Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጳጉሜን

                      በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ አሜን። 

                                      ጳጉሜን!

   ፓጉሜን ጳጒሜን ኣብ መጨረስታ ወርሒ ነሓሰን ቀቅድሚ ምጅማር ሓድሽ ዓመት መስከረምን ዝርከብ ዕለታት እዩ። ጸያቕ ኣዋርሕ ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ። ጳጉሜን ዝብል ቃል መበቆሉ ጽርኢ ኮይኑ ሄፖጎሜኔ (epagomene) ድማ ይብልዎ። ትርጉሙ ድማ ወሰኽ ማለት እዩ። ተረፍ ዝብል ትርጉምውን ዝህበሉ ጊዜ ኣሎ።

     ኣብ ሓደ ዓመት ነፍስ ወከፎም ማዕረ30/፴ ዕለታት ዝሓዙ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ነሓሰ 12/ ፲፪ ኣዋርሕ ኣለዉ። እዚኦም ኣዋርሕ ኸኣ ብድምር 360/፫፻፷ መዓልትታት ይሕዙ። ይኹን እምበር ሓደ ዓመት 12/፲፪ ኣዋርሕ ወይውን 363/፫፻፷፭ን ርብዒ መዓልትን እዩ ክንብል ከሎና፡ ጳጒመ (፭ተ መዓልትን ርብዕን) ንበይና ከም ምሉእ ወርሒ ስለዘይትጽብጸብ ምስ ነሓሰ ለጊባ ብምቝጸር ምዃኑ ከም ርዱእ ሕሳብ ክንወስዶ ኣሎና። እዚ ልማድ ማለት ሕጹጽ ገዲፍካን ሕጹጽ መሊእኻን ምቍጻር ካብ እግዚአብሔርን ሰብን ዝተረኽበ ልማደ መጻሕፍቲ እዩ ይብሉ ሊቃውንቲ። (እስመ ልማደ መጽሐፍ ይነግር ኊልቈ ፍጹመ ወምሉዓ ወየኃድግ ዘተርፈ ወይዌስክ ዲበ ሕፀፅ) (ዘፍ 15፡13/፲፭፥፲፫ ዘፀ 12፡40/፲፪፥፵ ጥበ 7፡2/፯፥፪) ነዚ ልማድ መጻሕፍቲ ተኸቲሎም ብሰንኪ ሕጸጽ፡ ጳጒመ ስለዝነኣሰት ንዓመት ብወርሒ ክፍቕድዎ ከለዉ ፲፪ እምበር 13/፲፫ ኣዋርሕ ኣይብሉን እዮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ኤፍሬም ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ነዚ ኣካይዳ ተኸቲሎም ካብ ዝጠቐስዎ “ተጸውረ በከርሣ ተስዐተ አውራኀ” ንዝበሎ እንተርኢናዮ ነተን 5/፭ተ መዓልቲ ገዲፉ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

ጥንታዊ ብዝኾነን ቤተ ክርስቲያን ብእትጥቀመሉን ግእዛዊ ቀመር 30/፴ ዕለታት 1/፩ ወርሒ፡ 12/፲፪ ኣዋርሕን 5/፭ ዕለታትን ርብዕን ኸኣ 1/፩ ዓመት ይኸውን። 5/፭ ዕለታትን ርብዕን ድማ ጳጒሜን ይበሃል። ወሰኽ ተረፍ ማለት እዩ። እቲ ዓመት’ውን ኣብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ጳጒሜን የብቕዕ። በዚ መሠረት ኸኣ 4/፬ ዓመታት 1/፩ ዓውደ ዘመን ይኾኑ። እዚ ኸኣ ነፍስ ወከፍ ዓመት 365ን/፫፻፷፭ን ርብዕን ዕለታት ( ወይውን ፮ ሰዓታት ወይውን ፲፭ ኬክሮስ) ዘለዎ ኮይኑ ዘመነ ማቴዎስ፡ ዘመን ማርቆስ፡ ዘመነ ሉቃስ፡ ዘመነ ዮሓንስ እናተባህለ በኣርባዕተ ወንጌላውያን ተሰይሙ ይርከብ። ናይዚኦም 4/፬ተ ዓመታት ጳጒሜናት ሰዓታቶም ክድመር ከሎ ኸኣ 1/፩ ምሉእ ዕለት ይኾኑ። ኣብቲ ራብዓይ ዓመት (ዘመነ ዮሓንስ) መእተዊ ኸኣ 6/፮ ዕለታት ብምዃን ናይቲ ባሕረ ሓሳብ ቅመራ ይኽተት (ይጠናቀቕ)። እቲ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ዓውዲ’ውን ከምኡ በብኣርባዕተ ዓመት ይዕጾ።

ጳጒሜ፡ ወሰኽ ዝብል ትርጉም ምሃቡ መወሰኽታ ናይቲ 12/፲፪ ኣዋርሕ ስለዝኾነ እዩ። ብካልኣይ ከኣ   ካብ ዓውደ ወርሕ ስለዝተረፈን ኣብ መወዳእታ ዓመት ስለ ዝተረኸበን ተረፍ ይብሃል።

    ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጳጒሜን ርእሱ ዝኽኣለ መንፈሳዊ ትምህርትን መልእኽትን ኣለዎ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዕለታት ጳጒሜን (ብፍላይ ሰንበት ምስ ዝውዕል) ዝነበባ ንባባትን ትምህርትታትን ከኣ ነዚ መልእኽቲ ዘመልኽቱ እዮም። ነቲ መጽሓፋዊን ትውፊታዊን መሰረት ኸኣ ተኸቲሉ ኣብዚ እዋን እዚ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ይዝከር፤ ሰባት ድማ ነዚ እናዘከሩ ወትሩ ነፍሶም ክምርምሩን ክንስሑን፡ ተዳልዮምን ነቒሖም ክጸንሑ ትምህርታዊ ምዕዶን መጠንቀቕታን ይወሃቦም። ናይ ፍቓድ ጾም ይጾሙ። ምስ ኣምላኾም ብጾምን ብጸሎትን ይራኸቡ፤ ብተምሳል ምልክት ንጽሕና ዝኾነ ማየ ጸሎት ከኣ እናተሓጽቡ በረኸትን ፈውስን ይረኽቡ።  ጳጒሜን ከም መዕጸዊ ኣረጊት ዓመትን፡ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ሰባት ንርእሶም ዝግምግሙሉን ንዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ድማ እግዚአብሔር ምሕረቱን ረድኤቱን ከብዝኃሎም እናለመኑ፡ ንዝበለጸ ስራሕ ንርእሶም ዘዳልዉላ እዋን እያ።

-ኣብ ግዜ ጳጉሜን ቅድሚ ዑፍ ጩቕ ምባለንን ማይ ምጥዓመንን፡ ማይ ጳጒሜን ክሕጸባ ኣዋልድን መርዑን ዓዲ እኽሊ ከይጠዓማ ጌና መሬት ብጸልማቱ ከሎ ኣንጊሀን ካብ ገዝአን
ኣደይ ኣብርህለይ ክወርዶ ማየ 
ይብርሃኺ ጓለይ ውረድዮ ማየ”
ክርዳድ ዘይብሉ ዝዓረኽዎ
ሳዓዕ ዘይብሉ ዝመመኽዎ” እናበላ ናብ ሩባ ወሪደን ማይ ጸሎት ዝሕጸባሉ እዋን እዩ። 

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዓመት ኣፈጺሙ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘብጽሓና ይኽበር ይመስገን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Leave a reply