Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹም እዮም !!! (ማቴ 24፡8)

        በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

        ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹም እዮም !!! (ማቴ 248)  

    ንመከራጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ስለ ነገረ ምጽኣቱን ምልክት ሕልቀት ዓለምን ብዝሓተትዎ  መሰረት “በቲ እዋን እቲ  ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ክቐትልኹምን እዮም፣፣ ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም” በሎም፣፣  ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብፍጹም ልቦና ዝኽተሎ ዘበለ ኩሉ መከራን ሽግርን ከም ዝበጽሖ ንቅዱሳን ሃዋርያት ኣቐዲሙ እውን “እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ  ይሰደኩም ኣለኹ፣፣ ደጊም ብልህታት ከም ተመን  ገርህታት ከኣ ከም ርግቢት ኩኑ። ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፣፣ ንሳቶም ናብ መጋባኣያታት ኣሕሊፎም ክህብኹም ኣብ ኣባይቲ ጸለቶም ክገርርፍኹም እዮም። ንኣኣቶምን ነህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንምትን  ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም”(ማቴ10፣16-18, ሉቃ21፣12)ብምባል ገሊጽሎም እዩ፣፣ እዚ ኸኣ ብኲናትን ብስሕለት ሴፍን ንስጋኹም ዝቐትሉ፣ ንነፍስኹም ድማ ብክሕደት፣ ብኑፋቄ ዝጎድኡ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ መሲሎም ዝዛረብሉን ዝመስሎምን ግዜ ክመጽእ እዩ  ንኽልብል ዝተዛረቦ ቃል  እዩ፣፣ ምኽንያቱ ብነፍስን ብስጋን ሰብ ዝቐትሉ ቀተልቲ ሰብ  ክመጹ እዮም ክበሃል ከሎ ፣ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ማለት ወንጌል ሒዞም፣ መንፈሳውያን መሲሎም ናይ ሃይማኖት  ሽፋን ተጠቒሞም  እዮም ዝመጹ ፣ንክሕደቶምን እቲ ምኽንያት ጥፍኣት ዝኾነ ኣካይድኦምን ከኣ  ከተግብርዎ ይረኣዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 7፣15 “ብውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፣ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዝመጽኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ” እና በለ ዝተዛረበ፣፣ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብስጋ ስለ ዘይተጎድአ ጽቡቕ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን  እንተኾነ ነፍሱ ግን ክትመውት ዝገብር ወይ ድማ ናብ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ንነፍሱ ዝመርሕ ዘሎ ሰብ እዩ፣፣

ኣብ  መጨረሽታ ዓለም ብርቱዕን  ጽኑዕን መከራ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ብሓቂ  ኣመንቲ ከም ዝመጽእ፣ እግዚኣብሔር ንዝረሓቐ ኣቕሪቡ፣ ንዝረቐቐ ኣጉሊሑ  ንነቢይ ዳኒኤል ኣብ ዝገለጸሉ፣ ኣብ ትንቢቱ ከምዚ ክብል ኣስፊርዎ  ኣሎ፣ “በቲ ግዜ እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ  ህዝብኻ እስራኤል(ስለ ምእመናን) ዝከላኸል(ብኣማላድነቱ፣ብተረዳእነቱ) ዓቢይ መስፍን ክትንስእ  እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ክኸውን እዩ፣ከምኡ  ዝበለ ጸበባ ድማ  ሰብ ካብ ዝተፈጥረሉ ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ኮቶ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ” (ት.ዳኒ12፣1)።

ሕጂ እምበኣር ዘለናሉ ግዜ ዋዜማ ናይ ምጽኣቱ ከም ዝኾነ ክንዕገስን ርእስና ክንገትእን እምበር ክነጉረምርም ኣይግባእን እዩ፣፣ እኳ ድኣ መከራ እንተኣጋጠመና ደስ ክብልናን ክንሕጎስን እዩ ዝግባእ፣ ባህ እውን ክብለና ኣለዎ (ያዕ1፣2, ግ.ሃዋ5፣40)። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ መከራናን ብርቱዕ ጸበባናን ንበይንና ከም ዘይኮና ክንፈልጥን ክነስተውዕልን ይግባኣና እዩ፣፣ ዝሓለፉ ቅዱሳን ነቢያት ይኹኑ ድሒሮም ዝመጹ ቅዱሳን ሃዋርያት ክሳዕ እዚ ዘሎናዮ ዘመን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ብዝወረደም  መከራ፣ሞትን ስደትን ክሕጎሱ እንበር ክጉህዩ ወይ’ውን  ብሰንኪ ዝረኸቦም መከራን ሽግርን ንቅዱስ እግዚኣብሔር ክኽሕዱ  ኣይንርእዮምን ኢና፣፣ ንሕና እውን ደቆም ስለ ዝኾና ንኣቦታትና ክንመስል እዩ ዘሎና (እብ13፡7,እብ11፣1-መፈ,ዳኒ3፣28፣6፣1-6፣2፣2,ግ,ሃዋ12፣6-12)።  ነዚ ከመልኪቱ  እዩ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ፣ “ኣቱም ኣሕዋተይ ብዛዕባ ሓሰራ  መከራ ምቕባልን ትዕግስትን፣ እቶም ብስም እግዚኣብሔር ዝተዛረቡ ነቢያት ኣርኣያ  ይኹኑኹም፣፣ እንሆ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ  ብጹኣን እዮም ንብሎም፣፣ ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ  መወዳእታ ዝገበረሉ ደበሳ እውን ርኢኹም ኣለኹም፣፣ ከመይ እግዚኣብሔር ለውሃትን ምሕረትን ዝመልአ እዩ”(ያዕ 5፣10-11) ክብል ዝጸሓፈ፣፣     ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብመዋእለ ስብከቱ፣ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም እንተኾነ ኣጃኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”ክብል ስለ ክረኽበና ዝኽእል መከራ ገሊጹልናን ምሂሩናን እዩ (ዮሃ16፣33)። ንኹሉ መከራታት  ጥዒሙ ክሳዕ ሞት እውን ተዓጊሱ እዩ ሓሊፉ፣፣ እዚ ከኣ ንሕና እቶም ብስሙ እንኣምን ንዝረኽበና ዝኾነ ይኹን መከራ፣ ሞት እውን እንተኾነ  ብትዕግስቲ ክንሰግሮ ከምዝግብኣና ብኣምላኽና ተማሂርና ኢና፣፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጎይታ ዝሓለፎ ህይወት ዝረኣዩን ብትምህርቱ ዝተነድቁን ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ እቲ ዝዓበየ ናይ ሞት መከራ ብህይወቶም ፈቲኖምን ጥዒሞምን ንቤተክርስቲያን ብርሃን ኮይኖማ  ሓሊፎም እዩም። ምኽንያቱ ናይ ህይወት ኣኽሊል-መንግሰተ ሰማያት  ዝርኸቡ እቶም  ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሱ  ሰባት ጥራሕ እዮም(ራእ2፣10)፣፣ ሞት እውን እንተኾነ ብጸጋ ምቕባል የድሊ እምበር  ምፍራሕ ኣይግባእን፣፣ ምኽንያቱ ኣምላኽና ኣብ ወንጌሉ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃንም ከእቱ ዝከኣሎ ድኣ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ  ንነፍሲ ግና ክቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም’’ ክብል ምሂሩና እዩ (ማቴ10፣28)። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዮም ቅዱሳን  ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ዘመንን ቦታን ዝነበሩ ንስጋዊ  ሞት  ከይፈርሑ ኣብ ቅድሚ  ዓላውያን ነግስታትን መናፍቓንን ብትብዓት ናይ ሃይሞኖት ነገር መስኪሮም ዝሓለፉ    (እብ11፣35,ግ.ሃዋ7፣59፣1፣22,1ነገ17፣17-23, ኤር20፣2፣37፣15, 2ዜና24፣20, ኤር26፣23,   1ሳሙ2፣21)

    ኣብዚ እዋን እዚ`ውን ብዙሓት ኣሕዋት ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን  ኣብ እምነቶምን ሃይማነቶምን ጸኒዖም ኣኣሰ ኣሰር ኣቦታትና ቅዱሳን  መከራን ስቃይን ሞትን ዝረኽቡ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ጥራይ  ብድዓሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ፡ ኣብ ሊብያ ልዕሊ 21 ግብጻውያንን ልዕሊ 28 ኢትዮጵያውያንን  ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡  ክርስቲያን ብምዃኖም  ጥራይ ብጃምላ ተሰይፎ  እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ክርስቲያን መከራን ሽግርን  ሞትን ህልቂትን ይረክብ ኣሎ። ዓለም ብምልእታ ትናወጽ ኣላ። እዚ ምልክት ህልቂት ዓለም እዩ። ስለዚ ናይ ክርስቶስ ቤተሰብ፡ ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኩም እዮም” ዝበሎ፡ ንመከራ እኳ ኣሕሊፎም እንተሃቡና ከምቶም ንቅዱሳን ኣቦታትና ተከቲሎም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዒቦም ክሳብ ሞት ዝበጽሑ ብዓይንና እንርእዮም ዘለና ኣሕዋት ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ነቲ ንነፍን ንስጋን ክቐትል ዝኽእል እምበር ነቶም ንስጋ ጥራይ ክቕትሉ ዝኽእሉ ደቂ ሰባት ከይ ፈራህና  ኣብ እምነትና ጸኒዕና ክንነብር ይግባእ። እግዚኣብሔር ኣብ እምነትና የጽንዓና፡

ነቶም  ክርስቲያን ብምኳኖም ጥራይ ዝስየፉ ዘለዉ ኣሕዋትና ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሰላና ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

 ኣሜን!!!

Leave a reply