Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ትውፊት

በስመኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ትውፊት

     ትውፊት ማለት ኣወፈየ፡ ተወፈየ ካብ ዝብል ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ኣቐበለ ሃበ፡ ኣውረሰ፡ ኣመሓላለፈ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። እዚ ድማ ኩሉ እቲ ብሰንሰለታዊ ምርኽኻብ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኣቦው፡ ነቢያት፡ ሓዋርያት ብቃል ኮነ ብጽሑፍ ናባና ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ካባና ውን ንዝመጽእ ወለዶ ዝሰጋገር ብዘይካ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓደጉልና ጽሑፋት፡ ንሳቶም ድማ ብምርኣይ፡ ብምስማዕ፡ ብምግባር ወዘተ ዝኣመሰሉ ኮይኖም፡  ብዝኾነ መልክዕ ግና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጻረሩ ኣስተምህሮ ትውፊት ኣቦው ተባሂሎም ይጽውዑ። ጥንታውነት ትውፊት ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ ቅድሚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ኢዩ። ቅድስት ቤተክርስቲያን እቲ ናባና ብጽሑፍ ዝበጽሐ ጥንታዊ ሕጊ ግና ብኢድ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ መንጎ 1500-1400 ዘመን ዝነበረ ሕጊ እዩ። ትውፊት ኣበው ግና ካብዚ ንላዕሊ ጥንታውነት ዘለዎ እዩ።

   ደቂ ሰባት ብዘይ ጽሑፍ ሕጊ ንኣሽሓት ዘመናት ተቐሚጦም እዮም። መን’ዩ እቲ ንሓሳቦም ዝመርሕ ዝነበረ እንተበልና፡ ብሕገ ልቦና፡ በቲ ካልኣይ ድማ ትውፊት ኣበው እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ዝነበረ እዩ።

  ነቲ ቅድሚ ጽሑፍ ሕጊ ዝነበረ ገለ ኣብነታት ክንጠቅስ፥

1,ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ኣቤል ካብተን ስቡሓትን ቦኹራትን መጓሰኡ መስዋዕቲ ንእግዚኣብሔር ከም ዘቕረበ ተጠቒሱ ኣሎ (ዘፍ.4፡4)። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ነዚ ጥቕሲ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጾ “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃኤል ዝበልጽ መስዋዕቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ” (ዕብ.11፡4)። ኣብዚ “ኣቤል ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ዝነበረ ዘመን ዝተጻሕፈ ሕጊ ዘይነበረ ከሎ ንእግዚኣብሔር መስዋዕቲ ከቕርብ፡ ገጸ በረኸት ከምዝውሃብ ብኸመይ ፈሊጡ፧ እቲ እምነት’ከ ካበይ ረኸቦ፧” ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም። ቅዱስ ኣቤል ንእግዚኣብሔር መስዋዕቲ ከቕርብ፡ ገጸ በረኸት ከም ዝውሃብ ካብ ኣብኡ ካብ ኣዳም ብትውፊት ኣቢሉ ዝተቐበሎ እዩ። ኣቦና ኣዳም ከኣ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበሎ እዩ። እዚ ኩሉ ቅድሚ እቲ ሙሴ ብ1500-1400 ዘመን ብዛዕባ ሕጊ ዝጸሓፎ መጽሓፍ እዩ ነይሩ።

2, ኣቦታትና በዓል ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ ዘቕረብዎ መስዋዕቲ ውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኩሎም ብትውፊት ኣበው ኣቢሎም ዝተረከብዎ መስዋዕቲ ይፈልጡ ነበሩ።

3.መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ብዛዕባ ኣቦና ኖህ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኩለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ከኣ ዝሓርር መስዋዕቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ’ሞ እግዚኣብሔር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወ (ኣሸተተ) (ዘፍ.8:20-21)። ነዚ ኩሉ መስዋዕትታት ቅዱስ ኖህ ካብ ንጹሃት እንስሳታት መስዋዕቲ ምቕራብ ከምኡ ውን ንእግዚኣብሔር ከም ዝሕጉስ ካበይ ፈለጦ እንተበልና፡ ብመገዲ ውርሻ ኣበው ማለት ብኣዳምን ኣቤልን ኣቢሉ ፈለጦን ተቐበሎን።

        ኣቦና ኣብርሃም ውን ኣብ ድዋታት መምሬ መሰውዒ ምስ ሰርሐ(ዘፍ12:6-7) ምህናጽ ምሕራር መስዋዕቲ ብእኡ ቀጸለ።  ነዚ ኩሉ ዝእዝዝ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይነበረን። መልኬጼዴቅ’ውን ካብ ኣቦና ኣብርሃም ዕሽር ተቐቢሉ እዚ ውን ብዛዕባ ዕሽር ጽሑፍ ኣይነበረን። ካበይ ደኣ ፈለጦ እንተ ተባህለ ብትውፊት ዝተቐበሎ እዩ። መልኬጼዴቅ ነቦና ኣብርሃም ክባርኾ ዝተዋህቦ ክህነት ካበይ እዩ  ዝፈለጦ፧ (ዕብ.7፡6-9)። ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ክህነትን ተግባሩን ክብሩን ንኻልኦት ከመይ ጌርካ በረኸት ከም እትህበሉን ዝገልጽ ጽሑፍ ሕጊ ኣይነበረን። ልክዕ ከምኡ ከኣ ኣቦና ያዕቆብ ብዛዕባ ሓሳብ ዕሽር’ሲ ካበይ ምስ ፈለጦ እዩ፡ ንኣምላኽ ከምዚ  ዝስዕብ ዝበሎ “ካብ እትህበኒ ዘበለ ኩሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ” (ዘፍ28፡22። እምበኣር ቅዱስ ኣቦና ያዕቆብ ንስርዓት ዕሽር ብትውፊት ኣበው ከም ዝተቐበሎ ርግጽ እዩ። ካብ እቲ ንመልኬጼድቅ ዕሽር ዝሃቦ ኣቦሓጉኡ ኣብርሃም ተረከቦ። ካብ ዝተጻሕፈ ሕጊ ብፍጹም ኣይረኸቦን። ትውፊት ኣበው ቅድሚ ሕጊ ምጽሓፉ ንደቂ ሰባት መምርሒኦም ከም ዝነበረ ብሩህ እዩ። ቀጺሉ ውን ኣቦና ያዕቆብ ካብ ሓዉ ኤሳው ኣርሒቑ ይነብር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ካብ መሬት ዝተተኽለ ጫፉ ከኣ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሕ መሳልል መላእኽቲ ክወርዱን ክድይቡን ምስ ርኣየ፡ እግዚኣብሔር ተዛረበ ቃል ኪዳን ከኣ ኣተወሉ።  ቅዱስ ያዕቆብ ውን በለ “እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ” በለ። ነቲ ተተርኢስዎ ዝነበረ ወሲዱ ሓወልቲ ክኸውን ኣቖሞ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ክዓወሉ (ዘፍ.28፡10-22)።

     ኣቦና ቅዱስ ያዕቆብ ቤት ኣምላኽ ዝብል ቃል ካበይ ረኸቦ፧ ምቕባእ ቤት እግዚኣብሔር’ከ ብምኽዓው ዘይቲ ከም ዝፍጸም ካበይ ፈለጦ፧ ኣብዚ ኩሉ ዝኾነ፥ ኣብ ዝተጻሕፈ ሕጊ ብፍጹም ዝሰፈረ ኣይነበረን። ብዘይካ ካብ ትውፊት ኣበው ኣብ ክርስትና ውን ከይተረፈ ካብ ገለ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ገለ ሓበሬታታት ናይ ብሉይ ኪዳን ካብ ትውፊት ኣበው ዝተወስደ ጽሑፍ ኣሎ ናይዚ ኣብነት ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ንነቢይ ሙሴ ብኣስማት ዝተቓወምዎ ክልተ ጠንቆልቲ ከምዚ ኢሉ ጠቒስዎም “ከምቲ ኢያኔስን ኢያንብሬስን እተቓወምዎም እቶም ኣእምርኦም ዝጠፍኦም ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ”(2ጢሞ3፡8)

 እዘን ክልተ ኣስማት ኣዚኣተን ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ይኹን ኣብ ብሉይ የለዋን። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ነዚ ብትውፊት ኣበው ኣቢሉ እዩ ፈሊጥዎ። ከምኡ ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ገዛ ተካርዩ ክልተ ዓመት ዝኣክል መንግስቲ ኣምላኽ የበስር ነበረ። ብኹሉ ትብዓት ከኣ የስተምህር ነበረ (ግ.ሓ 28፡30-31)። ካብዚ ግና ናባና ዝበጽሐ የለን። ኣበይ ደኣ ኣሎ እንተተባህለ ግና ብትውፊት ኣቢሉ ኣባና በጽሐ።

           ሓዋርያ ዮሓንስ’ውን ብዛዕባ ትውፊት ከምዚ ዝስዕብ ይብል።     “ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ እንተኾነ ግና ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይከኣልኩን ግና’ኸ ሓጎስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ (2ዮሓ 1፡12፣  3ዮሓ1፡13-14)። እንታይ እዩ እቲ ዘይጽሓፍ ኣፍ ንኣፍ ዝዝረብ ዘረባ ከመይ ኢሉ ናባና ከም ዝበጽሐ ክንግንዘቦ ዘለና ከምቲ ኣብዞም ክልተ መልእኽትታት ዝረአናዮ  ኣቦታትና ሓዋርያት ጊዜ እንተድኣ ረኺቦም ካብ ብወረቐት ምጽሓፍ ብቃል ምስትምሃር እዮም ዝፈትዉ። ናይ ቃል ኣስተምህርኦም ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቃል ይመሓላለፍ ነበረ። ክሳዕ እዚ ዘመና እዚ’ውን በጽሐ። እቶም ንኹሉ ነገር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥቕሲ ክምስክሩ ግዲ ዝብሉ፡ እቲ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣፍ ንኣፍ ዝበሎ ረስዑ (2ዮሓ 1፡12)። እቲ ኣብ ቤተክርስቲያናት ብዘይ ጽሑፍ ዝሰርዕዎ ውን ረስዑ (1ቆሮ 11፡34)። እቲ ንተማሃራኦም ዝኣዘዝዎም ውን ረስዑ (2ጢሞ 2፡2)።

    ነቲ ኣብ መልእኽቶም ይኹን ኣብ ወንጌሎም ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ኣስተምህሮ ሓዋርያት ኣብ ቤተክርስቲያን ድማ ናብ ናይ ስነ ምግባር ሕይወት ዝተለወጠ ረስዑ። ከምኡ ውን ሓዋርያ ይሁዳ ብመገዲ ትውፊት ኣበው ዝተቐበሎ ነገራት ኣብ መልእኽቱ ዘመዝገቦ ኣሎ። ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ሰይጣን ዝገበሮ ክርክር ከምዚ ዝስዕብ ይብል “ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ምስ ዲያብሎስ እና ተኸራኸረ ምስ ተማጎቱ እግዚኣብሔር ይግናሕካ ደኣ በሎ እምበር ብጸርፊ ክዛረቦ ኣይደፈረን” (ሰላም ለልሳንከ በነቢበ ጽርፈት ኢተሃበለ በእንተ ስጋሁ ለሙሴ ኣመ ምስለ ሰይጣን ተባሀለ ቅዱስ ሚካኤል” ይብል (ይሁዳ 1፡9)። ካብዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣይተጻሕፈን። ይሁዳ ከምዚ ዝበለ ብትውፊት ካብ ኣበው ስለ ዝፈለጦ እዩ።

  ከምኡ ውን እቲ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ካብ እምባ ሲና ነቲ ትእዛዝ ከም ዝተቐበሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሙሴ እኳ እፈርህን አንበድብድን ኣለኹ ክሳብ ዝብል፡ እቲ ትርኢት ክሳዕ ክንድዚ ዘፍርህ ነበረ (ዕብ.12፡2)። እዛ ከም ቃል ሙሴ ሰፊራ ዘላ ጥቕሲ ኣብ ዘጸኣትን ዘዳግምን ኣይተጠቕሰትን። ከመይ ገይሩ ነዚ ፈለጦ፧ እንተተባህለ፡ ብትውፊት ኣበው ኣቢሉ ፈለጦ። ከምኡ ከኣ እቲ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ብዛዕባ ስሕተት በልዓም ዝተጻሕፈ ንወስኸሉ። እዚ እቲ ብዝርዝሩ ኣብ መጽሓፍ (ዘኁ 24፡25) ዘይተጠቕሰ ግን ኣብ ራእይ ዮሓንስ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ነቲ እቲ ኣብ መጽሓፍ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር  ንጣዖታት ዝተሓረዩ ክበልዑን ክምንዝሩን ንባላቕ ዝመሃሮ ምህሮ በልኣም ዝሓዙ ስለ ዘለዉኻ ግና ቅሩብ ረኺበልካ ኣለኹ (ራእ.2፡14)። ኣብ ዘሁልቅ ከኣ ከምኡ ከም ዝገበሩ ተጠቒሱ ኣሎ (ዘኁ 25)። እንተኾነ ግና እዚ ካብ በልዓም ከም ዝተማህርዎ ኣይጠቅስን እዩ። ዮሓንስ ግና ብትውፊት ኣበዉ ኣቢሉ ስለ ዝፈለጠ ጠቐሶ።

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትውፊት ኣብ መልእኽትታቱ ብዙሕ ግዜ ሰቢኹ ኣሎ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገለ ካብኡ ክንርኢ፥

              -“ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰልክዎ ንስኻትኩም ከኣ ንዓይ ምሰሉ…..ከምቲ ዝመሃርክኹም ጌርኩም ነቲ ትውፊት ስለ ዘጽናዕኩምዎ ኣመስግነኩ ኣለኹ። ብምባል ንትውፊት ብግቡእ ስለ ዘጽንዕዎ ኣመስገኖም (1ቆሮ.11፡2)።

       -ንሰብ ተሰሎንቄ ንትውፊት ንዘይተቐበሉ ሰባትውን “ካብቲ ካባና ዝተቐበልኩምዎ ትውፊት ምኻድ ገዲፉ ብትህኪት ዝነብር ሓው ኩሉ ክትርሕቁ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና” በሎም (2ተሰ 3፡6-7)

           -ብድጋሜ እውን ንሰብ ቆሮንቶስ “እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም ካብ ጎይታ ዝተቐበልክዎ እየ” ብምባል ካብ ጎይታ ቃል ተቐቢሉ ከም ዝመሃሮም የረድኣና።

        ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽናዮ፡ ትውፊት ማለት ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ፡ ዝሰጋገር፡ ዝቃባበል፡ ዝወራረስ፡ ብምርኣይ፡ ብምስማዕ፡ ከም ዝኾነ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲስስ “ነቲ ካባይ ዝተመሃርኩሞን ዝተቐበልኩሞን ዝሰማዕኩሞን ኣባይ’ውን ዝረኣኹሞን ነገር ኩሉ ግበርዎ፡ ኣምላኽ ሰላም ከኣ ምሳኻትኩም ክኸውን’ዩ” ከም ዝበሎ ኣምላኽ ሰላም ምሳና ክኸውን ነቲ ካብ ቅዱሳን ኣቦታት ዝተቐበልናዮ ትውፊት ሓሊና ናብ ደቅና ከነመሓላልፎ እግዚኣብሔር ይሓግዘና። ኣሜን!!!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

ምንጪ፥ መጽሔት ጽርሃጽዮን ቁጽሪ 9

(ብቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤ/ክ መድሃኔዓለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል እትሕተም መጽሔት)

Sorry, comments are closed for this post.