Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ገድሊ ኣቡነ ማትያስ ዘምራራ

ገድሊ ኣቡነ ማትያስ ዘምራራ
ሃገርና ኤርትራ ብጥንታውነቶምን ብታሪኾምን ቅድስኖኦምን ዝፍለጡ ብዙሓት ዓበይትን ንኣሽቱን ገዳማት እትውንን ቅድስቲ ሃገር እያ።
ስለዚ እምበኣር ካብ ከርሲ ምድሪ ኤርትራ ካብ ዝፈረዩ ቅዱሳን ኣቦታት ከም ኣብነት እነቅርቦም ኣቦ ንሓንቲ ካብተን ብዙሓት ገዳማት ዝመስረቱ ገዳም ደብረ ብርሃን ወደብረ በረኸት ወደብረ ሰማዕት ተባሂላ እትፍለጥ ብኣቡነ ማትያስ ዝተመስረተት ኮይና ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ፍሸይ ምራራ ትርከብ እያ።
ታሪኽ ኣቡነ ማትያስ (ማይታን )
ወለዲ ኣቡነ ማትያስ ብሃብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሃብታማት እኳ እንተነበሩ እምነት ክርስትና ግና ኣይተቐበሉን ነበሩ። ነቲ ኩሉ ሃብቶሙን ርስቶሙን ዝወርስ ውላድ ስለ ዘይነበሮም ከኣ ኣዚዮም ይጉህዩን ይሓዝኑን ነበሩ። ብድሕሪ እዚ ኣዲኦም ንኣቡነ ማትያስ ንበዓል ቤታ “እዘን ኣንስቲ ክርስቲያን እኮ ናብ እግዚኣብሔር ለሚነን ዉሉድ ይረኽባ እየን እሞ ንዓ ንሕና ዉን ናብ እግዚኣብሔር ንለምን፣ ዝኾነ ዉሉድ እንተረኺብና ንእግዚኣብሔር ይኹን” በለቶም ከምቲ ቅዱስ እያቄምን ቅድስት ሃናን ዝኣተውዎ መብጽዓ ተመባጺዖም መብጽዕዖኦም ዝተፈጸመሎም ከሙኡ ዉን እዞም ስድራቤት መብጽዓ ኣተዉ። መብጽዕኦም ድማ ከዚ ይመስል “ብጸሎት እግዝእትነ ማርያም ዉሉድ እንተረኺብና ክርስቲያን ክንከዉን ኢና። በቲ ካብኣ ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ መድሃኔዓለም ዝብልዎ
ክንኣምን ኢና”በለቶ። በዓል ቤታ ድማ ከምዚትብልዮ ዘለኺ ክኾነልና ፍቃዱ ይኹን። ውሉድ እንተ ሂቡና ኸኣ ከምቲ ዝበልክዮ ክርስቲያን ክንከዉን ኢና በላ። ብድሕር እዚ ንቤተክርስቲያን ብዙሕ ዕጣን ኣምሃ ኣቅረቡ። ነቲ ዝነበረ ካህን “እግዚኣብሔር ዉሉድ ክህበና ጸልየልና” በልዎ። ነዚ ኢሎም ናብ ቤቶም ተመለሱ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ጸሎቶም ሰሚዓ ናብ ፍቁር ወዳ ለሚና ዝተዓጽወ ማህጸን ከፈተት። ከምቲ ስድራቤት ኣቡነ እንድርያስ ዉላድ ኣብ ዘይነበሮም ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ከይዶም ብምጽላያይ ጸሎቶም ዝሰሞዐ ንኣቡነ እንድርያስ ንምውላድ ከኣ ዝበቕዑ፡ ጸሎት ወለዲ ኣቡነ ማትያስውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተሰምዐ፡ ኣቡነ ማትያስ ከኣ ብ14 ክ.ዘ ኣብ ዓዶም ጽልማ ታኺታ ተወልዱ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሳሰሊ ታሪኽ ናይ ቅድስት ሃና ታሪኽ ኢና ንምልከት (1ይ ሳሙ 1፡15)። ወዲ ምስ ወለዱ ብዙሕ ተሓጎሱ ንእግዚኣብሔር ኣመስገኑ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ወደስዋ። ሽዑ ናብታ ኣብ ምድሪ ጽልማ እትርከብ ታኺታ ዝተባህለት ዓዲ ታቦት ኢየሱስ ከይዶም ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ካህን “መጻእነ ከመ ንኩን ክርስቲያነ ወታጥምቀነ” ማለት ክርስቲያን ክንከውን ኽንጥመቅ መጺእና ኣሎና በልዎ። ንሱ ድማ ብሓጎስ ተቐቢሉ ከምቲ ትእዛዝ ኣቦታትና ሓዋርያት መጽሓፍቲ ኣንቢቡ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣቦ ኣብርሃም ንበዓልቲ ቤቱ ሒሩተ ማርያም ነቲ ዝተወልደ ህጻን ድማ ድሑነ እግዚእ ኢሉ ኣጠመቖም።
ድሕርዚ ፍጹማን ክርስቲያን ምስ ኮኑ እግዚኣብሔር ማህጸን ሒሩተ ማርያም ከፈተ‘ሞ ሓሙሽተ ደቂ ወለዱ ፥ንሳቶም ድማ፥ 1.ድሑነ እግዚእ 2. ፈቃደ እግዚእ 3. ባርያ እግዚእ 4.ንዋየ እግዚእ 5. ደጋፊነ እግዚእ 6. ጥሪተ እግዚእ ዚተባህሉ እዮም።
ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ወዲ እሰይ ሕሳስ ልደ ኾይኑ ኣብ ምጉሳይ ኣባጊዕ ተዋፊሩ እንከሎ ካብ ኩሎም ደቂ እሰይ ዝተመርጸ (1ሳሚ 16) ኸምኡ’ዉን እቲ ሕሳስልደ ዝኾነ ጥሪተ እግዚእ ናይ እንዳ ዓለቡኡ ኣባጊዕ ክጓሲ ጀመረ።
ሓደ መዓልቲ እቶም መሳትኡ ምስኡ ኣባጊዕ ዝጎስዪ ካብ ዘይናቶም ግራት ሸዊት ቀንጢቦም ንኽበልዕዎ ኣምጺኦም ንጥሪተ እግዚእ ካብዚ ዘምጻእናዮ ሰዊት ምሳና ብላዕ በልዎ።ንሱ ድማ ሓዲግዎም ናብ ቤቱ ኣትዩ ነቲ እቶም ጓሶት ዝበልዎን ዝመለስሎምን ነዲኡ ነገራ። ኣዲኡ ነዚ ቃል ምስ ሰምዐት ሓቒፋ ሰዓመቶ። እቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ጌጋ ምዃኑ ኣረዲኣ፡ ኣነ ከብለዓካን ከስትየካን እየ ነቲ ናቶም ግን ከይትትንክፎ በለቶ። እቶም መሓዙቱ እኳ ብዙሕ ግዜ ይፍትንዎ እንተ ነበሩ ንሱ ግና ይኣብዮም ነበረ። ምስኦም ኣይቀርብን፡ ዋዛ ፈዛዛ ዉን ኣይጻወትን ነበረ። ኣብ ተግባሮም ምእንቲ ከይሓብር መንፈስ ቅዱስ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ስለ ዝሓረዮ ካብኦም ይፍለ ነበረ (ኤር 1፡4)።
ስለዚ እምበኣር ወለዲ ካብ ዉሉድና ዓቢይ ተራ ከም ዘለና ፈሊጥና ደቅና ብስነምግባር ከነዕብዮም ከም ዝግብኣና ካብዚ ንመሃር። ህጻን ጥሪተ እግዚእ ፊደል ከይተማህረ መንፈስ ቅዱስ ስለዝመሃሮ መጽሓፍ ፈለጠ፡ ኩሉ ትእዛዝ ድማ ብጥንቃቐ ሓለወ። ብድሕሪ’ዚ ኣብርሃም ንጥሪተ እግዚእ ወዱ ኣባጊዕ እናሓለወ ኸሎ ጸዊዑ “እዚ ወደይ ካብ ሕጂ ንኔው ጉስነት ኣባጊዕ ገዲፍካ ከብቲ ሓሉ” በሎ። ንሱ ድማ ቃል ሰሚዑ ከብቲ ክጓሲ ጀመረ፡ ኣብ ጉስነቱ ድማ ከይፈላለየ ብሕብረት ይጓሲ ነበረ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ፍቓድእግዚእ ዝተባህለ ሓዉ ዓለም መኒኑ ብኢድ ኣቡነ ተወልደመድህን መንኮሰ። እቶም ኣሕዋቱ ነዚ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ጉህዮም፡ ከይዶም ንኣብርሃም ኣቡኦም ፍቓድ እግዚእ ሓውና ሞንኲሱ ኢሎም ነገርዎ።ኣቡኦም ድማ “ፍቓድና ዘይኮነስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ይኹን” በሎም፡ ሽዑ ለይቲ ኣብርሃም ኣቦኦም ምስ ደቀሰ ኣብ ሕልሙ ብዘለዉ ኩላቶም ደቁን ንሱን ከም ዝምንኩሱ ረኣየ።
ነቶም ደቁ ጸዊዑ ከምዚ በሎም። “ ኦ ደቀየ! ብዛዕባ እዚ ዝመንኮሰ ሓውኹም ኣይትጉሃዩ ድሕሪ ቁሩብ ግዜስ ኩላትና ክንምንኩስ ኢና” በሎም። ንሳቶም “ፍቓድና ዘይኮነስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ይኹን””ይኹን፡ ስሙ በኣና ባረቱ ይኽበር ይመስገን” በሉ።
ስድራ እንዳ ኣብርሃም ከም ዝተሰዱ
ድሕሪዚ ኣብ ከባቢ ታኺታ ዓዶም ድርቂ ኮነ’ሞ ንዕኦም መግቢ ንጥሪቶም ሳዕሪ ከም ዘየለ ርእዮም ተማኺሮም ናብ ከባቢ ደብረ ማርያም ክኸዱ ወሰኑ። ብሓባር ድማ ጥሪቶም ሒዞም ከዱ። ኣቦኦምን ኣዲኦምን ኸምኡዉን እቲ ህጻን ጥሪተ እግዚእን ግና ኣብ ዓዶም ተሪፎም ነበሩ። እቶም ኣርባዕተ ጥሪቶም ሒዞም ዝኸዱ ደቁ ንታኺታ ተመሊሶም እኽሊ ዘሪኦም ጽቡቕ ከም ዝበቖለሎም፡ ጥሪቶምዉን ከም ዝጸገባ፡ ነቲ ዝመንኮሰ ሓዎም’ዉን ከይዶም ክርእይዎ ከም ዘለዎም ንኣቦኦም ነገርዎ። ጥሪተ እግዚእ ከኣ “ካባኹም ኣይተርፍን፡ ንሓወይ ክርኢ ክኸይድ እየ በሎም። ንሳቶም ግና ንስኻ ንእሽተይ ኢኻ እቲ መገዲ’ዉን ርሑቕ’ዩ እኳ እንተ በልዎ፡ ንሱ ግን ኣሰር ኣሰሮም ሰዓበ። “ተመለስ” እናበሉ ይገንሕዎ ነበሩ “ወኣበዮሙ ወይበሎሙ፡ ኣነኒ እፈሕድ እርእይ እሁየ ከማክሙ” ኢሉ ምስ ኣበዮም ሓደግዎ’ሞ ምስኦም ኣብቲ ናይ ሕርሻ ቦታን ጥሪቶምን ቦታ ስፍርኦም በጽሑ። ብድሕርዚ ንጥሪተ እግዚእ ንብረትናን ስንቅናን እናሓለኻ ኣብዚ ጽናሕ ኣይትፍራሕ ግራውትና ሪኢና ክንምለስ ኢና በልዎ። ሕጻን ጥሪተ ኣግዚእ ድማ “ሕራይ” ኢሉ መነኮሳት ደብረ ማርያም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ርእዩ፡ ነቲ ዝሕልዎ ዝነብረ ንብረት ሓዲግዎ ኣሰር እቶም መነኮሳት እናረኣየ፡ ናብቲ ዝመንኮሰ ሓዉ በጽሐ። ንሳቶም ድማ በየን ደኣ መጺእካ ኢሎም ሓቒፎም ሰዓምዎ፡ ንሱ ድማ ኣመጻጽእኡ ሓደ ብሓደ ነገሮም።
እቶም ኣሕዋቱ ምስ ሰኣንዎ እናሓዘኑ ከለዉ ሓደ መነኮስ ሰምዖም እሞ ኣጆኹም ኣይትሕዘኑ ጥሪተ እግዚእ ሓውኹም፡ ምስቲ ዝመንኮሰ ሓውኹም ተራኺቡ ኣሎ ብምባል ኣጸናንዕዎም። ንሳቶም ድማ እናተሓጎሱ ደብረ ማርያም ኣተዉ። ኣብቲ እዋን ኣበ-ምኔት ዝነበሩ ኣባ ተወልደመድህን “እዞም ደቀይ ደሓን ኣብከርሲኣዴኻኸይሃነጽኩኻፈለጥኩኻ፡ካብማሕጸንከይወጻእካኸኣቀደስኩኻ፡ኤር፡ ዲኹም ኢሎም ሓተትዎም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ብኢድኩም ዝመንኮሰ ዓቢይ ሓውናን ነቲ ትማሊ ዝመጸ ንእሽተይ ሓውናን ክንርኢ መጺእና’ሞ ከተራኽቡና በልዎም። ጸዊዖም ኣራኸብዎም እናበኸዩ ተሰዓዓሙ፡ ናብ ግራውቶም ክምለሱ ነቲ ንእሽተይ ሓዎም ንዓናይ እንተበልዎ ኣበዮም። እቶም ዝመንኮሱ ሓዎም ድማ ከምቲ ንስኻትኩም እትደልይዎ ኣነ ዉን ይደልዮ እየ ኢሎም ኣትረፍዎ። ክኸዱ ከለዉ ንኣቡነ ተወልደመድህን “ሕሳስልደ ስለ ዝኾነ ስድራና ካብ ኩላትና ኣብሊጾም ስለ ዝርእይዎ ከይተመንኩስዎም ሓደራ በልዎም። ኣቡነ ተወልደ መድህን ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝምንኩሱ እናፈለጡ ከለዉ “እዚ ትብልዎ ዘለኹም ንእሽተይ ህጻን እዩ፡ ንዓቕሚ ምንኩስና ድማ ኣይበጽሐን። ኣጆኹም ባዕለይ ኣለኹዎ” ኢሎም ኣፋነዉዎ ናብ ግርሁኦምን ጥሪቶምን ተመልሱ።
ጥሪተ እግዚእ ከም ዝመንኮሰ
“ወሰበ ርእዮሙ ዝኩ ሕጻን ጥሪተ እግዚእ ለእሉ መነኮሳት እንዘ ይገይሱ ወይበዉኡ ሓበ ቤተክርስቲያን ወይቄርቡ ወትረ ስጋሁ ወደሙ ለክርስቶስ፡ ወይዜምሩ በጥዑመ ዜማ ማህሌት ይኤድሞ ወያነክር፡ ወካዕበ ይሬኢ መካነ ትምህርት ወያነብቡ መጻሕፍተ፡ ወደቂቅ መሓዛኒሁ እንዘ ይትመሀሩ ቃለ እግዚኣብሔር ወይደግሙ ኣንሰ እምይእዜሰ እከውን መነኮሰ። ወኢየሓውሩ ሓበ ዓለም። እስመ ያምህሩኒ እሉ መነኮሳት ሶበ እርእዮሙ። ወበእንተዝ እፈቅድ እኩን መነኮሰ” ከምዚ ምስ በለ እቶም መነኮስ ሓዉ “ስማዕ ሓወይ እስካ ንእሽተይ ስለ ዝኾንካ ክሳዕ ትጸንዕ ቁሩብ ዓቕሊ ግበር፡ እዚ ምንኩስና ንዓበይትን ንዋራዙትን እዩ ዝግባእ በልዎ። ንሱ ኸኣ ንእሽተይ እኳ እንተኾንኩ ንዓይ ዝሕሸኒ ይፈልጥ እየ ኢሉ ብትሪ መለሰ። በቲ ዝመለሶ መልሲ ተገሪሙ ናብ ኣቡነ ተወልደ መድህን ወሲዱ ድማ ንኸመንኩስዎ ነገሮም፡ ኣቡነ ተወልደ መድህን ድማ ንኣባ ስምዖን ኣመንኩሶ በልዎም፡ ብድሕርዚ ኣባ ስምዖን ናብ ቤት መቕደስ ብምውሳድ ልብሰ ምንኩስና ኣልበስዎ። ማትያስ ዝብል ስም ድማ ሃብዎም፡ ኣቡነ ተወልደ መድህን መሪቖም ናብ ሓደ መንፈሳዊ መምህር ከምቲ ኩላቶም መማህራን ዝማሃርዎ መዝሙረ ዳዊትን ካልእ ጸሎታትን መሃሮም ኢሎም ሃብዎ። ኣቡነ ማትያስ
ትምህርቲ ተማሂሩ ብጾምን ጸሎትን ስጋኡን ደሙን እንወሰደ፡ ብንጹህ ሕልና ፍጹም ርስሓት ዘይብሉ ኮይኑ ኣገልገለ። ከምዚ ኢሉ ብንጽህና ዓብዩ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሐ፡ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ብፍትወት ስጋ ፈተኖ።
ኣቡነ ማትያስ ግና ብቕልጡፍ ናብ ቤተክርስቲያን ከይዶም ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም፡ እንዳጸለዩ እንዳሰገዱን እንዳበኸዩን “ኦጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሰይ ተቐበላ ቕተለኒ ዉን ይብሉ ነበሩ። ከመይ እዚ ካብ ዝዉለድ ኣትሒዘ ክሳዕ ሎሚ ፍጹም ዘይፈልጦ ሕማቕ ሓሳብ ካብ ዝመጸንስ ሞት ይሕሸኒ” በሉ። ዘረብኦም ምስ ወድኡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ በታ ንጽህቲ ኢዱ ዳህሰሶ። ካብታ ዕለት እቲኣ ንኹሉ ሓይሊ ሰይጣን ብሓይሊ እግዚኣብሔር ይስዕርዎ ነበሩ።
ኣቡነ ማትያስ ካብ ዝገበርዎ ተኣምር
1) ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ናብ ስራሕ ምስ ወፈሩ ምሸት ምስ ኮነ ኩሎም ደቂሶም ከለዉ ደኺመ ከይበሉ መዝሙር ዳዊት 150 ተንሲኦም የንብቡ ነበሩ። እግዚኣብሔር ድማ ብመላእኽቲ ሓደ ፈረስ ለኣኸሎም። ንሶም ድማ ተሓጎሱ ንኻልኣይ ግዜ 150 መዝሙር ዳዊት ደገሙ ካልኣይ ፈረስ ድማ ተዋህቦም፡ ከምዛ ምስኦም ደቂሶም ዝሓደሩ ኸኣ ሰብ ከይፈለጦም ምስኦም ደቀሱ።
2) ሓደ መዓልቲ ምስ ካልኣዮም ንማሕበር ዝኸውን መግቢ ክእክቡ በረኻ ምስ ወፈሩ፡ ዝሰትይዎ ማይ ምስ ሰኣኑ ጸልዮም ብበትሮም መሬት ሃሪሞም ማይ ኣፈልፈሉ። ከምቲ ነቢይ ሙሴ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ምስ ኣጉረምረሙ ንእግዚኣብሔር ሓቲቱ ነቲ ከውሒ ሃሪሙ ማይ ኣውጺኡ ንደቂ እስራኤል ከምዘስተዮም ዝገበረ (ዘጸ 17፡6)። ነቲ መግቢ ሒዞም ናብ ገዳሞም ክምለሱ ከለዉ ድማ ኣብ መገዲ ሸፋቱ ጸኒሖም ኣሕደግዎም። ሽዑ ኣቡነ ማትያስ ጸለዩ እቶም ሸፋቱ ሓሚሞም ወደቑ። ሽዑ እቶም ሸፋቱ “ኣቱም ናይ ኣምላኽ ሰባት ርድኡና ገንዘብኩም ውሰዱ’ሞ ምእንቲ
“ፍጹም ዘይፈልጦ ሕማቕ ሓሳብ ካብ ዝመጸንስ ሞት ይሕሸኒ”
(ኣቡነ ማትያስ)
ከይንመውት ጸልዩልና” በልዎም። ኣቡነ ማትያስ ድማ ምራቖም ጡፍ ብምባል ብትእምርተ መስቐል ኣማዕቲቦም ዳህሰስዎም እሞ ሓወዩ።
መላእክቲ ንኣቡነ ማትያስ ናብ ሰማይ ከም ዘዕረግዎም
ወሰበ ይቤ ከመዝ መሠጥዎ ላዕለ ዉስተ ሰማይ፡ ወአዕረግዎ ዉስተ አርያም፡ ወአርአይዎ መንግሥታት ክብር ወኩሉ ትፍሥሕታተ፡ ዘሀሎ ይትገበር፡ ለጻድቃን ወመካነ ዕረፍትሂ ወገነተ ተድላ ወኣብያትኒ ዘምሉእ በረከተ። ወብሔረ ብርሃንሂ አርአይዎ ወዘከመ ይነግሡ ጻድቃን በፍስሓ ፈድፋደ። ወይቤ ይትባርክ እግዚኣብሔር ዘኣስተዳለወ ዘንተ ለጻድቃን እለ ይገብሩ ፈቃዶ። ወካዕበ አርአይዎ መካነ ደይን ዘከመ ይትኩነኑ ኃጥኣን። ወይቤ አንሰ ርኢኩ፡ ሶበ ይጸርሕ ቃለ እግዚኣብሔር ወይትናገር በኃይል እንዘ ይጌሥጽ ይትወረዋ ነፍሳት። ኃጥኣን ለሊሆን በፈቃዶን እንዘ አልቦ ዘያገብሮን።
ወሶበ ርኢኩ ጥቀ ከመዝ ደንገፅኩ ወርዕድኩ ወእም ብዝኅ ፍርሃት እቤ ከመ እትወረው ለልየ በፈቃድየ።
ነዚ ኹሉ ምስ ረኣኹ ደንገጽኩ’ሞ “ኦ ሕሩየይ ማትያስ! ኣይትፍራህ እዚ ነቶም ሓጥኣን ሕገይ ዘይሓለዉ ትእዛዘይ ዘፍረሱ’ዩ ንስኻ ግን ምስቶም ክሕጎሱ ዝረኣኻዮም ጻድቃን’ዩ ዕድልካ፡ ድሕርዚ ድማ ናብ መሬት ወረደ። ኣቡነ ተወልደ መድህን ኣብዚ ግዜ’ዚ ዓረፉ። ኣቡነ ፊቅጦር ድማ ኣበምኔት ተተክኡ፡ ንኣቡነ ማትያስ ከኣ ኣዝዮም ይፈትዉዎም ነበሩ። ኣቡነ ማትያስ በቲ ዝነበሮም ቅድስና ኣኹሎም ዐዕድሎም ይነግርዎም ነበሩ። ኣቡነ ማትያስ ድሕሪ ኣቡነ ፊቅጦር ኣበምኔ ከም ዝተሸሙ
እቲ ኣቐዲሙ ዝተነገረሎም ትንቢት መፈጸምታ ረከበ። ንሱ ድማ ኣቡነ ፊቅጦረ ምስ ዓረጉ፡ ብምሉእ ድምጺ ናይቲ ገዳም “ኣበምኔት” በልዎም። ንሶም ግን “ኣይከኣልን እዩ” ኢሎም ኣቕበጹ ኢዶምን እግሮምን ኣሲሮም ኣብ መንበር ኣበምኔት ኣቡነ ፊቅጦረ ኣንበርዎም (ወኣንበርዎ ኣትራኖስ መንበረ ምህሮ ወኣፍቀርዎ ኩሎሙ ፈድፈደ ወተኣዘዝዎ)። ንሶም ድማ ንስርሖም 40 መዓልትን 40 ለይትን ብጾም ጀመርዎ። ሽዑ መላእኽቲ ናብ ሰማይ ወሰድዎ ቦታ ጻድቃንን ሓጥኣንን ኣርኣይዎ፡ ከምቲ ናይ ቅድም 40 መዓልቲ 40 ለይቲ ጾሙ።
ኣቡነ ማትያስ ብኸሰስቲ ካብ ገዳም ከም ዝወጹ
ሓደ ግዜ መላእክቲ ንኣቡነ ማትያስ ናብ ሰማይ መሲጦም ምስ ወሰድዎ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ መነኮሳት “ሕግን ስርዓትን ኣብ ግብሪ ንምትግባር ንገሮም በልዎ። ንሶም ድማ ምሉኣት ማሕበር ኣኪቦም ከምቲ ዝበልዎም ነገርዎም። ሽዑ ካብቶም መነኮሳት ናብ ንጉስ ከይዶም መጽሓፍ ገድሎም ከም ዝግልጽ ብብዙሒ ነገር ከሰስዎም፡እቲ ንጉስ ከኣ ሓቂ መሲልዎ ካብ ስልጣኖም ኣውረዶም፡ ኣቡነ ማትያስ ብድሕሪዚ ካብቲ ገዳም ወጹ 230 ዝኾኑ መነኮሳት ድማ “ካብ እግርኹም ኣይንተርፍን ኢና” ብምባል ሰዓብዎም። ብድሕሪ’ዚ ናብ ትኹል ዝበሃል ቦታ ኸዱ፡ ካብኡ ቀጺሎም ጎዳዕ ኸዱ፡ ኣብቲ በረኻ ከኣ ማይ ኣብዘይብሉ ብጸሎቶም ማይ የስትይዎም ነበሩ። ብድሕሪኡ ጨዓት ከዱ፡ ካብኡ ድማ ናብ ቃቕብዳ፡ ቀጺሎም ናብ ኣቄታብ ከዱ ኣብኡ ኸኣ ሓደሩ። ኣብኡ ኮይኖም ድማ ንኸንቲባ ዮሓንስ ሽመኛ ሓማሴን ጸዊዑ “እንቕመጠሉ ቦታ ሃበና” በልዎ። “ወይቤሎ መኮነን ዮሓንስ ንሕነሰ ንህበክሙ። ወባሕቱ ኢትነብሩ ኣንትሙ ትጻልዑነ ወንሕነ ናፈቅረክሙ። ወዘትብልዋ ምድረ ባርካ ብሔረ ሕማም ወብሔረ ዓሶ ይእቲ። ወይእዜኒ ሓበ ፈቀድክሙ ንበሩ ወኅድሩ” ሽዑ ካብኡ ተላዒሎም ናብ ወኪ ዝተባህለ ዓዲ በጽሑ፡ ካብኡ ድማ ናብ ምድረ ባሕሪ ወረዱ፡ ኣብኡ እኽሊ ከይጠዓሙ ንኽልተ ቅነ ዝኣክል ኣብ ሓንቲ መቓቕሮ በዓቲ “ኣብዚ ክመውት እየ” ኢሎም ቀነዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ግን መልኣክ መጺኡ “ነዓኻ እትኸውን ጽብቕቲ ምድሪ መሪጸልካ ኣለኹ’ሞ ናብ ደቅኻ ተመለስ በሎም። ድሕሪ ብዙሕ ሽግር ድማ ናብ ዓንደቕ ኸዱ። ካብ ዓንደቕ ናብ ዓቢይ ዒላ፡ ኣብኡ ድማ 66 መዓልታት ተቐመጡ። ሽዑ ድማ ናብ ደብረ ብርሃን ደየቡ፡ ኣብኡ ድማ ኣቡነ ማትያስ “እግዚኣብሔር ዝሃበና ገዳም እዚኣ እያ ስለዚ ሕጊ መነኮሳት ነቑም”በሎም። ኣቖሙ ድማ፡ እቶም ማሕበር ድማ ንኣቡነ ማትያስ ከም ኣቦኦም ገይሮም ኣኽበርዎምን ተኣዘዝዎምን። ነታ ደብሪ ድማ ደብረ በረኸት ዝብል ካልእ ስም ሰመይዎ።
ኣቡነ ማትያስ ንደቆም ከምዝተላበውዎም
ወሶቤሃ ጸውኦሙ ወመጽኡ እስመ መሰሎሙ ዘሓይወ። ወነቢሮ ይቤሎሙ ኢንትኅባእ እምይእዜሰ ተሠልጠ ወተፈጸመ በኅበ እግዚኣብሔር። ሕጂ ድማ ኣይትሕዘኑ፡ ኣይትብከዩ፡ ኣይትጉሃዩ። ከመይ ነታ እግዚኣብሔር ዝበላ ቃል ክትልውጥዋ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
“ኣነ ውን ኣብኡ ንጽሁን ብሩህን ማሕበር ስለ ዝረኣኹ ናብኡ ክኸይድ እየ ዝደሊ እምበር ናብዚ ዓዲ ጓህን ሓዘንን ክምለስ ኣይደልን እየ። ሕጂ ድማ ልብኹም ኣጽንዑ’ሞ ንፈላለ በልዎም። ንሳቶም ድማ ኦ ኣባ! ንመን ክትሓድገና ኣበይ’ከ ትገድፈና ኣሎኻ ኢሎም በኸዩ። ኣቡነ ማትያስ ብዙሕ ክበኽዩ ምስ ረኣይዎም ከምዚ ኢሎም ኣጸናንዕዎም “ኣይትፍርሑ ኣነ ኣይሓድገኩምን’የ፡ ካብ ማእከልኩም ድማ ኣይፍለን እየ፡ ብስጋይ እኳ እንተተፈለኹ ብመንፈስ ግና ምሳኹም እየ፡ እንተኾነ ግና ነቲ ስርዓት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣቡነ ኣባሳድን ሓልዉዎ። ካብኡ ድማ ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይተልግሱ። ነዛ ደብሪ እዚኣ ድማ ፍተዉዋ፡ እግዚኣብሔር ንኹሉ ጊዜ ዝሃበኩም ገዳም ስለ ዝኾነት ካብኣ ኣይትውጽኡ። ኣብኣ ዝቐርበኩምን ዝገፍዓኩምን የልቦን ሽሞኛታት ምድሪ ከኽብርኹም እዮም። ሃብታማት ድማ ብጾሎትኩም ክእመኑ እዮም። መከራን ሽግርን ግና ከጋጥመኩም እዩ። ክትማረኹ ኢኹም ግና ኣይክትጠፍኡን ኢኹም። ቤተ ክርስቲያን ድማ ሕነጹ፡ ኣብ ክንዳይ ንዮሓንስ ሸይመልኩም ኣለኹ። ንእኡ ተኣዘዝዎ በሎም።
ቃል ኪዳን ከም ዝተቐበሉ
ከምቲ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ቃል ኪዳን ተቐበሉ ዕለት 13 ሰነ ብሰላም ዓረፉ።ጸሎቶምን በረኸቶምን ምሕረት ኣምላኾምን ንዘለዓለም ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።
መከራን ሽግርን ከጋጥመኩም እዩ። ክትማረኹ ኢኹም ግና ኣይክትጠፍኡን ኢኹም።
ቃል ትንቢት ኣቡነ ማትያስ ከም ዝተፈጸመ
ከምቲ ኣቐዲሞም ዝተነበይዎ ድሕሪ ሞቶም ካብ ኣርድእቶም ክልተ መነኮሳት ተማረኹ። ብጸሎቶም ድማ ገለ ነገር ከይኮኑ ናብ ገዳሞም ተመልሱ፡ ንኻልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ዘመነ ዮሓንስ 7(ሾብዓተ) መነኮሳት ብኣረሜናውያን ተማረኹ። ገንዘቦም ኣሕዲጎም ነቶም ክልተ ቀተልዎም፡ ነቶም 5ተ(ሓሙሽተ) ድማ ኣብ ባሕሪ ኣጥሓልዎም። ሽዑ ኣቡነ ማትያስ ብኣካለ ነፍስ መጺኦም “ኣጆኹም ምሳኹም ኣለኹ ንዓኹም ከውጻኣኩም’የ ነዛ ባሕሪ ድማ ብሓዊ ከቃጽላ’የ” ኢሎም ኣጸናንዕዎም።
በረከትን ጸጋን ናይ ኣቡነ ማትያስ የካፍለና።

Sorry, comments are closed for this post.