Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

“ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፤ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” (መዝ ፻፴፩፥፰/መዝ 132፥8)

ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፤ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” (መዝ ፻፴፩፥፰/መዝ 1328)

              በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

                1, ታሪኽ “ሞት ብጥሪ፡ ብነሓሰ ቀብሪ ከመይ ገይሩ፧

       tnnኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና  ከም ታሪኽ ዝንገር ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ዕለት ሓዋርያት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ንኸዕርፉ ናብ ጌቴ ሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ ክኸዱ ከለዉ ኣይሁድ ብኽፍኣት መንፈስ ተላዒሎም “ኣቐዲሙ ንወዳ ብሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታን   ተንሲኡ በርብዓ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓረገ ዳሕራይ’ውን ነዛ ዓለም ንምሕላፍ ክመጽእ ኢዩ እናበሉ ብምምሃር ነቲ ህዝቢ ፈጺሞም ወሲደሞ ኢዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገደፍናያ ንዓኣ’ውን ከም ወዳ ተንሲኣ ዓሪጋ እናበሉ ብምምሃር ክህውኹናዶ ኣይኮኑን፧ ንዑተ ኣከቡ እሞ  ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ተማኺሮም መጺኦም ኣብ መንጉኦም  ታውፈንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ ተመሪጹ ከይዱ  ናይ ኣዴና ኣስከሬን ዝተሰከመሉ ዓራት ሓዘ። ነቲ ዓራት ምስ ሓዘ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ብናይ ሓዊ ሰይፊ  ንኽልቲኤን ኣእዳዉ ስለ ዝቖረጸን ምስቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን እምበር ተውፋንያ ብዝፈጸሞ ድፍረት ናብኣ ስለ ዝተማሕጸነ ብሕቡእ ተኣምር ነተን ዝተቖርጻ ኣእዳዉ ከም ቀደመን ጌይራ ፈዊሳቶ ኢያ

ሽዑ መልኣከ እግዚኣብሔር ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወሲዱ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ኣቐመጦ። ቅዱስ ዮሓንስ’ውን ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ናብ ሓዋርያት ምስ ተመልሰ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ኣብገነት ምህላዉ ነገሮም፡፡ ሓዋርያት’ውን ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ረኺቦም ንምቕባር ካብ  ዝነበሮም ድልየት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን ድሕሪ ምቕናይ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ/መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ/ ጎይታና ንናይ ኣዴና ሓድሽ ኣስከሬን ገይሩ ስለ ዝሃበም ብዓቢ ዝማሬን ብውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተኤሴማኒ ቀበርዋ።

ናይ ኣዴና ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን እሞ ካብ ሃገረ ስብከቱ ብደመና ተጻዒኑ ናብ  ኢየሩሳሌም ክመጽእ ከሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተቐብረት ኣብ ሳልሳይ  መዓልታ ከም ትንሳኤ ወዳ ተንሲኣ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። በዚ ግዜ እዚ ትንሳኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ  ተበሳጭዩ “ወፈቀደ ይደቅ እም ደበናሁ” ይብሎ ማለት ቅድም ናይ ወድኺ ትንሳኤ ሕጂ ከኣ ናትኪ ትንሳኤ ከይ ረኣኹ ተሪፈ ኢሉ ካብ ምሕዛኑ ዝተላዕለ ካብቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። በዚ ግዜ እዚ ኣዴና ብዘይካኡ ካልኦት ሓዋርያት ንትንሳኤኣ ከም ዘይረኣዩ ነጊራ ንቅዱስ ቶማስ ኣጸናኒዓቶ። ከይዱ እውን ንኣሕዋቱ ሓዋርያት እቲ ዝኾነ ኩሉ ክነግሮም ኣዚዛ፡ ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክኾኖ መግነዛ ሂባቶ ፈጺማ ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኢያ።

ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ “ንኣዴና ቀቢርናያ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ’ውን ፈሊጡ ነቲ ምስጢር ሓቢኡ “ሞት ብጥሪ ብነሃሰ ቀብሪ ከመይ ገይሩ  ይኸውን” ንስኻ ብቐደሙ’ውን  ንናይ ጎይታ ትንሳኤ ተጠራጢርካ ሕጂ እውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ኢሎም ብቕዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ መቓብር ኣዴና ሒዘምዎ ከዱ። ከርእይዎ መቓብር እንተኸፈቱ ናይ ኣዴና ሬሳ ሰኣንዎ በዚ ከኣ ሰንበዱ። በዚ ግዜ እዚ ድማ ቅዱስ ቶሞስ “ኣይትኣምኑን ኢኹም ኢለ ኢየ እምበር ኣዴናስ ተንሲኣ ዓሪጋ ኢያ ” ኢሉ ንዝኾነ ዘበለ ኩሉ ምስ ነገሮም ንመረጋገጺ ምልክት ንኽኸውን ንዝሃበቶ መግነዛ ኣርኣዮም ንበረኸት ንኽኸውን ከኣ ቆራሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ። ኣብ ዓመቱ  “ንትንሳኤኺ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኣሎ ኢሎም” ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣትዮም በቲ መወዳእታ  ሱባኤ ዓሰርተ ሽዱስተ ነሓሰ ጎይታ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም መንበር፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን ፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቑራቡ ንናይ ኣዴና ዕርገት ንምርኣይ ኣብቅዒዎም ኢዩ።

ካብቲ ግዜ`ቲ ጀሚሩ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ስርዓት ሰሪዓ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌይራ ነዚ ዓቢ ናይ በረኸትን ምስጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም። ብጽኑዕ  ንዝደልይዎ ዝወሃብን ንዝግብኦም’ውን ኣኺሉ ተሪፉ ዝወሃብ ጸጋን በረኸትን እግዚኣብሔር ንምርካብን፡ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቕ ምስጢር ትንሳኤን ዕርገትን ኣዴና ንምርኣይን፡ ካብ ሓዋርያት በረኸት ንምስታፍን፡ ጎይታና “ደቂቅየ” ደቀይ ይብሎም ብዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ህጻናትን መንእሰያትን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ከምኡ’ውን ኣረጋውያንን፡ ናይ ጾም ፍልሰታ ምምጻእ ብናፍቖት እና ተጸበዩ በብዓመቱ  ብጾምን ብጸሎትን የሕልፍዎ። ኣብዚ እዋን እዚ መዘከርታ ትንሳኤን ዕርገትን ኣዴና /ጾም ፍልሰታ/ ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈልዮም፡ ብሱባኤ ተወሲኖም፡ ዓራትን መንጸፍን ገዲፎም ኣብ መሬት ደቂሶም፡ ጥረምረን ማይን  እና ጠዓሙ፡ ብጾምን ብጸሎትን ብምትጋህ  ብዓቢ ተጋድሎ ክጸምዎ ይቕንዩ።

2,  ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፤ አንተ ወታቦተ መቅደስከ (መዝ ፻፴፩፡፰/ መዝ 132፡8) ዝተባህለ ንመን እዩ፧

   www-St-Takla-org__Ethiopia-2008__St-Mariam-Koskam-Church-086እዚ ቃል እዚ ቅዱስ ዳዊት ዳኅራይ ንዝፍጸም ነገር ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዝገለጸሉ፡ ዝተዛረቦ ትንቢት ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ስፍሕ ዝበለ ምሥጢር ሓቚፉ ይርከብ። ሓደ ካብኡ ኸኣ ከመ ትንስኤ ወልዳ (ከም ትንሣኤ ወዳ) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንዕኡ ኣብነት ገይራ ከም ዝትንስእ ዘመልክት እዩ። ንባባዊ ትርጒሙ ከኣ “ኦ ጐይታ ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኻ ተንስእ፤ ንስኻን ታቦት መቕደስካን” ዝብል እዩ። ብመስርዕ ግዜ’ውን እንተረኣናዮ ቅዱስ ዳዊት ኣቐዲሙ ጐይታ ከምዝትንስእ፤ ንዕኡ ኣብነት ዝገበረት ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ድማ ብድኅሪኡ (ድኅሪ ዓመታት) ከም ዝትንስእ ክገልጽ ከሎ እዩ ‘ንስኻን – ታቦት መቕደስካን’ እዩ ዝበለ።

ጐይታተንሥእ

‘ኦ ጐይታ’ ዝብል ቃል ነቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደን ኣብ የማን ኣቦ ንዝተቐመጠን ክርስቶስ ኣምላኽና ዘመልክት እዩ። (ማቴ ፳፪፥፵፩-፵፮ መዝ ፻፱፥፩/ማቴ 22፥41-46 መዝ 110፥1)። ከምኡውን ነቢይ ዳዊት ‘ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኻ ተንስእ’ ማለቱ ምእመናን ናብ እተዕርፈሉን እተእትወሉን መንግስተ ሰማያት ነዓ፡ ተንስእ ማለቱ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣምላኽና ናይ ምእመናን መከራን ስደትን ናቱ መከራን ስደትን ገይሩ ስለዝቖጽሮ፡ ምእመናን ገድሎም ፈጺሞም ኣብ መንግስተ ሰማያት ምርካቦምን ምእታዎምን ከኣ ናቱ ዕረፍቲ ስለዝኾነ’ዩ ነቢይ ዳዊት ናይ ምእመናን ዕረፍቲ ከም ናይ ክርስቶስ ዕረፍቲ ገይሩ ዝገለጾ። (ሓዋ ፱፥፬-፭/ሓዋ 9፥4-5) እዚ ኸኣ ንምእመናን ወሃቢ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲን ዋና መንግስተ ሰማያትን ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ፍጹም ዕረፍቲ ስለዘሎ መካነ ዕረፍቲ ዝተባህለ መንግስተ ሰማያት ምዃኑ ኣብ ዝገለጸሉ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣበሃህላ ብዝያዳ ከነጽሮ ከሎ ከምዚ ይብለና “ንሕና እንኣምን’ሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና”። (ዕብ ፬፥፫/ዕብ 4፥3) ጐይታና’ውን ንንስሓ ኣብ ዝጽውዓሉ ከምዚ ኢሉና ኣሎ። “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ” (ማቴ ፲፩፥፳፰/ማቴ 11፥28)። ስለዚ ተንስእ ዝተባህለ ፈጣሬ ዓለማት ክርስቶስ ምዃኑ ርዱእ ካብ ኮነ “ታቦት መቕደስካ ትትንስእ ዝተባህለላ ደኣ መን እያ፧ እንታይ ማለት ኸኣ እዩ፧ ዝብል ሕቶ ምልዓል ዝግባእ እዩ።

ታቦትመቕደስካ

ታቦት ማለት ናይ ጽላተ ሕጉ ማኅደር፡ መኅደሪት እግዚአብሔርን ናይ ክብሩን ጐይትነቱን መግለጽን መፍለጥን እያ። መቅደስ ከኣ እግዚአብሔር ዝምስገነላ መንበሪ ታቦቱ እያ። (ዕብ ፱፥፫-፬/ዕብ 9፥3-4) ኣብ ምድሪ ዘላ ቤት መቅደስን ታቦቱን፡ ምሳሌን ስርዓትን ናይታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤት መቅደስን ታቦትን እያ። “ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማኅደርን ምስሊ ኵሉ ኣቝሑቱን ከምኡ ግበርዎ” (ዘፀ ፳፭፥፲፱/ዘፀ 25፥19) ከምኡ ኸኣ ኣብ ራእየ ዮሓንስ “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቅደስ ከኣ ተኸፍተት፤ ኣብታ መቅደስ’ውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ” ይብል (ራእ ፲፩፥፲፱/ራእ 11፥19)።

በዚ መሰረት ታቦት መቅደስካ ተባሂሉ ዝተነግረላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ንሱ መለኮት፡ ንሳ ኸኣ ማኅደረ መለኮት እያ። 9 ወርሕን 5 መዓልትን ንማኅፀና ዙፋኑ ከተማ ገይሩ ዝተቐመጠላን ደኃር’ውን ብኢዳ ዝተሓቝፈን ካብ ኣጥባዋ ዝሰተየን ኣብ ዝባና ዝተሓዝለን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቃልን ስጋን ዝተወሓሓደ ንሱ ሓደ እዩ። ብሓድነት ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ ዝተገልጸ (ስግው ቃል) ናይ ክርስቶስ ሰብነት ብቤት መቅደስ ተመሲሉ እዩ። ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብታቦት ተመሲላ እያ። “ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቅደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ” (ዮሐ ፪፥፲፱-፳፩/ዮሐ 2፥19-21) ብምባል ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ዝጸሓፎን ዝተርጐሞን ከኣ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ነዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ኣፍርስዎ ኣነ ከኣ ብሳልሳይ መዓልቲ ከልዕሎ እየ ኢሉ’ ንኣይሁድ ምስ ተዛረቦም፤ ኣይሁድ ግና “እዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ብ፵፮/46 ዓመት እዩ ዝተሓንጸ፤ ንስኻ’ዶ ብሰለስተ መዓልቲ ከተልዕሎ ኢኻ” ምስ በሉ ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ስጋኡ እዩ ዝተዛረበ ክብል ዘብርሆ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቤተ መቅደስ ዝተባህለ ሰብነተይ ክትቐትሉኒ ኢኹም፤ ብሞት’ውን ነፍሰይ ኣብ ስጋይ ከም እትፍለ ክተገብሩ ኢኹም። ኣብ ሳልስቲ ግና ነፍሰይ ምስ ስጋይ ኣወሃሂደ ብስልጣነይ ክትንስእ እየ ማለቱ እዩ።

ናይ መቅደስካ ታቦት ትተንስእ ማለቱ እምበኣር መኅደሪትካ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓኻ በዅሪ ትንሳኤ ገይራ ትተንስእ ማለቱ’ዩ። ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ካልኦት ጻድቃን ትንሳኤ ኣይትጽበን እያ። ከም ወዳ ተንሲኣ ዓሪጋ እያ። ሎሚ ኣብ የማን ወዳ ትርከብ ኣላ። “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ” ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት ማለት እዩ (መዝ ፵፬/መዝ 45፡9) ።

     ብኣጠቓላሊ ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኩነታት እቲ ህዝቢ ከኣ ንእሽቶ ዓቢይ ከይበለ ዘርእዮ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ንኣዴና ዘለዎም ጽኑዕን ዓሚቑን ፍቕሪ ዘረጋግጽ ኢዩ።

 በረኸትን ጸጋን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!!

 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

  ወለመስቀሉ ክቡር

     ኣሜን!!!

Leave a reply