Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

(ዮሓ 14፡28) “ኣቦይ ካባይ ይዓቢ እዩ” ዝብል ቃል ኣሎ እዚ ከመይ እዩ?

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

   ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና  እንቋዕ  ናብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተመቕደስ ዝኣተወትሉ ወርሓዊ ብዓል (ባእታ ማርያም) ኣብጽሓና እንበልና ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ካብ ተኻተትልትና ንዝመጸና ሕቶታት ከምፍቓድ ኣምላኽ ክንምልስ ኢና ኣምልኽ ምስጢሩን ጥበቡን ንቅዱሳኑ ዝገለጸ ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና     

ሕቶ፡–  ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣብ (ዮሓ 14፡28) ኣቦይ ካባይ ይዓቢ እዩዝብል ቃል ኣሎ እዚ ከመይ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ  እግዚኣብሔር ኣቦ ይንእስ እዩ ማለት ዲኡ፧ ወይ ኣማላዲ እዩ ዘስምዕ ድዩ፧ ከም ፍቓድ ኣምላኽ እባ ኣስፍሕ ኣቢልኩም ግለጹለይ ምስናይ ይቕረታ፧

 መልሲ ሰላም ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን ክቡር ሓውና ስለቲ ተገዳስነትካ እናኣመስገና ነዚ ቃል ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትርጉሙ ዘይተረድእዎ ወገናት ወልድ ከምዚ ስለዝበለ፡ ካብ ኣቦ ይንእስ እዩ ክብሉ ይስምዑ እዮም። ነገር ግና እዚ ኣዘራርባ እዚ ኣንፈቱ ዝሰሓተ እዩ። እግዚኣብሔር ኣቦ ካብ እግዚኣብሔር ወልድ ብባህርን  ብኣምላኽነትን ኣይበልጽን፡ ኣይዓብን ድማ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ወልድ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ሓደ ስልጣን፡ ሓደ ህልውና፡ ሓደ ኣምላኽነት፡ ሓደ ፍቓድ ስለ ዘለዎ፡ ብኹሉ ነገርን ኣብ ኩሉ ነገርን ማዕረ እዩ።

   ስለምንታይ ደኣ “ኣቦይ ካባይ ይዓቢ” በለ፧ እንተበልና፡ ንምሥጢረ ሥጋዌኡ ንኸረድእ እዩ። ካብ ኣካላት ሥላሴ ብፍሉይ ኣካሉ ስጋ ዝለበሰ ወልድ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ እንከሎ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ፡ በብቑሩብ ከም ሰብ ዓበየ፡ ኣብ ምድሪ’ውን ተመላለሰ፡

 መልክዕ ባርያ ወሰደ፡ ተገርፈ፡ ተሳቐየ፡ እቲ ዝኸፍአ ናይ መስቀል ሞት’ውን ምእንቲ ደቂ ስባት ብስጋ ሞተ። እዚ ኩሉ ትሕትና ብስግኡ ደኣ ይቀበል እምበር፡ ካብ ኣምላኽነቱ ኣብ ግዜ ሥጋዌኡ ዝጐደሎ የብሉን። ነዚ ሥጋዌኡ ነኸረድእ እምበኣር፡ “ኣቦ ካባይ ይዓቢ” በለ። ነዚ ዝስዕብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ንመልከት።

    “ንሱ ብባህርዩ ኣምላክ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምዃን፡ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ።” (ፊል 2፤6-8)

    ኣብዘን ጥቕስታት ኣብ ፍቕዲ 6 ምስ እንምልከት፡ “ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ ክንሱ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን” ይብል። ማዕረ ኣምላኽ ወይ ባህርይ ኣምላኽ ከምኡ’ውን ምስሊ ኣምላክ ክንሱ፡ ኣምላኽ እየ ከይበለ ንፍጡሩ ከይነዓቐ መልክዕ ባርያ ወሰደ። (2ቆሮ 4፤4) ነዚ መልክዕ ብምውሳዱ ኣብ ኣምላኽነቱ ዝኾነ ዝውሰኾ ወይ ዝጐድሎ ኣይኮነን። ስጋ ሰብ ለቢሱ መልክዕ ኣገልጋሊ ብምውሳድ ገለ እኳ ከምዘይብሉ መሰለ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም ብዘማሪ ዳዊት ኣቢሉ ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ በለ፡ “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን። ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኩሉ ሰብ ዘላግጸለይን እየ።” (መዝ 22፤6)  እዚ ብዛዕባ መከራ ስቕለቱ ዝተዛረቦ እዩ። “ሰብሲ ኣይኮንኩን” ዝብላ ቃላት ከኣ ኣምላኽ ምዃኑ ንምብራህ ዝተዛረበን እየን።

    ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ናይ ኣምላኽነቱ ግብሪ ይገብር ነይሩ እዩ። ኣብ መሬት ኣብ ዝተመላለሰሉ ኸኣ ኣብ ዝፋኑ ይምስገን ነበረ። ግና ከምቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ኣብ መግለጺ ጸሎተ ሃይማኖት መጽሓፎም ዝበልዎ፤ እቲ ወዲ ሰብ ብስግኡ ዝተጻወሮ ውርደት፡ ካብቲ ኣብ መስቀል ዝተሳቐዮ ይዓቢ፤ እቲ ኣምላኻዊ ህልውና ናይዚ ዝተሰገወ ሰብነት ግና ምስኡ ህልው ነበረ፡ ስጋ ብምልባሱ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጐደሎ የብሉን።

  ወልድ ባዕሉ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” በለ። (ዮሃ 10፤30) “ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ፡ ኣቦ እውን ኣባይ ከምዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧” (ዮሃ፤14፤10) ሓደ ክብሪ ከም ዘለዎም ከረድእ ድማ፡ “ከምቲ ነቦ ዘኽብሮ ጌሩ ኩሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ።” (ዮሃ 5፤23) “እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ።” (ዮሃ 14፤9) “ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ፡ ኣሜን።” (ሮሜ 9፤5)

  ስለዚ እዚ ዝበለ ንስጋዌኡ ንኸረድእ ዝተዛረቦ ደኣምበር፡ ካብ ኣቦ ዝንእስ ኮይኑ ከምዘይኮነ ክንርዳእ ኣሎና።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

Sorry, comments are closed for this post.