Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

እቲ ገበል ነታ ሰበይቲ ኣሳደዳ(ራእ፲፪፡፲፫/12፡13)/ Eti Gebel Neta Sebeyti Asadeda

                            በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

                               እቲ ገበል ነታ ሰበይቲ ኣሳደዳ(ራእ፲፪፡፲፫/12፡13)

              maze“ሽዑ እቲ ገበል ናብ ምድሪ ከም ዝተደበየ ምስ ረኣየ፡ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳደዳ። እታ ሰበይቲ ከኣ ካብ ገጽ እቲ ገበል ርሒቓስ፡ ሠለስተ ዓመትን መንፍቕን ብኽንክን ምእንቲ ክትነብር ናብ በረኻ ናብቲ ስፍርኣ ምእንቲ ክትነፍር፡ ናይቲ ዓቢ ንስሪ ክልተ ክንፊ ተዋህባ። እቲ ገበል ድማ ገፊዑ ምእንቲ ክወስዳ፡ ደድኅሪ እታ ሰበይቲ ከም ውሒዝ ዝመሰለ ማይ ብኣፉ ተፋአ። ምድሪ ግና ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ከፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ብኣፉ ዝተፍኦ ውሒዝ ሰተየቶ። እቲ ገበል ከኣ በታ ሰበይቲ ተቖጥዐ። ነቶም ትእዛዝ ኣምላኽ ዝሕልዉን፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝምስክሩን ዝተረፉ ዘርኣ ክዋግኦም ከደ። እቲ ገበል ድማ ኣብቲ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ደው በለ።”(ራእ፲፪፡፲፫-፲፰/12፡13-18)

ዲያብሎስ ብቅዱሳን መላእክቲ ምስ ተሳዕረ ገጹ ናብ ኣዳምን ሄዋንን ኢዩ መለሰ። እዚ ከኣ ኣቐዲሙ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋን ኣኽቢሩ፡ ውልድነት ሂቡ ኣብ ገነት ኣቐመጦም። ንኹሉ ክገዝኡ፡ ካብ ኩሉ ኣብ ገነት ዝርከብ ዘበለ ክበልዑ መሰል ሃቦም። ካብታ ጽቡቕን ሕማቕን እተፍልጥ ኣብ ማእከል ገነት  ዘላ ኦም ግና ንኸይ በልዑ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ።

 በዚ ከኣ ካብ ማሕበር መላእኽቲ ብድልየቱ ዝተፈልየ፡ ዝነበሮ ስፍራ ዝሓደገ ዲያብሎስ ነቶም ብሰላም እና ተሓጎሱ ትእዛዝ ኣምላኽ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ከስሕቶም ተበገሰ። ኲናቱን ባእሱን ድሕሪ ብቅዱሳን መላእክቲ ምስዓሩ ናብ ኣዳምን ሄዋንን ኣበለ። ከምቲ ዝመደቦ ከኣ ብኽፉእ ምኽሩን ሓሳቡን ኣታሊሉ ዝነበሮም ውልድነት ኣጥፊኦም ናብ ምድሪ ከም ዝስጎጉ ገበሮም። እንተኾነ እግዚኣብሔር መሓሪ ስለ ዝኾነ በቲ ዝገበርዎ ንስሓን ብኽያትን ተስፋ ድሕነት ሃቦም። እዚ ተስፋ ድሕነት እዚ ከኣ ” ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ” ዝብል ተስፋ ድሕነት ነበረ።

ነዚ ተስፋ ድሕነት እዚ መታን ከይፍጸም ዲያብሎስ ንቕዱሳን ምስዳድ ኣኃዱ ኢሉ ተተሓሓዞ። እዚ ከኣ ናይ ድሕነት ተስፋ ዝሃበ፡ ብዛዕባ ምውላዱ ብኣፍ ነቢያት ዝተዛረበ ኣምላኽ ካብ ቅዱሳን ክውለድ ኢዩ ተባሂሉ ስለ ዝነበረ ኢዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ብዝተፈላለየ መገድታት ንዓኣቶም ምስዳድ ብኽግለጽ ዘይክእል መገዲ ተግባራዊ ክገብሮ ዝተራእየ።

ነባቤ መለኮት ዮሓንስ ከም ዝገለጾ ዲያብሎስ ነታ ሰበይቲ ምስዳድ ዝጀመረሉ፡ ከምቲ ዝተገልጸ ካብ ክብሩ ምስ ወረደ ኢዩ።  እታ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ። ከመይ ኣቐዲም ኣቢሉ እግዚኣብሔር “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ ይተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ ንስኻ ድማ ሸኾንኡ ክትነክስ ኢኻ”(ዘፍ፫፡፲፭/3፡15) ዝብል ቃል ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ከኣ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ዘርኣ ተባሂሉ ዘሎ ከኣ ክርስቶስ ኢዩ። ከመይ ካብ ድንግል ማርያም ዝተረኸበ ክርስቶስ ንሱ እቲ ርእሲ ዲያብሎስ ዝጨፍለቐ ስለ ዝኾነ።

ነታ ሰበይቲ ዝተዋህበ ክልተ ክንፍታት  ንቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ዝተዋህበ ንጽሓ ሥጋን  ንጽሓ ነፍስን፡ ድንግልና ሥጋን ድንግልና ሓሳብን ምሳሌ ኢዩ።

ከም ውሕዝ ዝመሰለ ማይ ብኣፉ ተፍኣ” ተባሂሉ ዘሎ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ምስ ሓሳዊ መሲሕ ኮይኖም ኣንጻራ ዝለዓሉ ናይ ሰይጣን ሰራዊት ኢዮም።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም መዓስ ኢያ ስደት ጀሚራቶ፧

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስደት ዝጀመረቶ ጌና ከይተወልደት ኣብ ማህጸን ኣዲኣ  እንከላ ኢያ። ኣቦኣን ኣዲኣን(ኢያቄምን ሃናን) ውላድ ስለ ዘይነበሮም፡ ውላድ ክህቦም ናብ እግዚኣብሔር ይልምኑ ነበሩ።እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ኣብ እርግንኦም ውላድ ሃቦም። ቅድስት ድንግል ማርያም ብ፯/7 ነሓሴ ተጠንሰት፡ ጌና ኣብ ማሕጸን ኣዲኣ ከላ ድማ ተኣምር ትገብር ስለ ዝነበረት ኣይሁዳውያን በቲ ትገብሮ ዝነበት ተኣምራት ቀንኡ። ኢያቄምን ሃናን ካብ ካህናትን ነገስታት ወገንን ስለ ዝኾኑ፡  “ንዓና ብዓል ዳዊትን ሰሎሞንን ሌዋውያንን ተተበራርዮም ገዚኦምና ኢዮም። ሕጂ’ውን እዛ ሃና ጠኒሳቶ ዘላ ኣብ ማሕጸና እንከሎ ተኣምር ካብ ገበረ ገዛኢና መታን ከይከውን ከይተወለደ እንከሎ ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ተማኸሩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ድማ ናብ ኢያቄምን ሃናን መጺኡ “ኣይሁድ ክፉእ ዝኾነ ምኽሪ ሓሲበምልኩም ስለ ዘለዉ ናብ ሊባኖስ ዝበሃል ቦታ ኪዱ” ክብል ነግሮም። ኣብ ስደት ኣብ ጭው ዝበለ በረኻ ድም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓደ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወልደት። ኣዴና ሃና ድማ ትበልዖ ስለ ዝሰኣነት ጥጥቖ ቀመሰት። “ትወጽእ መርዓት እም ሊባኖስ–  መርዓት ካብ ሊባኖስ ትወጽእ ” ኢሉ ጥበብኛ ሰሎሞን ተነብዩ ስለ ዝነበረ ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወልደት። ኣብ ግዜ ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እቲ ዝተወልደትሉ ቦታ ኩሉ ብብርሃን ተመልኣ ብድሕሪ’ዚ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ቅድሚ ምውላዶም ዝኣተውዎ መብጽዓ ሰለዝነበረ ኣብ ሰለስተ ዓመታ ናብ ቤት መቕደስ ከእትውዋ ዝኣተውዎ መብጽዓ ክፍጽሙ ከዱ። ቅዱሳን ሰባት መብጽዕኦም ፍረ ከርሶም ንእግዚኣብሔር እዮም ዝህቡ። ንኣብነት ከም ሃና ኣደ ሳሙኤልን ይፍታሔን  መብጽዕኦም ክፍጽሙ ከለዉ ኢና እንርኢ። ንሕና ከኣ መብጽዓና ክንፍጽም ይግብኣና ኢዩ ተበሃሂሎም ከም ቃሎም መብጽዕኦም ፈጸሙ። ብ3/፫ ታሕሳስ  ድማ ናብ ቤተ መቕደስ ኣእተውዋ።

ኣብ ቤተ መቕደስ ኮይና ድማ ሰማያዊ መና እና ተመገበት ሰማያዊ ጽዋዕ እና ሰተየት ኣብ ቤተ መቕደስ ትነብር ነበረት። ነቲ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ተጽርዮ፡ ሃሪ ወርቂ ድማ ትሰፊ ነበረት። ብኸምዚ ከኣ ብቕድስናን ብንጽህና 12/፲፪ ዓመት ኣብ ቤት መቕደስ ተቐመጠት። ብድሕሪ’ዚ  እቶም እኩያት ዝኾኑ ኣይሁድ “ዓቕሚ ሄዋን ስለ ዝኣኸለት ቤት መቕደስና ከይተርክሰልና ትውጻእ”  ኢሎም ንካህን ዘካርያስ ሓተትዎ። ካህን ዘካርያስ ድማ  እንታይ ከም ዝገብር ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ። እግዚኣብሔር ድማ ኣንስቶም ዝሞትኦም ሰብኡት  ኣባትር ክእክብ ነገሮ። ካህን ዘካርያስ ድማ ከምኡ ገበረ። ክጽሊ ምስ ሓደረ ድማ በትሪ ናይ ዮሴፍ ጠጢዓ ተረኽበት  “እቀባ ለማርያም ህፍርትከ–ንማርያም ሕጽይትኻ ሓልዋ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝነበራ ክሕልዋ ናብ ዓዱ ናብ ናዝሬት ወሰዳ። ኣብ ዘይ ትፈልጦ ዓዲ ድማ ብስደት ናብ ናዝሬት ከደት።

ኣይሁድ ንድንግል ማርያም ካብ ቤት መቕደስ ንምንታይ ኣሳዲዶማ እንታይ ጉድለት ስለ ዝተረኽባ ኢዩ፧ ንሳ መግባ ሰማያዊ መስትኣ ከኣ ሰማያዊ ምውዓላ ምስ መላእኽቲ ኢዩ ። ሃሪ ወርቂ እንዳሰፈየት ነቲ ቤት መቕደስ ተወቅቦን ተጽርዮን ነበረት ዋላ ሓደ ጉድለት ከይረኸቡላ ዓቕሚ ሄዋን  ስለዝኣኸለት ትውጽኣልና ኢሎም መኸሩ። ሎሚ’ውን ከምቲ ኣይሁድ ካብ ቤተ መቕደስ ዘውጽእዋ ንድንግል ማርያም ካብ ልቦም ካብ ቤቶም፡ ካብ ኣዳራሾም ዘውጽእዋ መናፍቓን ብዙሓት ኢዮም። ንኽብራ ዝገልጽ ጽሑፍ ካብ መጽሓፍ እንዳ ፈሓቑ  ዘውጽኡ ብዙሓት ኢዮም። እግዚኣብሔር ዘኽበሮም ምቅላል መርገም የምጽእ “ኣብርሃም ዝባረኹኻ ብሩኻት ይኹኑ ዝረገሙኻ ድማ ርጉማት ይኹኑ”  ከም ዝበሎ ምስጋና እምበር ነቐፋ ኣይግባእን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሳ ኣደ ጎይታና ስለ ዝኾነት። ስለዚ ንሕና ደቂ ቅድስት ድንግል ማርያም እንተኾይና ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክንከናኸኖን ክነጽርዮን ይግባእ። ፍቕራን ጣዕማን ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ክህሉ ይግባእ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ናዝሬት ምስ ከደት’ውን ብትሕትናን ብጸሎትን ንእግዚኣብሔር ተገልግል ነበረት። እንሆ ድማ ማይ ካብ ዒላ እና ቐድሐት ከላ ሰማያዊ መልኣኽ ናይ ራማ ልዑል ዝኾነ  ቅዱስ ገብርኤል  ካብ እግዚኣብሔር ”ኦ! ምልእተ ጸጋ ደስ ይበልኪ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ፡ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኻ “በላ። ንቓሉ ሰሚዓ’ውን ሰንበደት። ንሱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ ኣይትፍርሂ በላ። ወዲ ክትወልዲ ኢኺ እኳ እንተበላ ንሳ ግና  ብሓሳባ ድንግል ስለ ዝኾነት  “ምድሪ ብዘይ ዘርኢ ክትፈሪ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ክትወልድ ከመይ ገይሩ ይኹውን” በለቶ። ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለን ኤልሳቤጥ ዘመድኪ እኳ ካብ እትጠንስ ፮/6ይ ወርሓ እዩ ምስ በላ እቲ ቅዱስ መልኣኽ፡ “ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ እሞ ከም ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ።

ኣብዚ እንምልከቶ ካብ እግዚኣብሔር ዝተላእከ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ምልእተ ጸጋ ክብላ ከሎ ምድራውያን ሰባት ከኣ ምልእተ ጸጋ ኣይኮነትን ሓጢኣት ኣዳም ነይርዋ፡ ደቂ ኣለዉዋ፡ ዝብሉ ብዙሓት ኣለዉ። እሞኸ ዘረባ መናፍቓን’ዶ ዘረባ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ንስማዕ፧ ዘረባ መልኣኽ ክንሰምዕ’ዩ ዝሕሸና።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድምጺ መልኣኽ ክንሰምዕ ተንጊሩና ኢዩ’ሞ ንሕና’ውን ምልእተ ጸጋ ክንብላ ይግባእ።ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ብስራት ቃል ምስ ተቐበለቶ ቀልጢፋ ናብ ዝባን ይሁዳ ተበገሰት። ምኽንያት መኸዲኣ ካህን ዘካርያስ ሓሚሙ/ተዓቢሱ ምዝራብ ስኢኑ ስለ ዝበልዋ፡ በቲ ካልኣይ ከኣ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ ካብ ትጠንስ ፮/6ይ ወርሓ ኮይኑ ኣሎ ስለ ዝበላ እቲ ዝተነግራ ቃል ሓቅነቱ ክተረጋግጽ ከደት። ንኤልሳቤጥ ድማ ሰላም በለታ። ኤልሳቤጥ ከኣ “ኣደ ጎይታይ ናባይ ክትመጺ ካበይ ኮነለይ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ማሕጸነይ ዘሎ ሕጻን ብሓጎስ ተሰራሰረ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከም ዝፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ” ኢላ ኣመስገነታ። ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ መልኣ። መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብጽእቲ፡ ንእድቲ እንዳበለ የመስግና። መንፈስ ቅዱስ ዘይመልኦ ሰብ ድማ የቃልላ። ስለዚ ናይ ራማ ልዑል ዝኾነ ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ምልእተ ጸጋ ክብላ ከሎ ካብ ምድሪ ካብ ደቂ ኣዳም ኤልሳቤጥ ብጽእቲ ኢኺ ክትብላ እንከላ ኢና እንርኢ። ክነስተውዕሎ ዘሎና እግዚኣብሔር ዝለኣኾም ንቅድስት ድንግል ማርያም ከመስግንዋ ከለዉ፡ እግዚኣብሔር ዘይለኣኾም ድማ ክብራን ጸጋኣን የቃልልዎ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዚ ኢላ ጸለየት “እንሆ ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ ኢዮም”   (ሉቃ፩፡፵፰/1፡48)። እዚ ከኣ ኣነ ብገብርኤልን ብኤልሳቤጥን ጥራይ ተመስጊነ ዝተርፍ ኣይኮንኩን ብሕጂ ኩሎም ዝመጹ ወለዶ ብጽእቲ እንዳ በሉ ምልእተ ጸጋ ኣበር ዘይብላ እናበሉ ከመስግኑኒ ኢዮም በለት።ስለዚ ኣብ ወለዶ ክንጽብጸብ እንተኾይና ክነመስግና ይግባእ፡ እንተዘይ ኣመስጊና ግና ምስ ወለዶ ክንቁጸር ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ  ከምቲ ኤሳው ብኹሩንኡ ብጸብሒ ዓደስ ገይሩ ስለ ዝሸጠ ስሙ ከይተጸውዐ ክዝለል ከሎ ኢና እንርኢ። ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሓቅ፡ ኣምላኽ ያዕቆብ ኢልና ኢና ንጽውዕ ኣምላኽ ኤሳው ኢሉ ሓደ እኳ ዝጽዋዕ የለን፡፡ ንሕና ድማ ምስ ወለዶ ክንጽዋዕ እንተኾይና ብጽእቲ ክንብላ ይግባእ’ዩ። ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኮይኑ ዮሓንስ ከም ዝሰገደላ ንሕና ክንሰግደላ ይግባእ። ካብ ኣቦታትና ከይንተርፍ  ድማ  ንጠንቀቕ።

ስደት ኣብ ግዜ ልደት

ኣውጊስጦስ ቄሳር ኩሉ ሰብ ኣብ ዓዓዱ ክቑጸር ትእዛዝ ምስ ተመሓላለፈ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኣቦና ዮሴፍ ናብ ቤተልሔም ከደት። እትወልደሉ ሰዓት ስለዝኣኸለ ከሕድርዋ ንሰብ ቤተልሔም  ሓተተቶም፡ ንሳቶም ግና መዕረፊ ኣጋይሽ ኣይነበሮምን። በዚ ድማ ኣብ መብልዒ ማል ንጎይታ ወለደቶ። ከምቲ ጎይታ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ “እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ እንተትፈልጥስ ተመሊስኪ ምለመንክዮ ነይርኪ” (ዮሓ ፬፡፲/4፡10) ዝበላ መን ምዃና ኣይፈለጥዋን። ንዓኣን ንወዳን  ዝኸውን መሕደሪ ኣይነበሮምን ሰብ ቤተልሔም። ንምዃኑ ንሕና ንዓኣ ዝኸውን ልቢ ኣሎና’ዶ፧ ንመዝሙራ፡ ንስእላ ዝኸውን መሕደሪ ኣብ ገዛና ኣብ  ሞባይልና ይህልወና’ዶ ይኸውን፧

እመ ብርሃን ንጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝወለደትልና ሰብን መላእኽትን  ኣሕዛብን ህዝብን ብሓባር ዘመሩ። ሰብኣ ሰገል ካብ ርሑቕ ምብራቕ ብኮኾብ  ተመሪሖም ናብ ኢየሩሳሌም መጹ። እቲ ኮኾብ ስለ ዝጠፍኦም ድማ ንሄሮድስ እቲ ንጉስ ኣበይ ኢዩ ዝውለድ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ከኣ ንኣይሁዳውያን  ሓቲቱ ኣብ ቤተልሔም ከም ዝውለድ ነገሮም እሞ ከይዶም ድማ መብኦም ኣቕረቡ። ናብ ሄሮድስ ክምለሱ ምስ ሓሰቡ ብኻልእ መንገዲ ክምለሱ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ነገሮም። ሄሮድስ ድማ እቶም ሰብ ጥበብ ከም ዘታለልዎ ምስ ፈለጠ ንህጻናት ብምልኦም ክቐትሎም ስለ ዝወሰነ ድንግል ማርያም ድማ ወዳ ሒዛ ናብ ግብጺ ተሰደደት ኣብኡ ድማ ፫/3 ዓመትን ፮/6 ወርሕን(፵፪/42 ኣዋርሕ) ብብዙሕ ስቓይን መከራን ጸንሐት። እንታይ ስለ ዝገበረት እያ ሰይጣን ዘሳደዳ እንተበልና ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ ኣብ ኣርጋኖን ዝበሃል መጽሓፎም  “ኣደይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰይጣን ከማኺ ገይሩ ዝጸልኦ ዋላ ሓደ እኳ የብሉን ምኽንያቱ ንጎይታ ስለ ዝወለድክልና፡ ካብቲ ዝነበርናዮ መግዛእቲ ናጻ ስለ ዘውጻእክና ይጸልኣኪ ኢዩ”  ይብሉ። ስለዚ ሰይጣን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ይጸልኣ ኢዩ ከምኡ ድማ መናፍቓን ይጸልእዋ። ምኽንያቱ ናይ ሰይጣን ሰዓብቲ ስለ ዝኾኑ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝተላእኩ የመስግንዋ ካብ ሰይጣን ዝተላእኩ ከኣ የሳድድዋ ኢዮም።

ስደት ኣብ ግዜ ዕረፍታ

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መበል ፷፬/64 ዓመታ ኣብ ጽርሃጽዮን ምስ ዓረፈት  ቅዱሳን ሓዋርያት ገነዝዋ። ርስቲ ናይ ኣቡኣ ኣዲኣን  ጌተሰማኒ ስለ ዝነበረ ከኣ ክቐብርዋ እናኸዱ ከለዉ “ወዳ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተንሲኡ ኢሎም ክንደይ ሰባት ኣስሒቶም ኢዮም። ሕጂ ከኣ እዚኣ ክትቅበር ስቕ እንተ ኢልናያ ብሳልሰይቲ መዓልቲ  ተንሲኣ ከም ወዳ ክብሉ ኢዮም ስለዚ ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ኣይሁድ ተማኸሩ። ታውፈንያስ ዝበሃል ሓያል ሰብኣይ ሒዞም ድማ ተበገሱ። ታውፈንያስ ድማ ብትዕቢት ንዓራታ ሓዘ፡  መልኣኽ እግዚኣብሔር ከኣ ኣእዳዉ ቆረጾ። ብዕሽነተይ ዝገበርክዎ ማሓርኒ ኢሉ ስለ ዝለመነ ኣእዳዉ ናብ ዝነበርኦ ተመልሳ። ናታ ሰባኽን ወዳስን ኮይኑ ድማ ይነብር ነበረ። እግዚኣብሔር ድማ ናብ ገነት ስጋኣ ምስ ዮሓንስ ወስዶ። ድሕሪ ብዙሕ ልመና ድማ ስጋኣ እግዚኣብሔር ስለ ዝሃቦም ቅዱሳን ሓዋርያት ብኽብሪ ቀበርዋ። ንሳ ከኣ ከም ወዳ ብ፫/3ይ መዓልታ ብስልጣን ወዳ ዓረገት። ሰይጣን እምበኣር ኣብ ኣይሁዳውያን ሓዲሩ ክትውለድ፡  ኣብ ቤት መቕደስ ከይትነብር ኣሳደዳ፡ ንጎይታ ክትወልድ ከላ  ኣብ ቤተልሔም ካብ ምሕዳር ኣጋይሽ፡ ንጎይታ ድሕሪ ምውላዳ ናብ ግብጺ  ኣሳደዳ። ኣብ ግዜ ቀብራ’ውን እቲ ናይ ምስዳድ ተግባራቱ ቀጺልዎ ኢዩ። ሕጂ’ውን ኣብ መናፍቓን ሓዲሩ ሰይጣን የሳድዳ ኣሎ።  ብሓሳባት ሰይጣን ተመሪሖም ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ምስዳድ ዝተዋፈሩ ሰባት፡ ኣምላከ ቅዱሳን ናብ ልቦም ይምለሶም። ፍቕራን ጣዕማን  ኣማላድነታን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን። ንዓኣ ካብ ምስዳድ ይሰውረና።ኣሜን!!!

            ስብሃት ለእግዚኣብሔር

            ወለወላዲቱ ድንግል

            ወለመስቀሉ ክቡር

               ኣሜን!

 

Sorry, comments are closed for this post.