Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

” ክሳዕ መዓስ ኢኻ ስንፍላል እትገብረና” ዮሓ፲፡፳፬/10፡24

                         ክሳዕ መዓስ ኢኻ ስንፍላል እትገብረና” ዮሓ፲፡፳፬

                   በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

      ናይዚ ቃል እዚ ተዛረብቲ እቶም ብትዕቢትን ብትምክሕትን ልቦም መሊኡ ዝነበረ ኣይሁድን መራሕቶምን እዮም።

  meጎይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዓለም እዚ መጺኡ ዝገብሮ ዝነበረ ፡ንሰባት ብርሃን ዝኾነ ቃሉ ምምሃርን ምምጋብን እዩ። ዝሓዘኑ ብቓሉ ክጸናንዑ፡ተስፋ ዝቖረጹ ተስፍኦም ክመልእ፡ እሱራት ውጹኣት ሓራ ከም ዝኾኑ ዝገበረ ነቲ ኣማናዊ ብርሃን ዝኾነ ቃላቱ ብምምሃር እዩ።በዚ ካኣ ብዙሓት ካብ ቀቢጸ ተስፋ ተገላጊሎም ብተስፋ ክነብሩ ክኢሎም እዮም።ኣዝዮም ብዙሓት’ውን ብትምህርቱ ኣሚኖም ሓጢኣት ካብ ምስራሕ ዝተቖጠቡ፡ ሕጊ ኣምላኽ ክፍጽሙ ዝጀመሩ ኣብ ቃሉ ጸኒዕም ክሳዕ ሞት እሙናት ዝኾኑ ኣለዉ።

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሎም ዓይነት ሰባት ኣብ ኩሉ ናይ ሕይወት መድረኻት ንዝርከቡ ቃሉ መጊብዎም ኢዩ።(ዮሓ፪፡፩-፲፪/2፡1-12, ዮሓ፭፡፩-፲፯/5፡1-17, ዮሓ፲፩፡፩-፴፪/11፡1-32, ሉቃ፭፡፲፯-፳፮/5፡17-26)

ኣብ ቤት ጸሎት ናይ ኣይሁድ ከይተረፈ ኣትዩ ፡ብዛዕባ መንነቱ ይነግሮም፡ሰናይ መገዲ እንታይ ምዃኑ ይምህሮም ፡ነቶም ብትዕቢት ተነፊሖም ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ዝኸዱ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ ፊት ንፊት ይግስጾም ነበረ።(ሉቃ፮፡፮-፲፩/6፡6-12, ማቴ፲፪፡፱-፲፬/12፡9-14,

ብዙሓት ንትምህርቱን ንዝህቦ ዝነበረ ተግሳጽን ሰሚዖም ፡ልቦም ስለ ዝተሰብረ፡ብሓቂ ንሱ መድኃኒ ዓለም ምዃኑ ኣሚኖም ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ትምህርቱ ካኣ ጸኒዖም እዮም።

ብኣንጻሩ ግና ንኽብሪ ርእሶም ኢሎም ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ፡ሽሕ እኳ ኣብ ቅድሚኦም ዓበይትን ድንቅን ዝኾኑ  ተኣምራት ይገብር እይንበር እምበር ንትምህርቱ ክቕበሉ ፡ብኣምላኽነቱ ክኣምኑ ኣይተራእዩን።

ካብ ኣብርሃም ብምውላዶም ጥራሕ ዝምክሑ፡ግናኸ ኣብ ኣሰር ኣብርሃም ዘይረግጹ ፡ግብሪ ኣብርሃም ዘይገብሩ ፡ብኢድ ሙሴ ናይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ሕግን ዝተቐበሉ ኣብ ቤት ጸሎቶም ኮነ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብዘይ ምቁራጽ ዘንብብዎ እንተኾነ በቲ ዝተዋህብዎን ዘንብብዎን ቃል ጸኒዖምን ተረዲኦምን ዘይነብሩን ዘይተረኽቡን ሰባት ፡ሰይጣን ንሓሳባቶምን ንልቦምን ስለ ዝጠምዘዞ፡ኣቐዲሞም ንዝመጹ ቅዱሳን ነብያት፡ሰብ ኮይኑ ንዝመጸ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ብድሕርኡ ንዝመጹ ቅዱሳን ሃዋርያት ንቓላቶም ክሰምዑ ኣብቲ ዝሰምዕዎ ቃላት ብፍጹም እምነት ክነብሩ ኣይተራእዩን።እኳ ድኣ ብዙሕ ግዜ ዓለዉ ንኣምላኽ ካኣ ኣሕዘንዎ ፡ኣብ ልዕሊኦም’ውን ቅልጡፍ ጥፍኣት ኣምጽኡ።(ማቴ፫፡፯-፲፪/3፡7-12)።

“ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም እቲ ዝተሓደሰ ቤተ መቕደስ ዝተመረቐሉ በዓል በጽሐ፡ግዜኡ ካኣ ክረምቲ ነበረ።”(ዮሓ፲፡፳፪/10፡22)ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ኣብ ቅድሚ ኣይሁድ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ስለ ዝገበረን ንዓኣቶም’ውን ይግስጾም ስለ ዝነበረን ኣብ ልዕሊኡ ብዙሕ ናይ ቅንኢ ቂምታ ኣሕዲሮም ነበሩ።ካብዚ ዝተላዕለ ካኣ ካብ ኣፉ መኽሰሲ ዝኾኖም ቃል ይደልዩ ነበሩ።ግናኸ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።(ዮሓ፰፡፶፱/8፡59,፱፡፳፱/9፡29, ፲፡፲፱-፳፩/10፡19-21)

በዚ ግዜ’ዚ እዮም እምበኣር በዓል ምሕዳስ ቤት መቕደስ ከኽብሩ ዝመጹ ኣይሁዳውያን ፡ኣብ ልቦም ዝነበረ ናይ ምጥርጣር መንፈስ ስለ ዘቸነቖም ፡ናይ ክርስቶስ መንነት ንምፍላጥ ኣብቲ በዓል ምስ መጸ ኣኽበብዎ እሞ ““ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሰንፍላል እትገብረና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተድኣ ኬንካስ ኣግሂድካ ንገረና።” ክብሉ ዝሃተትዎ።(ዮሓ፲፡፳፬/10፡24)

እንተኾነ ወዮ ልቦም ድኣ ተደፊኑ ነይሩ እምበር ንሱስ እቲ ክመጽእ ዘለዎ ክርስቶስ ምዃኑ ኣቐዲሙ ብኣፍ ነቢያቱ ኣብ መጨረሽታ ካኣ በቲ ናይ ብሉይ መወዳእታ ናይ ሓድሽ መጀመርታ ዝኾነ ዮሓንስ መጥምቅ ገይሩ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።

ባዕሉ’ውን እንተኾነ ክሳዕ’ዛ ኣብዚ በዓል ረኺቦም ነዚ ሕቶ እዚ ዘቕርብሉ ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ኣግሂድሎም ኢዩ።እንተኾነ ልቦም ስለ ዘትረሩ ክኣምንዎ ኣይተራእዩን።

ቀጺሉ ብዛዕባ መንነቱ ንዝሓተትዎ ሕቶ ንምምላስ ” ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፡ንዓይ ዝምስክረለይ እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ።ንስኻትኩም ግና ከምቲ ዝበልክኹም (ዮሓ፲፡፲፬-፲፰/10፡14-18) ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም።እተን ኣባጊዐይ(ምእመናንን ምእመናትን) ግና  ድምጸይ ይሰምዓ እየን ኣነ ካኣ የለልየን ንሳተን ካኣ ይስዕባኒ ኢየን።ኣነ ካኣ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ይህበን።ካብ ኢደይ ድማ ዝምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን።ከመይ እቲ ንዓኣተን  ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ ኢዩ።ካብ ኢድ ኣቦይ ክምንዝዐን ዝኽእል ካኣ ሓደ እኳ የልቦን።ኣነን ኣቦን ሓደ(ስልጣን፡ብብርሃን፡ብኣምላኽነት፡ብምስጋና) ኢና “(ዮሓ፲፡፳፭-፴/10፡25-30) በሎም።

ሕጂ’ውን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነገሮም ትምህርቱ ብምድጋሙ ፡ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ  ብግልጺ ብምዝራቡ ፡እቲ ተሪር ልቦም መሊሱ ምእማን ኣበየ።ንዝሓተትዎ ሕቶ ግቡእ መልሲ ብምርካቦም ኣብ ክንዲ “ኣሜን” ኢሎም ዝኸዱ መሊሶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበሮም ክፍኣት ተወሳኺ ክፍኣት ወሰኹ።እንሆ ካኣ ብዳርባ እምኒ  ክቐትልዎ እምኒ ኣልዓሉ።(ዮሓ፲፡፴፩)

 ሕጂ’ውን ክቐትልዎ ምድላዮም ካብ ኮንቱ ሓሳብ ተበጊሶም ምዃኖም ከም ዝፈልጦም መታን ከብርሃሎም “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ዝኾነ ግብርታት ኣርኣኹኹም ፡ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ዘለኹም፧ እና በለ ተዛረቦም።በቲ ምጽራፍካን ሰብ ከለኻ ንገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ምግባርካን እምበር በቲ ሰናይ ግብርኻ ኣይኮናን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ ኢሎም መለስሉ።”(ዮሓ፲፡፴፪-፴፬/10፡32-34)።

እወ! ኣምላኽነቱ ስለ ዝገለጸሎም ጥራሕ ክቐትልዎ ደለዩ።ካልእስ ሓንቲ እኳ ክረኽብሉ ኣይከኣሉን።እዚ ካኣ ባዕላቶም “ክሳዕ መዓስ ሰንፍላል እትገብረና ንስኻ ክርስቶስ እንተድኣ ኮንካስ ኣግሂድካ ንገረና” ክብሉ ስለ ዝሓተቱ ኢዩ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገልጸሎም ዝነበረ በቲ መዓልቲ እቲ’ውን እቲ  ክጽበይዎ ዝጸንሑ ኣብ መጻሕፍቶም’ውን ስሌኡ ተጻሒፉ ዘሎ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ገለጸሎም።እንተኾነ ስለ ዘይተቐበልዎ ኢዮም ክቐትልዎ ዝደለዩ።

መሊሱ እምበኣር “ኣብ ሕግኹም ኣነስ ኣማልኽቲ ኢኹም በልኩ ዝብል ጽሑፍ ዶ የልቦን እዩ፧(እዚ ዝበለ ዳዊት ኢዩ።መዝ፹፪፡፮-፯/82-6-7)።ስለምንታይ ድኣ ሕጊ ኦሪት በለ እንተ በልና፡ንመጻሕፍቲ ሓዲሳት ብመሰረቶም ወንጌል ከም ዝብሎም፡ንመጻሕፍቲ ብሉያት ድማ ብመሰረቶም ኦሪት ስለ ዝብሎም ኢዩ።)እቲ ጽሑፍ ክስዓር ኣይክእልን ኢዩ።ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም “ኣማልኽቲ” ካብ ዝብሎም(ዘጽ፯፡፩/7፡1) ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለም’ውን ዝለኣኾ (ኣወሃሂዱ ቀዲሱ ናብዚ ዓለም ዝለኣኸኒ) ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልክኹም ከመይ ኢልኩም “ትጻረፍ ኣለኻ” ትብሉኒ ኣለኹም፧ ግብሪ ኣቦይ እንተዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ ።ዝገብሮ እንተድኣ ኮይነ ግና ንዓይ እኳ እንተዘይኣመንኩም ኣቦ ኣባይ ምህላዉ ኣነ’ውን ኣብ ኣቦይ ምህላወይ ምእንቲ ኣረጋጊጽኩም ክትፈልጡ ነቲ ግብረይ እመንዎ “እና በለ መለሰሎም መሊሶም’ውን ክሕዝዎ ደለዩ።

እዚ ኩሉ ግልጺ ዝኾነ ዘረባ ክዛረብ ከሎ ነቲ ኣቐዲሞም ዝሓተትዎ ሕቶ ብቑዕ መረዳእታ ምዃኑ ኣይተገንዘቡን። ንዘረባይ ምእማን እንተ ኣበኹም ፡ኣቦይ ዝገብሮ ዘበለ ብምግባረይ ኣነ ክርስቶስ ምዃነይ ፡ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኣቦ’ውን ኣባይ ምህላዉ እመኑ።እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ “ኣምላኽ  እምበር ሰብ ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ ” ኢልኩም ብኣምላኽነተይ እመኑ ተባህሎም።ንሳቶም ግና መሊሶም ድኣ ተሰናኸሉ ክሳዕ መወዳእታ ካኣ ስንፍላል ኮይኖም ተረፉ።

ሎሚ’ውን ሓሳባት ልቦም ዘይተሰማምዓሎም ፡ክርስቶስ እቲ ነቢያት ዝተነበይሉ እቲ መሲሕ ምዃኑ ምእማን ዝኣበዩ ፡ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ ኢላ ንእትምህር ቅድስት  ቤተ ክርስቲያን ከዕንዉ ዝተበገሱ ተረፈ ኣርዮስ ኣይተሳእኑን።

ብሓቂ ክርስቶስ ኣምላኽ ድዩ ኣይኮነን፧ እቲ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ እቲ ክምጽእ ዘለዎ ክርስቶስ ንሱ ድዩ፧ እና በሉ ሓሳባቶም ዝተኻፋፈለ ናይ ቀራንዮ ውዕለቱ ፈጺሞም ዝኻሓዱ ሰባት ስለ ዘለዉ ካብ ትምህርቶም ክንርሕቕ ይግብኣና እዩ። ንሕና  ሓዋርያት ከም ዝመሃሩና ንሱ ክርስቶስ፡ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ ኢልና ኢና እንኣምን። ኣቦታትና “ወልድ ዋኅድ” ኢሎም ዘጽንሑልና እምነት ስንፍላል እንኾነሉ ምኽንያት የለን።

ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ዓው ኢሎም መስኪሮም ንሃይማኖት ኣጽኒዖም ዝሓለፉ፡ንዝተረከብዎ ኣጽኒዖም  ዝሓዙ ኣቦታት ስለ ዝሓዝና “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሰንፍላል እትገብረና” ዝብል ሓሳብ ካብ ልብና ይርሓቕ፡፡ ልብናስ ብፍጹም ኣምላኽነቱ ድኣ ይመላእ፡፡ ልሳና ካኣ ክርስቶስ እቲ ናይ ሂወትና ፈውሲ ፡ንዓለም ዝፈጠረ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕቱም ድንግልና ተጠኒሱ ብሕቱም ድንግልና ዝተወልደ ንድሕነት ኩሉ ዓለም ኣብ ኣደባባያት ቀራንዮ ደሙ ዘፍሰሰ ስጋኡ ዝቖረ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ብዓውታ ትመስክር።(ሮሜ፱፡፭/9፡5 , 1ዮሓ፭፡፳/5፡20 , ዮሓ፲፡፴/10፡30, ራእ፩፡፰/1፡8)

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Sorry, comments are closed for this post.