Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጾመ ነቢያት/ xome Nebyat

        በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

      ጾመ ነቢያት / xome nebyat

      Testing-the-Prophetsሎሚ ንጅመሮ ዘሎና ጾም፡ ጾመ ነቢያት ይብሃል። እዚ ጾም ድማ ነቢያት ኣቦታት፡ እግዚአብሔር ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብእዋኑ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ንዝገለጸሎም ትንቢትን ዝመሰለሎም ምሳሌን እናተዛረቡ፡ ንዝሃቦም ተስፋ እናጽንዑ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ንሕና ከኣ ኣብነቶም ወሲድና ካብ ሎሚ ኣትሒዝና፡ ክሳዕ ንዘመናት ዝተጸበይዎ ትንቢቶምን ትምኒቶምን ዝተፈጸመሉ ዕለተ ልደት ጐይታ ክንጾሞ ንርከብ ኣሎና። ነቢያት ብተስፋ ተሓጒሶም ንዝተነበዩሉን ክዝክርዎ ንዝነበሩን፤ ንሕና ግና ከም ሓዋርያት ተፈጺሙልና ሓጐስና ብስምረት ክንገልጽ ንነብር ኣሎና። ብቓሉ ጸኒዕናን ፍቓዱ ፈጺምናን ብምሕረቱ ርስቲ መንግስተ ሰማያት ክንወርስን ድማ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባእ ጾም ምጻም እዩ።

  ጾም ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታዕን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ። መሰረቱ ካብቶም ብሕጊ ዝተኣዘዙ መባልዕ ስጋኻ ምኽልካል እኳ እንተኾነ፤ መልእኽቱ ግና ስጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ሓይሊ ይርከብ።

ጾም ብዙሕን ረቂቕን መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ስለዝኾነ ኣስፊሕና ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ጾም ምስ ኣምላኽ ካብ እንራኸበሉ ሓደ መገዲ ብምዃኑ፤ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ተባሂሉ ውሉድነት ስላሴ ብጸጋ ዝረኸበ ኵሉ ክስዕቦን ክትግብሮን ዝግባእ እዩ። ኣቦታትና’ውን ነዚ ዓቢይ ጸጋ ዘውህብን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዘድልድልን መገዲ ከምቲ ዝግባእ ስለዝተጠቕሙሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡራት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ። ንሕና ውን ኣሰር ኣሰሮም ክንክተል ይግባኣና እዩ።

    ጾመ ነቢያት እምበኣር ሓደ ካብቲ ክንጾሞ ብኣዋጅ ካብ ዝተኣዘዝናዮ ሾብዓተ ኣጽዋማት እዩ። እዚ ጾም እዚ፡ ጾመ ድሕነት፡ ጾመ ልደት፥ ጾመ ኣዳም፥ ጾመ ስብከት፥ ጾመ ታሕሳስ እናተባህለ’ውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ካብ መንፈቀ ሕዳር (፲፭/15)ክሳብ ፳፰/28 ታሕሳስ ዘሎ መዓልቲ ዓመት መጸ ዝጽወም እዩ። “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ሕዳር ወፋሲካሁ በዓለ ልደት” (መጀመርትኡ ፍርቂ ሕዳር እዩ፡ ዝፍሰገሉ ፍጻሜ ድማ በዓለ ልደት እዩ)።ዕለታቱ ዘይቀያየሩን ክብን ለጠቕን ዘይብል ጾም ድማ እዩ። ታሕሳስ ፳፱/29 ድማ በዓለ ልደቱ ብምብዓል ይፍሰግ። ይኹን እምበር ልደት ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ታሕሳስ ፳፰/28 ኣብ ዝበዓለሉ ግዜ  እቲ ጾም ክሳብ ዕለት ፳፯/27 ይኸውን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዘመነ ሉቃስ ጳጉሜን ካብ ፭/5 ናብ ፮/6 ክብ ስለ ዝብል እዩ።

መሰረት እዚ ጾም’ዚ ድማ ነቢያት እዮም። ከመይሲ ነቢያት በብዘመኖም ብዛዕባ ምምጻእ ክርስቶስን ነገረ ስጋዌኡን፡ ድሕነት ደቂ ኣዳምን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ትንቢት እናተነበዩ፡ ምሳሌ እናመሰሉ ይጾሙንይጽልዩን ብምንባሮም እዩ። አምላክ ወልደ አምላክ ዝኾነ ጐይታ ካብ ቅድስት ድንግል ተወሊዱ ዝርእዪሉን ዝሰምዑሉን ሰዓት ክትመጽእ ነቢያት ብዓቢይ ሃቀውታ ይጽበዩን ይምነዩን ነበሩ፡ ግና ኣይኮነሎምን። ኣማዕድዮም ግና ብተስፋ ይርእይዋ ነበሩ። ንሕና’ውን ከምቲ ናቶም ክወርድ ክውለድ ኢልና ዘይኮነስ ብልደቱ ዝሃበና እናዘከርናን፡ ነፍስና እናመርምርናን ነቲ ናቶም ኣብነት ስዒብና ቀቅድሚ በዓል ልደትጐይታ ንዘለዉ መዓልትታት ክንጸውም ቤተ ክርስቲያን ኣዚዛትና ኣላ። 

 ናብ እግዚአብሔር ዘቕርብ መብልዕ ዘይኮነ ጾም እዩ ። ጽባሕ ክንመውት ሎሚ ንብላዕ ንስተ ካብ ዝብለና ፈቓደ ስጋና ኣትሒዝና ነዚ ክፉእ ምኽሪ ንዝመኽሩና ጸማም እዝኒ ክንህቦም ይግባእ። እዚኦም ከምዚ ዚኣመሰሉ መኸርቲ ክፉእ ግብሪ፡ ንሰብ ካብ እግዚአብሔር ዘርሕቑ እምበር ዘቕርቡ ኣይኮኑን። ንሰብ ናብ ናብራ ኃጢኣትን ጸልማትን ዘእትዉ እምበር ናብ ጽድቅን ብርሃንን ዝመልሱ ኣይኮኑን። ሰብ ካብ ምፍጣሩ ኣትሒዙ ብሕግን ብስርዓትን ከምኡውን ብመጠን ክነብር እዩ ተሰሪዑሉ እምበር ቀይዲ በተኽ ክኸውን ኣይተፈቕደሉን። ምኽንያቱ ኣብዚ ምድሪ ዘለዎ ናብራ ጊዜያዊ እምበር ዘለዓለማዊ ኣይኮነን። ዘለዓለማዊ ርስትን ተስፋን ዝጽበዮ ስለዝኾነ ንእኡ ከቋምትን ብመገዲ እግዚአብሔር ክመላለስን እዩ ዝተነግሮ።

ኵሉ ሰብ ብሓፈሻ ኣገልገልትን ልኡካነ ወንጌልን ድማ ብፍላይ ካብ ፈተና ርሒቕና ንእግዚአብሔር ከነስምር እንተደኣ ኮይኑ፡ ብጾም ዝተቐጽዐ፡ ንጸሎት ዝተግህ፡ ንሰናይ ተግባር ዘይስልኪ ሰብነት ክህልወና ኣለዎ። ኸምኡ ምስ ዚኸውን ድማ እግዚአብሔር ኣብ ቤቱ ፍቓዱ ክንፍጽምን ከነግልግልን ይእዝዘና፡ ኣገልግሎትና ድማ ስሙርን ውኩፍን ኮይኑ ክርከብ ድማ ይኽእል። ነዚ ከይፈጸምና ብዘይ ንጹሕ ኣእምሮን፡ ሰናይ ተግባርን ትሩፋትን ከነገልግል ንፍትን  እንተኮይንና፡ መዕነውትን መዕንቅፍን ከይንኸውን ዘየፍርህ ኣይኮነን። እዚ ድማ እቲ ዘሎናዮ ንንበረሉን ዘመን ዝምስክሮን ዘርእየና ዘሎን መሪር ሓቂ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ክፉእ ዘመን’ዚ፡ ካብቲ ዝቐደመ እኳ ብዝያዳ ክንጽልየሉን ብጾም ክንተግሃሉን ዝግብኡና ብዙሕ ውልቃዊ ይኹን ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዳያት ከም ዘለዉና መስካሪ ዘየድልዮ እሙን ነገር እዩ። ብካልእ ስጋዊ መገድን ጥበብን ጥራይ ተጠቒምናን ተባላሒትናን ክንፈትሖም ኣይንኽእልን እና።

ጾም ድማ ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉን፤ ካብቲ ልዑሉ ባህርይ ዝኾነ ኣምላኽና ምሕረቱን በረኸቱን እንረኽበሉን ብምዃኑ፡ ነቲ ንሱ ዝሓገጎ ጾም ከምቲ ንሱ ዝፈትዎ ገይርና እንተጸይምና ኣምላኽ ምላሹ ክህበና ኣዝዩ ቀረባ እዩ። እቲ ንዓና ደቁ ዝሃበና ተስፋ ድማ ርጉጽን ብዘይ ጥርጥር ከኣ እሙን እዩ። ግና ሓደ ነገር ምስትውዓል ከድልየና እዩ። ከይበልናዮ ድሌትናን ሽግርናን ዝፈልጥ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር፡ ክንኵሕክሖን ክንቀርቦን ይደሊ። ናብኡ ክንምለስ እሞ ኣብ ሕቝፉ ክንኣቱን፡ ብፍቕሩ ክንነብርን ይደሊ። ልብና እኳ እንተዓጸና ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ኳሕ ኳሕ ዘብለሉ ምኽንያት ድማ ምእንቲ ክንቐርቦን ከይንጠፍእን ክብል እዩ። ዝኸፍተሉ ምስ ዝረክብ ድማ ምሕጓሱ ዘይተርፍ ስለዝኾነ፤ ኣብዚ ዓቢይ መልእኽቲ ፍስሓ ዘለዎ ጾመ ነቢያት ኵልና ናብኡ ንቕረብ። “ብዙሓት ነቢያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን”( ማቴ 13፡16-17) ከም ዝተባህለ ንሕና ኣብዚ ዘመነ ሓድሽ እንርከብ ብልደቱ ንዝረኸብናዮ ጸጋ ከነስተውዕል ምእንቲ ኣቦታትና ብርሑቕ ኣማዕድዮም ንዝረኣይዎ ተስፋ ከነቕልበሉ ይግባእ። ኣብቲ ሓጐሶም ብሓቂ ተሳተፍቲ ክንከውን ምእንቲ ድማ ካብ ልደቱ ጀሚሩ ስሌና ዝገበሮ ኵሉ ነገር ምስትንታን ከድልየና እዩ። ኣብቲ ንሶም ብተስፋ ንዝጾምዎ ጾም ምስታፍና፤ መሰረትና ነቢያትን ሓዋርያትን ምዃኖም ምምስካርና እዩ። ንሶም ብተስፍ፤ ንሕና ግና ብኣዒንቲ ሓዋርያት ንጐይታ ርኢናዮ፤ ብኣእዛኖም ቃሉ ሰሚዕናዮ፤ ብጽሑፋት ኢዶም ብስራቶምን ቃሎምን ኣንቢብናዮ። ስለዚ ባህ ክብለና ይግባእ። ሓጐስና ግና ፍጹም ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፤ ነታ መዝገብ ሕይወት፤ መካነ ቅዱሳን ነቢያትን ሓዋርያትን ብሓፈሻ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ እትኸውን ቅድስት ቤቱ ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና ብሃይማኖትን ብስርዓትን ብሓድነትን ጸኒዕና ምስ እንርከብን ፍቓዱ ምስ እንፍጽምን እዩ።

እምበኣርከስ ጾም ናብ ቅድስና ዝመርሕ ቅዱስ ሕጊ ከም ምዃኑ ናብቲ እግዚአ አጋእዝት፡ ንጉሰ ነገስት፡ አምላከ አማልክት ዝኾነ ጐይታ ዘቕርብን ዝወስድን፡ ካብቲ ክንመላለሰሉ እተኣዘዝናዮ ጸቢብ መገዲ እዩ እሞ ሃየ ንኺደሉ። ብዛዕባ ጾም ምፍላጥን ምዝራብን ዘይኮነሲ ክንነብሮ እዩ ዝንገረና ዘሎ እሞ ካብ ምስማዕ ጥራይ ጽድቂ ምግባር ንኣምላኽ ባህ ከምዘብሎ ንፍለጥ። ካብቲ በረኸቱ ክንሳተፍ ምእንቲ፡ ከምቲ ኣምላኽና ዝፈትዎ ጾም ጾይምና፡ ኵልና ኣብታ ቅድስት ቤቱ ተጊህና እናተረኽብና፡ ኣቦታትና ንዘቖሙልና ደረት ዓቂብና ነቲ ህይወት ዝህብ ቃሉ ንንበሮ።

ንነቢያት ንሓዋርያት ንኩሎምም ቅዱሳን ንጾሞምን ንምህለላኦምን ሰሚዑ ዝተቐበሎም ኣምላክ ንዓና ውን ጾምናን ምህለላናን ይቀበለልና ኣሜን!

 ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ከፈጽምና፤ ኣፈጺሙ ድማ ኣብ ብርሃነ ልደቱ ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

             ስብሐት ለእግዚአብሔር

             ወላወላዲቱ ድንግል

              ወለመስቀሉ ክቡር

                      አሜን።

 

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.