Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

“እንተ ዝፈልጥዎስ ነቲ ጎይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ” (1ቆሮ2፡8)

              በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

እንተ ዝፈልጥዎስ ነቲ ጎይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ” (1ቆሮ2፡8)

     khvhgghghgjhኣቦና ኣዳምን ኣና ሄዋንን “ኣይትብልዑ” ዝብል ትእዛዝ  ምስ ጠሓሱ   ካብ ገነት ኤዶም ተሰጉ (ዘፍ3፡23)፡ስለ በደሎም ንስሓ ምስ ኣተዉ ከኣ እቲ ኩሉ  ብንስሓ ተመሊሱ ብህይወት ክነብር እምበር  ሓደ   እ ክጠፍእ ዘይደሊ  እግዚኣብሔር  ኣምላኽ  ተስፋ  ድሕነት  ሃቦም። እቲ ተስፋ ድሕነት ምስ ተፈጸመ  ከኣ  ጎይታ  ካብ ኣዴና  ቅድስት  ድንግል ማርያም  ተወልደ ( ገላ 4፡4)። እተኾነ  መምህራን  ሕግን ፈሪሳውያንን  ንጎይታናን ኣምላኽናን  መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ  ኣብ መስቀሉ ሰቒሎም  ብግፍዒ ቀተልዎ ( ማቴ 27፡35)

  • ስደት ኣዳም ክመልስ ስጋ ዝለበስ ኣምላኽ ምዃኑ እንተዝፈልጡ ናብ ግብጺ ኣይመሳደድዎን (ማቴ 2፡14)

  • ባሕርን ቀላያትን ውቅያኖሳትን ዝፈጠረ ኣምላኽ ምኻኑ እንተዝፈልጡ ማይ ኣይኸልእዎን።ሓሞት ዝተሓወሶ  መጺጽ ወይኒ’ውን ኣይመስተይዎን (ማቴ27፡48)።

  • ዘርኢ ኣዳም ካብ ስቓይ ንኽወጽእ ከም ዝመጸ እንተ ዝፈልጡ ንስቓይ ኣሕሊፎም  ኣይምሃብዎን (ማቴ 27 ፡26)።

  • ህይወት ክዕድሎም ከም ዝመጸ እንተ ዝፈልጡ ንሞት ኣይምፈረድዎን ፡ሰቒሎም ውን ኣይምቐተልዎን ከኣ(ማቴ 27፡26-50)

ጎይታናን ኣምላኽናን   መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ መዋዕለ ትስብእቱ መንግስቱ ክንወርስ እንታይ ክንገብር ከም ዝግብኣና  ብቓል ጥራሕ  ዘይኮነስ  ” ከመዝ ግበሩ ፡ወከመዝ ንግሩ ” እና በለ  ብግብሪ  ምሂሩና እዩ። ኣብ መወዳእታ  ወዲ ሰብ ምስ ኩሎም መላእኽቱ  ብኽብሪ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ  ሽዑ ኣብ  ዝፋን ክብሩ ክቕመጥ እዩ። ሽዑ ከከም  ግብሩ ክፍደ እዩ። እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እቶም እኩይ ዝገበሩ ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ሞት ክኸዱ እዮም (ማቴ 25፡31- መፈ)።

  • መወትቲ ምዃናን ድሕሪ ሞት ድማ ኩሉ ከከም ግብሩ ዝፍደየሉ መዓልቲ ፍርዲ  ከም ዘሎ እንተ ንዝክር “ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያዊ ንጉስ እንታይ  ሒዘ  ክቐርብ እየ ” እና  በልና ማዕረ ክንደይ ንሰናይ  ነገር ምተጋህና፡ ማዕረ ክንደይከ ካብ ሓጢኣት ምረሓቕና (ሮሜ 2፡8, ማቴ 16፡27)

  • ምረት ናይ ሲኦልን ጋሃንመ እሳትን ፡ ጣዕሚ ናይ ገነትን መንግስተ ሰማያትን  እንተንርዳእ በጃ ህይወትና  እንታይ ዘይምኸፈልና!

እቲ ቀዳማይ ኣዳም ኣይትብላዕ  ተባሂሉ ምስ  በልዐ  ሞት ስጋን ሞት ነፍስን ተፈርዶ። እቲ ካልኣይ ኣዳም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣ ናይ ዘኣለም ህይወት ዘውርስ  መግብን መስተን ኮይኑ ተዋህበና (ሮሜ 5፡12-ፍጻ)።

  • ትእዛዝ ምጥሓስ ዘኣለማዊ ሞት ዘምጽእ ምኑ እንተንፈልጥ ነቲ ሓንሳብ ምስ በላዕክዮ ንዘኣለም ዘየጥሚ መግብን  ሓንሳብ ምስ ሰተኻዮ እውን  ንዘኣለም ዘየጽምእ  ሰማያዊ ጽዋዕን ማዕረ ክንደይ  ምሃረፍናዮን ምበሃግናዮን (ዮሓ6፡54-56)። ደቂ ሰባት ግና  ግብርና ፥”እምብልታ   ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኸኽምን  ” ኮይኑ ኣሎ (ማቴ11፡17) ከመይ ኣይትብልዑ ተባሂልና በሊዕና። ብልዑ ተባሂልና ድማ  ምብላዕ ኣበና።

ስለዚ ከምቲ ነይ ሆሴእ “ሕዝበይ ኣነ  ኣምላኾም ምነይ ሰኣን ምፍላጦም ይጠፍኡ ኣለዉ “ዝበሎ ሰኣን ፍልጠት ከይ ንጠፍእ ብልቦና ንንበር (ሆሴ  4፡6)።

ምናልባሽ ብዘይ ምፍላጥና ይኹን  ፈሊጥና  ንዘይምትግባርና  ሓያሎ ምኽንያታት  ክነቕርብ ንኽእል ንኸውን  እንተኾነ  ኣብዚ  እዋን እዚ እነቕርቦ ምኽንያት  ኩሉ ኮንቱ እዩ። ስለዚ እዩ ኣ  ጎይታ ንኣይሁድ  “ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን ” (ዮሓ 15፡22) ኢሉ ዝወቐሶም ። ስለዚ ዝኸበርኩም ኣሓት ኣሕዋት  ከም ኣይሁድ  ከይን ውቀስን   ፍርዲ ከይንቕበልን  እቲ ያውን መስለጥን ዝኾነ ይወት ዝህብ ቃሉ  ንስማዕ። ሰሚዕና ኣ ተግበርቲ ቃል ንኹን ። ጉዕዞ ይወት ወዲ ሰብ እንተ ነዊሑ እንተ ሓጺሩ ፡እንተ ጥዒሙ  እንተ ሓሲሙ  ሓላፊ ምኑ  ኣይንረስዕ። መፈጸምትኡ እዚ እዩ ዘይበሃሎ ይወት ድሕሪ ስጋዊ ሞት ዘሎ ይወት ከምዘሎ ኣ ኣይንረስዕ።

ምንጪ—-መጽሔት ማየ ኮኪሕ 9ይ ዓመት ቁ፣5 (ት/ሰ/ቅ/ሚካኤል   ባረንቱ)

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.