Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ኣብ እስራኤል ዝርከባ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት 3ይ ምዱብ ዓመታዊ ጉባኤአን ኣቃንዔን።

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ኣብ እስራኤል ዝርከባ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት 3ይ ምዱብ ዓመታዊ ጉባኤአን ኣቃንዔን።

ASC_2674ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ትማሊ ቀዳም ዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ናይ ሕብረት ጉባኤ ኣብ ጊልጋል ኣቃኒዐን። (ጊልጋል እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጽኡ ኣብ በረኻታት ሲናይ ዝተወልዱ ደቂተባዕትዮ ዝተገዝሩላ፡ ናብ ምድረ ከንኣን ምስ በጽሑ ንመጀመርያ ግዜ እታ ምድሪ ዘፍረየቶ ዝበልዑላ ኣብ መገዲ እንከለዉ ዝበልዕዎ ዝነበሩ   መና ዘቋረጸላ ቦታ እያ)። ኣብቲ ብጠርናፊት ላዕለወይቲ ኮሚቴ ናይተን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዝተወደበ ጉባኤ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ እተን ኣብ ትሕቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ASC_2685ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ክህሉ ዘለዉ ሓድነትን ምልውዋጥ ተመክሮን፡ ህሉው ኩነታት ቤተክርስቲያንን ብዛዕባ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ክትህነጽ ተሓሲቡ ዘሎ ቤተክርስቲያንን ብሰፊሑ ተዘትይሉ።

ንሓድነት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ብዝምልከት ኩለን ኣብ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ብሓደ ሓሳብን ሓደ ርድኢትን ክጎዓዛ ምእንቲ፡ በቲ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቅዱስ ሲኖደስ ዝወጸ መምርሕን ሕግን ቤት ትምህርቲ ሰንበት፡ ክኸዳ ከም ዘለወን ብምስማር ቀጻሊ ርክብን ምልውዋጥ ሓሳባትን ተመክሮን ክህሉ ከምዘለዎ ኣስሚረናሉ።

ኣብቲ ብዛዕባ ናይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ክትህነጽ ተሓሲቡ ዘሎ ቤተክርስቲያን ድማ ኩለን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ በዓል ትንሳኤ ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ቅዱሳን ኣቦታትና ጳጳሳት ብኣኻል ኣብ እስራኤል ተረኺቦም ዝሃብዎ ሓበሬታን መመርሕን፡ ኣብ ምግዛእን ምህናጽን ቤተክርስቲያን ኣብ ኢዮሩሳሌም፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ዘዝዓቕመን ክገበራ ምኳነን፡ ነዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓቢይ መደብ ቀዳምነት ሰሪዐን ክሰርሓሉ ምዃነን ቃል ብምእታው፡ እታ ኣብ እስራኤል ዘላ ብቅዱሳን ኣቦታት ዝተመርጸት ናይ ቤተክርስቲያን ኢየሩሳሌም ናይ ህንጻ ኮሚቴ በብእዋኑ ናብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት እናኸደት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ክትከታተልን ሓበሬታ ክትህብን ከምዘለዋ ተላብየን።

ኣብቲ ብዛዕበ ህሉው ኩነታት ቤተክርስቲያን ዝተዘየተሉ ዛዕባ ድማ ቤተክርስቲያን ካብ ካብ ቅድም ጀምራ ካብ ፈተነ ኣዕሪፋ ስለዘይትፈልጥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘጋጥማ ፈተነታት ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት፡ ጸገም ቤተክርስቲያን ጸገመን ምኳኑ ተረዲኤን ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ርግኣትን ቤተክርስቲያን ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ብሓባር ኮይነን ክዓያ ከምዘለወን ተሰማሚዐን። ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ርኢቶታትን ሕቶታትን ብምቕባል ከከም ኣድላይነቱቶ ድማ ንዝቐረበ ሕቶ ብምምላስ እቲ ጉባኤ ብሰላም ተዛዚሙ። ከምቲ ብጸሎት ዝተጀመረ ከኣ ብጸሎት ተዛዚሙ ጉባኤኛታት ብሰላም ነናብ ዝመጽኡሉ ከተማታት ተመሊሶም።

እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ብኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ስነበታት ብሕብረት ዝግበር ጉባኤ ምዃን ይፍለጥ።ASC_2751ASC_2699

ጉባኤና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ዘፈጸመና ልኡለ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን ኣሜን!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Sorry, comments are closed for this post.