Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ክብረ በዓል ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደብረሲና(ደብረሲሓት)/ Debresina Monastery

ክብረ በዓል ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደብረሲና(ደብረሲሓት)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

“መፍትውትትሌዓል  ደብረሲሓት ማዕዘንተ ገዳማት  በጽድቅ፡ጸሓያ ወንጌል ሰረቀ ኣኮኑ እም ደብረሲና ምስራቅ/ ኣብ ምብራቕ ደብረሲና ጸሓይ  ወንጌል ክርስትና ወጺኡ እዩ እሞ ደብረሲሓት ካብ ኩለን መኣዝን ገዳማት ክትዓቢይ ብሓቂ ይግባእ እዩ”

  debre-sina  ወዲ ሰብንኽነንብር ማይ፡ መግብን መጽለልን  የድልዮ።በዚ መሰረት ከኣ ዝተዝፈላለዩ ሰባት ኣብ  ዝተፈላለዩ ቦታዝተፈላለየ  መግብን እና ተመገቡ  ይነብሩ።ይኹን እምበር ወዲ ሰብ ንኽነብር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ  ካብ ኣድለዮ ፡ምንባር ኣብዛ ዓለም እዚኣ  ግን ግዝያዊ መንብሮን ኮንቱን እዩ። ስለዚ እዮም ከኣ ቅዱሳን እግዚኣብሔር “እቶም ምእንቲ ጽድቂ  ዝጠምዩን  ዝጸምኡን  ብጹኣን እዮም” (ማቴ5፡6) ዝብል ቃል ተረዲኦም  በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ከም ደረጃ ብቕዓቶም ጥጥቖ፡ኣቑጽልቲ ገዳምን መናን እና ተመገቡ፡ ነቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ እሞ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ድማ ንእግዚኣብሔር ዘገልግሉ ደቂ ኣምላኽ ብጸሎት  እና ደገፉን እና ተራድኡን  ኣብ ጽምዋ በረኻ ማለት ኣብ ገዳም ፡ጉዕዞ ህይወቶም ኣብ ዓውዲ እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብቅድስና እና ተቀለሱ፡ ካብ ኩሉ ውዲ ሰብ ፍልይ ብዝበለ ኣነባብራ ንኽነብሩ ዝመረጹ።

ኣግኣዚት ሃገረ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን ስፍራ ቅዱሳንክትከውን ዝበቕዐት  ሃገር ኮይና  ኣስታት ኣርባዓ ዝኣኽሉ ንእሽቱን ዓበይትን ገዳማት  ሓቑፋ ትርከብ።

እምበኣርከስ ክርስቶሳውያን ብጥንታውነቱ  ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገዳማት ንገዳም ኣቡነ ሊባኖስ (ሃም) ፡ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ (ጻዕዳ ጸበሉ)፡ ገዳም ኣቡነ ፍሊጶስ(ደብረቢዘን) ኣኸቲሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ  ጥንታውን መሰረት ሃይማኖት ክርስትና ዝተነብረሉን ገዳም ደብረሲና እዩ።

 gedam debresinaገዳም ደብረሲና 70ኪሎ ሜተር ካብ ኣስመራ ናብ ዒላበርዕድ፡ ካብዒላበርዕድ ድማንየማንብእግሪ  መንገዲ ክልተ ሰዓት  ድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ውሽጢ ዞባ ዓንሰባ  ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ  ኮይኑ ብ328-330(ዓመተ ምሕረት ግዕዝ)ዘሎ ግዜ  ብኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ድሕሪ ምምስራቱ 474 ዓመተ ምሕረት ግዕዝ ብኣባ ዮሓኒ ተገዲሙ ማለት ከም ገዳም ስሩዕ ኣገልጉለቱ (ስርዓተ ጳኪሚስ) ዝጀመረ ዓቢይን ጥንታውን ገዳም እዩ።ይኹን እምበርቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ስርዓተ ኣምልኾ  ይፍጸመሉ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ካብ ገጽ ንጉስ ሄሮድስ ማለት  ካብ ቤተልሔም ናብ ግብጺ ኣብ ዝትሰደደትሉ ግዜንእትበልዖ ንመግቢ ይኹን ንእትሰትዮ ማይ ምስ ሰኣነት  ፍቁር ውላዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኹን ዝተሓርዩን ህዝቢ ተቐበልቲ ኣጋይሽ  ኣብ ወገን ደቡብ ከም ዘለዉ ንኣዲኡ ብምምልካት ኣብ ዘመን ንጉስ ባዜን  ብሓደ ግንቦት ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን  ብምድረ ናግራን (ናቕፋ) ኣቢላ፡ ኣብ ደብረሲና ኣብዛ ሕጂ ቤተ መቕደስ ኮይና ዘላ በዓቲ ወለንሳ በጽሐት።

ddጎይታ ነታ ብዓቲ  ብኢዱ ብምድህሳስ ብተኣምራት  ኣፍ ደጌን መስኮትን  ከፈተላ’ሞ ፡ኣብኣ ተቐመጠት።ሎሚ እዛ በዓቲ  ቤተ መቕደስ ኣፍደጌኣ ክልተ እግሪ ከም ዘይብሉ  መንበር እያ እትመስል ።ብምስትውዓል ንዝርእያ ከኣ መሬት ዝተንከፈት ኣይትመስልን።

ንጉስ ባዜን ምምጻእ  ቅድስት ድንግል ማርያም  ናብ ኤርትራ(ደብርሲና) ብሕልሚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ምስ ነገሮ፡ ሰራዊቱ ኣኸቲሉ ካብ ኣኽሱም ናብ ደብረሲና  መጽአ። ኣብ ውሽጢ እቲ  ብተኣምራት ዝተኸፍተ በዓቲ ምስ ረኣዮም ከኣ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደሎም በቲ ዝረኸቦ ናይ በረኸት ሱታፌ ድማ ብሓጎስ ንኣምላኹ ኣመገነ። ብዙሕ ሽግ (መብራህቲ) ብምውላዕ እውን  ዓቢ ድግስ ገበረ። ደብርሲና ገዳም ቅድት ድንግል ማርያም ክትከውን ድማ ፈቐደ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ደብርሲና ኣርባዕተ ወርሒ ዝኣክል ምስተቐመጠት ናብ ኢትዮጵያ ክትከይድ ከላ ንንጉስ ባዜን በቲ ዝገበረላ ሰናይ ተግባር  ብኢድ ውላዳ ባረኸቶ። “እዛ ኣዕሪፈላ ዝቐነኹ ቦታ ዝተባረኸትን ዝተቐደሰትን ትኹን ! ብስመይ ታቦት ክኣትዉ እዩ ! ናይ ቅዱሳን ድኣ እምበር ናይ ዓለማውያን ስፍራ ከይትኸውን ሓልዋ! ናይ ወደይ ጠሊ ምሕረት ከኣ ኣይክፍለያን እዩ! ካብ ርሑቕ ቦታ መጺኡ ዝሰገደላ ኣብኣ  ተቐሚጡ እውን ዝጽልን ዘገልግልን በረኸት ስጋን ነፍስን ክረክብ እዩ!” ብምባል ከኣ ባሪኻ ተፋነወቶ። ንጉስ ባዜን ድማ እዚ ዓቢ ተስፋ ምስ ሰምዐ ንኣምላኹ ኣመስገነ። ኣብ ምድሪ ተደፊኡ እውን ሰገደ። ነታ ተኣምራትዊት በዓቲ ድማ ኣብ ዙርያኣ ብዙሕ ኣእዋም ብምትካል ብዙሓን ዓለም ዝመነኑ (ዝነዓቑ) መነኮሳት  ከም ዝቕመጥዋ ገበረ። በዚ መሰረት ከኣ ብ 328-330 ዓ.ም.ግ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ(ደብረሲና) ኣተዉ። ጥምቀት ክርስትና ከኣ ኣብዚ ቦታ እዚ  ጀመረ። ንኣርባዓ   መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ከኣ ብዙሓት ኣመንቲ ኣጠመቑን ወንጌል ኣስተምሃሩን። ነገስታት ናይቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ  ኣብርሃ ወኣጽብሃ ድማ ምምጻእ ኣቡነ ሰላማ ናብ ደብረሲና ምስ ተበሰሩ፡ ናብ መድረሲና መጹ። ብኢድ ኣባ ሰላማ ድማ ንሶምን ካልኦት ሸውዓተ ተኸተልቶምን ተጠምቁ። ድሕሪ ኣቡነ ሰላማ ከኣ ብ474 ዓ.ም.ግ ኣብ ዘመን  ሃጸይ ገብረመስቀል ወዲ ካሌብ፡ ኣባ ዮሃኒ(ዮሓንስ) ካብ ግብጺ ምስ ታቦትን ምስ ብዙሓት  መነኮሳት ኣቡነ ሊባኖስ ዝርከብዎም  ናብ ደብረ ሲሓት  (ደብረሲና) ምስ መጹ ብ21 ሰነ ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ጽላት ብሱታፌ ሓጸይ ኣልኣሜዳ፡ ጳጳስ ኣባ ናሆም ባሪኾም ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ኣንበርዎ።

  debre-sina-phoኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ሕጂ በዓቲ   ቤተ መቕደስ  ቆይሙ  ክጽሊ ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ቀደም ኣብ ደብረ ምጥማቕ (ግብጺ) ዝተገልጸት ካብ ጸሓይ ሸውዓተ ግዜ በሪሃ፡ መላእክትን ሰማእታትን  ጻድቃንን፡ ብየማናን ብጸጋማን ኣኸቲላ  ተገልጸት እሞ ከምዚ ክትብል ከኣ ተዛረበቶ። “ስመይ ዝጸውዐ፡ ብስመይ ኣብዛ ገዳም ዝጸለየ ጸሎቱ ክስማዕ፡ ናብዛ ገዳም እዚኣ እውን ዝነገደ  ናብ ጌተ ሰማኒ መቓብረይ  ከም ዝነገደ ክቑጸረሉ እዩ’’ ብምባል ብዙሕ ቃል ኪዳን ኣተወትሉ። ንሱ ድማ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቕ ዓቢ በዓል ገበረ። ዳግም’ውን ድሕሪ ወርሒ ብ20 ሰነ ጎይታ ምስ ኣዲኡ 12 ሃዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ከምቲ ቀደም ኣብ ፊሊጵስዮስ ዝሰርዖ ቅዳሴ ቅዱስ ቁርባን  ክሰርዕ ከሎ  ምስ ረኣየ ዓቢ በዓል ገበረ። በዚ ምኽንያት ከኣ 21 ግንቦትን 20- 21 ሰነን  ዓመታዊ በዓል ክኸውን ተሰርዐ።

debresina22ብ480 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዘመን መንግስቲ ኣልኣሜዳ  ወዲ ሰልዓዶባ  ተስዓቱ ቅዱሳን  ሮማውያን  ኣቡነ ኣረጋዊ (ዘሚካኤል)ዝርከብዎም ምእንቲ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሃገሮም  ሮማ ናብ ኤርትራ ምስ መጹ  ኣብ ኣግዓሮ ፊት ገዳም ደብረ ሲሓት (ደበረሲና)፡ ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ብርሃን  ኣብ ደብረ ሲሓት(ደብረ ሲና)  ዝተተኽለ ዓምደ ብርሃን ምስ ረኣዩ ደብረሲና  ኢሎም ሰመይዋ። እቲ ብርሑቕ ዝረኣይዎ ትኹል ዓምደ ብርሃን  ምስ ቀረቡ ይስወሮም ሰለ ዝነበረ ከኣ ድሕሪ ሰለሰተ ግዜ ምምልላስ፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ግዜ ኣቡነ ኣረጋዊ  ካብ ኣግዓሮ ክሳዕ ደብረ ሲና ዓበይቲ ኣእማን እና ጨርሑ ምስቶም ሸሞንቱ ቅዱሳን  ናብቲ ብርሃን ዝዓሰሎ ገዳም ኣተዉ። ንመጀምርታ ከኣ እቲ ትኹል ዓምደ ብርሃን ንኣቡነ ኣረጋዊ ተገልጸሎም እሞ ኩሎም ከኣ ረኣይዎ።በዚ ዝረኣይዎብርሃን ከኣኣዝዮምተሓጎሱ ንእግዚኣብሔር እውን ኣመስገኑ። እቲ ሽዑ ዝገበርዎ ምልክት ጨርሒ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ።

ቤት መቕደስ በዓቲ ወለንሳ መሰረት ዘይብሉ ብፍቓድ ኣምላኽ  ዝቖመ እኳ እንተ ኾነ፡ ውሕጅ ናብ ውሽጢ ብምእታው  የሽግር ስለ ዝነብረ  ሎሚ ብዙርያ ተነዲቑ ኪንኡ እውን  ብ1951 ዓ.ም.ግ. ንማህሌት ዘገልግልምስቲበዓቲ ቤተመቕደስ ለጊቡ ዝተሃንጸ  ዓቢይ ቤተክርስቲያን ንኽትርእዮ ኣዝዩ ዝምስጥ ናይ ምስጋና ማሕደር ኮይኑ  ኣሎ። በዚ ድማ ስፍራ ብዙሓት መነኮሳት ክኸውን ከኣለ። ብ1889 ዓ.ም.ግ መምህር ኣባ ኣስራተ ማርያምን  ብ1941 ዓ.ም.ግ መምህር ኣባ ፍስሓ ቦኽረይን  ናይዚ ገዳም እዚ ኣበምኔታት(መራሕቲ ገዳም) ካብ ዝነበሩ ኮይኖም ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ዓቢ ብራና ተኣምረ ማርያም ክሳዕ ሎሚ ነቲ ገዳም ክብሪ ሂብዎ  ይርከብ። ብድሕሪኦም ከኣ  ቁጽሪ መነንቲ እና ሰሰነ ብምኻድ፡ በቲ ኣባ ዮሓኒ ዝሰርዕዎ ስርዓተ ጳኲሚስ፡ እዚ ናተይ እዚ ናትካ ዘይብሉ ብሓድነት እና ተመርሑ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንዝመጽኡ መነንቲ ብማዕረ ይቅበል ኣሎ።

ተጻብዖ ናይዚ ገደም እዚ ኲኖ እቲ ናይ ኣጋንንቲ ተጻብዖ ብ1527 ዓ.ም መሓመድ ግራኝ  ዘብሔረ ዛይላ (ሶማል) ብዙሓት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዘቃጸለ፡ካልእ እውን ብዙሓት መሳፍንቲ ዓቢይ ሽግር ከም ዘውረድሉ ይግለጽ እዩ። ብኣንጻሩ  ድማ ብዙሓት ነገስታት በዓል ንጉስ ባዜን ነግሰታት ኣኽሱም ኣብርሃ ወኣጽብሃ፡ሃጸይኣላሜዳ፡ ሃጸይ ዮሓንስ፡ ራእሲ ወልደሚካኤልን ራእሲ ኣሉላን ንበረኸት ዝኾኖም ብወርቂ ዝዓደግዎ  ኣብ ብዙሓት ዓድታት ርስተ ጉልቲ  ከም ዘበርከቱ ታሪኽ ይነግር።

de sinaሎሚ እዚ ጥንታውን ተባሃግን ገዳም እዚ   ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ማለት  21 ግንቦትን  20-21 ሰነን በዓል የኽብር  ኣሎ።  ኣብዘን በዓላት እዚኤን ከኣ ብዝተፈላለዩ ሕማማት  ዝሳቐዩ ከምኡ እውን ብኻልእ ነገራት ዝሽገሩን ናይ ልመና ጸሎት ክጽልዩ  እተን ውላድ ዝሰኣና ድማ ኣብ ልዕሊእምኒ ወለንሳ ደይበን “በዓልቲ ወለንሳ ሓዳጊት ኣበሳ ፡ መን እያ ኣደይ ማርያም እያ። ነደይ ለሚነያ ሕራይ ኣቢለያ እና በላ መሪር ልመናዊ መዝሙር፡ ኣብራኸን ደም ክሳዕ ዝሰርብ  እና  ዘወራ፡ ጎድኒ ጎድኒ ምስቶም ንሰማዒኡ ኣዝዩ ዝምስጥ ያሬዳዊ ማህሌት  እና ቃነዩ ዘብጽሑ ሊቃውንቲ  ኣቦታት መዓልትንለይትን ክዝምራ ድሕሪ ምሕዳር፡ ብሓባር መብጽዓ ይኣትዉ/ዋ  እሞ ድልየቶም ምስ ተፈጸመሎም ከኣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት መብጽዕኦም ንምፍጻም ቀጻሊ ይነግዱ። እቶም ኣስታት 45 ሽሕ ተኻፈልቲ በረኸት ንምዃን ዝነግዱ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን እውን ከይተረፉ ዓመት መጸ ብቑጽሪ እና ሰሰኑ ናብዚ ተኣምረታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ሲና  ክውሕዙ ይረኣዩ። ንሕና እውን ከምዛ ኢየሩሳሌማዊት ገዳም ደብረሲና ተጋቢእና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ክንካፈል ምእንቲ ብሓይሊ ጸሎታ ሓይሊ ኣጋንንቲ ኣዐጊሳ ኣእጋርና ናብ ማሕደር ቅዱስ ስፍርኣ ክስጉማ፡ ባዕላ ትሓግዘናን ትደግፈናን። ስለቲ ኩሉ ነገር ከኣ ነቲ ወሃቢ ጸጋ ርሕሩሕን ዝኾነ ኣምላኽ ቅዱሳን ኣቦታትና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

 ናይ ስለሴ ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ተረዳእነት ኣይፈለየና።ኣሜን!

                     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                     ወለወላዲቱ ድንግል

                     ወለመስቀሉ ክቡር

                       ኣሜን!

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.