Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ደብረ ምጥማቅ ( 1ይ ክፋል)

                                     በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን

 ማርብዕለት 21 ግንቦት  ደብረ ምጥማቅ እና ተባህለ ዝብዓል ዓቢ በዓል ሓደ ካብተን 33 ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  በዓላት እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምውላዳ፡ ነዚ ዜና እዚ ዝሰምዐ ሄሮድስ  ብቕንኣት ተበጊሱ ክቐትሎ ደለየ። ምስ’ቲ ሓላዊኣ  ዝነበረ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን  ድማ ንጎይታ ሓዚላ ነቲ መሪር ናይ ምድረ በዳ ስደት ሓደ ኢላ ተተሓዘቶ። ብብዙሕ ድኻምን ጥሜትን ከኣ ምድሪ ግብጺ በጽሐት። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ እምበኣር ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዘዕረፍሉ ቦታ ብእግሩ  ከም ህጻን ዘወር እና በለ ከሎ ብእግሩ  ረጊጹ ኣሰር ኣጻብዕቱ ኣብቲ  እምኒ ከም ዝተረፍ ገበረ።

ቀጺሉ ንኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም  “ብስምኪ ኣብዚ ቦታ እዚ ዓብይ ቤተ ክርስቲያን ክሕነጽ እዩ ስሙ ከኣ ደብረ ምጥማቅ  ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ”  ክብል ተዛረባ ። እዚ ኣምላኻዊ ቃል እዚ ከኣ  ኣብ ሰዓቱን ኣብ ግዚኡን ተፈጸመ። ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም  ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ተሰርሑ፡ከምቲ ኣቐዲሙ  ጎይታ ዝበሎ ከኣ “ደብረ ምጥማቅ” ተባሂሉ ተጸውዐ። ብዙሓት መናንያን ዝቕመጥሉ ቦታ ኮነ። እንተ ኾነ  ምድሪ ግብጺ ከምቲ ንግንዘቦ ምድረ በዳ ስለ ዝኾነ ንዕለታዊ ናብራን ንንግደት ናይ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን እኹል ቀረብ ማይ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት ከኣ  ብዝያዳ ኣብ ግዜ ዓመታዊ በዓል  ኣቦታት ናይቲ ገዳም ኣዝዮም ይሽገሩ ነበሩ፡ እንተኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስኣቶም ስለ ዝነበረት  ንዓኣ እናለመኑ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ትግብረሎም ነበረት ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ናይ’ቲ በዓል’ውን ዝጎድሎም ኮነ ዘሽግሮም ኣይነበረን።

ኩሉ ግዜ ኣብቲ ክብሪ በዓል ከኣ ብዝያዳ ኣመንትን ዘይኣመንትን  ኣብ ዝተኣከብሉ ግዜ ቅድስ ድንግል ማርያም ብቕዱሳን መላእክት ተዓጂባ ትግለጸሎም ነበረት። እቶም ብዙሕ ጉዕዞን ኣድካሚ ምድረበዳን ሰጊሮም ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ዝተረኽቡ ሰባት ድማ  በቲ ቅድስት ድንግል ማርያም እትገብሮ ዝነበረት ተኣምራት ንእግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ሓሳባት ልቦም ለሚኖም ናብ ወዳ  ክተብጽሓሎም ተማሕጺኖማ ይኸዱ ነበሩ። ጸግዒ ድኹማት  ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ብዝተዋህባ ጸጋን ሞጎስን ኣብ ቅድሚ ወዳ ቀሪባ  ሓሳባቶምን ጸሎትምን  ትፍጽመሎም ነበረት። ሎሚ’ ውን  ጸጋኣ ኣሚና ምስ እንልምና  ንኹሎም ቅዱሳን ምሕረት ካብ ወዳ ከም ዝለኣኸትሎም  ንዓና እውን ኣብዚ ክፉእን ዓላዊ ወለዶን ዝለመናዮ ክተውህበና፡ ኣብ እምነትና መታን ክትጸንዕ ብበረኸት ብረድኤት ክትሕልወና  እያ። እንተኾነ ከምቶም ብጎቦ ልቦም ዝልምኑ ዘይኮነስ ብእምነት፡ብዘይምጥርጣር ክኸውን ይግባእ።

ጸሎታን በረኸታን፡ ጣዕማን ኣማላድነታን ምስ ቅዱሳን ከም ዝነበረ ሎሚ እውን  ምሳና ይኹን። ኣሜን።

ደብረ1ደብረ ምጥማቅ  እምበኣር ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተመስረተት ብዙሕ ድንቂ ስራሕን ተኣምራትን እና ተገብረላ እትነብር ቅድስት ቦታ እያ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ እታ ጎይታናን መድሓኒና ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሕን  ሰብ ኮይኑ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ  ከም ሰብነቱ ብእግሩ ረጊጹ ከም ኣምላኽነቱ ከኣ ናይ ኣጻብዕቱ ኣሰር ከም ዝወጽእን ንምስክርነት ከም ዝተርፍን ዝገበራ ተኣምራታዊት እምኒ ዝለዓለ ታሪኽን  ቦታን ሒዛ ትርከብ።

ከም ኩለን ገደማትን ኣብያተክርስቲያናትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት፡ እዛ ቅድስት ገዳም እውን ብዓላውያን ብዙሕ ግዜ ዕንወት ወሪድዋን ፈሪሳን እያ። እንተኾነ  ናይ ኩሉ ገዛኢ ዝኾነ ኣምላኽ ብሓይሊ ጥበቡ ንቅዱሳን ሰባት ኣለዓዒሉ ካብቲ ዝዓነወቶን ዝፈረሰቶን ኣተንሲኡ ከም እትህነጽ ገይርዋ እዩ። እዚ ክቡር ዕለት እዚ ካብ 21 ግንቦት ክሳዕ 25 ግንቦት ኣብዛ ቅድስት ቦታ ምእመናን ብኽብሪ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል የብዕሉ።

desinaናብ ሃገርና ኤርትራን እንተ መጺእና እውን ካብዚ ብዘይፍለ ሓደን ዝተመሳሰለን ታሪኽ ኢና ንረክብ። ንሱ ከኣ እንሆ ኣብዛ ሎሚ ደብረሲና  ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ቅድስት  ስፍራ ዝተፈጸመ ናይ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ንናይ ድንግል ማርያም ክብሪ ዝተገልጸሉን እዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕራን ጣዕማን ንዘልኣለም ምሳና ክኸውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ኣሜን!!!!!

                                       ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

                                      ወለወላዲቱ ድንግል

                                     ወለመስቀሉ ክቡር

                                     ኣሜን፡

Sorry, comments are closed for this post.