Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል 29/3/2014 ናይ ኣገልገልቲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ኣካይዳ።

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል 29/3/2014 ናይ ኣገልገልቲ  መንፈሳዊ ጉዕዞ ኣካይዳ።

መጀመርያ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓጥያትናን ኣበሳናን ከይተጸባጸበ፡ብህይወት ዘንበረና፡ምስ ኩሎም ቅዱሳኑ ዝኸበረን ዝተመስገነን ትኹን ኣሜን።

ቀዳም 29/3/2014 ዓ/ም/ፈ ብምኽንያት ሻድሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም  ገብርሔር(እሙን ኣገልጋሊ) ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋት ዲያቆናትን ዓበይትን ህጻናትን መዘምራንን ኣገልገልቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤ/ክ መድሃኔኣለም ናብቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወለደትሉ ቅዱስ ቦታ ደብረ ሊባኖስ መንፈሳዊ ጉዕዞ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተገብረ መንፈሳዊ ጉዕዞ፡መጀምርታ ኣብቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወለደትሉ ቅዱስ ቦታ ብምብጻሕ ናይ ጸሎትን ምህለላን መደብ ተኻይዱ ቀጺሉ ሰፊሕ ትምህርቲ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ቦታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ተዋሂቡ። ብድሕርዚ ናይ ሓባር መዝሙር ድሕሪ ምዝማር ጉዕዞ ናብ ናይ መመገቢ ቦታ ቀጺሉ።ናይ ምምጋብ ስነስርዓት ምስ ተፈጸመ ድማ፦ ብየሕዋት መምሃራን ትምህርቲ ብዛዕባ ሻድሻይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ገብርሔር(እሙን ኣገልጋሊ) ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ  25 ብዛዕባ ምስላ ምኽሊት ዝገልጽ ትምህርቲ፡ ንሕና ድማ ከም ኣገልገልቲ መጠን ክንገብሮ ዝግበኣናን፡ንዘለና ናይ ኣገልግሎት ድኽመታት ኣሪምና፡እሙናት ኣገልገልቲ ተባሂልና ናብቲ እግዚኣብሔር ዘዳለወልና ስፍራ ቅዱሳን ንኽንወርስ ተጊህና ከነገልግል ከምዘለና፡ዝገልጽ ማዕዳን ተግሳጽን ዝሓዘለ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ ዕቤት ትምህርቲ ሰንበትን ቤተክርስቲያንን ብሓፈሻ ድማ ከመይ ጌርና  ብፍቕርን ስኒትን ብሕብረት ከነገልግል ከም ዘለናን፡ከም ኣገልገልቲ ናይ እግዚኣብሔር መጠን ብሓደ ሓሳብን ዕላማን ተጊህና ንሃይማኖትና ክንቃለስ ከም ዝግበኣና ዝገልጽ፡ ናይ ምምዕዓድን ምትእርራምን መደብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ድሕሪ ምዝርራብ፡መደብ ብጸሎት ተዛዚሙ። ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹን። ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላጅነት ናይ ቅዱሳን ጸሎት ናይ መላእኽቲ ፈጣን ተራዳእነት ኣይፈለየና፡ጾምና ብሰላም ኣፈጺሙ  ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜን።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 

Sorry, comments are closed for this post.