Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጾመ ገሃድ

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

                                    ጾመ ገሃድ

      ጾመ ገሃድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወሙ ካብ ዝሰርዓቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት ሓደ እዩ።  ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጽወም ጾም  ድማ እዩ።  ድሮ በዓል ጥምቀት ማለት ፲/10 ጥሪ ከኣ ይጽወም። በዓለ  ጥምቀት ኣብ መዓልትታት ጾም ማለት ረቡዕ ወይ ዓርቢ ክውዕል ከሎ ብመሰረት ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ እዩ ዝቕደስ ድሕሪኡ ድማ ክብላዕ ዝፍቀድን ። በዚ መሰረት ድማ እቲ ብመንፈሳዊ ፍስሓን ሓጐስን ክበዓል ዝግብኦ ክቡር በዓል ጐይታ ጾም ብምጽዋም ከይነሕልፎ ብማለት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንድኡ ብድሮ  መለት ሰሉስ ወይ ሓሙስ  ክጽወም ብኣዋጅ ሰሪዓቶ ትርከብ (ፍት. መን ኣን 15) እዚ ጾም’ዚ በብዓመቱ ክጽውም ዝግባእ ጾም እዩ።

     ገሃድ ዝብል ቃል ትርጉሙ ምርኣይ ወይ ምግላጽ ማለት እዩ።  እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ግዜ ጥምቀት ዝተገልጸ ፍጻሜታት ዘብርህ እዩ። ኣብ ጥምቀት ዝተገልጸ ምባልና ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ኣብ ዓለም እንዳነበረ ከሎ ክሳብ 30 ዓመቱ በጽሐ ንደቂ ሰባት ንምድሓን ዝመጸ መሲሕ ስለዝኾነ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ምዃኑ ኣይፈልጡን ነይሮም። ኣብ 30 ዓመቱ ግን ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ መጥምቅ ክጥመቕ ከሎ፡ አቦ ኣብ ደመና ኮይኑ “እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ”። ብምባሉ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳለ ርግብ ኣብ ርእሱ ክዓልብ  እንከሎ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ድማ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ብምራኣዩ ነቢያት ክወርድ እዩ፡ ክውለድ እዩ፡ ክስቀል እዩ፡ ክመውት እዩ፡ ክትንስእ እዩ እናበሉ ዝተነበይሉ መሲሕ ንሱ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ወይ ዝተጋህደሉ፡ ከምኡ’ውን  ሰለስተ ኣካላት  ብሓደ ግዜ ዝተራእየሉ፡ ምስጢረ ስላሴ ዝተገለጸሉ ስለዝኾነ ገሃድ ይበሃል።

ጾመ ገሃድ ኣብ ቀዳም ወይ ሰንበት ኣብ ዝውዕለሉ ግዜ ሰናብቲ ዝኾነ ከይጠዓምካ ምጻም ክልኩል ብምዃኑ ኣብዘን መዓልትታት ካብ ጥሉላት ተኸልኪልካ ካልእ ናይ ጾም መባልዕ ምብላዕ ይፍቀድ እዩ (ወኢይጹሙ በዕለተ እሑድ ወሰንበት ዘእንበለ ጥሉላት) ከም ዝብል።

 እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጾምና ይቐድሰልናን ይባርኸልና ብሰላም ድማ ናብ ብርሃነ ጥምቀቱ የብጽሓና ኣሜን!!!

 ስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

Sorry, comments are closed for this post.