Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገር ኤርትራ ይቅረታ ሓቲቶም ተመሊሶም

በስመኣብ  ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

      ኣቦና እቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን  ኤርትራ  ዝይምርግጋእ ፈጢሩ ዝጸንሐ ናይ ኣቦና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገር ኤርትራ ካብ ስልጣኖም ምውራድ፡ እንሆ ሎሚ ብከቢድ ጻዕሪ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ጉባኤ ሊቃውንትን  መዕለቢ ረኺቡ፡  ኣቦና  ናይ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ቃል ኣብ ልቦም ብምዑቓር “ይቕረ ኢሉ ዘይምለስ ዲያብሎስ ጥራይ እዩ” ብምባል ንቅድስት ቤተክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ይቕረ ብምሕታት “ብፍቕርን ብስኒትን ክጓዓዝ ፈትየ ኣለኹ” ኢሎም።   እቲ ንነዊህ እዋን ንቅድስት ቤተክርስቲያን ናብ ድነ ጸልማት ኣንጸላልዩ ዝነበረ ደመና ተኣልዩ፡  ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ  ናይ ሰላም ብርሃን ወሊዓ  “ዝተሓጎስ  እንተሎ ይዘምር” ትብል ኣላ።

 እዚ ጉዳይ እዚ ንብዙሓት ንሓድነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ምእመናን  ንምብትታን  ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ምጽንሑ ዝዝከር  እዩ።

ሕጂ ውን ኩሎም እቶም ነዚ  ጉዳይ እዚ ምኽንያት ብምግባር ካብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ይኹን ካብ ሓድነት ምእመናን ተፈሊዮም ዝጸንሑ፡ ኣሰር ቅዱስ ኣቦና  ስዒቦም ናብ ልቦም ክምለሱ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

 ብምምላስ ናይ ብጹእ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተሰመዓና ዓቢይ ሓጎስ  እናገለጽና፡ ናብ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ  ደቂ እታ ጥንታዊትን ኣጽናፋዊትን  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ   እንቋዕ ሓጎሰና ንብል!!!

 እግዚኣብሔር ንቤተክርስቲያናን ሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ ኣሜን!!!

 

Sorry, comments are closed for this post.