Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ኪዳነ ምሕረት /Kidane Mhret

   በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

                        ኪዳነ ምሕረት 

   527136_3966588859120_286094737_n ኪዳን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝግበር ውዕል፡ ቁምነገር፡ ናይ ፍቕርን ናይ ሓድነትን ማሕላ፡ ሰላማዊ ሕጊ፡ ንኽልተ ወገን ሓደ ዝገብር፡ ንረብሓን ጥቕምን ብተስፋ ዝፍጸም (ዝተጻሕፈ) ስርዓት፡ ምስ ዘፍርስዎ ጉድኣትን ፍርድን ዘምጽእ እዩ።

     ኪዳን ብሓደ ወገን ጥራይ ዝፍጸም ኣይኮነን። ዝፍጽምዎ ካልኣይ ወገን ዘለዎ፡ ውዕል ብማሕላን ፍሉጥ ብዝኾነ ምልክትን ብዝርደኣካ ነገር ዝገልጽ እዩ። ብርግጽ እግዚኣብሔር ንዓለም ካብ ዝፈጥራ ኣትሒዙ ንሰብ ብዘይ ቃል ኪዳን ኣይገደፎን። “ንዓሳ ባሕርን ንኣዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ክብል ቅድሚ ምፍጣሩ ቃል ኣቲሉ እዩ። እግዚኣብሔር ንሰብ ብመልክዑ ፈጠሮ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም፡ እግዚኣብሔር ከኣ ባረኾም ከምዚ ውን በሎም “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን ንዓሳ ባሕርን ንኣዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ”(ዘፍ 1፡26-28)። ካብዚ ጥቕሲ እዚ እንርድኦም ቁምነገራት ኣለዉ። ንኪዳን እንተውሓደ ክልተ ወገናት የድልዩ፡ ውዕል ዝቀባበሉ፡ ውዕል ውሃብን ውዕል ተቐባልን፡ ብድሕሪኡ ማሕላ (ኪዳን) ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኪዳን ምልክት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ኣዳምን ዝነበረ ናይ መጀመርታ ውዕላት ኣርባዕተ ክንርኢ ኢና፦

  1. ውዕል ውሃቢ (ማሕላ ዝመሓለ) ወይ ኪዳን ዝኣተወ – እግዚኣብሔር

  2. ውዕል ተቐባሊ (ዝተመሓለሉ) በዓል ቃልኪዳን – ኣዳም

  3. እቲ ውዕል (ማሕላ) – ምስ ትበልዕ ክትመውት ኢኻ- እንተዘይበሊዕካ ብህይወት ክትነብር ኢኻ ኢሉ እግዚኣብሔር ንኣዳም ዝሃቦ ሕግን ትእዛዝን

  4. ምልክት- ዕጸ በለስ

እዞም ኣካላት ኣብ ካልኦት ውዕላት’ውን ክንርእዮም ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ እግዚኣብሔር ንኖህ ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ምስ እንርኢ ማሕላ “ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ንደቑን ከምዚ እናበለ ተዛረቦም፥ ‘እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም ብድሕሬኹም ድማ ምስ ደቕኹም ኪዳነይ ኣቕውም ኣለኹ ምስቲ ምሳኻትኩም ዝነበረ ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ፡ ኩሉ ኣራዊት መሮር፡ ምስቲ ምሳኹም ካብ መርከብ ዝወጽአ ኩሉ፡ ምስ ኩሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡር ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ህይወት ዘለዎ ኩሉ ብማይ ኣይሂ ኣይክጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይክኸውንን እዩ፡ እንሆ ኪዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣለኩ’ ድማ በሎም።                                                                                        ኣምላኽ ከኣ ‘ነቲ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኹምን ኣብ ሞንጎ እቲ ምሳኹም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን ንውሉድ ወለዶ ዝገብሮ ኪዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ፡ ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኪዳን ምልክት ክኸውን እዩ። እንሆ ደመና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ከዳባኑ ከሎኹ፡ ኣብቲ ደመና ቐስቲ ክርአ እዩ። ሽዑ ነቲ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን ዘሎ ኪዳነይ ክዝክር እየ። እቲ ንኹሉ ፍጡር ዘጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ ድሕሪ ደጊም ኣይክኸውንን እዩ (ዘፍ 9፡8-15) ክብል ምልክቱ ውዕሉን ዝተቐባበልሉ ብግልጺ ኣስፊርዎ ይርከብ።

    እግዚኣብሔር ምስ ሕርያኑ ቃል ኪዳን ኣትዩሎም ኣዩ።እግዚኣብሔር ብንስሓ ናብኡ ንዝምለሱ፡ ብሕጊ ኣምልኾ ንዝደልይዎ ቀረባ እዩ። ብዙሕ ስራሕ ይሰርሓሎም፡ ተጋድሎኦም፡ ትግሃቶም እናረኣየ ደስ ዝብል ቃልኪዳን ይኣትወሎም። ካብቲ መጀመርታ ሰብ ካብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ እግዚኣብሔር ንኣቦታትና ቃልኪዳን ኣትይሎም እዩ። “ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ” ከም ዝብል (መዝ 89፡3)። ብድሕሪኡ’ውን ንቅዱሳን ሓዋርያት፡ ንጻድቃን፡ ንሰማእታት ዝጸውዖም ንተጋድሎ ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ተጋድሎ ናይ ተስፋ ቃል ንኽህቦም፡ ኪዳን’ውን ንኽኣትወሎምን’ዩ። “እቶም ጽውዓት ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ክወርሱ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቀዳመይቲ ኪዳን ከለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ከድሕኖም በጃ ኮይኑ ሞተ” ከም ዝብል (ዕብ 9፡15)።        

     mslefqur wedaእግዚኣብሔር ዝኣተዎ ኪዳን ከም ኣብነት ምስ እንርኢ፥ ኪዳነ ኣዳም፡ ኪዳነ ኖህ፡ ኪዳነ ኣብርሃም፡ ኪዳነ ዳዊት ካልእ ኪዳን ኣበውን። ይኹን እምበር ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣምላኽ ብዛዕባና ዝሓሸ ስለ ዝሓለየ ብዘይካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ከይበጽሑስ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ብእምነት እኳ ተመስኪሩሎም እንተኾነ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን” (ዕብ 11፡39-40) ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ቃል ኪዳን ዝኣተወሎም ኩሎም ንግዜኡ ደኣ ተስፋ ረኸቡ እምበር ፍጻሚኡ ኣይረኸብዎን።ንዓዓቶም ዝተዋህበ ቃል ኪዳን ፍጹም ኮይኑ ዝወሃበሉ ካልእ ናይ ቃል ኪዳን የድሊ ነበረ። እዚ ቃል ኪዳን እዚ ከኣ ኪዳነ ምሕረት ይበሃል። እዚ ናይ ምሕረት ኪዳን (ናይ ፍጻሜ ቃልኪዳን) ድማ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተገልጸ። ኣቕዲሞም ነቢያት ኩሉ እቲ ንኣበው ዝተዋህበ ፍጹም ናይ ተስፋ መግለጺ ይምርምርዎ ነበሩ። “እቶም ብዛዕባ እቲ ንዓኻትኩም ዝተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነቢያት፡ ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ብዓቢ ጥንቃቐ መርመሩ  እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን ዝንበ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን ኣየናይ ግዜን የመልክት ከምዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኹም እምበር ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይኮነ ገለጸሎም።  እዚ ነገራት እዚ በቶም ካብ ሰማይ ዝተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት ሕጂ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዚ ነገረ እዚ መላእኽቲውን ክርእይዎ ይብህጉ እዮም። ከም ዝብል (1ጴጥ 1፡10-12) ኩሎም መላእኽቲ’ውን ኣዝዮም ዝናፍቕዎ ጉዳይ ነበረ። ነቢያት’ውን ብዛዕባ እቲ ክምርምሩ ከለዉ ዝረኣይዎ ነገር ጽሒፎም እዮም።

  ነቢይ ኢሳያስ ” እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ። እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ። ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ” (ኢሳ 7፡14)።

ነቢይ ሕዝቅኤል “ናብታ ናብ ምብራቕ ኣቢላ እተርኢ ግዳማዊት ኣፍደገ ቤት መቕደስ ዘሎ ቅርዓት ወሰደኒ፡ እታ ኣፍደገ ከኣ ዕጽውቲ ነበረት። እግዚኣብሔር ድማ “እዛ ኣፍደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፡ ኣይትከፈት፡ ሰብ’ውን ብእኣ ኣይእቶ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ብእኣ ኣትየ እየ እሞ ብዕጽውታ ትንበር”(ሕዝ 44፡1-2)።

ቅዱስ ዳዊት፥  “እንሆ ኣብ ቤተልሔም ብዛዕባ እታ ታቦት ኪዳን ሰማዕና፡ ኣብ ሞሮር ያዓር ከኣ ረኸብናያ። ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንእቶ፡ እግሩ ኣብ ዝዓርፈሉ ስፍራ ንስገድ  ከኣ በልና” (መዝ 132፡6-7)።

 “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪኡ ክትከውን ከኣ በሃጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ። ብሂገያ እየ እሞ፡ ኣብዚኣ ክነብር እየ። ንሲሳያ ኣጸቢቐ ክባርኾ፡ ንድኻታታ  እንጌራ ከጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፡ ህዝባ ከኣ ብሓጎስ ዕልል ክብሉ እዮም። ኣብኣ ሓደ ካብ ዘርኢ ዳዊት ንጉስ ክሸይም እየ” (መዝ 132፡13-17)።

  እዚ ነቢያት ብትንቢት እናመርመሩ መንፈስ ቅዱስ እናገለጸሎም እናጸሓፉ ጸንሑ፡ ‘መላእኽቲ’ውን ንኽርኢዎ ይብህጉ ነበሩ’ ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ኣዝዮም ክናፍቕዎ ጸንሑ፡ ንዘይረኣይዎ ኣምላኽ ክርኢሉ ዝኽእሉ መንገዲ በዚ ጥራይ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ  ኣብ 1ይ ጢሞ 3፡16 “እቲ ብስጋ ሰብ ተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ ብመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ሞንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ትኣምነ፡ ብኽብሪ ዓረገ’ ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር ብርግጽ ዓቢ  እዩ” ክብል ንመላእኽቲ ናይ ምርኣዩ ምስጢር ብምስጢረ ስጋዌ ምዃኑ ዝገለጸልና።

   ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብምግላጹ ናይ ድያብሎስ ተንኮል መጻወድያ ሰቢሩ፡ ሰብ ካብ ሞት ካብ ኩነኔ ኣውጺኡ ስግኡ በሊዑ፡ ደሙ ሰትዩ ምስኡ ተወሃሂዱ ክነብር ኣኽኢልዎ እዩ። በዚ መገዲ እዚ ፍጹም ምሕረት ስለ ዝረኸብና ከኣ “ኪዳነ ምሕረት” ተባህለ።

 ኪዳነ-ምሕረት፦ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም መጸውዒ እዩ። ምኽንያቱ፥

  1. ናይቲ ፍጹም ኪዳን ምልክት ንሳ ስለ ዝኾነት (ኢሳ 7፡14)።

  2. ነዚ ኪዳን ብደሙ ዘጽንዓልና ካብኣ ዝተወልደ ወዳ ስለዝኮነ፡ ምኽንያቱ ንሱ ስጋን ደምን ካብኣ ዝወሰዶ እዩ።

  3.  ፍጹም ዝኾነ ቃል ኪዳን ስለዝኣተወላ።

      kida3ኣዴና ሄዋን ምኽሪ ሰይጣን ሰሚዓ ሞትን ኩነኔን ዘምጽእ መብልዕ እኳ እንተበልዐት፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብስራትን ምስጋናን ካብ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብሪኤል ተቐቢላ መብልዕ ህይወት ወሊዳ፡ ናይ ህይወት መግቢ ስለዘብልዓትና፡ ናይ ድሕነት ምኽንያት፡ ናይ ህይወትና ትምክሕቲ ንሳ ስለዝኾነት ፍጹም ቃልኪዳን’ውን ስለዝተቐበለት “ኪዳነ ምሕረት” ንብላ።

  ድሕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ንጻድቃን ንሰማእታትን ተጋድልኦም ምስ ፈጸሙ፡ ሞት ስልጣኑ ስለዝተሳዕረ ኣፍራሒ ምዃኑ ተሪፉ፡ ጎይታ ንሰማእት ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ  እስጢፋኖስ ከምዝተገልጸ፡ ተገሊጹ የዘራርቦም፡ ፍጹም ቃልኪዳን’ውን ይኣትወሎም እዩ። እዚ ቃልኪዳን እዚ፡ ናይ ምሕረትን፡ ናይ ይቕረታን፡ ናብ ገነት’ውን ዝመልስን ቃል ኪዳን እዩ።

   ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ድሕሪ ምትንስኡ እዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወትሩ ናብ ጎልጎታ መካነ መቃብሩ ብምኻድ ነገረ መስቀሉ ብምዝካር ጸሎት ተብጽሕ ነበረት። ምእንቲ ሓጥኣን ውን ትልምን ነበረት።  ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፲፮/16 ለካቲት ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘደንቕ ግርማ ተገሊጹ “ኣደይ ወላዲተይ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ማኅፀንኪ ዝጸይርኪኒ፡ ኣብ ዝባንኪ ዝሓዘልክኒ፡ ካብ መዓርን ስኮርን እምብዛ ዝምቅር፡ ካብ በረድ’ውን ዝጽዕዱ፡ ካብ ማየ ገነት’ውን ንጽሑ ዝኾነ ጸባ ኣጥባትኪ ዘጥበኽኒ ኣደይ እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ፧ ዝለመንክዮ ክገብረልኪ ዝደለኽዮውን ክፍጽመልኪ እየ” በላ።  ቅድስት ኣዴና ድማ “ብስመይ ቤተ ክርስቲያን ንዝሃንጹ፡ ብስመይ ንዝዓረቑ ዝኸድኑ፡ ብስመይ ሕሙማት ንዝበጽሑን ዝሓዘኑ ድማ ንዘጸናንዑን፡  ብስመይ ጥሙይ ንዘብልዑን ጽሙእ ንዘስትዩን፡ ምስጋናይ ንዝዛረቡ መጻሕፍቲ ንዝጸሓፉ ዘንበቡ ዝተርጐሙ፡ በዓለይ ንዘብዕሉን ንዘኽብሩን ምስጋና ዘቕርቡን፡ ብስመይ ኣብ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያናት ጥዋፍ ዕጣን ሽምዓ መባእ ንዝውፍዩ፡  ሰነ ጎልጎታ ወትሩ ንዘንብቡን ካብ ሲዖል ገሃነም ይድኅኑ፡ ስም ፈጣሪኦም ንምቅዳስ ክብሩ ድማ ንምውራስ ብቝዓትን ንቑሓትን ይኾኑ” በለቶ። ጎይታ ድማ  ዝለመነቶ ኩሉ ከምዝፍጽምላ ቃል ኪዳን ኣተወላ።

    emiebitachin5ስለዚ ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን ናይዚ ቃል ኪዳን እዚ ተኻፈልቲ መታን ክንከውን በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብግቡእ ከነብዕልን ጸበላ ክንገብርን ይግበኣና። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ” ንኣኻትኩም ዝቕበል ንኣይ ይቕበል እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል  ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፡ እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ፡ ካብዞም ናኣሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከምዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ 10፡40-42) ከም ዝበለ ጸበል ኩሎም ቅዱሳን እናገበርና ዓስቢ ክንረክብ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ኣሜን!!!

 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

 ኣሜን!

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.