Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ትርጉም ኣስማት 12 ሃዋርያት ነገዶምን(Meanings of the Names of the 12 Apostles (Including their Tribe of Israel)

                             በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

            ትርጉም ኣስማት 12 ሃዋርያትን  ነገዳቶምን  (Meanings of the Names of the 12 Apostles (Including their  Tribe of Israel)

  12individualapostlesbest ክቡራት  ህዝበ ክርስቲያን ሎሚ ውን ከም ወትሩ ካብ ተኸታተልቲና  ብብዝሒ  “ኣስማት ሓዋርያት ጽሓፉልና”  ዝብል ምሕጽንታታት ስለዝመጸና ብመሰረት ምሕጽንትኦም ትርጉም apostlesaኣስማት ሓዋርያትን ነገዳቶምን  ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና ፥ ሰናይ ምክትታል ይግበረልና፥

  1. ጴጥሮስ ——መሰረት ማለት እዩ። መሰረትነቱ ናይ ሃይማኖት ፡ናይ ውልድነት እዩ።

ማቴ16፡18  (ካብ ነገደ ስምዖን)

  1. ያዕቆብ-—–ኣዕቃጼ ሰኮና ኣሓዜ ሰኮና ማለት እዩ። ቀዳማይ ያዕቆብ ሸኾና ኤሳው ሒዙ ከም ዝተወልደ  እዚ ድማ ወንጌል እና መሃረ  ብእኡ ስለ ዝሞተ እዩ። ቀዳማይ ኣዕቃጼ ሰኮና ኤሳው ከም ዝኾነ እዚ ድማ ብትምህርቱ ንትምህርቲ መናፍቓን ዘሰናኽል እዩ።ዘፍ25፡26  (ካብ ነገደ ሌዊ)

  2. ዮሓንስ––ፍስሓ ወሓሴት ቅብዓ ትፍስሕት ማለት እዩ።ሉቃ13-14  (ካብ ነገደ  ይሁዳ)

  3. እንድርያስ —-ንመስቀል ዘይፈርሕ ትቡዕ በኹሪ ሓዋርያት ማለት እዩ።ንመስቀል ተባዕ በለ ክሳብ ሃገረ በላዕተ ሰብእ ከይዱ ወንጌል ምሂሩ እዩ።(ካብ ነገደ ሮቤል)

  4. ፊሊጶስ——መፍቀሬ ኣሓው ፡ፈታዊ ኣሕዋት ማለት እዩ።ፊልሳዳፎስ ይብል ብዓረብ ከምኡ እውን ኣሓዜ ኩናት ረያጼ ኣፍራስ ማለት እዩ።(ካብ ነገደ  ዛብሎን)           

  5. በርተሎሜዎስ—–ብዕብራይስጢ በር ውሉድ ፡ተሎሜዎስ ድማ ተኽሊ ፡ግብሪ ምስታይ ማለት እዩ።ወዲ ሓይሊ ኩን፡ወዲ የማን ኩን፡ከምኡ ድማ  ንዕለቱ ወይኒ ተኺሉ ንመስዋዕቲ ዘብጽሐ እዩ።(ካብ ነገደ ንፍታሌም)

     7. ቶማስ —–ጸሓይ ማለት እዩ።”እስመ ክልኤቱ  ስሙ ለጸሓይ ፡ኣሓዱ ኦርያሬስ ፡ወካልኡ ቶማስስ” ይብል ሄኖክ፡ (ካብ ነገደ  ኣሴር)

     8, ማቴዎስ–—ካብ ተቐበልቲ ቀረጽ ዝተሓርየ ማለት እዩ።ማቴ9፡9 (ካብ ነገደ  ይሳኮር)

     9. ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ –ቁ፣2  ተመልከት  (ካብ ነገደ ጋድ)

     10. ታዴዎስ–-ዘርእን ዓጺድን ማለት እዩ።ንኦሪት ከም ዘርኢ ንወንጌል ከም ቀውዒ ጌይሩ ምሂሩ እዩ።ከምኡ እውን ብሓደ መዓልቲ ስርናይ ዘሪኡ ኣፍርዩ ንመስዋዕቲ ኣብጺሑ እዩ። (ካብ ነገደ ዮሴፍ)

    11. ስምዖን–እግዚኣብሔር ሰሚዑኒ ማለት እዩ።(ካብ ነገደቢንያም)

    12. ማትያስ— ማትያን ማለት መተካእታ መለት እዩ።ማትያስ እንተ በለ ጸሓይ ማለት እዩ። (ካብ ነገደሌዊ)

 

             ምንጪ—-   ትርጉም ውዳሴ ማርያም፡ቅዳሴ ማርያም ገጽ 206-209

                             ህለቱ ኪዳናት ( ኣምሓርኛ ማጽሓፍ)

 

                                                          ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

                                                          ወለወላዲቱ ድንግል

                                                            ወለመስቀሉ ክቡር

                                                              ኣሜን።

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.