Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ኣማልድነት ቅዱሳን ብኣጸደ ነፍሥ 

ኣማልድነት ቅዱሳን ብኣጸደ ነፍሥ 

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላኽ ኣሜን

ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ብዙሓት ኣማልድነት ናይ ቅዱሳን ብኣፀደ ሥጋ ማለት ብሕይወቶም ከለዉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዘማልዱ ምስ ኣረጋገጽናሎም ምስ ሞቱ ግን ኣየማልዱን ኢዮም ኢሎም ካብ ኣፍንጫ ዘይሓልፍ ክርኽር ሓዘል ኢ-መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትርጉም ናይ ገዛእ ርእሶም የመሓላልፉ ኢዮም። ነገር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ቅዱሳን ብሕይወት ከለዉን ምስ ሞቱን ምልጃኦም ከምዘይፍለየና እቲ ህያው ቃል እግዚኣብሔር ይነግረና ኢዩ እንበኣር ከም ናይ እግዚኣብሔር ፍቃድ ኣነን ንስኹምን ንሎምዓንቲ እንመሃሮ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ብዛዕባ ኣማላድነት ቅዱሳን ብኣፀደ ነፍሥ/ማለት ምስ ሞቱ ክከውን ኢዩ።ኣማልድነት ቅዱሳን ክንርዳእን ኣብ ሕይወትና ኽንትርጉሞን ናቱ ናይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቃዱ ይኩን።

እንበኣር ኣማልድነት ቅዱሳን ኣብ ክልተ ከፊልና ክንርእዮ ክንፍትን ኢና

1ይ) ብቓል ኪዳን

ቃል ኪዳን ክንብል ከለና እግዚኣብሔር ንዘፍቅሮም ዝኣተዎ ውዕልን ስምምዕን ማለት ኢዩ ምንም እኳ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ብሕይወት ከለዉ ይወሃቦም እንበር ምስ ሞቱ’ውን ተረሲዑ ዝተርፍ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ደቂ ሰባት በዚ ቃል ኪዳን እዚ ተጠቀምቲ እንዳኾና ናብ ሕይወት ንኽንበጽሕ ይድግፈና ስለዚ ነገር እውን እቲ ህያው ቃል እግዚኣብሔር ከምዚ ይብለና።<<ንዝፈትወንን ትእዛዘይ ንዝሕልዉን ግና ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር ኢየ።>>>(ዘጽኣት ምዕ 20፡6) ይብል ከምኡ ውን ኣብ( ዘዳግም ምዕ 7፡9 )ከምዚ ይብለና <<< እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከምዝኾነ ንዝፈትወንን ትእዛዘይ ንዝሕሉን ክሳዕ ሽሕ ወሎዶ ምሕረት ዝገብር ኪዳን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጥ።>>> እንበኣር እዚ ሽሕ ወለዶ እንዳተባህለ ዝግለጽ ዘሎ እቲ ዋና ናይቲ ኪዳን ዝኾነ ቅዱስ ሰብ ድሕሪ ካብ ምድሪ ምሕላፉ ብድሪኡ ንዝተረፉ ኮላይ ጸኒዑ ዝነብር ደኣ እንበር ንሱ ብሕይወት ክሳዕ ዘሎ ጥራይ ዘገልግል ኣይኮነን። ከመይሲ ሞት ከይጠዓመ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ዝኣክል ብሕይወት ክነብር ዝኽእል የልቦን።

እዚ ግን ምንም ቅዱሳን ብስጋ ‘ኳ እንተ ሞቱ ዘይመውትን ዘልኣለማውን ቃል ኪዳን ስለዘለዎም ድሕሪ ዕረፍቶም በዚ ቃል ኪዳን እዚ ተጠቐምቲ ንኸውን። እንበኣር ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ሲዒቡ ዘሎ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ፍጻሜታት ክንርኢ ኢና።<< እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ ንእግዚኣብሔ ተፈታቲኖም ምስሊ ምራኽ ኣምልኾም ጌይሮም ኣብ ዘምለኽሉ ግዜን ሰዓትን እግዚኣብሔር ‘ውን ብሰንኺ ሓጥያቶም ንኹሎም ከጥፍኦም ኣብ ዝተዛረበሉ ግዜ ሙሴ እቲ ለዋህ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዘቅረቦ ጸሎት ነዚ ዓብዩ ኣብነት ክኾነና ይግብኦ ከምዚ ይብል እቲ ቃል<< ካብቲ ንህዝብኻ ክትገብሮ ዝሓሰብካዮ ክፉእ ድማ ተጣዓስ ፡ ንኣብራሃምን ይስሃቅን ያዕቆብን ንኣታቶም ” ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖም’የ እታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህባ እየ ንዘልኣለም ከኣ ክርስተይዋ ኢዮም” ኢልካ ብርእስኻ ንባሮትካ ዝመሓልካሎም ዘክር።”ኢሉ ተማህለለ እግዚኣብሔር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ክገብሮ ኢሉ ዝሓሰቦ ክፉእ ተጣዕሰ>>>(ዘጽ ምዕ 32፡11-14)

እንበእር ኣብዚ ዝረኣናዮ ቃል እንተድኣ ኣስተውዒልና ኬንና እግዚኣብሔር ብቃል ኪዳን ኣብራሃምን ይስሓቅን ያቆብን ተለሚኑ ንህዝቡ ከምዝመሓረ ነንብብ። በቲ ግዜ እቲ ግን እዞም ኣቦታት እዚኣቶም ብሕይወተ ሥጋ ኣይነበሩን ፡ እኳ ድኣ ካብ ምድሪ ካብ ዝፈላለዩ’ስ ልዕሊ 430 ዓመታት ዝኣክል ሓሊፉ ነይሩ። እንተኾነ ግን እግዚኣብሔር ብዘመን ዘይድረት ህያውን ዘልኣለማውን ቃል ኪዳን ስለዝሃቦም በቲ ዝሃቦም ቃል ኪዳን መሰረት ድማ እግዜብሔር ምእንቲ እቶም ቃል ኪዳን ዝሃቦም መሓሮምን ኣድሕኖምን ከምኡ’ውን ኣብ (ዘዳግም ምዕ 9፡4-5) ከምዚ ይብል<<እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም ድማ፡ ብልብኻ፡ ጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእትወኒ፡ ኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት
ብምዃኖም ደኣ እዩ። ብጽድቅኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኰንካን ንስኻ ንምድሮም እትኣትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ
ሕሱም ዝገበርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ዝመሐለሎም ነገር ምእንቲ ኬቕውም ደኣ እዩ።

እንበኣር እዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ናይ ኣብራሃም ቃል ኪዳን ክኸውን እንከሎ፥
ካብ’ዚ ብምቅጻል ድማ እግዚኣብሔር ንዳዊት ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ክንርኢ ክንፍትን ኢና ከምዚ ይብል (መዝሙር 89፡28-39) እንበእር ኣብዚ ቃል እዚ እግዚኣብሔር ንዳዊት ዝፋን መንግስቱ ካብ ዘርኡ ከምዘይወስዳ ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ይሕብር እንተኾነ ግን ዳዊት ብሥጋ ምስ ኣዕረፈ ኣብ በደል ዝተረኽበ ወዱ ሰለሙን’ ነይሩ ነገር ግን ቃል ኪዳን ናይ ዳዊት ኣብ ሕይወት ሰለሙንን ንግስነቱን ግና ዓቢ ግደ ነይርዎ። ኣብ (1ይ ነገስት ምዕ 11፡9-13) እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኽይከይድ ኣዚዝዎ ነበረ፡ነቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ግና ኣይሐለዎን። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሓጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ።ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። ከምኡ’ውን ኣብ ( 2 ነገስት ምዕ 19፡32-34 ) ከምዚ ይብል<<< ስለዚ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣተዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን፡ ዋልታውን ኣይምክተላን፡ድልድል ከኣ ኣይዂምረላን። በታ ዝመጸላ መገዲ ይምለስ እምበር፡ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ፡ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።

2ይ( ብኣካለ ነፍሲ የማልዱልና ኢዮም)

እቲ ካልኣይ ኣማላድነት ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ
ንሰብ ምስ ስጋኡ ዝተዋሃሃደት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ስለዚ ኣብ እዋን ሞት ስጋ መርየት ስለዝኾነ ኣብ መርየት ክምለስ ከሎ ነፍሲ ድማ ናብ ኢድ ወሃቢኣ ናብ እግዚኣብሔ ተመሊሳ ግዝያዊ ፍርዲ ትቅበል። (መክ 12፡7) ናይ ሓጥኣን ነፍሲ ኣብ ሲዖል ክትኣቱ ከላ ከምኡ ድማ ናይ ናይ ጻድቃን ነፍሲ ኣብ ገነት ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ትኣቱ።።ስለዚ ቅዱሳን ሰባት ምንም እኳ ብስጋ ዋላ እንተሞቱ በታ ዘይትመውት ነፍሶም ከም ዝጽልዩን ዝልሙኑን ንኣምን። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂን ደገፍን ዘለዎ እዩ። መጀመርታ እንበኣር ነፍሲ ከምዘይትመውት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል<<<ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይርፍርህዎም።>>>(ማቴዎስ 10፡28)
<<<እስቲፋኖስ ‘ውን ብዳርባ እምኒ እንዳተጨፍለቐ ከሎ ነታ ዘይትመውት ነፍሱ ኣብ እግዚኣብሔር ከማዕቁብ ተራእየ>>> (ግ-ሓዋ 7፡59)

ሰለዚ ቅዱሳን ሰባት ኣብ ገነት ምስ ክርስቶስ ኣለዉ ክንብል ከለና ካብቲ ክርስቶስ ዝተዛረቦም ኣምላኻዊ ቃላት ተበጊስና ኢና። እዚ ‘ውን ነቲ ኣብ የማኑ ዝነበረ ዓማጺ ዝተዋህበ ተስፋ ነበረ። ከምዚ ይብል እቲ ቃል<<<ክርስቶስ ከኣ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትህሉ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።” ኢሉ መለሰሉ እምበኣር እዞም ኣብ ገነት ዘለዉ ቅዱሳን ምእንታና ከም ዝልምኑ ጽሑፋት ክንርኢ ክንፍትን ኢና። ንእብነት ወንጌላዊ ሊቃስ ኣብ ዝጸሓፎ ከምዚ ይብል<<<ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን።ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ። (ሉቃስ ምዕ 16፡19-31) እንበኣር ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ሓይለ ቃል ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኢና እንመሃር፥
ሀ) ብርግጽ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብስጋ ዋላ’ኳ እንተሞተ ነፍሱ ግን ኣብ ናይ ስቓይ ስፍራ ኣብ ሲኦል ኮይና ትሳቐ ነበረት። እንተኾነ ግን ሞይቱ ከሎ ብዛዕባ ኣሕዋቱ ብስጋ ኣዝማዱን ክጽልን ክልምንን ተራእዩ። ልመና ብዝሞተ ሰብ ዘይፍቐድ ነይሩ እንተዝኸውን መጀመርያ እዚ ኣብ ሲኦል ነፍሱ ትሳቐ ዝነበረት ሰብ ምተኸልከለ ነይሩ።ነገር ግን እቲ ብስጋ ዝሞተ ምእንቲ እቶም ብስጋ ዘለዉ የሕዋቶ ክልምን ተራእየ
ለ)እቲ ዘቕረቦ ዝነብረ ጸሎትን ልመናን ‘ውን ብቐጥታ ናብ ኣምላኽ ዘይኾነስ ናብቲ ብስጋ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃም’ዩ ነይሩ። ምኽንያት ንሱ ንኣብረሃም ከምቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ንሰባት ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቕ ዝነበረ ሕጂ’ውን ከተዓርቕ ከምዝኽእል ይኣምን ነይሩ። ኣብረሃም’ውን እንተኾነ ብኣማላድነቱ ምእንቲ ኽርድኦን ከዘራርቦን ክምልሰሉን ደኣ ተራእየ እንበር ንዓይ ኣይምልከተንን ናብ ኣምላኽ ደኣ ሕለፍ ኣይበሎን
ነገር ግን ካብዚ ንርድኦ ኣይኮነን ቅዱሳን ሓጥያተኛታት ‘ውን ምስ ሞቱ ከይተረፈ ንወገናቶም ከምዝማልዱ ምልጃ ከምዘቅርቡ ይነግረና ኢዩ ኮይኑ ግን እግዚኣብሔር ናይ ሓጥያተኛታት ምልጃ ኣይቅበልን ምኽንያቱ ቢሕይወቶም እንከለዉ ንዕኡ ስለዘየገልገሉ።

እንበእር እቶም ሞይቶም እዮም ክልምኑ ኣይክእሉን እተባህሉ ኣብ (ራእይ 6፡9-11) እንተደኣ ሪኢና ከምዚ ይብል<<< ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ዎ ቅዱስን ሓቐኛን ጐይታ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እናበሉ ጠርዑ።>>>እንበኣር እዚኣቶም ስለ እምነቶም ዝተሰየፉ ክኾኑ እንከለዉ ምንም’ኳ ብስጋ እንተሞቱ ብኣካለ ነፍስ ክልምኑ ተራእዮም። ናይዚኣቶም ልመና ነቶም ኣብ ምድሪ ደሞም ዘፍሰሱሎም ሕነ ደሞም ክፈድየሎም ኢዩ።ብሃቂ ናይዚኦም ልመና ንእምነትን ቤት-ክርስትያንን ፡ሰላምን ፡ህድኣትን ዝህብ ኢዩ ምኽንያቱ ሕነ ደሞም ምስ ዝፍደ ነቶም ከምኦም ዝኣመስሉ ዝኣመሰሉ ኣመንቲ ዝሓርዱን ቤት-ክርስትያን ዘሳድዱን ካብ ምንባር ስለዝኽልከሉን ንቤት -ክርስትያን ድማ ዘሳድድ ስለዝይህልዋ ሰላምን ህድኣትን ይኾነላ ኣመንቲ ውን ብዘይፍርሃትን ጭንቀትን ንእግዚኣብሔር የገልገልዎ።

<<<ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም ዝኸሰኩምሲ ኣሎ። ኣሎ ንሱ ከኣ እቲ ንስካትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ ኢዩ።>>>(ዮሓ 5፡45) እዚ ማለት ድማ እቶም ቀዳሞት ኣመንቲ እግዚኣብሔር እስራኤላውያን ገና ነቲ ብስጋ ዘየለ ሙሴ ተስፋ ይገብሩሉ ከምዝነበሩ እዩ ተስፍኦም ድማ ከመቲ ቀደም ዘተዓርቆም ዝነበረ ከተዓርቖም ከምዝኽእል ኢዩ።

<<<እንተስ ብሕይወት ውላስ ብሞት ኩሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኢና>>>( 2 ይ ቆሮ 7፥2-3) ስለዚ እንበኣር ቅዱሳን ከምበዓል ጳውሎስ ከምቲ ብሕይወት ብሞት እውን ምሳና ካብ ኮኑ ክልምንልና ዘይክእልሉ ምክንያት እንታይ ኢዩ። እቲ ብሞት ምሳኽትኩም ኢና ዝብሎ ዘሎ ከ ንምንታይ ይመስለኩም ህዝበ ክርስትያን።

<<<<ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚእብሄር ከኣ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን።>>>( ማቴ 22፥31-32 ) እንበኣር እግዚኣብሔር ባዕሉ እቶም ብስጋ ዝዕረፉ ኣቦታት ህያውያን ኢሉ ካብ ጸውዖምን ህያውያን ካብ ኮኑን ከምቲ ኩሉ ህያው ዝልምን ንሳቶም ውን ንኽጽልዩን ክልምኑን እንታይ ኢዩ ዝዓግቶም።

<<< ብሕይወት እንተኾይኑስ ወይስ ብሞት ንኽርስቶስ ከኽብሮ ድልየት ኣሎኒ። ብስጋ እንተልየ ፍረ ዘለዎ ዕዮ ኣሎኒ። ስለዚ ኣየናይ ከምዝሓሪ ኣይፈልጥን ኢየ ብኽልተ ወገን ይጭነቕ ኣለኹ። ይሕሸኒ ስለዝኾነ ግና ካብዚ ዝተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታ ኣሎኒ።>>>( ፊሊ 1፡20-23 ) ስለዚ ቅዱሳን ካብዚ ዝተፈልየ ምስ ክርስቶስ ካብ ሃለዉ ብዛዕባና ብቐረባ ይጽልዩን ይልምኑን እንበእር ካብ ምልማን ዝኽልክሎም እንታይ ኢዩ ከመይሲ ልዕሊ ኣብዚ ምድሪ ‘ዚ ዝነብርዎ ምስ ክርስቶስ ብቐረባ ኣብ ሰማያት ኣለዉ።

እንበኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ክንርእዮ ዝጸናሕና ጽሑፋትን ጥቅስታትን ምንም ቅዱሳን ሰባት ብስጋ እንተ ተፈለዩ ብቃል ኪዳኖምን ብኣካለ ነፍስን እቲ ናይ ምዕራቕ ስራሕ ከምዝፍጽምዎ ዝገልጽ ኢዩ።
ብዙሓት ሰብት ምልማን ከም ሓደ ዓቢ ነገር ዘይግብኦም ገይሮም ይወድዎ ኢዩም እዚ ግን ግቡእ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን ቅዱሳን እግዚኣብሔር ዘዳለወሎም ካብዚ ንላዕሊ እቲ ንእግዚኣብሔ ጥራይ ዝምልኸት ምፍራድ እውን ክፈርዱ ስልጣን ሃቦም መጽሃፍ ቅዱስ እውን ከምዚ ይብል ወይስ ቅዱሳን ንዓለም ከምዝፈርድዋ ‘ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹምዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧( 1ይ ቆሮ 6፡3)
<<< ክርስቶስ ድማ ንስኻትኩም ነዞም ዝሰዓብኩምኒ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ( ክርስቶስ ) ኣብ ዝፋን ክብሩ ዝቕመጠላ ግዜ ንስኻትኩም ድማ ኣብ 12 ዙፋን ተቐሚትኩም ኖኣሰርተ ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኩ በሎም >> (ማቴ 19፡27-28)

ነዚ ዝርዳእ ልቢ ይሃበና ንኹልና

ይትባረኽ ኣምላኽ ኣበዊነ!!!

Sorry, comments are closed for this post.