Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ካብ ምዉት ኣንበሳ ህያው ከልቢ ይሓይሽ

ካብ ምዉት ኣንበሳ ህያው ከልቢ ይሓይሽ

በስመኣብወወልድወመንፈስቅዱስኣሃዱኣምላክኣሜን

“ካብ ምዉት ኣንበሳ ህያው ከልቢ ይሓይሽ እዩ’ሞ፣እቲ ምስ ኩሎም ህያዋን ዝተሓባበር ተስፋ ኣለዎ፣ህያዋን’ሲ ከም ዝሞቱ ይፈልጡ ኢዮም።ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን፣መዘከርታኦም ተረሲዑ ኢዩ’ሞ ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።”(መክ 9፣4-6)ነዚ ጥቕሲ ትርጉሙን ምስጢሩን መልእኽቱን ንምርዳእ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ሓደ ብሓደ ነዘን ቃላት ከፋፊልና ክንምልከት ኢና። ምኽንያቱ ኣብዚ ዘመንና ነዚ ጥቕሲ ብምጥቃም ቅዱሳን ከም ዝሞቱ ኣንበሳ፣ ንገዛእ ነብሶም ድማ ከም ህያዋን ዝቖጽሩ መናፍቓን ኣለዉ።ስለዚ ንነብስኻ ኣዕቢኻ ምርኣይ ነቶም እግዚኣብሔር ዘኽብሮም ቅዱሳን እንዳ ኣነኣኣስካ ዝዝረብ ዘረባ ካብቶም መንገዶም ስሒቶም ካብ እምነት ዝረሓቑ ሰባት ዝምንጩ ሓሳባት እዩ።ምኽንያቱ ኣነ ይፈልጥ፣ንሕና ንፈልጥ ዝብል ዘረባ፣ካብ ክርስትና ወጻኢ እዩ።ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ባዕሉ ኣምላኽ ክንሱ ንዓና ክምህር ብትሕትና ተመላለሰ፣ኣእጋር ደቂ መዛምርቱ ሓጸበ።ከምኡ’ውን ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታትና ነብሶም ብምትሓት ተመላለሱ፣ቅዱሳን ክንሶም ነብሶም ከም ሓደ ዘይረብሕ ወይ ሓጥእ ይቖጽርዋ ነበሩ።ንኣብነት፦ኣቦና ኣብራሃም ዝተዛረቦ እንተሪኢና “እነሆ ኣነ መሬትን ሓሞኽሽትን ከለኹ ምስ ጎይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር …” ክብል እንከሎ ንምልከት እምበር ንነብሱ ከተዓባቢ ኣይንርእይን ዘለና።(ዘፍ 18፣21,መዝ21፣6, 1ነገ 19፣4፣ 1ቆሮ 15፣8-9) ንመንገዲ ቅዱሳን ንመልከት።ናብ ኣርእስትና ምስ እንምለስ ድማ፦

1.1   ምዉት ኣንበሳ ዝተባህለ መን እዩ፦ ዝሞተ ኣንበሳ ክብል ጥበበኛ ሰሎሞን ገሊጽዎ ዘሎ፣ነቶም ብፍትወት ናይዛ ዓለም ተታሊሎም ሓጥያት ንምግባር ዝቕልጡፉ ናይ ንሰሓ ሕይወት ዘይብሎም ሰባት ክገልጽ ዝጸሓፎ እዩ።ነዚ ክገልጽ ከሎ ሲራክ “ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ ከይትድንጒ ሎሚ ጽባሕ እና በልካውን ኣይተድሓርሓር፣ከመይ መዓት እግዚኣብሔር ሃንደበት ክፍኖ’ዩ፣ብመዓልቲ መቕጻዕቲ ድማ ክትድምሰስ ኢኻ”(ሲራክ 5፣7) ይብለና።እምበኣር ሓጥያት ኣብ ንፍጽመሉ እዋን፣ካብ እግዚኣብሔር ትፈልየና ሓጥያት ሰሪሕና ስለ ሓጥያትና ናብ እግዚኣብሔር እንተዘይ ተመለስና፣ምስ ሓጥያትና እንተሞትና ዝሞተ ኣንበሳ ንምሰል።ሓጥያት ክበሃል ከሎ ህይወት ሰብ ብምሕላፍ፣ብምዝማው፣ብምዕማጽ…ወዘተ ኣብዚ ዓለም ሕይወቶም ዘሕልፍዎ ኩሎም ሓጥያት ንምስራሕ ኣናብስ ዝኾኑ ንኽገልጽ ዝተዛረቦ ቃል ኢዩ።ንምንታይ ብኣንበሳ ተመሲሉ ዝብል ሕቶ፣ፍቓድ እቲ ኣቦኦም ዲያብሎስ ስለ ዝፍጽሙ ኢዩ። ንሱ ንደቂ ሰባት ሓጥያት ንምስራሕ ከም ኣንበሳ ክጥሕሩ ዝገብር ስለ ዝኾነ’ውንዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ተገንዚቡ “ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም፣ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኾይኑ ይዘውር ኣሎ’ሞ ተጠንቀቑ ንቕሑ”(1ጴጥ 5፣8) ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።ነቢይ እግዚኣብሔር ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት’ውን ብዛዕባ ሓጥኣን ክዛረብ ከሎ ከይተናዘዙ ፣ከይተነስሑ ዝሞቱ ሰባት “ሞቱ ለሓጥእ ጽዋግ ውእቱ( ናይ ሓጥእ ሞት ብስቓይ ኢዩ)” ይብል።ስለዚ ናይዞም ብኣንበሳ ዝተመሰሉ ሓጥኣን ሞት፣ዝኸፈአ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስና ይነግረና’ዩ።ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም፣እቲ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ ትደልዩ ኣለኹም፣ንሱ ኸኣ ካብ መጀመርታ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፣ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን ሓሶት ክዛረብ ከሎ ካብ ርእሱ’ዩ ዝዛረብ፣ሓሳዊ እዩ’ሞ ንሓሶት ከኣ ኣቦኣ’ዩ (ዮሓ 8፣34) ክብል ነቶም ነብሶም ብምዕባይ ንጹሃት ክመስሉ ዝደልዩ ፈሪሳውያን ተዛረቦም ፣ክፉእ ስለ ዝገበሩ ከኣ ደቂ እቲ ብኣንበሳ ዝተመሰለ ዲያብሎስ ምዃኖም ኣብርሃሎም።ሞት ናይዞም ንሰሓ ዘይፈትዉ ዝኸፈአ ስለ ዝኾነ ብምዉት ኣንበሳ ተመሰሉ።(ዘሌ 26፣1, ዕብ 5፣11-12, ኤፌ 5፣3-6, ገላ 5፣16-21, ቆላ 6፣9)

ዘማራይ ዳዊት’ውን ረሲእ ሰብ በቲ ኣብ ልዕሊ መሳኪንን ንጹሃትን ዝገብሮ በደል “ከም ኣንበሳ ኣብዱር ኣብ መሕቢኢኡ ይጸናቶ፣ንምስኪን ክዕምጥሮ የድቢ” ክብል እቶም ኣብዚ ዓለም ብሓይሎም ክነብሩ ዝደልዩ ከም ኣንበሳ መሲልዎም (መዝ 10፣9)ቀጺሉ’ውን ነቶም ብቲዕቢት ንነብሶም ዘዕብዩን ንእግዚኣብሔር ረሲዖም ልቦም ዘትርሩ ረሲኣን ክገልጽ እንከሎ “ነቲ ክሰላልዕ ዝምነ ኣንበሳ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል” በለ (መዝ 17፣12)ስለዚ እዚ ምዉት ኣንበሳ ንሓጥኣን ከይተነስሑ ዝሞቱ ደኣ የመልክት እምበር ንጻድቃን ዝተባህለ ከምዘይ ኮነ ምፍላጥ የድልየና።

1.2  ሕያው ከልቢ ይሓይሽ ዝተባህለ፦ ህያው ከልቢ ተባሂሎም ዘለዉ ብህይወት እንከለዉ ሓጥያት ዝፍጽሙ ኮይኖም ፣ውዕለትን ምሕረትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ብምርሳዕ ኣብ ሓጥያት ዝርከቡ እዮም።ስለዚ ህያው ከልቢ ዝተባህሉ፣ብህይወት ስጋ ዘለዉ ሓጥያተኛታት እዮም።ኣብ መጽሓፍቅዱስ ሓጥያተኛታት ብከልቢ መሲሉ ጽሒፉልና ንረኽቦ።ቅዱስ ዮውሃንስ ውን ኣብ ራኢኡ ብዛዕባዚ ኪገልጽ እንከሎ፣ነቶም ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝወጹ ብኸልቢ መሲልዎም ንረኽቦ። “እቶም ኣኽላባትን ጠንቆልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣዖትን ንሓሶት ዝፈትዉዋን ዝገብርዎ ዘበሉ ኹሎም ግና ኣብ ወጻኢ ኢዮም”(ራኢ 22፣15) ሓዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ’ውን ነቲ ሓጢኣተኛ ሰብ፣ብተደጋጋሚ ሓጥያት ንዝሰርሕ ሰብ ክገልጽ ከሎ “ከምቲ እቲ ምስላ ሓደ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፣ሓሰማ’ውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት ዝበሎ በጺሕዎም ኣሎ “በለ። ህያው ከልቢ ዝበለሉ ምኽንያት እምበኣር ንሰሓ ንኸኣትው ዕድል ስለ ዘለዎም እዩ (2ጴጥ 2፣22, ምሳ 26፣11)።

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ነታ ከንኣናዊት ሰበይቲ ዝተዛረባ ቃል ምስ እንምልከት፣ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ንኣኽላባት ምሃብ ኣይግባእን’ዩ”በላ ንሳ ድማ ሓጥያታ ኣሚና “እሞ ኣኽላባት ካብ ማኣዲ ጎይትኦም ዝወደቕ ርፍራፍ ይበልዑ ኢዮም” ክትብል መለሰትሉ በዚ ድማ ዝለመነቶ ረኸበት።(ማቴ 15፣26-28) ብኣኽላባት ዝመሰሎም ንመምለኽቲ ጣዖት ኢዩ።ንሳ ካብ ኣህዛብ መምለኽቲ ጣዖት ስለ ዝነበረት ምስላ ጌሩ ተዛረባ፣ስለዚ ኩሉ ሰብ ነዚ ዘለዎ ናይ ሓጥያት ናብራ ሓዲጉ ናብ እግዚኣብሔር ምስ ዝቐርብ ይቕረ ክብለልና ዝተኣመነ ኣምላኽዩ፣ደቂ ሰባት ግን ነዚ ክንድዚ ዝኣክል ምሕረት ኣምላኽ ብምዝንጋዕ፣ብፍቓድ ስጋኦም ክመላለሱ ይራኣዩ።እዚ ድማ ሰብ መዋቲ ምዃኑ እንተዝዝክር ካብ ምንሳሕ ኣይመዕረፈን፣ ሰብ ግን ከም ብህይወት ዘሎ ከልቢ ኣለኹ እናበለ ሞት ትቕድሞ፣ከይተነሰሐ ክመውት ከሎ፣ዝሞተ ኣንበሳ ይምሰል።ምኽንያቱ ሓይሊ ኣለኒ ጌና ኣለኽU እንዳበለ ብፍቓድ ስጋ ጥራሕ ክመላለስ ይጸንሕ’ሞ፣እቲ ብፍቓድ ስጋ እና ተመላለሰ ዝፍጽሞ ሓጥያት ድማ ናብ ሞት የብጽሖ።እቲ ብስጋ ዝነበሮ ህይወት ግን ኣንበሳ የጸወዖ።ንነቢይ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ውን ነቶም ፍቓዱ ዘይ ፈጸሙ እስራኤላውያን፣ብምስላ ከምዚ ክብል ገለጸሎም “ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ ኢዮም”(ኢሳ 56፣10-11)ድሌት ደቂ ሰባት መወዳእታ ከምዘይ ብሉ ፣ጻድቃን ግና በቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ይዓግቡ፣እቶም ብጌጋ መንገዲ ዝመላለሱ ብኣኽላባት ዝተመሰሉ ሰባት ግና ኣይዓግቡን ኣለኹ እና በሉ ከኣ ሞት ትበጽሖም።

1.3  ነቲ ምስ ኩሎም ህያዋን ዝተሓባበር ተስፋ ኣለዎ፦ እዚ ቃል ነቲ ብህይወት ስጋ ዘሎ ንስሓ ብምእታው መንገዲ ኩሎም ቅዱሳን ዝኽተል ሰብ ዘመልክት’ዩ።ሓደ ሰብ ኣብ ማዓልታዊ ጉዕዝኡ ሂወቱ እና ፈተሸ ስለ ሓጥያቱ ንሰሓ እና ኣተወ ምስ ዝኸይድ፣ ነቶም ብመንገዲ እግዚኣብሔር ዝተማላለሱ ቅዱሳን ዝስዕብ ይኸውን።ነዚ’ዩ ድማ ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ዕብራውያን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣመልኪቱ፣ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፣መወዳእታ ንብረቶም እንዳ ተቛመትኩም፣ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ”(ዕብ 13፣7)ክብል እቲ ጉዕዞ ቅዱሳን ዝኽተል ሰብ ተስፋ ከምዘለዎ ይምዕድ።ቀጺሉ’ውን “ሰዓብተይ ኩኑ ኢለ ይምዕደኩም ኣለኹ” (1ቆሮ 4፣16) “ኣሕዋተይ ንዓይ ምሰሉ፣ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝኾንናልኩም ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዝመላለሱ ኣስተብህሉ”(ፊል 3፣17, 1ተሰ 1፣6)ክብል ይምዕደና።

ስለዚ እቶም ንግዚኣብሔር ኣስሚሮም ጉዕዞኦም ዝወድኡ ቅዱሳን ህያዋን ከምዝኾኑ፣እዞም ብህይወት ዘለዉ ብኸልቢ ዝተመሰሉ ሓጥኣን ውን ነዚ መንገዲ’ዚ ምስ ዝመርጹ ተስፋ ኣለዎም። “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ህያዋን’ዩ እምበር ኣምላኽ ምውታት ኣይኮነን”(ማቴ 22፣23)።እምበኣር ብመንገዲ እምነት ኣሰር ቅዱሳን ብምኽታል ዝመላለስ ሰብ ብእምነቱን ብግብሩን ስለ ዝሓብሮም ተስፋ ኣለዎ።

1.4 ህያዋን’ሲ ከም ዝሞቱ ይፈልጡ ኢዮም፦ዝኾነ ብህይወት ዘሎ ሰብ ክመውት ምዃኑ ኩሉ ይፈልጥ’ዩ።ማለት ሞተ ስጋ ከምዘለዎ ዘይርድኦ ወዲ ሰብ የለን እዚ ማለት ሞተስጋ ንኹሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ዝበጽሖ ስለ ዝኾነ ኢዩ።እቲ ህያው ከልቢ ዝተባህለ ግን ዋላኳ ሓጥኣን ኮይኖም ሓጥያት እንዳ ፈጸሙ ዝነበሩ እንተኾኑ፣ሞት ከም እትመጾም ይፈልጡ ኢዮም።ገሊኦም ነዚ ብምፍላጥ ቅድሚ ምማቶም ዝናስሑ ክኾኑ ከለዉ፣ገሊኦም ግና ሞት ስለ እትቕድሞም፣ሞተ ስጋን ነፍስን ይሞቱ።ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮውሃንስ፣ “እቶም ፈራሓትን ካሓድትን ርኹሳትን ቀተልቲ ሰብን ኣመናዝርን ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣዖትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፣ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዝነድድ ቀላይ ኢዩ።እዚ እቲ ካልኣይ ሞት’ዩ በለኒ”ይብል(ራኢ 21፣8, ት.ኢሰ 33፣8-9)

ህያዋን (ብስጋ ዘለዉ) ቅዱሳን ሓጥያት ምስ ዝሰርሑ ወይ ምስ ዝፍጽሙ፣ንእግዚኣብሔር ከም ዘሕዘንዎን ዓስቢ ዘይ ምንስሖም ከኣ ዘልኣለማዊ ሞተነፍሲ ከም ዝረኽቦም ይፈልጡ ኢዮም።ነዚ ተረዲኡ ኢዩ ከኣ ነቢይ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ  “ጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዝኣበሰላ ማዓልቲ ኣይከድሕኖን ኢዩ”ዝበለ (ኢሳ 33፣12)

ስለዚ ህያዋን ዝኾኑ ቅዱሳን ምስ ዝእብሱ ስለ ኣበሰኦም ምስ ዘይ ንስሑ፣ካብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ዝድሕኑ ከምዘይ ኮኑ ይነግረና።ነዚ ኣመልኪቱ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን “ግናኸ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ’ሞ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ፣እምበኣር’ሲ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፣ነቲ ቀዳማይ ግብሪ’ውን ግበሮ እንተዘይ ኮነስ ክመጸካ፣እንተዘይ ተነሲሕካ’ውን ነቲ ቀዋሚ ቀንዴልካ ካብቲ ሰፈሩ ከዝብሎ ኢየ”(ራኢ 2፣4-5)በሎ። በዚ ዓስቢ ዘይ ምንሳህሕ ሞተስጋን ሞተነፍስን ከም ዝስዕብ የረዳኣና።እቶም ህያዋን ብስጋ ዘለዉ ሰዓብቲ ቅዱሳን ግና ዓስቢ ዘይ ምንሳሕ ይፈልጡ ስለ ዝኾኑ ንምንሳሕ ኣይድንጉዩን፣ኣብ ዝወደቕሉ እዋን ብቕልጡፍ ተንሲኦም በቲ መንገዲ ቅዱሳን ይመላለሱ።ጥበበኛ ሰሎሞን ነዚ ክገልጽ ከሎ፣ “እቲ ጻድቕ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ’ሞ ይትንስእ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ”(ምሳ 24፣16)ብምባል ገሊጹልና ኣሎ።    (1ቆሮ 2፣10, 1ቆሮ 13፣12

1.5. ምዉታትግናገለእኳኣይፈልጡን፡

ሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ብስጋ እናነበረ  ከሎ ብኣተሓሳስባ ኣእምርኡ ዝሞተ ምስዝኸውን ማሌት ካብ ንስሓ ርሒቑ  ክፉእ ንምስራሕ ጥራሕ ዝተዓጥቀ ምስ ዝኸውን ምዉት ይጽዋዕ።ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብርሃን ወንጌል ዝበርሃሎም ሰብ ኤፌሶን ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ክርስቲያን  ምዃኖም ዝነበረ ሕይወቶም ክገልጽ እንከሎ፡ምዉታት ከም ዝነበሩ ድሕሪ ክርስቲያን ምዃኖም ግን ሕያዋን ከም ዝኾኑ ከብርህ፡

“ንስኻትኩም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ……….ብበደልኩምን  ብኣበሳኹምን  ምዉታትት ዝነበርኩም ንዓኻትኩም ሕያዋን ገበረኩም“

 በሎም (ኤፌሶን2፡1-2)።ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ናብራ ሂወቶም፡ምዉታት ዝተባህልሉ ብሰንኪ ናይ ድሕነት ኣፍልጦ ብዘይምንባሮም እዩ።

ጎይታናን  መድሓኒናን  ኢየሱስ  ክርስቶስ እውን ነቲ ኣብኡ ክቐብር  ዝሓተተ ሰብ፡“ምዉታትሲ ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም“ኢልዎ  ኔሩ።

እዚ ኸኣነቶም  ብሂወተ  ስጋ  ህልዋን  ዝኾኑ  ቀባሮ፡ምዉታት ክብል ገጽዎም ኣሎ።እዚኣቶም  ምዉታን  ኣእምሮማሌት                                         ንንስሓዘይተዳለዉብምዃኖምምዉታትተባህሉ።(ሉቃ9፡60,1ጴጥ1፡14)።ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ‘ውን ነቶም ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣፍልጦ ዘይነበሮም ሰብ ቆላሴ፡ነቲ ቅድሚም እማኖም ዝነበረ ናይ ሓጢኣት ሕይወቶም  ብሞት መሰሎ“ንብዘሎ  ኣበሳና ይቕረ  ኢሉብኣበሳኹም ብዘይ ግዝረት ስጋኹም ምዉታት ንዝነበርኩም ንዓኻትኩም ሕያዋን ገበረኩም“(ቆላ2፡13)።ስለዝኾነ  እቶም ሕያዋን ኣኽላባት   ናብ ንስሓ  እንተዘይ ተመልሱ፡ብሰንኪ ምዕዋር  ልቦንኦም  ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ክልተ ሞት ከም ዝበጽሖም  ኣየስተውዕሉን እዮም።እምበኣር  ምዉታን ገለ እኳ ኣይፈልጡ ንዝበሎ፡ናይ ስጋ ምብስባስ  የመልክት።እዚ  ማሌት ስጋን ነፍስን ምስ ተፈላለያ እታ ስጋ ፈራሲትን በስባሲትን ምዃና የረድእ።እታ መዋቲት ዝኾነት ስጋና  ብግዝያዊ  ነገራት እና ኣተላለትና  ንንስሓ ከምዘይ ንሓስብን  በረስቲ   ምዃና ንኸይንዝክርን  ብምግባር ዘይ ነስተውዕል (ዘይንፈልጥ) ትገብረና።

1.6.መዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ እሞ ድሕሪ‘ዚ ረብሓ የብለምን፡

ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ  ብምዉት ኣንበሳ  ዝተመሰሉ ሓጥኣን  እዮምን ዝመጽእ ሕይወት ስለዘይሓስቡን  ክልተ ሞት ስለዝሞቱን ዝዝክሮም የብሎምን።ቅዱሳን ግና ብኣንጻሩ  መዘከርትኦም ንዘልኣለም ይነብር፡ነብይ ዳኒኤል ነዚ ተረዲኡ “እቶም ጠቢባን ከም ናይ ሰማይ ብርሃን ክበርሁ እዮም፡እቶምን ብዙሓት ናብ ጽድቂዝመርሑ    ካኣ ከም   ከዋኽብቲ  ንዘልኣለምኣለም ክበርሁእዮም።“(ት.ዳን12፡3);; ጥበበኛ ሰሎሞን‘ውን  መዘከርታ  ቅዱሳን ንበረኸት ናይሓጥኣን ግና  በራስን  ጠፋእን  ምዃኑ ከብርሃልና ከሎ፡“መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ፡ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ ይብል“(ምሳ10፡7,መዝ112፡6);;ኣብ  መዓልታዊ ሂወትና ይኹን ኣብ እዋን ቅዳሴ ብዘይ       ምቁራጽ እንዝክሮም ቅዱሳን ኣለዉ።እዚኣቶም ስለእቲ ገንሸል ክብሉ መከራ ዝረኸቡ  ንስሙ ብትብዓት ዝመስከሩ  ቅዱሳን ክኾኑ እንከለዉ ቤተክርስቲያን መዓልታዊ ናይ ቅዱሳን ታሪኽ ብብመዓልቶም ከፋፊላ  ስንክሳሮም  ከምዝንበብ ብምግባር ንደቃ በረኸት ናይ‘ዞም ቅዱሳን ከም ዝረኽቡን መገዶም ከም ዝስዑቡን ትገብር።(ምሳ4፡18) ገለገለ ሰባት ግና  ቅዱሳን ወይ ዝዝከሩ ኣቦታት ስለዘይብሎም(ማሌት ናይ እምነት ኣቦታቶም ስለዝተረስዑን ምዉታትስለ ዝኾኑን ) በቲ ድፉን ዝኾነ ኣእምርኦም  እዚ ” መዘከርትኦም  ተረሲዑ” ዝብል ቃል  ትርጉሙ ብምዝንጋዕ ንቅዱሳን እዩ ክብልዎ  ንሰምዕ፡እግዚኣብሄር  ዓይነልቦንኦም የብርሃሎም።ኣሜን! ስለዚ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ  እቶም   ብሕማቕ መገዲ ዝተመላለሱ  መዘከርትኦም ርሱዕ ከምዝኾነ  ተጻሒፉ ኣሎ፡“ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ“(ምሳ10፡7) ከም ዝበለ።ስለ‘ዚ ኢዩ ካኣ ከም በዓል ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቀ መለኮት  ዝኣመሰሉ  ቅዱሳን  ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ  ብውሉድ ኣትማን እናበሉ ዝጽውዕዎም (ማቴ3፡7)።ተመን  ነኺሱ  ብመርዙ ከም ዝቐትል፡  እቶም ቀተልቲ ነፍሳት ከምኡ‘ውን እቶም ቃል እግዚኣብሄር  ብምጥዋይ ሕንዚ ብምዝራእ ዘስሕቱ ዘለዉ ውሉድ ኣትማን እዮም።ዝሞቱ ሓጥኣን  እምበኣር  ድሕሪ ሞቶም ረብሓ የብሎምን።ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሄር ግን ቅድሚ ኣሻሓት  ዓመታት ዝዓረፉ ዋላእኳ እንተኾኑ፡ከም ጸሓይ ኣብ ጸጽባሕ ዝበርህ ስም ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝረኸቡ ናብ‘ቲ ብስሞም ዝተጸውዔ ቤት እግዚኣብሄር ብምምጻእ በረኸቶም እናተኻፈልና  ክንዝክሮም  ንነብር።

ብኣጠቓላሊ መበገሲት ጥቕስና  ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ  ከምቲ መናፍቓን ዝብልዎ፡ንጻድቃን ከም ምዉት ኣንበሳ፡ብስጋ ንዝነብሩ ድማ  ከም ኣኽላባት ትገልጽ ዘይኮነትስ ንኽልቲኦም(ንምዉት ኣንበሳን፡ሕያው ከልብን) ሓጥኣን ምዃኖም እያ እትገልጽ፡እንተኾነ ግና  ካብ‘ቶም ዝሞቱ ሓጥኣን (ምዉት ኣንበሳ)፡እቶም ብሂወት ዘለዉ  ሓጥኣን  (ሕያውከልቢ) ይሕሹ ከመይ እቶም ዘይሞቱ (ብስጋ  ሕያዋን  ዘለዉ፡ብሕያውከልቢዝተመሰሉ) ንንስሓ  ዕድል ኣለዎም ቅድሚ ስጋዊ  ሞት ምማቶም ተነሲሖም መንግስቲ  ኣምላኽ ክወርሱ ይኽእሉ እዮም።

ጸሎቶምን በረኸቶምን ናይ ኩሎም ቅዱሳን ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም  ምስ ኩላትና ይኹን።ኣሜን!

ወስብሃትለ እግዚኣብሄር

ወለወላዲቱድንግል   ወለመስቀሉክቡር  ኣሜን!

 ምንጪ፡  መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ.4 (ቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም/ቤተክርስቲያን ንመድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል)

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.