዛዕባ እቲ ቅዱሳን ቦታታት ኣብ በቦትኡ  መግለጺ ምስ ተዋህበ መጻዘሚ ጸሎት ብምግባር ጉዕዞ ብሰላም ተዛዚሙ።

    

        ስብሃት ለእግዚኣብሔር

        ወለወላዲቱ ድንግል

          ወለመስቀሉ ክቡር

           ኣሜን!

 

 

Sorry, comments are closed for this post.