Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ደብረዘይቲ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን 

  ሓሙሸይቲ ሰንበት ናይ ዓቢ ጾም ( ደብረ ዘይቲ)

debre zeyti photoእዛ ዕለት  እዚኣ እውን ልክዕ ከምተን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ሰንበታት ብቅዱስ ያሬድ ማህለታይ  ዝተሰምየት ኩሉ ስብከታት መዝሙራት ኮነ መልእኽታት ድማ  ስለ ምጽኣት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስን መጨረሽታ  ዓለምን ዝገልጹ እዮም፣፣ እዛ ዕለት እዚኣ ደብረዘይት ብዝብል  ስያሜ  ምጽውዓ ጎይታናን  ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነገረ ምጽኣቱ ኣብ ደብረዘይቲ ኮይኑ ስለ ዝተዛረበን ዝገለጸን እዩ፣፣

 ደብረ ዘይቲ ካብ ኢዮሩሳሌም ንምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ ብርኽ ዝበለ ስፍራ እዩ። ደብረ ምባሉ ብራኼኡ ንምግላጽ ክኸውን ከሎ ፣ ዘይቲ ምባሉ ድማ  ከባቢኡ ብዘይቲ ኣውሊዕ  ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ  እዩ፣፣ ካብዚ ዝተበገሰ ከኣ ደብረ ዘይቲ ዝብል መጸውዒ ሒዙ ንረኽቦ (ዘካ14፣4,ህዝ1፣23)። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ሆሳእና ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ ካብ ደብረ ዘይቲ እዩ (ማር11፣1)። ቢታንያን ቤተፋጌን ምስ ደብረዘይቲ ለጊቦም እዩም ዝርከቡ፣፣ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ቦታን ስፍራን እውን ካብ ደብረዘይቲ እዩ (ሉቃ24፣51, ግ.ሃዋ1፣11-12)፣፣ እቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ  ስለ ምጽኣቱን ምልክት ምጽኣቱን ንቕዱሳን ሃዋርያት ዝገለጸሎም ስፍራን ቦታን እውን እዚ ቦታ እዚ እዩ፣፣ ሕጂ እምበኣር ናብቲ ቀንዲ ጽሑፍና ክንኣቱ፣፣

1.ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክተርፍን እዩ !!!(ማቴ24፣2)

ኢየሱስ ካብ ቤት መቕደስ ወጺኡ ክኸይድ ከሎ ደቂ መዛሙርቱ ህንጻ ቤት መቅደስ ኣርኣይዎ፣፣ ንሱ ድማ መሊሱ  “እዚ ኩሉስ ትርእይዎ ዶ ኣለኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክተርፍን  እዩ”  በሎም፣፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝተዛረቦ ቃል ብ70 ዓመተ ምሕረት ተፈጺሙ እዩ፣፣ እንሆ ጥጦስ ዝተባህለ ሮማዊ ንጉስ ንኢየሩሳሌም ወሪሩ ኣብ ዝሓዘሉ ግዜ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላክ መጺኡ  ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ እምኒ ኣብ ዝፈንቀለሉ ግዜ ድስቲ ዝመልኤ ወርቂ ረኸበ እሞ፣ ኣብቲ ዝተረፈ ክፋል ቤተ መቕደስ እውን ክረክብ እየ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ  ንመላእ ቤተ መቕደስ ኣፍረሶን ኣዕነዮን፣፣ ሎሚ  እውን እንተኾነ ናይ እግዚኣብሔር  ቅዱሳን   እግዚኣብሔር ክምስገነሉ፣ ክምለኸሉን ኢሎም ዝሰረሕዋ  ቤተ መቐደስ ከምቲ ሮማዊ ንጉስ ጥጦስን ወተሃደራቱን ዝገበርዎ  ንወርቂ፣ ንገንዘብ  ንብልዕን ንሽመትን  ክብሉ ቤተ መቐደስ ኣምላኽ ከፍርሱ ዝጽዕቱን  ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዓቢ ዕንወት ዘምጽኡን ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። ምስ  ናይ ቤተክርስቲያን እምነትን ስርዓትን ዝጋጮ፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋውሪ መገዲ ንዋያተ ቅዱሳን ዝዝርፉ፣ ንወርቅን ገንዘብን ኢሎም ቤተክርስቲያን ንምፋርስ ዝጋደሉ እዮም። እንተኾነ ግን ዝሓለፉ ኣቦታቶም ከም ዘይሰለጦም፡ ሎሚ’ውን ጸረ ቤተ መቐደስ ኮይኖም ተንሲኦም ዘለዉን፡ ብሕጂ ክሳዕ ምጽኣት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝትንስኡን  ኣይክሰልጦምን እዩ። ከመይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብንፋስ ኮነ ብወሓይዝ ተደፊኣ ዘይትወድቕን ዘይትንቀሳቐስን ኣብ ከውሒ ዝተሰረተት ቤት እያ (ማቴ7፣24-25)። ከምኡ እውን ናይ እግዚኣብሔር ህንጻ-ቤተ መቕደስ ንገንዘብ፡ ንስጋዊ ፍትወትን ድልየት ክብሉ፣ ዘፍርስዋ እውን ብዙሓት እዮም፣፣ እቲ ዘፍርስዎ  ዘለዉ ናይ እግዚኣብሔር  ቤተ መቕደስ እዩ (1ቆሮ6፣19)። ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ዘፍረሰ  ሰብ  ከኣ ኣግዚኣብሔር ባዕሉ ከፍርሶ እዩ። ቦትኡ ኣብ ገሃነመ እሳት ክኸውን ካብ ቦታ ዕረፍቲ ከኣ ክስጎግ እዩ(1ቆሮ3፣16-17)።

ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ከም ዝተዛረቦ ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ “ዕድሜና  ሰብዓ  ዓመት  እንተ በዝሐ ከኣ ሰማንያ ዓመት እዩ እዚ ከኣ ጻዕርን መከራን እዩ ዘምጽኣልና። ዕድሜና ቀልጢፉ ይሓልፍ ነፊርና   እውን ንኸይድ” (መዝ90፣10)። ስለዚ ብጸሓይ ዝተመሰለ ዕድሜና ከይዓረበና፣ ምንባርና ኣብዚ ምድሪ ከየብቅዐ ከሎ ብንስሓ ክንሕጸብን ብስጋኡን ደሙን ክንሕተምን ክንህነጽን ይግብኣና፣፣እዚ ክንገብር ልዑለ ባህሪይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና  ይሓግዘና፡ ጸጋኡ ከኣ የብዝሓልና!!! ኣሜን፣፣

2.ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ!!! (ማቴ24፣4)

ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ከሎ፡ ደቂ መዛሙርቱ  ብሕት ኢሎም “እዚ (ምፍራስ ቤተ መቕደስ) መዓስ እዩ ዝኸውን፧ ናይ ምምጻእካን  ናይ ሕልቀት ዓለምንከ  ምልክቱ እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና ፧” እና በሉ ናብኡ ቀረቡ ። ቅዱሳን ሃዋርያት እዚ ኢሎም ዝሓተቱ ፡

 ቀዳማይ፣ “እንሆ ቤትኩም ዓንዩ ክተርፍ  እዩ ይብለኩም  ኣለኹ” ኢልዎም ስለ ዝነበረ  “ ምፍራስ ቤተ  መቕደስ መዓስ  እዩ እስከ ንገረና” ኢሎም ሓተቱ፣፣

 ካልኣይ፣ “ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም” ኢልዎም ስለ ዝነበረ ድማ “ምልክት ምጽኣትካን ሕልቀት ዓለምንከ ምልክቱ እንታይ እዩ” ክብሉ ሓተትዎ፣፣

እዚ ምስ በሉ ጎይታናን መድሓኒኣን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ  በሎም፣ “ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ፡ እንሆ ኣነ ክርስቶስ እየ እና በሉ ብዙሓት  ብስመይ (ብስመይ ክትንስኡ እዮም)  ክመጹ እዮም ንቡዙሓት እውን ከስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም ኣስተውዕሉ ኣይትሰንብዱ፡ እዚ ብግድን ክኸውን እዩ። እንተኾነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኮነን (ምኽንያቱ ሓሳዊ  መሲሕ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ካብዚ ዝኸፍአ ክኽወን ስለ ዝኾነ እዩ (ራኢ13፣1-13) ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፣መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክለዓል እዩ፣ ኣብ ኩሉ ቦታት ከኣ ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ፣፣ እዚ ኩሉ መጀመርታ ቅልውላው እዩ፣፣ በቲ እዋን እቲ  ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ክቐትልኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ክኽሕዱን ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን እዮም፣ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት ክትንስኡ፣ ንብዙሓት እውን ከስሕቱ እዮም። ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ካኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ። እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ንሱ ክድሕን እዩ (ማቴ24፣13)። ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ   ስለ ናይ ዓለም መጨረሽታ ወይ ድማ  ናይ ዓለም ሕልፈትን መወዳእታን  ዝተዛረቦ ምስ መጠንቀቕትኡ እዩ። ተራ ዘረባ ኣይተዛረበን  ወይ ድማ ዓለም ክትሓልፍ እያ ኣነውን ዓለም ክፈርድን ከሕልፍን ክመጽእ እየ ኢሉ ጥራሕ ስቕ ኣይበለን ምስ ምልክቱ እባድኣ ገለጸን መሃረን እምበር። እዚ ክኣ ሰባት ካብ ዘይምስትውዓል ተበጊሶም ከይሰናኸሉን ካብ እምነቶም ከይወድቁን  እኳ ድኣ ብሃይማኖት ብምግባር ክጸንዑን እዩ። ምኽንያቱ መስሓትያን ዝመጹ ብናይ ክርስቶስ ስም ስለ ዝኾኑ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናትን እጂን ብዙሓት መናፍቓን “ኣነ  ክርስቶስ እየ”  ኢሎም ዝተንስኡ ሰባት ብዙሓት እዮም። ንብሕጂ እውን ክሳዕ ምጽኣት ዝቕጽል እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ምዃኑ ፈሊጥና ክንሕሎን ክንጥንቀቕን እዩ ዝግብኣና፣፣ ሎሚ ነዛ ወልድ ዋሕድ ኢላ እትኣምን  ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት  እና ነቐፉ ኣብ ተፈላለየ ኣደባባያት ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና  እና በሉ ዝዘሩ ነቶም ብሓሶት “ኣነ ክርስቶስ እየ “ ኢሎም ንዝትንስኡ ጸረግቲ መገዲ እዮም። ናይ ሃይማኖት ብቕዓት ዘይብሎም ክንሶም ፣ “ክርስቶስ ብሕልሚ ተራእዩኒ፡ ብራእይ ተገሊጹለይ” ዝብሉ ብመገዲ ሰይጣን ዝምርሑ ምዃኖም ምስትውዓል ይግባእ። እዞም ሎሚ “ብሕልሚ ተራእዩኒ፡ ብራእይ ተገሊጹለይ” እና በሉ ንነብሶም ዓልዮም ሰብ ካብ እምነቱ ንኽዓሉ ምኽንያት ዝኾኑ ዘለዉ ሰባት ጽባሕ “ኣነ ክርስቶስ እየ” ምባሎም  ኣይተርፍን እዩ፣፣ ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሃዋርያ  ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፣ “ሕጂ ከኣ ኣቱም ኣሕዋትና  ብዛዕባ ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ምእካብናን  እንምዕደኩም እዚ እዩ፡ ብትንቢት ኮነ ብወረ ወይ ካባና ከምዝተጻሕፈት መልእኽቲ  ብምምሳል “መዓልቲ ጎይታ መጺኣ እያ” ብምባል  ብቐሊል ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን፣፣ ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ   ከይተገልጸ መዓልቲ ጎይታ ኣይትመጽእን እያ እሞ ሓደ እኳ ብገለ ነገር ከየስሕተኩም። ንሱ “ኣምላኽ እየ” ኢሉ ብምእዋጅ  ኣብ ቤት መቐደስ ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ ነቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕን  ነቲ ዝምለኽን ዘበለ ነገር  ኩሉ ክቛወም ክለዓል እዩ፡ ኣነ ግና ምሳኻትኩም ከለኹ ነዚ ከም ዝነገርክኹምከ  ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧  ንሱ ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ምእንቲ ክግለጽ፡ እቲ ሕጂ ዝኽልክሎ  እንታይ ምዃኑ  ትፈልጥዎ ኢኹም። እቲ ብሕቡእ ዝዓዪ ሕጊ ኣልቦነት ድሮ ጀሚሩ ኣሎ ፣እንተኾነ እቲ ክኾኖ ዘለዎ፡ እቲ ዓጊትዎ ዘሎ ካብ መገዱ ክሳዕ ዘልግስ ኣይኪኸውንን እዩ፣፣ ሽዑ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ክግለጽ እዩ፣ ጎይታ ኢየሱስ ከኣ በቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ትንፋስ ከጥፍኦ እዩ፣፣ ብግርማ ምጽኣቱ ከኣ ክድምስሶ እዩ፣፣ ናይቲ ሕጊ ዘይብሉ ምምጻእ በቲ ሰይጣን ዝዓዮ ኩሉ  ሓይልን ሓሳዊ ትእምርትን  ተኣምራትን ዝተሰነየ  ክኸውን እዩ፣፣ ከምኡ እውን ነቶም ዝተፍኡ ዘስሕተሉ  ኩሉ ተንኮልን ክፍኣትን ኣለዎ፣፣ እቶም ዝጠፍኡ ከኣ ነቲ ከድሕኖም ዝኽእል ሓቂ ብፍቕሪ  ምቕባል  ስለ ዝኣበዩ እዩ፣፣ ስለዚ እውን ንሓሶት ምእንቲ ክኣምኑ ኣምላኽ ሓይሊ ስሕተት ይሰደሎም፣ እዚ ከኣ  ኩሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ ብኽፉእ ግና ባህ ዝብሎም ምእንቲ ክፍረዱ እዩ” (2ተሰ2፣1-12)ብምባል ስለ እቶም ሓሰውቲ መማህራንን ሓሳዊ መሲሕን ገሊጹ ኣሎ፣፣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ  ከም ዝነገረና ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ዝመሃሩና በዚ ክፉእ ዘመን ሓደ እኳ ከየስሕተና ክንጥንቀቕ እዩ ዝግባኣና። ምልክታቱ እና ረኣናን  እና ተዓዘብናን ብምስትውዓል ክንጓዓዝ ዘድልየና ዘመን እዩ፣፣ ምኽንያቱ ሰባት ብስጋን ብነፍስን  ዝሞትሉ ዘለዉ ዘመን ስለ ዝኾነ፣፣ ናይ ነፍሲ ጥምየት ዝመጽእ ሰብ ካብ ቃል እግዚኣብሔር ካብ መንፈሳዊ ህይወት ካብ ናይ ክርስቶስ መሎኮታዊ ደምን ስጋን ምስ ዝፍለን ዝርሕቕን እዩ፣፣ ነዚ መልኪቱ ነቢይ ኣሞጽ “ እንሆ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልታት ክመጽኣ እየን፣፣ እዚ ጥሜት እዚ ግና ንምስማዕ  ቃል እግዚኣብሔር እምበር ፣ጥሜት እንጌራን  ጽምኢ  ማይን ኣይኮነን፣፣ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተዛሪበ ኣለኹ፣፣ ቃለይ  ቃል እግዚኣብሔር ክሰምዑ ናብዝን ናብትን ክጎዩ እዮም። ካብ ምዉት ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ፣ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኮለል ክብሉ እዮም  ግናኸ ካባይ ቃል ኣይክሰምዑን እዮም”(ት.ኣሞ8፣11-13)።

ምድሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም እትናወጽን እተንቀጥቅጥን  ብዙሕ ሰብ እውን ካብ እምነቱ ካብ ሃይማኖቱ  እና ወጸን እና ለወጠን እዩ፣፣ እንተኾነ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ  “ እምበኣር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ  ጽኑዕ መስረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ”(2ጴጥ3፣17) ከም ዝበለ ብዓይኒ ልቦና ጠሚትና ካብ ስሕተት ክንሕሎ ይግባኣና እዩ እሞ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ጸጋኡ  ይሃበና። ኣሜን፣፣ ነቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ስሕተት ዝተዋፈሩ ብጸሎት ክንድግፎም ዓቕምና ብዝፈቐዶ ከኣ እቲ ናይ ቤተክርስቲያና ሓቀኛ ትምህርቲ ክነፍልጦም ክንጽዕር ይግባእ፣ እንተኾነ ንሕና እውን ከምቲ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ “ እቲደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ’’ (1ቆሮ10፣12) ከም ዝበለ ቅድሚ ኩሉ ግን ንርእስና ክንሕሉን ክንጥቀቕን እዩ ዝግባእ ምኽንያቱ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይስዓር ቃሉ “ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣሎ፣፣

3.ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹም እዮም!!! (ማቴ24፣8)  ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ስለ ነገረ ምጽኣቱን ምልክት ሕልቀት ዓለምን ብዝሓተትዎ  መሰረት “በቲ እዋን እቲ  ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ክቐትልኹምን እዮም፣፣ ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም” በሎም፣፣  ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብፍጹም ልቦና ዝኽተሎ ዘበለ ኩሉ መከራን ሽግርን ከም ዝበጽሖ ንቅዱሳን ሃዋርያት ኣቐዲሙ እውን “እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ  ይሰደኩም ኣለኹ፣፣ ደጊም ብልህታት ከም ተመን  ገርህታት ከኣ ከም ርግቢት ኩኑ። ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፣፣ ንሳቶም ናብ መጋባኣያታት ኣሕሊፎም ክህብኹም ኣብ ኣባይቲ ጸለቶም ክገርርፍኹም እዮም። ንኣኣቶምን ነህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንምትን  ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም”(ማቴ10፣16-18, ሉቃ21፣12)ብምባል ገሊጽሎም እዩ፣፣ እዚ ኸኣ ብኲናትን ብስሕለት ሴፍን ንስጋኹም ዝቐትሉ፣ ንነፍስኹም ድማ ብክሕደት፣ ብኑፋቄ ዝጎድኡ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ መሲሎም ዝዛረብሉን ዝመስሎምን ግዜ ክመጽእ እዩ  ንኽልብል ዝተዛረቦ ቃል  እዩ፣፣ ምኽንያቱ ብነፍስን ብስጋን ሰብ ዝቐትሉ ቀተልቲ ሰብ  ክመጹ እዮም ክበሃል ከሎ ፣ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ማለት ወንጌል ሒዞም፣ መንፈሳውያን መሲሎም ናይ ሃይማኖት  ሽፋን ተጠቒሞም  እዮም ዝመጹ ፣ንክሕደቶምን እቲ ምኽንያት ጥፍኣት ዝኾነ ኣካይድኦምን ከኣ  ከተግብርዎ ይረኣዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ7፣15 “ብውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፣ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዝመጽኹም ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ” እና በለ ዝተዛረበ፣፣ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብስጋ ስለ ዘይተጎድአ ጽቡቕ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን  እንተኾነ ነፍሱ ግን ክትመውት ዝገብር ወይ ድማ ናብ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ንነፍሱ ዝመርሕ ዘሎ ሰብ እዩ፣፣  

ኣብ  መጨረሽታ ዓለም ብርቱዕን  ጽኑዕን መከራ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ብሓቂ  ኣመንቲ ከም ዝመጽእ፣ እግዚኣብሔር ንዝረሓቐ ኣቕሪቡ፣ ንዝረቐቐ ኣጉሊሑ  ንነቢይ ዳኒኤል ኣብ ዝገለጸሉ፣ ኣብ ትንቢቱ ከምዚ ክብል ኣስፊርዎ  ኣሎ፣ “በቲ ግዜ እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ  ህዝብኻ እስራኤል(ስለ ምእመናን) ዝከላኸል(ብኣማላድነቱ፣ብተረዳእነቱ) ዓቢይ መስፍን ክትንስእ  እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ክኸውን እዩ፣ከምኡ  ዝበለ ጸበባ ድማ  ሰብ ካብ ዝተፈጥረሉ ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ኮቶ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ” (ት.ዳኒ12፣1)።

ሕጂ እምበኣር ዘለናሉ ግዜ ዋዜማ ናይ ምጽኣቱ ከም ዝኾነ ክንዕገስን ርእስና ክንገትእን እምበር ክነጉረምርም ኣይግባእን እዩ፣፣ እኳ ድኣ መከራ እንተኣጋጠመና ደስ ክብልናን ክንሕጎስን እዩ ዝግባእ፣ ባህ እውን ክብለና ኣለዎ (ያዕ1፣2, ግ.ሃዋ5፣40)። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ መከራናን ብርቱዕ ጸበባናን ንበይንና ከም ዘይኮና ክንፈልጥን ክነስተውዕልን ይግባኣና እዩ፣፣ ዝሓለፉ ቅዱሳን ነቢያት ይኹኑ ድሒሮም ዝመጹ ቅዱሳን ሃዋርያት ክሳዕ እዚ ዘሎናዮ ዘመን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ብዝወረደም  መከራ፣ሞትን ስደትን ክሕጎሱ እንበር ክጉህዩ ወይ’ውን  ብሰንኪ ዝረኸቦም መከራን ሽግርን ንቅዱስ እግዚኣብሔር ክኽሕዱ  ኣይንርእዮምን ኢና፣፣ ንሕና እውን ደቆም ስለ ዝኾና ንኣቦታትና ክንመስል እዩ ዘሎና (እብ13፡7,እብ11፣1-መፈ,ዳኒ3፣28፣6፣1-6፣2፣2,ግ,ሃዋ12፣6-12)።  ነዚ ከመልኪቱ  እዩ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ፣ “ኣቱም ኣሕዋተይ ብዛዕባ ሓሰራ  መከራ ምቕባልን ትዕግስትን፣ እቶም ብስም እግዚኣብሔር ዝተዛረቡ ነቢያት ኣርኣያ  ይኹኑኹም፣፣ እንሆ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ  ብጹኣን እዮም ንብሎም፣፣ ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ  መወዳእታ ዝገበረሉ ደበሳ እውን ርኢኹም ኣለኹም፣፣ ከመይ እግዚኣብሔር ለውሃትን ምሕረትን ዝመልአ እዩ”(ያዕ 5፣10-11) ክብል ዝጸሓፈ፣፣     ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብመዋእለ ስብከቱ፣ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም እንተኾነ ኣጃኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”ክብል ስለ ክረኽበና ዝኽእል መከራ ገሊጹልናን ምሂሩናን እዩ (ዮሃ16፣33)። ንኹሉ መከራታት  ጥዒሙ ክሳዕ ሞት እውን ተዓጊሱ እዩ ሓሊፉ፣፣ እዚ ከኣ ንሕና እቶም ብስሙ እንኣምን ንዝረኽበና ዝኾነ ይኹን መከራ፣ ሞት እውን እንተኾነ  ብትዕግስቲ ክንሰግሮ ከምዝግብኣና ብኣምላኽና ተማሂርና ኢና፣፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጎይታ ዝሓለፎ ህይወት ዝረኣዩን ብትምህርቱ ዝተነድቁን ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ እቲ ዝዓበየ ናይ ሞት መከራ ብህይወቶም ፈቲኖምን ጥዒሞምን ንቤተክርስቲያን ብርሃን ኮይኖማ  ሓሊፎም እዩም። ምኽንያቱ ናይ ህይወት ኣኽሊል-መንግሰተ ሰማያት  ዝርኸቡ እቶም  ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሱ  ሰባት ጥራሕ እዮም (ራእ2፣10)፣፣ ሞት እውን እንተኾነ ብጸጋ ምቕባል የድሊ እምበር  ምፍራሕ ኣይግባእን፣፣ ምኽንያቱ ኣምላኽና ኣብ ወንጌሉ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃንም ከእቱ ዝከኣሎ ድኣ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ  ንነፍሲ ግና ክቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም’’ ክብል ምሂሩና እዩ (ማቴ10፣28)። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዮም ቅዱሳን  ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ዘመንን ቦታን ዝነበሩ ንስጋዊ ሞት  ከይፈርሑ ኣብ ቅድሚ  ዓላውያን ነግስታትን መናፍቓንን ብትብዓት ናይ ሃይሞኖት ነገር መስኪሮም ዝሓለፉ (እብ11፣35,ግ.ሃዋ7፣59፣1፣22,1ነገ17፣17-23,ኤር20፣2፣37፣15,2ዜና24፣20,ኤር26፣23, 1ሳሙ2፣21)።

ስለዚ ንሕና እውን ከምኣቶም እኳ ዓቢ መከራን ሽግርን እንተዘይወረደና እንተኾነ እቲ ኣብ ዘመና ዓቢ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ፍትወት ዓለም ቀንጢጥና ካብ ዙርያና ክነርሕቖ  ይግባኣና እዩ፣፣ ከምኡ እውን ናይ ዘመና መስዋእቲ፣ ኣብ ሃይማኖትካን  ኣብ ስርዓት ኣቦታትካን ምጽናዕ፣ ነቶም ብናቶም ሓሳብን ድልየትን ጥራሕ ተመሪሖም ቤተክስርቲያን ከሐድሱ፣ ክልውጡ፣ እንተተኻእሎም ከኣ ካብ ሱራ መንቂሶም ንምጥፋእ ዝጽዕሩ ዘለዉ፣መቐጸልታ ናይቶም ዝሓለፉ መናፍቓንን ከሓድያንን ፣እቲ ኣማናዊ ናይ ቤተክርስቲያና ትምህርቲ ክነፍልጦም፣ ንቤተክርስቲያና ከኣ እሙናት ወተሃደራት ናይ ክርስቶስ ኮይና ክንርከብ  ይባኣና፣፣ እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብምሕረቱ ኩሎም ቅዱሳን ብረዲኤቶም ካብና ኣይፈለዩ። ኣሜን።

 4.ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም !!! (ማቴ24፣9)

 ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቕዱሳን ሃዋርያት፡ እቶም ንዕኡ ኣሚኖም ዝኸዱ ኣብ ፍቕሩ ካኣ ዝጸንዑ ሰባት ብዙሕ መከራ  ከም ዝረኽቦም ድሕሪ ምምሃሩ ስለ ስመይ ከኣ ብኹሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም !!!” (ማቴ24፣9) በሎም፣፣ እዚ ከኣ  “ወልድ ዋሕድ ኢልኩም ኣብ ተዋህዶ ጸኒዕኩም፣ ብስመይ ኣሚንኩም፣ ብስመይ ስለዝመሃርኩምን ንስመይ ስለ ዝመስከርኩምን ብብዙሓት ኣሕዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ንኽብል ዝተዛረቦ እዮ፣፣ ምኽንያቱ ዓለም ስለ ኣምላኽ ክስበኽን ክንገርን፣ ሰብ ካብ ሓጢኣት  ንኽወጽእ፣ ስርዓተ ኣምልኾ ንኽፍጸም ኢሎም ክሳዕ ዝመሃሩን ጠጠው ዝበሎን  ክትቕበሎም ኣይትኽእልን ፣ ፈጺማ  ትጸልኦም፣ ብዝሒ ጽልኣት ዘንቀሎ ከኣ ብዝተፈላለየ ኣሰቃቒ ዝኾነ ኣቀታትላ ገይራ ትቐትሎም፣፣

ንሕና እቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን ተባሂልና፣ ወልድ ዋሕድ ኢልና፣ ብጎይታና ብኣምላኽና ብኢየሱስ  ክርስቶስ ኣሚና  ንስሙ  እንምስክር፣ ሰባት በቶም ንሱ “ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ባህሪይ ወዱ ፣ካብ ድንግል ማርያም ብስጋ ዝተወልደ፣ ወልደ ኣብ  ወልደ ማርያም፣ ኢየሱስ ክርስቶስ  ንዘመኑ ፍጻሜ ዘይብሉ  ቀዳማይን ዳሕራዋይን መጀመርታን መጨረሽታን  ኣምላክ ፣ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ፣ዘሎ፣ንዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር ዘልኣለማዊ  ዘይልወጥ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ (ዮሃ1፣10-58,ራእ1፣17,፣22፣13,ኢሳ4፣46,ዮሃ11፣14,ግ.ሃዋ2፣28,ኢዮ2፣32)ምኻኑ  ዘይኣምኑ  ክንጽላእን  በቲ ምንፍቕናዊ  መገዶም መታን ክንከይድ ኩሉ ግዜ  ዝከኣሎም  የካይዱ ነይሮምን ኣለዉን፣፣

ቅዱሳን ሃውርያት ኮኑ ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ዝነበሩ ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ናይ ክርስቶስ ሓቀኛ ትምህርቲ ሒዞም ስለ እቲ ዝሓዝዎ ሓቀኛ ትምህርቲ ድማ ጠጠው ኢሎም ስለ ዝመስከሩ እዮም ኪኖ መግረፍቲ ክሳዕ ሞት ጽኑዓት ኮይኖም ዝተረኽቡ፣፣ በዚ  ጹሑፍ እዚ ድኣ ተዘርዚሩ ክውዳእ ኣይክእልን እምበር ኩሎም ኣቦታትስ ስለ ስም ክርስቶስ ክብሉ እቲ መሪር ሞት ተኻፊሎሞ፣ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኮለል ኢሎም፣ ከም ሽምዓ መኺኾም፣ ከም እንስሳ ከኣ ክሳዶም ብመጋዝን ብሴፍን ተቖሪጾም እዮም፣፣ ከም ቅዱስ  ዲዮስቅሮስ ኣስናኖም ብሓይሊ ጉልበት ክረግፍ፣ ጭሕሞም ብዘይ መላጸ ተመንጭጩ ክእለ ዝተገብረ  ብሰንኪ ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ንሱ ዘይክፈል ባህርን ኣካልን ኣለዎ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርን እዩ ወዲ ኣብ ካልእ ወዲ ማርያም እውን ካልእ ኣይኮነን   ንሱስ ናይ ኣብ ናይ ባህሪ ውዱ ካብ ድንግል ማርያም  ድኣ ተወልደ ኢሎም ኣንጻር መናፍቕ ሊዮንን ዓላውያን ነገስታት ሮማን ጠጠው ስለ ዝበሉ እምበር  ብሕጊ ዓለም ወይ ድማ መንግስቲ ኮነ ብሕጊ ቤተክርስቲያን ገበን ስለ ዝፈጸሙ ኣይነበረን፣ ዝሓለፉ ነቢያት በዓል ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ፣ ሰለስተ መንእሰያት ናብ እቶን  ሓዊ ፣ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ሃውርያት ቁልቁል ኣፉ ኣብ መስቀል፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብስሕለት ሴፍ፣ ቅዱስ እስቲፋኖስ ብዳርባ እምኒ(…..ክንደይ ኢልካ ክዝርዘር)  እዞም ኩሎም  እምበኣር ስለ ስም ክርስቶስ ክብሉ እዮም ዝተፈላለየ ሓሳርን መከራን ሞትን ዝረኸቡ፣፣

ሎሚ ኸ ንሕና፧

    ነዞም ብዝተፈላለየ ሽርሓታት ንቤተክርስቲያን ንምዕናው ሕጋ ንፍራስ ፣ስርዓታ ንምልዋጥ  ዝፍትኑ ዘለዉ ሰባት፣ ኣብ ስሙ ጸኒዕና ፣ንስርዓትን ሕግን ናይ ቤተክርስቲያን ከይጥሓስ፣ ኣብ ዶግማን ቆኖናን ናይ ተዋህዶ ሃይማኖትና  ሰሊኹ ክኣቱ ዝፍተን ዘሎ ናይ መናፍቓን ክሕደታትን ተሃድሶኣዊ ምንቅስቓሳት ብትብዓት ክንቋወም፣ ከምቶም ዝሓለፉ ኣብ ቤተክርስቲያን ተንሲኦም ዝነበሩ ኣርዮሳውያንን ብድሕሪኦም ዝመጹ ዝተፈላለዩ  ውልቀ ሰባትን ትካላት መናፍቓንን  ነበረ ኮይኖም ክሓልፉ እንገብሮ ጻዕሪ ከመይ እዩ፧ እዛ ቅድስት ሃይማኖት  ዘይትናወጽ ምዃና ፈሊጥናን ተረዲእናን ኣብቲ ዘይምንዋጻ ቄምና ዘሎና ክንደዮነት ኢና፧ ኩላትና ርእስና እንምርምረሉ ፣ኣብ ስሩት መሰረት ምህላውናን ዘይምህላውናን ደጊምና እነረጋግጸሉ እዋን ኢና ዘሎና፣፣ እዚ ስለ ዝኾነ እምበኣር ክርስቲያን ብምዃኑ ፣ኣብ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ብምስራትና  ክመጻና ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ ህይወት መሰናኽላት ብሓይሊ ኣምላኽ ክንሰግሮ ከም እንኽእል ኣሚና ጽኑዓት ኮይና ክንርከብ ይግባኣና፣፣

5.  ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ፍቅሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ (ማቴ24፣12)

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ተኸተልቲ ንዝኾኑ ንስሙ መስከርቲ ክረኽቦም ዝኽእል  ሽግርን መከራን እንታይ ምኻኑ ኣስፊሑ ድሕሪ ምግላጽ  ፡ በቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ክሰናኸሉ(ዝቐደመት ሃይማኖቶም ገዲፎም ክወጹን ክልውጡን) ንሓድሕዶም ክጸላልኡ  ንሞት እውን ኣሕሊፎም  ክወሃሃቡ፣ ብሓይሊ ጉልበት ብዂናትን  ብስሕለት ሴፍን ሰባት ሃይማኖቶም ክኽሕዱ እንተ ኣበዩ እውን  ብሞት ክቕጽዑ ክግበር እዩ ክብል ገለጸሎም፣፣ ኣብ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ  ቅዱስ ክፍልታት ተመዝጊቡ ከምዘሎ ፍቕሪ ናይ  ኩሉ ስነ ምግባራት መሰረት እያ፣፣ ፍቕሪ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ሰብ ፈጺሙ ካብ  ሓጥያት ይፍለ፣፣ ንኣምላኽን ንሰብን ምፍቃር ኩሉ ሕጊ ኣብኡ  ስለ ዘሎ ምስ ዲያብሎስ ዘለዎ ርክብ  ፈጺም የለን፣፣ ኮታስ ፍቕሪ እንተድኣ ኢልና  ንሰባትን ንኣምላኽን ምግልጋል እዩ፣፣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ  ክሳዕ ሞት ከም ዘፍቐረና ንሕና እውን ብኹሉ ህይወትና እሙናት ኮይንና  ፍቕርና ምሉእ ክኸውን ይግባእ፣፣ ብኣንጻሩ ኣብዚ ዘመን እዚ (ኣብ መጨረሽታ ግዜ) ከምቲ ቅዱስ  እግዚኣብሔር ወልድ ንቅዱሳን ሃዋርያት ዝገለጸሎም ሰባት ንስጋዊ ፍትወቶም ክብሉ ሰባት ክቐትሉ፣ ሰብ ሓዳር ክፈላልዩ፣ ንዝኣምንዎም ዝነበሩ ሰባት ክጠልሙ ፣ኩሉ  ናይ ዲያብሎስ ስራሕ ግብረ ስጋን ሓጢያትን ብምፍጻም ኣብ ሰባት ዝነበሮም ጽቡቕ ዝምድናን ሓልዮትን ሓዲጎም  ጨካናትን ተፈኽነንትን  ስለ ርእሶም እምበር ስለ ሰባት ሓልዮት ዘይብሎም  ዝኾንሉ ግዜን ሰዓትንእዩ (1ቆሮ13፣43, ዮሃ15፣12, 2ጢሞ3፣2፣3፣21, 2ጴጥ3፣)

ብኻልእ ወገን ሰባት ኣብቲ መጨረሽታ ግዜ  ስለ ገንዘብ፣ ሽመት፣ ልብሲ ፣ዝናን ክብሉ እታ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ ገዲፎም ኣንጻር እግዚኣብሔርን ቅዱሳናቱን  ዝስለፍሉ ግዜ እዩ፣፣ ጎይታ ነዚ ነገር እዚ ድሕሪ ምግላጹ ብዛዕባ መፍትሒኡ እውን ገሊጹ  ኣሎ፣፣ እቲ ቃል ድማ ከምዚ ይብል፣ “ እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ንሱ ክድሕን እዩ” (ማቴ24፣13) ምኽንያቱ ናይ ህይወት ኣኽሊል ዝርከብ ንዝመጽእ ፈተና ኩሉ ብትዕግስቲ እሙን ኮይንካ ምስ እትርከብ ጥራሕ ስለ ዝኾነ (ራእ2፣10)። ቀጺሉ ከኣ “ንኹሎም ኣህዛብ ንምስክርነት (መፍረዲ) መታን ክኸውን  እዚ ወንጌል መንግስቲ እዚ  ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፣ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ” (ማቴ24፣14)፣፣ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ኩሉ ሰብ በጺሕሉ ዘሎ ዘመን እዩ፣፣ ካብዚ ንላዕሊ እውን ኣብቲ  መጨረሽታ ሰዓት ኣብ ኩሉ ሰብ ክበጽ እዩ፣፣ እንተኾነ እቶም ድሮ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰባት ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዛዘና ንኸይድ ኣሎና ዶ፣፣ ምናልባት ጽባሕ  እዚ ሒዝናዮ ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ መፍረዲና  ኮይኑ ከይርከብ ክንጥንቀቕ ፣ኣብ ቤትና ዓጺፍና ክነቐምጦ ዘይኮነስ ክነብረሉ ፣ብብርሃኑ ብርሃን ርኢና ካብዛ ጸልማት ዝኾነት ዓለም ክንፍለ፣ብ ርሃን ኬንና ከኣ ንሰባት ናብ ብርሃንዊ ኣምላኽ ክነቕርቦም ይግባኣና እዩ፣፣

  6.እቲ ዘንብብ የስተውዕል  ማቴ24፣15

   ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጨረሽታ ዓለም ምልክታት ድሕሪ ምግላጹ፣“እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ  ቅድስቲ ስፋራ  ቖይሙ  ምስ ረኣኹም ፣እቲ ዜንብብ የስተውዕል” ክብል ተዛረቦም፣፣ እዚ ቃል እዚ ኣቐዲሙ ነቢይ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ ዳኒኤል ኣብ ምዕራፍ 11፣31 ከምኡ ከኣ ኣብ ምዕራፍ 12፣11 ገሊጽዎ ኣሎ፣፣ እዚ ናይ ነቢይ ዳኒኤል ትንቢት ከኣ፣

ቀዳማይ- ስለ ጥፍኣትን ሕልቀትን   ኣይሁድ ዝተዘርበ እዩ ፣፣ እዚ ከኣ እንሆ ናይ ሮማ ንጉስ ጥጦስ ናብ ኢዮሩሳሌም መጺኡ ንቤት መቕደስ ኣፍሪሱ ንህዝቢ እስራኤል ብዙሕ ሽግርን መከራን ኣውሪድሎም እዩ፣፣ እዚ  ኣብ ግዜኡ ተፈጺሙ እዩ (ዘመኑ ብሰብዓ ዓመተ ምሕረት)፣፣

ካልኣይ፣  እዚ ናይ ንጉስ ጥጦስ ምምጻእን እቲ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ስፋራ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ምዕናውን ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ምቛሙን ሽዑ ኣብ ግዜኡን ሰዓቱን እኳ እንተተፈጸመ፣ ፍጻሜኡ ግና ናይ ሓሳዌ መሲሕ (ጸረ ክርስቶስ ) ምምጻእን ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ከይኮነ ኣምላኽ’የ ዝብለሉን ነቲ ዝምለኽ እግዚኣብሔርን ስርዓተ ኣምልኾን ዝቃወመሉን ዘመን ከም ዝመጽእን ንሕና እቶም ናይ ክርስቶስ  ተኸተልቲ ድማ ጸኒዕና ክነብር ከም ዘሎና ከብርህ ከሎ እዩ ፣፣

ብትንቢት(ዳኒ11፣31 ፣12፣11)፣ብወንጌል(ማቴ24፣15)፣ብመልእኽቲ(2 ተሰ 2፣3) ከም ዝተነገረ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ቅድስና ስፍራ (ቤት መቕደስ)፣ ኣብ ዓጸደ ቤቱ ዘይግቡእ ስራሕ ዝሰርሑ ማለት ዝሙት ክፍጸም፣ ገንዘብ ክስረቕ፣ ክሕደት ክንገር፣ጽላቱን ታቦትን ክድፈር ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ኣሳእል፣ ታቦት ፣መስቀል ፣ኣምላክነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክጠሓስ ፣ጸረ ቅድስት ድንግል ማርያም ፣ቅዱሳንን፣ገድሎምን  ፣ቅዱስ ቁርባን ዘቃልሉ ሰባት ምትንስኦም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ናይ  ጥፍኣት   ርኽሰት ናይ ምቛሙ ምልክታት እዮም፣፣ ስለዚ ሎሚ ንሕና እንርከበሉ ግዜን ሰዓትን ናይ ዋዜማ ሰዓት ከም ምዃኑ መጠን ካባና ዝድለ እንተሃልዩ ኣብ ሃይማኖት ጸኒዕና ብምግባር ፣ብንስሓ ተሓጺብና ፣ብቕዱስ ቁርባን ተኸሊልና ፣ብጸሎት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ነቒሕና ምጽባይ ጥራሕ እዩ፣፣

ጎይታ ገሊጽዎ ከም ዘሎ እቲ ዘንብብ ከስተውዕል ይጋባእ፣፣ እንታይ ኣሎን  እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦን ምፍላጥ የድልዮ፣፣ ምንባብ ንባዕሉ እኹል ኣይኮነን፣፣ ስለ ዘንበብካ ጥራሕ ምስትውዓል ኣሎ ክበሃል ኣይከኣል፣፣ እቲ ናብ ኢየሩሳሌም  ክሰግድ ኢሉ ዝመጸ  ስሉብ  ኢትዮጵያዊ  ትንቢት ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 የንብብ ነይሩ እዩ ከስተውዕል ግን ኣይተረኽበን (ግ.ሃዋ8፣1-መፈ)፣፣ ስለዚ ነቲ እነንብቦ ብዓይኒ ልቦናና ክነስተውዕሎ እግዚኣብሔር ዓይነ ልቦናና ይኽፈተልና። ኣሜን፣፣

7.ንጥኑሳትን  ንመጥበውቲ  ሕጻናትን  ወይልኤን ማቴ24፣19

800px-Bloch-SermonOnTheMountቀጺሉ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ እቲ ዘንብብ የስተውዕል” ድሕሪ ምባሉ፣

ቀዳማይ፣ “ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ (ኣብ ቤተልሔም) ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ”

ቤተልሔም ራሄል ሰበይቲ ያዕቆብ ዝተቐበረትሉ ፣ልቢ ኣምላክ ዳዊት ብነቢይ ናይ እግዚኣብሔር ሳሙኤል ተቐቢኡ ንንግስነት ዝበቕዓላ ፣ነቢይ ሚክያስ ክርስቶስ ከም ዝውለድ ዝተነበየላ፣ ዘሩባቤል  ዝነገሰላ ፣መድሃኔኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወለደላ፣ጓ ሶት ንፈጣሪኦም ናይ ኣምልኾ ስገደት ፣ንድንግልማርያም ናይ ጸጋ ስግደት ዝሰገድሉ ፣ሰብኣ ሰገል  ወርቂ ፣ዕጣን፣ ከርቤ ዘቕረብሉ ፣እንስሳ ብእስትንፋሶም ዘሞቕሉ ፣መላእኽትን  ዝዘመርሉ ፣ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ህጻናት ብሄሬድስ ዝተቐትልሉ ስፍራ እያ (ዘፍ35፣16,1ሳሙ16፣13,ሩት1፣1,ሚክ5፣2,ማቴ2፣1,ሉቃ2፣4,ማቴ2፣16)፣፣ ቤተልሔም ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ቤተክርስቲያንን ምሳሌ እያ፣፣ ስለዚ እዩ ከኣ “ኣብ ይሁዳ (ቤተልሔም ) ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ” ዝተባህለ፣፣

1.ብሃይማኖትን ብምግባርን ጸኒዕም ዘለዉ ሰባት ረዴት እግዚኣብሔር እምባ፣ መጸግዒ ይግበሩ ማሌት እዩ፣፣ ምኽንያቱ፣ “ከምቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም እምባታት ዘሎ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሔር  ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ ኣሎ(ብረዲኤት ይሕልዎም)” (መዝ125፣2)

2. ቅዱሳን ነብያት ደብረ መቅደሱ (ናይ ቅድስና እምባ፣ደብረ ጽዮን/እምባ ጽዮን/ ድንግል ማርያም እምባ መጸግዒ ይግበሩ ማለት እዩ፣፣ ምኽንያቱ ብኣማላድነታ ካብ ክፉእ ዘበለ ስለ እተድሕነና፣፣ ንዓኣ ንድንግል ማርያም ጸግዒ ጌይሩ ዝሓፈረ ብጸላእቱ ዝተሳዕረ ሰብ ስለ ዘየለ፣፣ ነዚ ኣምለኪቱ ቅዱስ ዳዊት ልቢ ኣምላክ፣ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ንንጉስይ ሸምኽዎ” (መዝ2፣6) ክብል ዘሚሩ ኣሎ፣፣ በዚ ቃል ትንቢት ንጉስ ዝተባህለ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ ጽዮን ዝተባህለት ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ፣፣

3. ቅዱሳን ኣኽራን(ኣድባር ቅዱሳን) ዝተባህሉ  ቅዱሳን መጸግዒ ፣እምባ ምግባር እዩ፣፣ ምኽንያቱ  ብኣማላድነቶም ከም ዕርድን መጸግዒ እምባን ኮይኖም ስለ ዝከላኸሉልና፣፣ ሎጥ ብሃይማኖት ጸኒዑ ናብቲ እምባ ስለ ዝሃደመ እዩ ካብ ሰብ ሰዶምን ጎመራን ጥፍኣት ዝደሓነ (ዘፍ19፣1-መፈ)።

ስለዚ ናብ እምባ ምህዳም ክበሃል ከሎ፣ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት፣ ናብ ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ፣ናብ ናይ መላእክቲ ኣማልድነትን ረዲኤት ፣ናይ ቅዱሳን ኣማልድነት ጸጋን በረኸት ምጽጋዕ ማለት ክኸውን ከሎ እዚ ከኣ  ካብቲ ዝመጽእ መዓትን ሽግርን ከምእንወጸእ ይገብረና። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ “እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ፣፣

ካልኣይ፣  እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሔ ከኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ክወስድ  ኣይውረድ፣፣

ሳልሳይ፣ እቲ ኣብ በረኻ (ኣብ ግራት )ዝጸንሔ ድማ  ክዳኑ ክወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ፣፣

እዚ ማለት እቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ረዴት እግዚኣብሔር  ጸግዒ ገይሮም ኣብ ሃይማኖት ጸኒዖም ብምግብረ ጽድቂ ድኣ ይሸለሙ እምበር ካብ ልዕልና ነፍሲ  ምድራዊ  ስራሕ ክሰርሑ ካብ ክብሮም ኣይውረዱ፣፣ ስራሕ ጽድቂ ኣብ ምስራሕ ዝተዋፈረ ነፍሱ ብንስሓን ብቑርባንን ዝመርሕ፣ ናይ ምጽዋት፣ ጾምን ካልእን ናይ ጽድቂ ስራሕ ዝፈልጥን ዝትግብርን ሰብ ነዚ ኩሉ ገዲፉ ናብ ሓጥያት ዓለም ካብ ምንሳሕ ናብ ዘይምንሳሕ ፣ጽድቂ ዘበለ  ካብ ምግባር  ከቋርጽ ኣይግባእን፣፣

ከምኡ ድማ ኣብ ምናኔ(በረኻ) ዘሎ ሰብ ዓለማዊ ተግባር ክሰርሕ ንድሕሪት ኣይመለስ፣፣

ራብዓይ፣ በተን  መዓልታት  እቲኤን  ንጥኑሳትን ንመጥበውትን  ወይልኤን

ብግዜ ስደት  ጥኑሳት ኣብ ጉዕዞ ክሓርሳ ይኽእላ፣ ከምኡ ድማ ጥኑሳት ከም ምዃነን መጠን ኣብ ስደት ግዜ ብዙሕ ሽግር  እዩ ዘጋጥመን፣፣ መጥበውቲ ህጻናት እውን ኣብ ግዜ ስደት ደቀን ዝስተን ዝብላዕን ስለ ዝሓትወን ኣብ ግዜ ስደት ኣዝየን እየን ዝሽገራ፣፣ ስለዚ ጥኑሳት ኮና መጥበውቲ ህጻናታ ኣብ ግዜ ስደት ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ከቢድ ፈተናታት  እዩ ዘጋጥመን፣፣ ህይወተን ንስደት ምቹእ ኣይኮነን ንኹሉ ሓደጋታት ከኣ ዝተቓልዓ እየን፣፣ ምስጢሩ ግና፣

ብሕልና ጠኒሶም፣ ብቓል ወሊዶም ፣ንሓጢኣት ብተግባር ዘዕብዩ ሰባት ወይልኦም፣ መከራ ነፍሲ ክረኽቦም እዩ(ያዕ1፣15)፣፣ ግብሪ  ሓጢኣት ተማሂሮም ብምንፍቕና ሰልጢኖም  ዝነብሩን ነቲ ግብሪ ኽፍኣት እና መሃሩ ከምኣቶም ከም ዝገብሩ እሞ መጨረሽታ ዓለም-ምጽኣት ክርስቶስ ዘርክቦም ሰባት ወይልኦም ፣፣

8.ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ብዕለተ ሰንበት ከይከውንሲ ጸልዩ ማቴ 24፣20

መከራ ዘይተርፍ  እዩ እንተኾነ “ህድማኹም  ብኽረምቲ ወይ ብዕለተ ሰንበት ከይከውንሲ ጸልዩ” (ማቴ24፣20) ክብል እዩ ጎይታ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ንቅዱሳን ሃዋርያት ነጊርዎም፣፣

ክረምቲ ኩላትና ከም እንፈልጦ ማይን ጭቃን ዝበዝሖ ዘራእቲ ኣብ ቆጽልን ዕንበባን ዝርከብሉ ፣ዝብላዕ ፍረ ወይ ድማ እኽሊ ዘይርከቦ ወቕቲ እዩ፣፣ ሰንበት እውን መዕልቲ ዕረፍቲ እዩ፣፣ ክረምቲ ጭቃን ዝናብን ዝበዝሖ ስለ ዝኾነ ንምህዳም ኣይምችእን እዩ፣፣ ብዕለት ሰንበት ህድማ እንተ ኣጋጠመ እውን በዓል ስለ ዝኾነ መገዲ ዝሕብር ኣይርከብን፣፣

ስለዚ ጎይታና እዚ ምባሉ ንስኻትኩም ‘ውን ፍረ ጽድቂ ከየፍረኹም ብቖጽሊ ዝምሰል እምነት ጥራሕ ሒዝኩም፣ ከምቲ ብመዓልቲ ሰንበት ሰብ ካብ ስጋዊ  ስርሑ ዘዕርፍ ንስኻትኩም እውን ካብ ኩሉ ናይ ጽድቂ  ስራሕ ኣዕሪፍኩም፣ ካብ ጽድቂ ርሒቕኩም  ከለኹም ሞት ከየርክበኩም ጸልዩ ንኽብል ዝተዛረቦ ቃል እዩ፣፣ ሎሚ እውን ኣብዚ ወለዶእዚ ዘሎና ናይ ውልቅና ምጽኣት ከየርከበና ከሎ ብእምነትን ብግብርን ጸኒዕና ክንርከብን ድልዋት ክንከውን ይግባእ፣፣ እዚ ክንገብር ኣምላኽና እግዚብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና፣፣ ኣሜን!!!

9.ሓሰውቲ  መሲሓትን ሓሰውቲ ነብያትን ክትንስኡ እዮም ማቴ24፣24

“ከመይ ሽዑ ካብ መጀመርታ ዓለም ኣትሒዙ ክሳዕ ሎሚ ዘይኮነ ፣ድሕሪ  ሕጂ እውን  ከቶ ዘይከውን ብርቱዕ  መከራ ክኸውን እዩ እተን  መዓልታት እቲኤን  ዘይሓጽራ ነይረን እንተ ዝኾናስ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ኣይምደሓነን ነይሩ፣ ግናኻ እተን መዓልታት እቲኤን ምእንቲ እቶም ሕሩያተይ  ክሓጽራ እየን”(ማቴ24፣22)። ሓሳዊ መሲሕ ( ጸረ ክርስቶስ) ዝገሃደለን መዓልታት ሰለስተ(3)ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እየን (ራእ11፣2-8፣13፣5-7,ዳኒ12፣11-12) ከምኡ እውን ካብ መዓልቲ ሲሶ፣ ካብ ለይቲ ሲሶ ይጎድል፣ ቀልጢፉ  ይመሲ ቀልጢፉ ይወግሕ፣፣ ስለዚ ክሓጽራ እየን በለ (ራእ8፣12)

ሽዑ ዝኾነ ሰብ ፣ክርስቶስ ኣብዚ ኣሎ ወይ ኣብቲ ኣሎ እንተ በለኹም ኣይትእመኑ ፣፣ ምኽንያቱ ብስም ክርስቶስ ዘታልሉ ሓሰውቲ ነቢያት(መማህራን) ክለዓሉ እዮም ፣፣ ንመስሓቲ ዝኸውን ዓቢ ትእምርትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም(ዘጸ7፣11)። ኣይከኣሎምን እምበር እንተ ተኻእሎምስ ነቶም ሕሩያት እኳ መስሓትዎም፣፣ ከመይሲ ምብራቕ (ጸሓይ) ካብ ምብራቕ ወጺኡ ክሳዕ ምዕራብ ከምዝርኤ፣ ምጽኣት ክርስቶስ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ፣፣ ገምቢ ኣብ ዘለዎ ኣሞራታት ከኣ ኣብ እዮም ዝእከቡ፣፣ ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ “ኣበይከ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ (ሉቃ178፣37)። እዚ ማለቱ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ምእመናን ኣብኡ ክእከቡ እዮም፣፣

10.ብደመና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ምስ  ረኣይዎ  ክበኽዩ  እዮም ማቴ24፣30

 “ድሕሪ ናይተን  መዓልታት እቲኤን ብኡንብኡ ጸሓይ ክትጽልምት እያ፣ ወርሒ  እውን ብርሃና  ኣይክትህብን  እያ፣፣ ማለት ክትሓልፍ እያ፣ ከዋኽብቲ  ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም ማለት ክሓልፉ እዮም፣ ሓይልታት ሰማያት ድማ ክናወጹ እዮም፡ ክሓልፉ እዮም ሽዑ ከኣ  ምልክት ወዲ ሰብ (ኣሰረ  ርግዘቱ  ፣ኣሰረ ቅንዋቱ )ኣብ ሰማይ ክርአ እዩ፣፣ እንሆ ድማ ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ወገናት ፣ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓቢ ክብርን  ማለት “ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘያነስኦሙ ለሙታን” ተባሂሉ ብመላእኽቲ  እና ተመስገነ  ብደመና  ሰማይ ክመጽእ ምስ ረኣይዎ  ክበኽዩ እዮም፣፣ ደመና ሰማይ ዝበሎ ባህርያዊ ክብሩን ግርምኡን እዩ፣፣ ክበኽዩ እዮም ማለቱ ኣሰውረ ርግዘቱን ኣሰረ ቅንዋቱን ተገሊጹ ስለ ዝረኣዮም እዩ (ራእ 1፣7)።

ንኣባ ጳኩሚስ ከም ዝተራእዮ ፣ኣባ ጳኩሚስ  ክሰግድ ከሎ ርሃጹ ወሪዱ ንመሬት ጭቃ ገበሮ ብኡብኡ ጎይታ ተገልጸሉ እሞ ፣ጎይታይ ንዓኻ ክረክብ ኢለ እየ ዝደክም ዘለኹ በሎ፣፣ ጎይታ ድማ ኣነ እውን እምበር እዚ ኩሉ ዝኾንኩ ንዓኻ ኢለ እየ  ኢሉ ብዕለተ ዓርቢ  ከም ዝተሰቕለ ኮይኑ ተራእዮ፣፣ “ኣዘክሮተ ፍቅር ለጻድቃን ኣዘክሮተ በቀል ለሓጥኣን” እዩ፣፣

ንሱ ንመላእኽቱ  ብብርቱዕ ድምጺ መለኸት ክልእኮም እዩ፣፣ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ክእክብዎም እዮም፣፣ ምሳሌኡ ካብ  ኦም በለስ ተማሃሩ፣ ጨንፈር ምስ ለምለመ  ቖጽላ እውን ምስ ጠጥዔ ቀውዒ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ  ኢኹም ፣፣

ኦም በለስ ናይ ቤት ኣይሁድ ምሳሌ

ዘመነ ጥጦስ ብቖጽሊ

ዘመነ ሓሳዊ መሲሕ ብዕንባባ

ምጽኣተ ክርስቶስ ብፍረ መሲሉ ተናገረ ፣፣

ከምኡ  ከኣ  ንስኻትኩም ነዚ ኩሉ ነገራት ምስ ረኣኹም ከም ዝቐረበ ፣ኣብ ኣፍ ደጌ ከም ዝበጽሔ ፍለጡ።  ኣብ ኣፍ ደጌ ዝበጽሔ ሰብ  ቀልጢፉ ከምዝኣቱ ምጽኣት ክርስቶስ  ከኣ ቀልጢፉ ከም ዝመጽእ ፍለጡ።

እዚ ነገራት እዚ  ኩሉ ክሳዕ ዝፍጸም እዚ ወለዶ እዚ (ቤተ ኣይሁድ) ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ።

ቀዳማይ፣ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ፣፣

ካልኣይ፣ ኣነ ሕለፍ ዝበልክዎ ኪሓልፍ  እዩ፣፣ ኣነ ሕለፍ ዘይበልክዎ ግና ኣይክሓልፍን እዩ (እብ12፣26)።

ሳልሳይ፣ ሕገይ ዘይሕሉ ክሓልፍ እዩ፣፣ ሕገይ ዝሕሉ ግና ኣይክሓልፍን እዩ (ዮሃ2፣17)።

11.ንምጽኣት ጎይታ ሰዓታን ዕለታን ዝፈልጣ የለን ማቴ24፣36

  ነዚ ኩሉ ምስ ተዛረበ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክስርቶስ  ናይ መጨረሽታ ቃሉ ስለ እታ ናይ መጨርስታ ናይ ምጽኣቱ ዕለትን ሰዓትን እዩ ተዛሪቡ። ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይካ ኣብ(ኣቦ) በይኑ ፣ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኮኑ ወዲ  ሰብ ኮነ ሓደ እኳ ዝፈልጣ  የልቦን፣፣

1.ዘመኑ ዘመነ ዮሓንስ ፣ወርሑ መጋቢት ፣ዕለቱ እሁድ (ሰንበተ ክርስቲያን) ፍርቂ ለይቲ ከምዝኾነ ፍሉጥ ዶ ኣይኮነን፧ እንተበልና ብዙሕ ዘመነ ዮሓንስ፣ ብዙሕ ወርሒ መጋቢት፣ ብዙሕ ዕለተ እሁድ (ሰንበት) ስለ ዘሎ ተፈልዩ  ክፍለጥ ስለ ዘይከኣል እዩ፣፣

2.ብዘይካ ኣብ በይኑ ወልድ ኣይፈልጣን እዩ በለ፣፣

ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባሕርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ  ኢሉ  እዩ እምበር  ሕቡእ ዘይፈልጥ  ኮይኑ ኣይኮነን ከም ዝበሎ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ (ሃይማኖት ኣበው 75፣3፣79፣32)፣፣ ቅድሚ ተዋህዶ ዘይፈልጥ ዝነበረ ስጋ ከም ዝተወሃሃደ ንምግላጽ ዝተዛረቦ እዩ እምበር ስለ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን። ድሕሪ ተዋህዶ ግን ስጋ ኣይፈልጥን እዩ ኣይበሃልን። ኩሉ ሃብቲ መሎኮት ብተዋህዶ ናይ ስጋ ፣ኩሉ ሃብቲ ስጋ ድማ ብተዋህዶ ናይ  መሎኮት ኮይኑ እዩ። ከመይ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ” (ቆላ2፣3) ከም ዝበለ ቅዱስ ጳውሎስ።

ከምቲ ብቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ቅንያት ክሳዕ እታ ኖህ ኣብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ክበልዑን ክስተዩን ክዋሰቡን ዝጸንሑ እሞ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንኹሉ ክሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ፣ ኣመጻጽኣ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ ክከውን እዩ፣፣

ቀዳማይ፣ ሽዑ ክልተ ሰብ ኣብ ሓደ ግራት ክጸንሑ እዮም፣ እቲ  ሓደ ብሞት ክውሰድ እቲ ሓደ ድማ  ብሕይወት ክሕደግ እዩ።

ካልኣይ፣ ኣብዚ ዓለም ባሕታውያን  ይነብሩ፣ ከም እንጦንስ መቃርስን ዝበለ ናብ ገነት ይውሰድ። ከም በዓል መቅጹት ቁራዕ ወርቂ ኣብ ትርኣሱ  ዝቐበረ ድማ ናብ ገሃንም ይሕደግ።

ኣብዚ ዓለም ድኻታት ይነብሩ ከም ኣልኣዛር፣ ከም ሓዋርያት ዝበለ ናብ ገነት ይውሰድ ከም ይሁዳ ከም ኣይሁድ  ዝበለ ናብ ጋሃንም  ይሕደግ።

ኣብዚ ዓለም ሃብታማት ይነብሩ ከም ኣብርሃም፣ ከም ኢዮብ ዝበለ ናብ ገነት ናብ መንግስተ ሰማያት ይውሰድ፣፣ ከም ኪራም ከም ነዌ  ዝበለ ናብ ሲኦል ናብ ገሃንም ይሕደግ፣፣

እምበኣርከስ ጎይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከምዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ግናኸ እዚ ድኣ ኣስተውዕሉ፣፣ በዓል ቤት ሰራቒ ዝመጻላ ሰዓት  እንተዝፈልጥ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፣፣ ቤቱ ክትኳዓት እውን ኣይምሓደገን፣፣ እምበኣርከስ ንስኻትኩም’ውን ወልደ እጓለ  እመሕያው ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ሓሰብኩምዎ  ሰዓት ክመጽእ እዩ እሞ ተዳሊኹም ንበሩ (ማቴ24፣36-44)።

 ኣርእስቲ መዝሙር                    ንባባት                    ምስባክ

እንዘይነብር እግዚእነ            1ተሰ4፣13-ፍጻ                መዝ 50፣2-3 

ውስተ ደብረዘይት              2ጴጥ3፣7-15

                                 ግ.ሓዋ24፣1-22

                                ማቴ24፣1-36

 

                             ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ

መወከሲ መጻሕፍቲ

1. ትርጓሜ   ኣርባዕቱ ወንጌል ብግዕዝን ትግርኛን

2. ኪዳነ ጽድቅ(ኣምሓርኛ-ኣንድምታ ናይ ወንጌል  ማቴዎስ) ብቀሲስ ደጄኔ ሺፈራው፡ዲያቆን ታደሰ ወርቁ፡ዲያቆን ብርሃኑ ኣድማስ

                                  ይቕጽል………………

 

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.