Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ደብረ ታቦር/ DEBRE TABOUR

                       ደብረ ታቦር

             በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

      557970_192800544200966_586738432_n ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ንጴጥሮስን ንያዕቆብን ንዮሓንስ ኃዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ በርሀ፡ ክዳኑ እውን ከም ጸሓይ ጻዕደወ። እንሆ ከኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ክዘራረቡ  ተራእይዎም። ጴጥሮስ ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስንዓና ኣብዚ ምንባር  ጽቡቕ ኢዩ ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፡ሓደ ንሙሴ ሓደ’ውን ንኤልያስ በሎ።

  ጌና ጴጥሮስ እና ተዛራረቦ ከሎ ብሩህ ደመና ኣንጸላለዎም እንሆ ድማ ካብቲ ደመና “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ወደይ እዚ ኢዩ ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ደቂ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ ኣዝዮም ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም እሞ “ተንስኡ ኣይትፍርሁ” እውን በሎም ።ኣዒንቶም ንላዕሊ ቋሕ እንተበሉ ድማ ብዘይካ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።ካብ እምባ  ክወርዱ ከለዉ ኢየሱስ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ ነዚ ዝረኣኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ” በሎም (ማቴ፲፯፡፩-፱/17፡1-9)።

                 1)ጎይታ ስለምንታይ  ናብ ደብረ ታቦር ወጸ፧

        ሀ) ምሳሌኡን ትንቢቱን ንምፍጻም፥

ምሳሌ፥ በዘመነ መሳፍንት ባራቕን ዲቦራን ንሲሳን ዝሰዓርሉ እምባ ኢዩ። በዚ ከኣ ባራቕ ናይ ጎይታ ምሳሌ ክኸውን ከሎ ሲሳን ከኣ ናይ ኣጋንንቲ ምሳሌ ኢዩ።

ትንቢቱ፥”ታቦርን ኣርሞንኤምን(ሄርሞንን) ንስምካ ዕልል ይብሉ” ኢሉ ልቢ ኣምላክ ዝተነበየሉ ኢዩ (መዝ፹፱፡፲፪/89፡12)።

ለ) “ንወዲ ሰብ ብኽብሪ መንግስቱ ክመጽእ  ከሎ ክሳዕ ዝርእይዎ ካብዞም ኣብዚኣ ቆይሞም ዘለዉ ዘይሞቱ  ከም ዘለዉ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ” ኢሉ ተዛሪቡ ስለ ዝነበረ(ዮሓ ፳፩፡፳-፳፬/21/20-24,  ማቴ 16፡28/፲፮፡፳፰)

) ኣብ ኢየሩሳሌም ብጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብዙሕ መከራ ከም ዝወርዶን ከም ዝቐትልዎን ኣብ ዝተዛረበሉ ግዜ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጎይታይ የድሕንካ እባ ድኣ እዚ ነገር እዚስ ኮቶ ኣባኻ ኣይውረድ” ኢሉ ስለ ዝነበረ ጎይታ ዝበሎ ቃል ክቕበልዎ ከምዘለለዎምን  ብእግዚኣብሔር ኣብ ከኣ ንዕኡ ስምዕዎ  ኢሉ ምስክርነቱ መታን ክህብ ኢዩ (ማቴ ፲፮፡፳-፳፰/16፡20-28)

መ) ኣብ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ ኣብ ቂሳርያ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ “ኢሉ ዝመስከሮ ቃል ደግማይ ብእግዚኣብሔር ኣቦ ንምምስካር ኢዩ። እዚ ከኣ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ወደይ እዚ ኢዩ” ብምባል መስከረ(ማቴ፲፮፡፲፭/16፡15)

ረ) ቅዱሳን ሓዋርያት ብዛዕባ መንነቱ ኣብ ዝሓተቶም ግዜ ሰባት ሓደ ካብ ነቢያት ይብሉኻ እና በሉ ሰባት ዝብልዎ ኣብ ቂሳርያ ገሊጾም ስለ ዝነበሩ፡ በዚ ከኣ ክርስቶስ ናይ ነቢያት ኣምላኽ ድኣ እምበር ነቢይ ከም ዘይኮነ ንነቢያት(ሙሴን ኤልያስን)ጸዊዑ ንምግላጽን ንምምስካርን ኢዩ(ዮሃ 21፡20-24/፳፩፡፳-፳፬, ማቴ 16፡28/፲፮፡፳፰)

           2) ሰለስተ ሓዋርያት ጥራሕ ስለምንታይ ሒዝዎም ናብ ምእባ ደየበ፧

  Mount-Tabor-Basilica-of-Transfiguration-mural,-tb040200100-bibleplaces ኣደ ዮሓንስን ያዕቆብን ንክርስቶስ ክልቲኦም ደቃ ሓደ ብየማን እቲ ሓደ ከኣ ብጸጋም ኣብ መንግስቱ ክቑመላ ለሚና ነይራ። እዚ ዝበለት ምድራዊ ንጉስ ስለ ዝመሰላ ኢዩ። ንሳቶም እውን “እቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧ ኢሉ ኣብ ዝሓተቶም ግዜ ኣብ ልቦም  ዝነድድ ፍቕሩ ስለ ዝነበሮም እወ በሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሱ ሰማያዊ ንጉስ ድኣ እምበር ከምቶም ምድራያን ዘይምዃኑ መታን ክፈልጡ ናብ እምባ ኣደየቦም። ኣብዚ ከኣ ነቲ ኩሉ ዝረኣየ ጴጥሮስ “ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ በለ፡ኣቐዲሙ ስለ ኣምላኽነቱን ስለ ምስጢረ ተኣውህዶን ዝመስከሮ ቃል ደጊሙ ኣብ ደብረ ታቦር  ክሰምዖ ከኣለ።ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሉ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ” ኢሉ ኣብ ቂሳርያ ዝመስከረ እግዚኣብሔር ኣቦ ከኣ ክርስቶስ ብተዋህዶ ናይ ኣብ ናይ ባህርይ ወዱ ከም ዝኾነ መስከረ።ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሞት ናይ ክርስቶስ ዝተቛወሞ ዘይኮነስ፡ኩሉ ሰብ ናይ ክርስቶስ ኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕን በቲ ዝሰምዖ ክነብርን ከም ዘለዎ ከብርህ ከኣ “ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ ኢዩ ንዕኡ ስምዕዎ” በለ።ክመውት ኢየ፡ክቕተል’የ እንተ በለኩም ንዕኡ ስምዕዎ ኣይትቋውምዎ ከኣ በለ።እዚ ከኣ ከምቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ንዕኡ ስምዕዎ ዝበሎ ቃል ምስክርነት ኢዩ(ዘዳ፲፰፡፲፭/18፡15)

በዚ እምበኣር ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስ፡ዮሓንስ፡ያዕቆብ ናብ’ቲ እምባ  ደየቡ።ጴጥሮስ  ክርስቶስ ብተዋህዶ ናይ ኣብ ናይ ባህሪ ወዱ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ቃል ሰምዐ።ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ቃል ከምዝጸንዕ ከኣ ኮነ።ከም’ውን ክርስቶስ ዝበሎ ቃል ሰሚዑ ክኸይድ እምበር ክቋወም ከም ዘይብሉ እውን ብእግዚኣብሔር ኣቦ “ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ቃል ተዋህቦ።ክልቲኦም ደቂ ዘብዲዎስ እውን ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ፡ሰማያዊ ንጉስ ምዃኑ ተገለጸሎም። 

       3) ነቶም ሸሞንተ ሃዋርያት ስለምንታይ ኣብቲ እግሪ ናይቲ እምባ ገደፎም፧ 

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ ኣብ ቂሳርያ “ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” (ማቴ16፡13/፲፮፡፲፫)ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ንሰለስተ ደቂ መዛሙርቱ(ጴጥሮስ፡ ዮሓንስ፡ ያዕቆብ) ሒዙ ናብ እምባ ደየበ። ኩሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ዘይደየቡ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንተበልና ብይሁዳ ምኽንያት ኢዩ። ነቶም ሰለስተ ፈልዩ ምድያቡ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኣሎ፡ንይሁዳ ምስቶም ሸሞንተ ገዲፉ ምኻዱን ንኹሎም ናብቲ እምባ ዘይምድያቡን ከኣ ብሰንኪ ይሁዳ ኢዩ። እዚ ከኣ “የኣትትዎ ለኃጥእ ከመ ኢይርአይዎ ስብሐተ እግዚኣብሔር-ንረሲእ እንተ ራህራህካሉ ጽድቂ  ኣይመሃርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሔር ድማ ኣይርእዮን”(ኢሳ፳፮፡፲/26፡10) ዝብል ትንቢት ኣቐዲሙ ስለ ዝተነግረ ኢዩ። እንተኾነ እቲ ኣብቲ እምባ ነቶም ሰለስተ ደቂ መዛሙርቱ  ዝተገልጸ ምስጢር ነቶም ኣብ እግሪ እቲ እምባ ዝተረፉ እውን ተገሊጽሎም ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ደብረሲና ንሰብዓ ሊቃናት ዝተገልጸሎም ምስጢር(መንፈስ ትንቢት) ነቶም ኣብ ከተማ ዝተረፉ መተሓርይቶም ኤልዳድን ሙዳድን ዝተገልጸሎም ኢዩ (ዘኁ፡፲፩፡፲፮-፳፮/11፡16-26,  ዘጸ ፳፬፡፱/24፡9)

        4)ሙሴን ኤልያስን እንታይ ኢሎም ተዛሪቦም፧ ስለምንታይከ ንሳቶም ተመርጹ

ቅድሚ ዝተዛረብዎ ነገር ምርኣይና ሙሴን ኤልያስን ምዃኖም ብምንታይ ይፍለጡ ንዝብል፥

vነቢይ ሙሴ ኣብ ገጹ ብርሃን ለቢሱ ይርአ ነበረ።(ዘጽ፴፬፡፳፱-፴፭/34፡29-35)።ነቢይ ኤልያስ ድማ ብርሃን ለቢሱ ከም ዝተወልደ ይንገረና ኢዩ።

ነቢይ ሙሴ

“ኣነ ባሕሪ እንተኸፈልኩ፡ ደመና እንተጋረድኩ፡ ካብ ሰማይመና እንተኣውረድኩ እንተኾነ ንእስራኤላውያን ዘልኣለማዊ ድሕነት ከውህቦም ኣይከኣልኩን ንዓኻ ግና ይከኣለኩ ኢዩ።ንስኻ ናይ ሙሴ ኣምላኽ እምበር ሙሴ ኣይኮንካን” በለ።

ኤልያስ

“ኣነ ንሰማይ ዝናብ ከይህብ ምድሪ እውን ፍሬኣ ከይትህብ እንተ ከልከልኩ፡ካብ ሰማይ ሓዊ እንተኣዝነብኩ እንተኾነ ዘልኣለማዊ ድሕነት ከውህቦም ኣይከኣልኩን ንስኻ ግን ኩሉ እትኽእል ናይ ኤልያስ ኣምላኽ እምበር ኤልያስ ኣይኮንካን” በለ።

በዚ ከኣ ኣቐዲሞም ሰባት ገሊኦም ሙሴ ገላ ከኣ ኤልያስ ይብሉኻ ዝብል ምላሽ ናይ ሓዋርያት፡እዞም ክልተ ነቢያት ኣብ ደብረ ታቦር ብምርካቦም ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ሰናይ ተግባራትን ተኣምራትን ክገብሩ ዘብቅዖም ሓያል ኣምላኽ ንሱ ምዃኑ፡ ሙሴ ወይ ኤልያስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዘይክእል ግናኸ “ኣምላከ ሙሴ ወኤልያስ”ከም ዝኸነ መስኪሮም ኢዮም።

ብኻልእ’ውን ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝገለጾ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘጋጥሞ መግረፍትን ሞትን እውን ምስ ኣምላኾም ምስ ክርስቶስ ተዘራሪቦም ኢዮም (ሉቃ፱፡፴፩/9፡31)

  ከምኡ ከኣ ብፍሉይ ሙሴን ኤልያስን ናብ ደብረታቦር ምምጽኦም ዝተነግረሎም ትንቢት ነይሩ ኢዩ።እዚ ከኣ ሊቀ ነቢያት ነቢይ ሙሴ ንእግዚኣብሔር ገጽካ ኣርእየኒ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ቅዱስ እግዚኣብሔር “ሰብ ርእዩኒ ብሕይወት ኣይነብርን ኢዩ እሞ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ ,,,,,,ንስኻ ግና ብድሕረይ ክትርእየኒ ኢኻ ገጸይ ግና ኣይርአን ኢዩ።”(ዘጸ፴፫፡፲-፳፬/33፡18-24) ኢልዎ ነበረ።እንተኾነ እግዚኣብሔር ወልድ ስጋና ተዋሃሂዱ ሰብ ምስ ኮነ ኣብዚ ከረን’ዚ ሙሴ ክርእዮ በቒዑ ኢዩ።ነዚ ከኣ በቲ ከውሒ ክሓልፍ ከለኹ ክትርእየኒ ኢኻ፡ብድሕረይ ክትርእየኒ ኢኻ ክብል ዝተዛረበ።ንመለኮት ድሕሪት ኮነ ቅድሚት ስለ ዘለዎ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ኣብ ዳሕራይ ዘመን  ምስ ግዙፍ ስጋ ምስ ተወሃሃድኩ ክትርእየኒ ኢኻ ክብል ስለ ዝደለየ ኢዩ።ከም ቃሉ መሰረት ከኣ ካብ ዓለመ ነፍስ ኣምጺኡ ከም ዝርእዮ ጌይርዎ ኢዩ።

ነቢይ ኤልያስ’ውን ኣብ ዳሕራይ ዘመን መጺኡ ከም ዝምስክር ተነጊርሉ ስለ ዝነበረ ኣብ ደብረታቦር መጺኡ ክምስክር ተራእየ (ሚል፬፡፭-፮/4፡5-6  ራእ፲፩፡፫/11፡3)።

                 5) ደብረታቦር ናይ መን ምሳሌ ያ፧

ሀ) ናይ ወንጌል ምሳሌ–  ደብረ ታቦር ናይ ወንጌል ምሳሌ ኢያ ክበሃል ከሎ እቲ እምባንምውጽኡ ኣዝዩኣሸጋርን ኣድካምን ኢዩ።ኣብ ዝባን ምስ ወጻኻ ግና ንኹሉ ነቲ በሪኽን ዓሚቕን፡ንዝጎበጠን ትኽ ንዝበለን ኩሉ ዓይነት ስፍራ ኣብ ልዕሊኡ ኮንካ ንኽትርእዮየኽእለካ።ወንጌል’ውን ንኽትመሃራን ንኽትነብረላን ብዙሕ ድኻምን ጻዕርን እትሓትት ኢያ።እንተ ኾነ ብብዙሕ  ድኻም ድሕሪ ምምሃር ግና ጽድቅን ሓጢኣትን ፈላልያንኣነጺራንተርእየካ።

ለ)ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ እያ: ደብረ ታባር ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ ኢያ።ምኽንያቱ መንግስተ ሰማያት እትውረስ  ብብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ስለ ዝኾነ (ግብረ ሃዋርያት፲፬፡፳፪/14፡22)

ሐ) ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እያናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ኢያ ክበሃል ከሎ ከም ናይ እግዚኣብሔር ቃል ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ስርዓትን ንኽትነብር ክንደይ ድኻምን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ደብረ ታቦር ምስጢረ ስላሴ ከም ዝተገለጸ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ይንገር።ንቅድስት ስላሴ ብማህሌትን ብቕዳሴን ክተመስግን ትነብር።

ደብረ ታቦር ልዑልን በሪኽን ስፍራ’ዩ።እምባ መሰረቱ መሬት ክኸውን ከሎ ጫፉ ግና ንሰማይ ገጹ ዝወጸ እዩ።ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መስረታ ካብ ዓለም (ካብ ምድሪ) ክኸውን ከሎ ክብራግን ኣሰማያዊ ኢዩ።

            6) ካብ ሓዋርያትን ካብ ነቢያትን ስለምንታይ መረጸ፧

      ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ካብ ሓዋርያትን ነቢያትን ናብ ደብረ ታቦር ዘምጽኣሉ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ።

  ንሱ ከኣ ደብረ ታቦር 1)ናይ ወንጌል ምሳሌ ስለ ዝኾነት ቅዱሳን ነቢያት ንወንጌል ብምሳሌን ብትንቢት ሰቢኾም ኢዮም።ምኽንያቱ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ማሕጸን ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ስለ ዝኾነት።ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ ብግልጺ ዝሰበኽዋ ስለ ዝኾነት።

2)ደብረ ታቦር ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ስለዝኾነት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሉይ ኪዳን ሓድሽ ኪዳን ከም ዝንገር ንምግላጽ

3) ደብረ ታቦር ናይ መንግስተ ሰማያት ምሳሌ ስለ ዝኾነት ቅዱሳን ነቢያትን ቅዱሳን ሓዋርያትን ብሓድነት ዝወርስዋ ምዃኖም ንምግላጽ ኢዩ።

                 7) ካብ ሰብ ሓዳር ሙሴ ካብ ደናግል ኣ ኤልያስ ስለምንታይ ኣምጽ

ካብ ሰብ ሓዳር ጥራሕ ኣምጺኡ ኔይሩ እንተ ዝኸውን “እቶም ዝተመርዓዉ መንግስተ ሰማያት እንወርስ ንሕና ጥራሕ ኢና” ምበሉ ነይሮም።ከምኡ’ውን ደናግል  ጥራሕ እንተዝኾኑ እውን  ደናግል ብወገኖም “መንግስተ ሰማያት እንወርስ ንሕና ጥራሕ ኢና” ምበሉ እንተኾነ ግና ዝተመርዓዉ ይኹኑደናግል ሕገ እግዚኣብሔር ሓልዮም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝነብሩ ብሓባር ናብ  መንግስተ ሰማያት ከም ዝኣትዉ ንምግላጽ ዝኣክል ካብ ደናግልን ካብ ሰብ ሓዳርን ከምጽእ ክኢሉ።

ከምኡ ከኣ ካብ ምዉታን ንሙሴ(ዘዳ፴፬፡፰-፲፩/34፡8-11)ካብ ሕያዋን ንኤልያስ( (2ነገ፪፡፲፩-፲፪/2፡11-12)ሒዙ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተረኽበ “ንሕና እዞም ክሳዕ ምጽኣት ጎይታ ብሕይወት እንጸንሕ ዝበሎምን፡ነቶም ዝሞቱ ኮቶ ከም ዘይንቕድሞም ዝበሎምን ንመንግስተ ሰማያት ሓቢሮም ከም ዝወርስዋ ንምግላጽ ኢዩ።(1ተሰ፬፡፲፭/4:15)

                8) ኣብዚ ንዓና ምንባር ጽቡቕ ኢዩ

Mount-Tabor-Basilica-of-Transfiguration,-tb032904191-bibleplacesቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ጎይታይንዓና ኣብዚ ምንባር  ጽቡቕ ኢዩ ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ ፡ሓደ ንሙሴ ሓደ’ውን ንኤልያስ በሎ። እዚ ከኣ ንስኻ ከም ቀድምካ እንተጠመና ሕብስቲ ኣበርኪትካ እና መገብካና፡ እንተ ሓሚምና እና ፈወስካና፡ እንተ ሞትና እና ኣተንሳእካና ሙሴ ድማ ከም ቀደሙ ደበና እና ጋረደ፡ መና ካብ ሰማይ እና ኣውረደ፡ ኤልያስ’ውን ከም ቀደሙ ሰማይ እና ለጎመ፡ ሓዊ እና ኣዝነበ ጸላኢ እና ኣጥፍአ ንዓና ኣብዚ ምናብር ጽቡቕ በለ።

ቀጺሉ እውን ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ በለ። ኣቐዲሙ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ንዝቕበሎ መከራ “ጎይታይ የድሕንካ እባ ድኣ እዚስ ኮቶ ኣባኻ ኣይውረድ”(ማቴ፲፮፡፳፳/16፡22) ብምባል ተገሲጹ ስለ ዝነበረ ኢዩ።

          9)ነዚ ዝረኣኽምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ

እዞም ቅዱሳን ሓዋርያት እዚኣቶም ኣብቲ ዝደየብዎ እምባ ምስ ወጹ በቲ ዝረኣይዎ ሰንቢዶም ወደቑ። ዮሓንስ መጥምቕ ነዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ቃል ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክሰምዖ ከሎ ኣይሰንበደን ኣይወደቐን ከኣ።(ማቴ፫፡፲፫-፲፯/3፡13-17)ከመይ ዮሓንስ መጥምቕ ኣይተጠራጠረን፡ ሓዋርያት ግን ብኣምላኽነቱ ተጠራጢሮም ስለ ዝነበሩ በቲ ዝሰምዕዎ ቃል ሰንቢዶም ወደቑ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ቀሪቦ ተንከዮም እሞ ተንስኡ ኣይትፍርሆ በሎም። ንሳቶም ካብቲ ወዲቖምሉ ዝነበሩ ስፍራ ተንስኡ ንላዕሊ ቁሊሕ እንተ በሉ ግና ነቶም ኣቐዲሞም ዝረኣይዎም ቅዱሳን ነቢያት ኣይረኣይዎምን ድምጺ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ እውን መሊሶም ኣይሰምዑን፡ ነቲ ምስኣቶም ዝደየበ ክርስቶስ ጥራሕ በይኑ ረኣይዎ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ እምባ ገዲፎ ናብ ታሕቲ ገጾም ተበገሱ እና ወረዱ ከለዉ ካኣ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ ነዚ ዝረኣኽምዎ  ንሓደ እኳ ከይትነግሩ ኢሉ ኣዘዞም ንሳቶም ካኣ ንምንታይ ድኣ መማህራን ሕጊ ቅድም ኤልያስ ክመጽእ ኣለዎ ዝብሉ ኢሎም ሓተትዎ(እዚ ዝበሉ ሰንቢዶም ብግናብሮም ወዲቖም ጸኒሖም ድሕሪ ምትንስኦም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ስለ ዝመሰሎም ኢዩ)።

   ክርስቶስ ነቲ ዝረኣይዎ ኣይትንገሩ ኢሉ ዝኣዘዞም ምኽንያት፥

  1. እቲ ኣብ ደብረ ታቦር ዝረኣይዎ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጽ ክቡር ምስጢረ መለኮት፡ ቅድሚ እቲ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝረኽቦ ሓሳረ መከራ ክንገር ስለ ዘይግባእ ኢዩ፡፡

  2. ተሰቒሉ ሞይቱ ክሳዕ ዝትንስእ ብዛዕብኡ ዝተነግረ ኩሉ  ሰባት ብእምነት ስለ ዘይቕበልዎ ኢዩ።

  3. ኮንቱ ውዳሴ ንኸይከውንን ቅዱሳን ሓዋርያት እውን ብድሕሪኡ ዝረኽቦ ብዙሕ መከራ ስለ ዘሎ ንሱ ከይኮነ ብዛዕባ ዝረኣይዎ ምዝራቦም ጽባሕ መታን ከይዕንቀፉ ኢዩ።

    ኣከባብራ በዓል ደብረ ታቦር(፲፫/13ሓሰ)

dddደብረታቦር ሓንቲ ካብተን ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ናይ ጎይታ ኮይና ኩሉ ግዜ ዓመት መጸ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዓቢ ድምቀት ትኽበር።በዚ ግዜ እዚ ንዕለቱ ዝምልከት ስብከታት ፡መዝሙራትን ናይ ዕለቱ ቅዳሴን ይካየድ በዚ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ወንጌል እና ኣስተምሃረት ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን  ብጽንዓት ክሳዕ መፈጸምታ ምጽናሕ ናብታ ዘልኣለማዊት ቅድስት ሃገር ኢየሩሳሌም ምእታው ከም ዘኽእል ብዕቱብ ንደቃ ተስተምህር።

   ንሕናኸ፧

ቅዱሳን ነቢያት ናብ ዝርከብሉ ናይ ቅድስት ስላሴ ትምህርቲ ኣብ ዝንገረላ  ክብሪ ኣምላኽ ዝግለጸላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተረኺብና ናብታ ኣምሳል  ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቅድስት ስፍራ ደብረታቦር ብነፍስን ብስጋን እንነግድ ክንደዮኖት ኢና፧ወይስ ከምልምዲ ተቖጺሩ ብዓይኒ ስጋ ጠሚትና ብናይ ስጋና መሓውር እንድይብ ክንደዮኖት ኢና፧

እምበኣርከስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ከምእትምህረናን እትእዝዘናን ብዓይኒ ስጋዊ ኣካላትና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ መጺእና ብዛዕባ መጻኢ ሂወትናን ተስፋ መንግስተ  ሰማያትን ክንሓስብ፡ከምቲ ቅዱሳን ነቢያት (ሙሴን ኤልያስን) ምስ ሓዋርያት ሓቢሮም ኣብ ደብረታቦር ዝተረኽቡ ንሕና’ውን ብሕጊ ኣምላኽ ተጸሚድና ብወንጌል ተመሪሕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምስልካይ ኩሉ ግዜ ምስ እንርከብ ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ኣብ ጉባኤ ቅዱሳን ኣብ ሰማያዊት ቤት(መንግስተ ሰማያት) ክህሉ ኢና።እዚ ምዃኑ ፈሊጥና ሎሚ ብመንፈሳዊ ሕልናናን  ብስጋዊ ኣካልናን ናብዛ ኣምሳል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቅድስት ሃገር (ኢየሩሳሌም) ከውርሰና ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹን።ንግደትና ንግደት ኩሎም ቅዱሳን ይግበረልና።ኣሜን፡

          ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

           ወለወላዲቱ ድንግል

          ወለመስቀሉ ክቡር

              ኣሜን።

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.