Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጥቅምቲ ፳፪/22-ዕረፍቱ ለሉቃስ ወንጌላዊ

ጥቅምቲ ፳፪/22-ዕረፍቱ ለሉቃስ ወንጌላዊ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ሉቃስ ማለት መበሰሪ፡ ብስራተ መልኣኽ ስለ ዝጸሓፈ(ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ኣንድም—ዐቃቤ ሥራይ ዘሥጋ ክኸውን ከሎ ዐቃቤ ሥራይ ዘነፍስ ክትከውን ኢኻ  ኢሉ ጎይታ ጸውዖ

(ቆላ፭፡፲፬/5፡14) ቁጽሩ ካብ ፸፪/72 ኣርድእቲ ኢዩ።

ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዩ የፍቅራ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ፍቕራ ዝተላዕለ ስእላ ሰኣለ።ናይ ኣዴና ሥእሊ  መጀመርታ ዝሠኣለ ወንጌላዊ  ሉቃስ ኢዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ውን  ዝርከቡ ናይ ጸሎትን መዝሙርን  መጻሕፍቲ  ሥእሊ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ዝሰኣሎም ኢዮም።

“ሰላም ለሥእልኪ እንተ ሠዐላ በእዱ ፡ሉቃስ እምወንጌላውያን  ኣሓዱ (መልክዐ ሥዕል  ስንክሳር 22/፳፪ ጥቅምቲ) ከም ዝብል።

ነቲ ዝሰኣሎ ስእሊ እና ሸጠ ከኣ ዕለታዊ መግቡን ክዳኑን ኣትሪፉ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ይምጽውቶ ነበረ።

ብመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ዝሰኣሎ ስእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ልክዕ ብኣከለ ስጋ ከም ዘላ ገይሩ ይስእላ ነበረ፡ “ወይእቲ ሥዕል ትመስል ልብስተ ሥጋ ወያንጸፋጽፍ ሐፍ እምኔሃ” ከም ዝብል መቅድም።

ቅዱሳን ሓዋርያት ነናብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ቦታ ብዕጫ ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ ከለዉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ጽርዕ በጺሑ ክኸይድ ከሎ ብሓንሳብ ከዱ ካብ ሃገረ ስብከቱ ንመቄዶንያ ከፊሉ ከኣ ኣብኡ ክምህር ገዲፍዎ ከደ። ከም ኩሎም ሃዋርያት ናይ ክርስቶስ ወንጌል ብዝግባእ ማሃረ። ብድሕሪ’ዚ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ  ተበገሰ። ናይ  እስክንድርያ መስፍን ዝነበረ ቴዎፍሎስ ዝመሃርካና ምእንቲ  ከይንርስዖ ብጽሑፍ ገርካ ሃበና በሎ። ነቲ ዝማሃሮ ኩሉ ድማ ብጽርዕ ጽሒፉ ሂብዎ ከደ። ግዜኡ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብ መጀመርታ መበል ፳፩ ዓምት ኢዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ቀላውዴዎስ ቄሳር ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ፲፬ ዓመቱ ኢዩ። ብድሕሪኡ ካኣ ንግብረ ሃዋርያት ጽሒፉ ለኣኸሉ።(ሉቃ፩፡፩/1፡1፡ ግ.ሃዋ፩፡፩-፪/1፡1-2)

ብድሕሪ እዚ ንቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተኸቲሉ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ህዝቢ ንኽምህር ከደ። ንሮማውያን  ከኣ ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር መለሶም። ናይ ጣዖት ካህናትን እቲ ናይቲ ዘመን ገዛኢ ዝነበረ ጨካን ዓላዊ ንጉስ ኔሮንን ሉቃስ ዝተባህለ መሰርይ ንኣምልኽትና ሰባበረልና ንህዝብና ከኣ ኣስሓተልና እና በሉ ንሰባት ከናዕቡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ በቲ ቅዱስ ሉቃስ ዝገብሮ ዝነበረ ንሕሙማት ምፍዋስ፡ ንሙዉታት ምትንሳእ ንዝተደነሱ ምፍዋስን ኔሮን ንጉስ ኣዝዩ ስለ ዝተቖጥዐ ወተሃደራት ልኢኹ ናብ ቤቱ ኣምጽኦ። ነታ ኢየሱስ እና በለት እጥጽሕፍ ዘላ የመነይቲ ኢዱ ትቆረጽ ኢሉ ከኣ ኣቕረጻ። እንተኾነ ቅዱስ ሉቃስ ” ኦ! እግዚኣብሔር እቶም ንምቑራጽ ኢደይ ዝረኣዩ ሰባት እቲ ዘድሕን ዝብልዎ ኣምላኾም ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ እንተድኣ ኣልዩስ ስልጣኑ ድኣ ንመዓስ  ክኾኖም ኢዩ፧ ምእንቲ ከይብሉስ እዛ ኢደይ ናብታ ዝነበረታ ምለሳ” እና በለ ጸለየ። ቅዱስ እግዚኣሔር ከኣ ንኢዱ ከምታ ዝነበረታ ገበራ። ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ሰባት ብእግዚኣብሔር ኣመኑ።

በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣብ ክንዲ ነቲ ሓያል ኣምላኽ ምእማን ከም ፎርዖን ልቡ ዘትረረ ኔሮን ንኹላቶም ብስሕለት ሴፍ ክሞቱ ኣዘዘ። ቅዱስ ሉቃስ’ውን ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ስጋኡ ሰባት ምእንቲ ከይረኽብዎ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንተኾነ ምእመናን ረኺቦም ቀበርዎ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሉቃስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ኩሎም ናይዛ ዕለት እዚኣ ሰማእታት በረኸቶም ኣይፈለየና።ኣሜን።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

Sorry, comments are closed for this post.