Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ተኣምረ ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቕ (4ይ ክፋል)

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣህዱ ኣምላክ ኣሜን!

ብናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ዘይኣመኑ ንደብረ ምጥማቕ ከፍርስዋ ከም ዝተማኸሩ

desinaብዘመን ኣልሸሪፍ ዝተባህለ ከሓዲ ንጉስ ምስሪ እስክንድርያ ኣብ ዝተባህለት ሃገር ኣባ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝተሸመሉ ዘመን ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ስደት ኮነ።ኣብቲ ግዜቲ ከኣ ኣብ ሰንደፋ ዘለዉ ብክርስትና ዘይኣመኑ ሰባት ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ኣልማህላ ኣብ ደብረ ምጥማቕ ከለዉ ብምኽሪ ሰይጣን ኣቦኦም “እዛ ማዓልቲ እዚኣ ንጽበያ ማዓልቲ ኢያ” ኢሎም ክፉእ ምኽሪ ተማኸሩ። ንጉስና ኣፍርስዋ ኢሉ ምእንቲ ክእዝዝ ናይዛ ንህዝብና ተስሕት ዘላ ቤተክርስቲያን ክንነግሮ ናብ ንጉስ ኣልኣሽሪፍ ንኺድ ተበሃሃሉ። “ሽዑ ካብኣ ዕረፍቲ ክንረክብ ኢና፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባ ሚካኤል ኤጲስቆጶስ ዝተሸመላ መንበረ ሽመቱ ስለ ዝኾነት ከይነፍርሳ ከልኪሉና ኔሩ ኢዩ” ኢሎም ናብ ንጉስ ኣልኣሽረፍ ከዱ። “ኦ! ጎይታና ብዘመንካ ሃይማኖት ቀኒዓ ኣላ ህዝብና ብእምነትና ጸኒዖም ይኸዱ ኣለዉ። ብእምነትካ ቀናኢ ምዃንካ ፈሊጥና ክንነግረካ መጺእና ኣሎና። ኣብ ሃገረ ሰንደፍ ደብረ ምጥማቕ እትባሃል ብሽም ማርያም ዝተሰርሐት ሓንቲ ቤተክርስቲያን ኣላ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት በብዓመቱ ሓሙሽተ መዓልቲ ምስ ማሕበር መላእክት ማርያም እትበሃል ትግለጸሎም ኣላ። በዚ ነግር እዚ ህዝብና ኩሎም ስሒቶም። ካብ ህዝብና ድማ ብክርስትና ሃይማኖት ይኣምኑ ኣለዉ። ሚካኤል ዝባሃል ኤጲስቆጶስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብትምህርቱ ብምትላል ብዙሕ ህዝቢ ኣስሒቱ ኢዩ። ማርያም ዝብልዋ ብግልጺ ምስ ተራእየት ድማ ናብ ሃይማኖቱ ኣእትዩ ክርስቲያን ገይርዎም። ናብ እምነቱን ናብ ሕጉን ኣእትይዎም ብድሕሪኡ ዝኾነ ግን ኣይንፈልጥን” በልዎ። ንጉስ ድማ ነዚ ምስ ሰመዐ “እዚ ንህዝብና ዘስሕት ኤጲስቆጶስ ኣሎዶ፧” ኢሉ ሓተቶም።ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ኢትዮጵያ ተላኢኹ ስለ ዝኸደ ሕጂ የለን ኢሎም መለስሉ። እቲ ንጉስ ከኣ “ሎሚ እንተዝነብር ብህይወቱ ከሎ ኣብ ሓዊ መእተኽዎ ነይረ” በለ። ደጊሙ ከኣ “ማርያም ዝብልዋኸ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ብሓቂ ድያ ትግለጽ፧” ኢሉ ሓተቶም። እወ ትግለጽ ኢያ እትግለጽ ድማ ምስ ክንፊ ዘለዎም መላእኽቲ እምበር በይና ኣይኮነትን። ካልኣይ’ውን ኣብ ኣፍራስ ዝተወጥሑ፡ ክርስቲያን ሰማእታት ዝብልዎም ሰባት፡ ይመጹ እሞ ካብ ኣፍራሶም ወሪዶም ንማርያም ዝብልዋ ኣብ ትሕቲ እግራ ይሰግዱ። ብርሃናውያን መላእኽቲ እውን ንሕና እና ረኣናዮም ናብኣ ይሰግዱ። እቶም ክርስቲያን ከኣ እንተለመንዋ ቅድሚ ብዙሕ እዋን ዝሞቱ ኣዝማዶም ከይተረፈ ተርእዮም ኢያ። ክርስቲያን ድማ በቲ ናይ ቀደም መልክዖም ክፈልጥዎም ይልምንዋ። ሚካኤል ዝባሃል ኤጲስቆጶስ ኣብ ዝነበረሉ ድማ መንዲል ደርብያትሉ ኢያ። እሱ ከኣ ነቶም ህዝቡ ንኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ስጋን ድንግል ዝኾነት ንክብርት እግዝእትነ ማርያም ዝደርበኹምላ መንዲል ኣሎ ድዩ በሎም፡ ንሳቶም ድማ የሎን በልዎ። እሱ ግን ብመስቀል ክሳብ ዘምሕሎም ኣይኣመኖምን። ብድሕሪኡ ንሕና እንዳ ረአና ኤጲስቆጶስ ኣባ ሚካኤል፡ ነታ መንዲል ንበረኸት ክትኮኖም ንኹሎም ኣካፈሎም።ህዝብና ድማ በዚ ነገር እዚ ይስሕቱ ኣለዉ ምስ ክርስቲያን እውን ይሓብሩ ኣለዉ።ሕጂ ከኣ ኦ! ንጉስ ካብቲ ትገብሮ ዘላ ተኣምር ምእንቲ ከነዕርፍ ነዛ ቤተክርስቲያን ንኸፍርስዋ ኣዝዝ” በልዎ። “እዛ ቤተክርስቲያን እዚኣ እንተዘይ ፈሪሳ ግን ኣብ መንግስትኻ ብሕጊ እስልምና ጸኒዑ ዝነብር የሎን” በልዎ። ንጉስ ምስሪ ኣልኣሽረፍ ድማ ነዚ ነገር እዚ ሰሚዑ ተደነቐ። ንኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ብስጋን ድንግል ዝኾነት ናይ ቅድስት እግዝእትነ ማርያም ተኣምር ምእንቲ ክግለጽ ንጉስ ግብጺ ፎርኦን ልቡ ከም ዘትረረ ንሱ’ውን ልቡ ኣትረረ። ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኸፍርስዋ እውን ኣዘዘ። ነቶም ሰዓብቲ ሰይጣን ዝኾኑ ሰባት ንኸፍርስዋ ለኣኸ።እቶም ህዝበ ክርስቲያን እውን ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ዮሓንስ ብዙሕ ሓዘኑ። ክፉእ ምኽሮም እንተሓደጉ  ብምባል ውን ነቶም ከፍርሱ ዝመጹ ብዙሕ ገንዘብ ንኽህብዎም ኣተስፈውዎም። ንሳቶም ግን ሰይጣናዊ ቅንኣት ኣብ ልቦም ስለ ዝመለአ ኣበዩ ቀልጢፎም ድማ ኣፍረስዋ። ንጽዮን ምስ ኣፍረስዋ ክርስቲያን ድማ እዛ ናይ ድሕነትና ሃገር ጽዮን ከመይ ኢላ ፈሪሳ ኢሎም ኣልቀሱላ።”እግዚኣብሔር ንጽዮን ከመይ ኢሉ ኣጥፈኣ” ኢሉ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተነበዮ ናባኺ በጺሑ፧ ነቢይ ሚልኪያስ’ውን “በኣኹም ምኽንያት ንጽዮን ከም ግራት ንቤቱ ድማ ከም ዱር ክሓርስዋ ኢዮም” ዝበሎ ተፈጸመ። እቶም ህዝቢ ድማ ብምፍራሳ ኣዝዮም በኸዩ። “ናይ ድንግል ማርያም ቤት፡ መሕደሪ እግዚኣብሔር ብሓቂ ብብዝሒ ሓጢኣትና ፈሪስኪ” እናበሉ ኣልቀሱ። በታ ንቤተክርስቲያን ዘፍረሱላ ዕለት ብነብስን ብስጋን ድንግል ዝኮነት ክብርት እግዝእትነ ማርያም ነቲ ካሓዲ ንጉስን  ነቶም ንቤተክርስቲያን ከፍርስዋ ዝተማኸሩ መኳንንትን ንኹሎም ብሓንቲ ሰዓት “ብሓይልና ብጽንዓት ቅልጽምና ናይ ማርያም ቤተክርስቲያን ኣፍሪስናያ ኣይትበሉ” ኢላ ብሕልሚ ተራእየቶም። “ብሓጢኣት ህዝበይ ኢየ ኣብ ኢድኩም ዘውደቕክዋ” ድማ በለቶም። እግዚኣብሔር ንቅድስት ሃገረ ኢዮሩሳሌም “ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነጾር ኣሕሊፈ ሂበያ” ከም ዝበለ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ከባቢኹም ንዘለዉ ኣህዛብ መዛረቢ ክሳብ ትኾኑ በዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ልዕሌኹም ሓይለይ ከም ዝገልጽ ፍለጡ በለቶም። ንጽባሒቱ ናይ ቤተመንግስቲ ዓበይትን መኳንንትን ኩሎም ተኣኪቦም ብሓደ ቃል እቲ ዝረኣይዎ ራእይ ተዛረቡ። እቲ ንጉስ’ውን “ኣነ’ውን ከምኡ ሕልሚ ሪኤ” በሎም። በቲ ዝረኣይዎ ራእይ ድማ ተደነቑ። ሽዑ እቲ ከሓዲ ንጉስ ምስ መኳንንቱ ዓበደ ከም ኣኽላባት ድማ ነንሕድሕዶም ክናኸሱ ጀመሩ። መሊሱ እቲ ንጉስ ነታ ሃገር ምእንቲ ከንድድዋ ወተሃደራት ለኣኸ።ድሕሪ’ዚ ምስኩሎም መኳንንቱ መስሓቕን መላገጽን ኮይኑ ብኽፉእ ኣማውታ ሞተ።

ብድህሪ’ዚ እቶም ህዝበ ክርስቲያን ምስ ሊቀጳጳሳት ኣባ ዮሓንስ ተኣኪቦም ናብ ንጉስ ዘርኣያዕቆብ ከምዚ ኢሎም መልእኽቲ ለኣኹ።

ደብረ1“ኦ! ጎይታናን ንጉስናን! ናይ እግዚኣብሔር ቤት መቕደስ ኣደ ገዳማት ፈልፋሊት ጸባን ማዓርን፡ ናይ ክርስቲያን ናይ ክብሪ ሽልማቶም ዝኾነት ቦታ ደብረ ብጥማቕ ብሓጢኣትና ከም ዝፈረሰት ፍለጥ። ሎሚ መውፈሪ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኮይና ኣላ።ስለዚ ዝተፈተኹም ምእመናን ህዝበ እግዚኣብሔር ክብርና ስለ ዝጠፈአ ኣልቅሱልና። በኣጥባታ ንዘዕበየትና፡ ብጨና ማኣዛኣ ንዘምኣዘትና ምእንቲ ኣዴና ጽዮን ኢልኩም ኣልቅሱልና። ሕጂ ግና ዘኽታማት ክንከውን ገዲፋትና። መፍቀረ እግዚኣብሔር ንጉስና ዘርኣያዕቆብ ድማ ነዚ ምስ ሰመዐ ፈጺሙ ሓዘነ። ንወዲ ኣባ ሚካኤል ጊዮርጊስ ድማ ኣእትዩ “ኣቦና እንቋዕ ኣይሃለወ ጥፍኣት ናይ ደብረ ምጥማቕ እንቋዕ ኣይረኣየ፡ ኣይሰመዐ” በሎ። መጽሓፍ ከምዝብሎ ከኣ ደሓር ግን ብዘመኑ ሓቅን ሰላም ኮነ። ብድሕሪ’ዚ ካብ ኣቦና ሊቀጳጳሳት ኣባ ዮሓንስ ዝመጸ መልእኽቲ ኣንብብ በሎ። ጊዮርግስ ድማ መጽሓፍ ተቐቢሉ ኣንበበ። ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ብሓጎስን ፍቕርን በጥባታ ዝዓበየላ ጥፍኣት ደብረ ምጥማቕ ዝነግር ምስ ረኸበ መሪር ብኽያት በኸየ። ብድሕሪ’ዚ ሃይማኖቱ ዝቐነዐ ሓለቓ ነገስታት ንጉስና ዘርኣያዕቆብ፡ ነቢይ እዝራ “ናዘዝዋ ንጽዮን” ከም ዝበለ ከጸናንዖ ጀመረ። ከም’ኡ ድማ “ኩሉ ሓዘንካን ብኽያትካን ገዲፍካ ብዝረኸበካ መከራ ትዕግስተኛ ኩን እግዚኣብሔር ትምኒተይ እንተፈጺሙለይ ደብረ ምጥማቕ ክትረኽባ ኢኻ” ኢሉ ኣጸናንዖ። ንጉስና ዘርኣ ያዕቆብ ንሕና ሕጂ “በኣምሳል ደብረምጥማቕ ቤተክርስቲያን ክንሃንጽ”ኢና በለ። ብድሕሪ’ዚ ብቅኑዕ ተበግሶ ቤተክርስቲያን ሰርሐ።ደብረምጥማቕ ኢሉ ድማ ሰመያ። ካብታ ቀዳመይቲ ናይታ ዳሕረወይቲ ቤት ሽልማታ ይበልጽ ዝበሎ ቃል ነቢይ ተፈጸመ።

ሽዑ ንጉስና  “ኢዮሩሳሌም ምስ ከምኣ ዝበላ ኣህጉር ዝተሓንጸት ሃገር እያ ዝበሎ ቃል ነቢይ ዳዊት በጽሐ” በለ። ደጊሙ ከኣ “ካብ ሕጂ ብጥፍኣታ እሰይ! እሰይ! ዝበለ ኣረሜን ክሓፍር ኢዩ” በለ።

ንኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ብስጋን ድንግል ዝኾነት ንክብርት እግዝእትነ ማርያም ካብ ኩለን ኣንስቲ ፈልዩ ዝመረጻ ማህደር ወልድ ፈልፋሊት ህይወት ዝገበራ፡ ንናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምስጋና ይግባእ። ብዘይ ሓጢኣት ስጋኣ ለቢሱ ንዝተዋህደ ወዱ ምስጋና ይግባእ። ንመላእኽቲ ዘይተዋህቦም ብድንግልና ነብስን ስጋን ዘጽናዓ መንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግባእ።

         ጸሎታን በረኸታን ምሳና ይኹን ኣሜን።

             ስብሃት ለእግዚኣብሔር!

             ለወላዲቱ ድንግል

             ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!

                                      ምንጪ፦ ተኣምረ ማርያም

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.