Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ፧

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

        ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ፧

    እዚ ቃል እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ  ንደቀ መዛሙርቱ ኣኪቡ “ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ንሳቶም ከኣ “ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም ኤልያስ፡ ገሊኦም ከኣ ኤርሚያስ ገሊኦም ውን ሓደ ካብ ነቢያት እዩ ይብሉኻ” ኢሎም ምስ መለስሉ  ጎይታ ድማ ንዕኦም “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ” ክብል ሓተቶም። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ  ኣምላኽነቱ መስከረ (ማቴ 16፡13-20)

 ሎሚ ንሕና ንክርስቶስ መን ንብሎ፧

ንሕና ኦርቶዶክሳውያን  ኣብ መሰረት ሓዋርያትን ነቢያትን ዝተነደቕና ስለዝኾና፡ ቃል ሓዋርያ ቅዱስ  ጴርጥሮስ ብምድጋም ክርስቶስ ኣምላክ እዩ፡ ፈጣሪ እዩ፡  ወልደ እግዚኣብሔር ብተዋህዶ ከበረ ንብል።

   hyawayguasa እዚ መሰረቱ ካብ ሓዋርያት ዝመጸ ዘይልወጥ እናተወራረሰ ዝመጸ ቅኑዕን ግልጽን ዝኾነ ትምህርቲ መልስና ኢዩ። ብተዋህዶ ከበረ ክንብል ከለና ወልደ ኣግዚኣብሔር ስጋ ለቢሱ ዝተራእየሉ ምስጢር ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ድማ  ኣምላኽ ኮነ ማለት እዩ። “ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ፥ ንሱ ብቕድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ”  (ዮሓ 1፡1-2)። “እቲ ቓል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ከኣ ምሳና ነበረ”  ከም ዝብል (ዮሓ 1፡14)። እቲ ቃል እግዚኣብሔር ነበረ። እቲ ቃል ስጋ ኾነ። እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺ’ዚ ሓቀኛን ቅኑዕን መግለጺ ዝሓዘ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። “ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ሰብ ኮነ፧” ኢልና ምስ እንሓትት ብዘይ ምርመር ምስጢረ ተዋህዶ ምፍጻሙ ክንርዳእ ኣሎና። ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ብምግባር ክንርኢ ኢና። “ንሱ ነቲ ኣብ ምንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብስግኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ዝገበረ ሰላምና ኢዩ” (ኤፌ 2፡14)፥ እዚ ጥቅሲ’ዚ እቲ ብተዋህዶ ዝኸበረ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ (ተራእዩ) ነቲ ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ብአምላኽነቱ ከም ዘፍረሶ ዘረድእ እዩ። በዚ ኢና ድማ ስጋ ምስ መለኮት ተወሃሂዱ እንብሎ። ምክንያቱ እቲ ቃል ዝኾነ ኣምላኽ ስጋ ተወሃሂዱ ኢዩ። በዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ወዲ ሰብ እናበለ ክጠቅስ ንርኢ። ወልደ ኣግዚኣብሔር እናበለ’ውን ክጠቅስ ንርኢ ኢና። ስለዚ ወልደ እግዚኣብሔርን ወዲ ሰብን (ቃልን ስጋን) ብምውህሃድ ዝተገልጸ፡ ዝተራእየ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ካብዚ ምውህሃድ እዚ ድማ ተዋህዶ ዝብል ስም ንረክብ። ተዋህዶ ናይ እምነትናን ሃይማኖትናን ስም እዩ። ተዋህዶ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ተዋህዶ ማለት፥ ማለት ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ፡ ሰብ ድማ ኣምላኽ ዝኾነሉ  ምስጢር ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህሪ ሓደ ባህሪ ዝኾነሉ ምስጢር ኢዩ።

ክልተ ኣካል ዝበሃል ፥

  1. መለኮታዊ ኣካል (ረቂቕ፡ ዘይጭበጥ፡ ዘይድህሰስ፡ እሳታዊ፡ ምሉእ፡ ሰፊሕ) ኢዩ።

  2. ስጋዊ ኣካል ድማ (ግዙፍ፡ ውሱን፡ ጸቢብ፡ ዝድህሰስ፡ ዝጭበጥ) ኢዩ።

  3. መለኮታዊ ባህሪ ዝበሃል ድማ (ቀዳማይን ዳሕረዋይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ ዘይመውት፡ ዘይሓምም፡ ዘይጠሚ፡ ዘይጸምእ) ኢዩ።

  4. ስጋዊ ባህሪ (ጸማኢ፡ ጠማዪ፡ ሓማሚ፡ መዋቲ) ኢዩ። በዚ ድማ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ንደቂ ኣዳም ካብ ዝወደቕሉ መንጸፈ ደይን፡ ዝተገዝእሉ ናይ ሰይጣን ደይን ነጻ ክገብሮም ምስ መጸ ቃል ምስ ስጋ ተወሃሃደ። እዚ ማለት መለኮታዊ ኣካልን ስጋዊ ኣካልን ከምኡ’ውን ስጋዊ ባህርን መለኮታዊ ባህርን ተወሃሂዱ ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርን ዝኾነሉ ማለት ኢዩ። እቲ ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ብዘይ ምልዋጥ ብተዋህዶ፡ መለኮት ኣምላኽነቱ ከይሓደገ፡ ስጋ ንስጋነቱ ከይለቐቐ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ካብ ክልተ ኣካል ድማ ሓደ ኣካል ኮይኑ ተወሃሃደ። በዚ ድማ ምንታዌ (ክልተአውነት) ጠፍአ። በዚ ድማ ኢዩ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ዝበሃል። ስለዚ ተዋህዶ ዝብል ቃል ብቐሊሉ ምእንቲ ክርድአና ኣቦታትና ካብ ቀደም ጀሚሮም ዝጥቀመሉ ዝነበሩ ኣብነት ክንርኢ ኢና። ንተዋህዶ ብሓጺንን ሓውን ገይሩ ዝመሰሎ ኣቦና ቅዱስ ቄርሎስ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ብዝግባእ የረድአና። ሓጺን ናብ ሓዊ ኣትዩ ምስ ሓዊ ክወሃሃድ (ክረስን) ከሎ መጠኑ ቅርጹ ርግዱን ቁመቱን ከይለቐቐ ባህሪ ናይቲ ሓዊ ወሪሱ ኩልንትንኡ ፍጹም ሓዊ ከም ዝኸውን እቲ ሓዊ’ውን ናይ እሳትነቱ (ሓውነቱ) ባህርይ ከይገደፈ ብመጠን እቲ ሓውን ብቕርጺ እቲ ሓውን ከም ዝሕዝ ዳሕራይ’ውን ሓጓዳይ ብመዶሻ ከትብዕ ብመጋዝ ክቆርጽ ከሎ ኣብ ሞንጎ ሓውን ሓጺንን ምንም ፍልልይ ከም ዘይርአ ሕድረት ምልዋጥ ዘይብሉ፡ ተዋህዶ ማለት’ውን ከምኡ ኢዩ፡ ኢሉ ኣረዲእና። ስለዚ ነቲ ሓደ ክርስቶስ መቂልካ ስጋ ናይ ስጋ ስራሕ መለኮት ናይ መለኮት ስራሕ ይሰርሕ ምባል ግጉይ ትምህርቲ ኢዩ።

ወልድ ስጋ ብምልባሱ ካብ ባህርይ ኣቦኡ ኣብን ካብ ናይ ባህሪ ህይወቱ መንፈስ ቅዱስን ኣይንእስን እዩ። ንሰብ ከድሕን ክብል ሰብ ዝኾነ ወልድ እግዚኣብሔር ሰብ  እንተኾነ’ውን ካብ ኣምላኽነቱ ዝጎደሎ ነገር የለን። ተለዊጡ’ውን ካልእ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ሕልፈት ውላጤ የብሉን። “ኣነ እግዚኣብሔር ኣይልወጥን ኢየ” (ሚል 3፡6) ብምባል ብምልዋጥ ዘይኮነስ ብተዋህዶ ሰብ ከም ዝኾነ የረድእና። ስለ ዝኾነ’ውን ኢየሱስ ክርትቶስ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ወልደ ማርያም ክኸውን ከሎ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እምበር ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ስለ ዝተመላለሰ ካብ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣይተፈልየን፡ ተለዊጡ’ውን  ፍጡር ወይ ኣማላዲ ኣይኮነን። “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ክሳብ ዘለኣለም’ውን ንሱ ኢዩ” (እብ 13፡8  2ቆሮ 5፡16  ፍሊ 5፡16)። መጽሓፍ ቅዱስ ስጋ ብተዋህዶ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጸልና ኢዩ (ዳን 7፡13-14) “ለይቲ ብራእይ ክጥምት ከለኹ እንሆ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ። ናብቲ ካብ ዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በጽሐ። ናብ ቅድሚኡ’ውን ኣቕረብዎ። ኩላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ከገልግልዎስ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት ኢዩ፡ መንግስቱ’ውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ”። ሓጢአት ዘይብሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ብስግኡ ንሓጢአትና ተሰኪሙልና ኢዩ። እቲ ቃል ሰብ ዝኾነ መልክዕ ባርያ ለቢሱ ዝተገለጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍጹም ተዋህዶ ኢዩ።

ግግግ– “ካብ ሓጢኣት ርሒቅና ብጽድቂ  ምእንቲ ክንነብር ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጸሮ። ብቁስሉ ኢኹም ዝሓወኹም”(1ጴጥ 2፡24)። እዚ ቃል እዚ ሓቂ ኢዩ። ምኽንያቱ ንሕና ብጽድቂ ምእንቲ ክንነብር ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ  ብተዋህዶ ሰብ ብምዃን ስለ ሓጢኣትና፡ ስቓይን መከራን ተቐበለ፡ ክሳብ ኣብ መስቀል ውን ምእንታና ተሰቒሉ ሞተ፡ ብመለኮቱ ከኣ ተንስአ።

-“ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት “ኣይገድፍን” ኢሉ ኣይተኸራኸረን። ኣንተኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ” (ፊሊ 2፡6)። “ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ እኳ ኣንተኾነ” ዝበሎ  ንሱ እግዚኣብሔር (ፈጣሪ) ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ክብል እንከሎ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ስጋ ሰብ ለቢሱ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ናብዚ ዓለም እዚ እኳ እንተመጸ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን፡ ብስልጣን ብመለኮት ብባህሪ ማዕረ ከም ዝኾነ ንምግላጽ እዩ። ጎይታ ስጋ ሰብ ደኣ ይልበስ እምበር ኣምልኽነቱ ኣይተለወጠን  ኣይጉደለን። ንሱ ስጋ ዝለበሰ ብፍጹም ተዋህዶ ኢዩ። ብተዋህዶ

ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እንከሎ፡ ኩሉ ከለዎን ኩሉ ዝኽእልን እንከሎ፡ ከም ዘይብሉን ከም ዘይክእልን ኮይኑ ክጸርፍዎ ከለዉ ኣይተጻረፈን፡ ክሃርምዎ ከለዉ ኣይተሃራረመን ክገፍዕዎ ከለዉ ኣይተጋፍዐን፡ ምኽንያቱ ንሱ ነቲ ናይ ጽልኢ መንደቕ ንከፍርስ እዩ መጺኡ። ንሱ ንገዛእ ርእሱ ትሕት ብምባል ተገልጸ። ነዚ ሓቂ እዚ እያ ከኣ ቤተ ክርስቲያን እትምስክርን እትምህርን (1ጴ 2፡22-24)።

 ቅዱስ ዮሓንስ ብዛዕባ ናይ ህይወት ቃል ከምዚ ክብል ጽሒፉልና ኣሎ “እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ዝሰማዕናዮ ብዕይንትና ዝረአናዮ፡ ዝጠመትናዮ በእዳውና ዝረምሰስናዮ ቃል ህይወት ንነግረኩም ኣሎና። ህይወት ተገሊጻ ኢያ። ንሕና ከአ ርኢናያ ኢና፡ ንምስከር’ውን ኣሎና። እታ ንዓና ዝተገለጽት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለኣለማዊት ህይወት ንነግረኩም ኣሎና። ምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩም ኢልና ድማ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣሎና። ሕብረትና’ውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ (1ዮሓ 1፡2-3)። እዚ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ትነግረና ዘላ ብኣዒንቶም ዝረኣይዎ፡ ብእዳዎም ዝዳህሰስዎ፡ ብፍጹም ተዋህዶ ዝኸበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ምድሓኑ’ውን ኣብ ኩሉ ንኹሉ እዩ።

 ስለቲ ኩሉ ውዕለታቱ እግዚኣብሔር ይመስገን ኣሜን!!!

 ስብሓት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

  ኣሜን!

Leave a reply