Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከኣ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን እቲ ዝለኣካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ (ዮሓ፲፯፡፫/17፡3)

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ

ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከኣ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን እቲ ዝለኣካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ።(ዮሓ፲፯፡፫/17፡3)

ህህህህናይዚ ቃል እዚ ተዛራቢ ባዕሉ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ፡ ጸሓፊኡ ከኣ ፍቁረ እግዚእ፡ ነባቤ መለኮት(ታኦሎጎስ)፡ ናይ መስቀሉ እሙን ሓዋርያ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ዘይከም እቶም ሰለስተ ወንጌላውያን (ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ) ብዛዕባ  ነገረ መለኮት ኣርቂቑን ኣዕሚቑን ዝጸሓፈ ዓቢ ሓዋርያ እዩ።

ቅዱስ ማቴዎስ “ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ዳዊት” ኢሉ ብዛዕባ ስጋዊ ልደት ናይ ክርስቶስ ጸሓፈ (ማቴ፩፡፩/1፡1):: ማርቆስ  ከኣ “ብኣኻ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ብዝብል ሓያል ቃል ብዛዕባ ጥምቀት  ናይ ክርስቶስ ዝገልጽ ጸሓፈ (ማር፩፡፲፩/1፡11)።

ሉቃስ’ውን “መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌኺ ክወርድ ኢዩ ሓይሊ ልዑል’ውን ከጽልለኪ ኢዩ” (ሉቃ፩፡፴፫/1፡33) ኢሉ ክርስቶስ ብሕቱም ድንግልና ከም ዝውለድ ጸሓፈ።

ሰለስቲኦም ወንጌላውያን ዝጸሓፍዎ ምስጢረ ስጋዌ ዝገልጽ ኢዩ። ዮሓንስ ግና፥ ቀዳሚሁ ቃል ውእቱ /ቃል ብቕድሙ ነበረ ” ብዝብል ነገረ መለኮት ተንቲኑ ክጽሕፍ ጀመረ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንወንጌላውያን  ከጽሕፎም ከሎ ብመዋቕር (ጉልላት) ጀሚሩ ብመሰረት ፈጸመ። ቤት ካብ መዋቕሩ ክሳዕ መሰረቱ፡ ካብ መሰረቱ ክሳዕ መዋቕሩ ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ከምኡ ድማ ሰለስቲኦም ወንጌላውያን ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ጥንሰቱን ልደቱን ጥምቀቱን ብመዋቕር ዝምሰል ክጽሕፉ ከለዉ ዮሓንስ ድማ ቅድምናኡ ዝገልጽ ብመሰረት ዝምሰል “ቀዳሚሁ ቃል ውእቱ፡ ቃል ብቕድሙ ነበረ” ኢሉ ጽሒፉ፡ ኣብዚ ቃል ክብል ከሎ ኣካላዊ ቃል ማለቱ ኢዩ። ኣኣትሪኮን፡ በርፎሪኮን፡ ኣተርጋዎን ዝበሃሉ ዝርዋን ቃላት መላእኽቲ፡ ቃላተ ሰብእ፡ ቃላተ እንስሳ ኣለዉ (ጎርጎርዮስ ዘቂሳርያ ሃይማኖት ኣበው ምዕራፍ፲፫፡፳፫/13፡23)። ካብዚኣቶም ክፈሊ ኣካላዊ ቃል ይብሎ፡ ህልውንኦምን ቅድምንኦምን ንምግላጽ ቃል በሎ፡ ከመይ ቃል ካብ ልብን እትስንፋስን ዘይፍለ ሓቢሩ ዝነብር ኢዩ። ከምኡ’ውን ህልውና ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከምኡ ኢዩ። “ህልዋን እሙንቱ በኣብ እንዘ ይሄልዉ በበኣካላቲሆሙ ነኣምን በኣብ ከመ ህሉው በወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወንኣምን በወልድ ከመ ህሉው በኣብ ወበመንፈስ ቅዱስ ፡ወንኣምን በመንፈስ ቅዱስ ከመ ህሉው በኣብ ወወልድ”  ከም ዝብል ኣግናጥዮስ ሃይማኖት ኣበው ፲፩፡፭/11፡5። ወልድ ዘይብሎ ስለምንታይ ቃል በሎ እንተበልና፡ ወልድ እንተዝብሎ ናይ ኣብን ወልድን ናይ ክልቲኦም ሓድነት ጥራሕ እዩ ዝገልጽ ቃል ግና ናይ ሰለሰቲኦም ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓድነት(ህልውና) ኢዩ ዝገልጽ ከመይ ቃል ምስ ልብን እስትንፋስን ሓድነት ዘለዎ ኢዩ” “ወልድሂ ቃሎሙ ለኣብ ወመንፈስ ቅዱስ” ከም ዝብል ኣቡለድስ ሃይማኖት ኣበው ፴፱፡፰/39፡8።

ስለዚ ቅድሚ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ኣርእስቲ  ምእታውና፡ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ  ብዛዕባ ህልውና ቃል(ወልደ እግዚኣብሔር) ካብ ዘለኣለም ምዃኑ (ዮሓ፩፡፩/1፡1)፡ ብህልውንኡ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ማዕረ፡ ብሓድነት ንዓለም ዝፈጠረን ዝገዝእን(ዮሓ ፩፡፩-፫/1፡1-3)፡ እቲ ካብ ዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ቃል (ቃል እግዚኣብሔር)፡ ንድሕነት ዓለም ፍጹም ሰብ ዝኾነ (ዮሓ ፩፡፲፬/1፡14) ዝገለጸን ዝጸሓፈን ቅዱስ ሓዋርያ  ምዃኑ ብኣእምሮ ክነተስብህል ይግባእ። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ናብቲ ኣርእስቲ ክንምለስ።

ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከኣ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን እቲ ዝለኣካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ (ዮሓ፲፯፡፫/17፡3)።

ሓደ ሓደ ሰባት ነዚ ጥቕሲ እዚ ብምሓዝ  “ኢየሱስ ክርስቶስ  እኮ ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ ናብ ኣምላኹ እዚ ጸሎት እዚ ኣቕረበ። ንሱ ማለት ክርስቶስ ካብኡ ዝበልጽ   ኣምላኽ ከም ዘሎ ፈሊጡ ናብ ኣምላኽ ጸሎት  ኣቕረበ፡ ኣብ(ኣቦ) በይኑ ናይ ዘለኣለም ሕይወትን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምዃኑ ካብ መስከረ ከመይ ኢልና ንክርስቶስ ኣምላኽ ኢዩ  ክንብል ንኽእል!  ሰባትከ ከመይ ኢሎም ኢዮም ንክርስቶስ ኣምላኽ`ዩ  ክብሉ ዝስምዑ ዘለዉ” ብምባል ንናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነት ክሒዶም ንሰባት ናብ ናይ ክሕደት ጎደና ክመርሑ ይረኣዩ። እዚ ግና ከምቲ ክርስቶስ ኣምላኽና “መጻሕፍቲ ኮነ ሓይሊ ኣምላኽ ብዘይምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም” (ማቴ፳፪፡፳፱/22፡29)  ዝበሎም ንሰዱቃውያን፡ ሎሚ`ውን ቃል ኣምላኽ ሰኣን ምምሃርን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘይምህላውን ዘስዓቦ ኣሰር ናይቲ መስራቲ ክሕደት ዝኾነ ሳጥናኤልን ኣብ ርጋጽ ኣሰሩ ዝቖሙ መናፍቓንን ዝጓዓዙ ዘለዉ ሰባት በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕያው ቃል ተዓንቂፎም ንሰባት እና ኣዐንቀፉ ይነብሩ ኣለዉ።

እንተኾነ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ቃል`ዚ ዝተዛረበ  “ኣነ ኣምላኽ ኣይኮንኩን” ንምባል ኣይኮነን። ልዕል ኢልና ገጸ ንባቡ ምስ እንምልከቶ፡ ንርእሱ ካብ ሓዋርያት ዝፈልየላ፡ ብፍቓዱ ስለ ድሕነት ዓለም ክብል ንነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ዝህበላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት ድሕሪ ምንጋሩ ከምዚ እና በለ ተዛረቦም “ኣብ ዓለም  ጸበባ ኣለኩም እንተኾነ ኣጆኹም ኣነ ንዓለም  ስዒረያ`የ”(ዮሓ፲፮፡፴፫/16፡33)። እዚ ዝበለ ብናይ ጣዖታት ካህናት፡ ከሓድያን ነገስታት፡ ዓላውያን መኳንንቲ መከራ ከም ዝረኽቦም፡ ስለ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽነት ኣብ ዝምህርሉን  ኣብ ዝምስክርሉን ግዜ  ፈተና ከጋጥሞም ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ። እንተኾነ ግን ሞትን ግርፋትን ተሰቂቖም፡ ብራብሻን ፈተናን ናይ ዓላውያንን ከሓድያን ነገስታትን  ውልቀ ሰባትን ዝተላዕለ  ፈሪሖም ካብ እግዚኣብሔር  ወጻኢ ካልእ ኣምላኽ ኣሎ ኢሎም ንኸየስተምህሩን ንኸይጠራጠሩን  ከምዚ ክብል ብጸሎት ገይሩ  “ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከኣ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን እቲ ዝለኣካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ”(ዮሓ፲፯፡፫/17፡3)በለ።  እዚ ዝበለ ጣዖታት ኣምላኽ ከምዘይብሃሉን ኣምላኽነት ናይ እግዚኣብሔር ስልጣን ጥራሕ ምዃኑን ክርስቶስ ባዕሉ  ናይ ኣምላኽነት ስልጣን ከም ዘለዎ ኣተሓሒዙ ንምዝራብ ኢዩ። ከመይ  “እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኩሉ ናተይ ኢዩ“ ዝብል ቃል ክንዝንግዖ ኣይግባእን (ዮሓ፲፮፡፲፭/16፡15)። ውርድ ኢሉ`ውን “ኩሉ ናተይ ናትካ`ዩ፡ እቲ ናትካ`ውን ናተይ ኢዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ(ዮሓ፲፯፡፲/17፡10)።

እንተኾነ  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ካብ ኮነ ስለምንታይ ድኣ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ነዚ ቃል`ዚ ምጽላይ ኣድለዮ ምስ ዝበሃል፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ንደቂ ሰባት ካብ ሓጢኣት ባርነት ናጻ ንምውጻእ መለኮትን ትስብእትን(ሰውነትን) ኣወሃሂዱ ብዘይ ሓጢኣት፡ ሰብ  ብሰብኣዊ ተፈጥርኡ ክሓልፎም ዝግብኦም ኩሉ ተኸቲሉ ሓለፈ።  ከም ሰብ  በብንእሽቶ ዓበ፡ ጠመየ፡ ጸምአ፡ ጸለየ፡ ጾመ፡ ከም ሰብ ሕማምን ሞትን ተቐበለ፡ “ነቶም ኣሕዋቱ ብኹሉ ክመስሎም ተግብኦ”  ከም ዝበለ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ። በዚ ኩሉ ግና መለኮት ኣይተፈለየን። እዚ ማለት መለኮት ሓመመ፡ ሞተ ንማለት ኣይኮነን።

እዚ ከኣ ስጉው ቃል -ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰውነቱ ሞተ፡ ሓመመ፡ መከራ ተቐበለ ንምባል ድኣ እምበር መለኮት ግን ንቋሕ ሰም ዓይኒ`ውን ትኹን ካብ ትስብእት(ሰውነት) ዝተፈለየሉ ግዜ የለን። ድሕሪ ተዋህዶ መለኮት ካብ ትስብእት፡ ትስብእት ከኣ ካብ መለኮት ኣይፍለን።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ፡ ኣብ ዝጽልየሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኩሉ ሰብ ዝጽልዮ ናብ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ፡ ንሱ`ውን ንናይ ባህርይ ኣቡኡ፡ እግዚኣብሔር ኣብ “ንስኻ በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ” ክብል ጸለየ። ናይዚ ጸሎት እዚ ቀንዲ ዕላማ ኣብ  ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ኣምልኾ ጣዖት ንምውጋዝ ክኸውን ከሎ፡ ከም ሰብ እንተዘይጽሊ ነይሩ፡ ክርስቶስ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ ኢዩ ዝብል ዓሚቕ ትምህርቲ ዝዘንግዑ ሰባት ምኽንያት ምረኸቡ ነይሮም። እንተኾነ ግን ሕጊ ጠባያዊ(ባህርያዊ) እና ፈጸመ በብንእሽተይ ምዕባዩ(ሉቃ ፪፡፶፪/2፡52)፥ ሕጊ መጽሓፋዊ(ሕጊ ኦሪት) ምፍጻሙ(ዘሌ፲፪፡፩-፰/12፡1-8 ሉቃ፪፡፳፬/2፡24,ዘጽ፴፬፡፳፫/34፡23፣ ሉቃ፪፡፵፪/2፡42) ከም ኣምላኽነቱ ሕሙማት እና ኣሕወየ፡ ተኣምራት እና ገበረ፡ ምዉታን እና ኣተንስአ፡ ኣብ መጨረሽታ ካኣ ብስልጣኑ ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ተሰቒሉ ሞይቱ፡ ብዕጹው መቓብር ብሓይሉ ምትንስኡ፡ ናብ ዕጹው ገዛ ምእታዉ፡ ንዝተፈላለዩ ቅዱሳን ብሓይሉ ብሰረገላ ገይሩ ናብ ሰማይ  ዘዕረገ፡ ንሱ ብዝማሬ ብምስጋና ናብ ሰማያት ምዕራጉ፡ ብሓፈሻ  ኣብተን ፴፫/33 ዓመትን  ሰለስተ ወርሕን  ዝፈጸሞ ኩሉ ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ከም ዝኾነ ንዓለም ጋህዲ  ገይሩላ ኢዩ። ኣብ እግሩ ኮፍ ኢሎም ዝተማህሩ፡ ንዝገበሮ ኩሉ ተኣምራት  ዝረኣዩ ቅዱሳን ሓዋርያትን፡ ብድሕርኦም ዝመጹ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ስሌኡ መስኪሮም ኢዮም። ስለዚ ንሱ ዝጸለየ፡ ዝጠመየ፡ ዝሞተ ሰብ ብምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ። ብተወሳኺ ክንርድኦ ዝግብኣና ካልእ ቁምነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ግዜ ንእግዚኣብሔር ኣብ፡ ሓደ ግዜ ንእግዚኣብሔር ወልድ፡ ሓደ ግዜ ከኣ ንእግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ናይ ኣምላኽነት ክብሪ ተጻሒፉ እንረኽበሉ ግዜ ኣሎ። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ ምስ እንብል ሰለስተ ኣካላት (ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ) ብመለኮታዊ ስልጣኖም ሓደ ስለ ዝኾኑ ኢዩ።

ንኣብነት 

  • ዮሓ፲፯፡፫/17፡3 እግዚኣብሔር ኣብ በይኑ ኣምላኽ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ

  • ይሁዳ፩፡፳፭/1፡25, ፩ዮሓ፭፡፳/5፡20 እግዚኣብሔር ወልድ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ

  • ማቴ፲፪፡፴፪/12፡32, ኢዮብ፳፮፡፲፫/26፡13 መንፈስ ቅዱስ በይኑ ኣምላኽ ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ።

እሞ ካብዚ እንታይ ኢና ንርዳእ እንተተባህለ ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኽነት ሓደ ምዃኖም የረድኣና። ስለዚ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጥቕስታት ምስ ዘጋጥሙና “ኣምላኽ ካብ ሰለስተ ኣካላት ሓደ ኢዩ፡ እቶም ዝተረፉ ካልኦት ፍጡራን ኢዮም” ኢልና ካብ ምሕሳብን ካብ ምስሓትን ንርእስና ንሓሉ።

“ኣምላክ  ውእቱ ኣብ፡ ኣምላክ ውእቱ ወልድ፡ ኣምላክ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ  ወኢትበሃሉ ሰለስተ ኣማልክት ኣላ ኣሐዱ እምንቱ””

ትርጉም- ኣብ ኣምላኽ ኢዩ፡ ወልድ ኣምላኽ ኢዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ እንተኾነ ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይበሃሉን(ኣትናቲዎስ ሃይማኖት ኣበው ምዕራፍ ፳፭፡፬/25፡4)።

“ሓደ ከለዉ ሰለስተ፡ ሰለስተ ከለዉ ሓደ ኢዮም። ስለስትነት ኣብ ሓድነት፡ ሓድነት ኣብ ሰለስትነት                                                                                                                                            ኣሎ፡ ብኣካል ሰለስተ ብመለኮት ሓደ ኢዮም” (ቅዱስ ባስልዮስ ሃይማኖት ኣበው ፴፬፡፪/43፡2, ፺፱፡፪/99፡2, ፺፯፡፫/97፡3)

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ክንምርሓሉ፡ ቅዱሳን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዝመሃርዎ ትምህርቲ ተኸቲልና ክንከይድ ይግባኣና። እዚ ከኣ ጽባሕ ኣብታ ቦታ ዕረፍቲ ዝኾነት ሰማያዊት ስፍራ ቦታ ምእንቲ ክንረክብ ኢዩ። ስለዚ ከምቲ ገሊኣቶም ንሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ዘይትርጉሙ  እና ሃቡ ኣብ ክሕደት ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ከይንነብር ልዑል ጥንቃቐ የድልየና።

ነባቤ መለኮት ዝተባህለ ልዕሊ ካልኦት ሓዋርያት ስለ ምስጢረ ሥላሴ፡ ስለ ትምህርተ መለኮት ኣርቂቑ ዝጸሓፈ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌልን ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱን ኣዚዩ ንጹር ዝኾነ ምላሽ ጽሒፉልና ይርከብ። ኣቐዲሙ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ፲፯፡፫/17፡3  እግዚኣብሔር ኣብ “ናይ ዘለኣለም ሕይወትን ኣምላኽ ሓቅን ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ክጽሕፍ  ከሎ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ወልድ ከኣ “,,,,,,,,,ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ሕይወትን ኢዩ” (፩ዮሓ፭፡፳/5፡20) ክብል ጽሒፉ ኣሎ።፡

እሞኸ ድኣ ኣብ ዮሓ፲፯፡፫/17፡3 ዝተጻሕፈ ቃል ኣንቢብና “እግዚኣብሔር ኣብ እምበር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን!” ክንብል ንኽእል ዲና፧ ወይስ ኣብ ፩ዮሓ፭፡፳/5፡20 ዘሎ ቃል ኣንቢብና “ኢየሱስ  ክርስቶስ  ጥራሕ እምበር  ኣብ  ኣምላኽ ኣይኮነን” ክበሃል ይከኣል ድዩ፧ ብፍጹም! ኣይበሃልን። እንተኾነ ብመንፈስ  ምስትውዓል የድልየና። ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ኣብ  ዮሓ፲፯፡፫/17፡3 ተጻሒፉ ዘሎ እግዚኣብሔር ኣቦ ናይ ዘለኣለም ሕይወትን  ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ኣብ  ፩ዮሓ፭፡፳/5፡20 ከኣ እግዚኣብሔር ወልድ —ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘለኣለም  ሕይወትን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምዃኑ ብግዙፍ  ፊደላት ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ከኣ ብኣምላኻዊ ስልጣኖም ኣብን ወልድን ሓደ እምበር ክልተ ከምዘይ ኮኑ ምስትውዓል የድልየና። “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” (ዮሓ፲፡፴/10፡30) ከም ዝበለ።

 ስለዚ ናይ ዘለኣለም ሕይወትን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሓደ በይኑ እግዚኣብሔር ኢዩ። “ኣነስ እግዚኣብሔር ክብል ከለኹ ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ማለተይ ኢየ” ከም ዝበለ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ሃይማኖት ኣበው ፺፮፡፮/96፡6  ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ብመለኮት፡ ብባህርይ፡ ብስልጣን፡ ብምፍጣር፡ ብህልውና ሓደ ምዃኖም ተረዲእና ብእኡ ንንበር።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

 ኣሜን!

 

Uncategorized

Leave a reply