Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጾምን ጥቕሙን

            በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

                       ጾምን ጥቕሙን

    ጾም ማለት ግእዛዊ ግሲ ኮይኑ ብእብራይስጥ ይኹን ብዓረብ ሓደ ዓይነት ስም ኣለዎ። ትርጉሙ ከኣ ንዝተወሰነ ግዜ መግቢ ካብ ምብላዕን ማይ ካብ ምስታይን ምቑጣብን ወይ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ካብ ጥልላት ስጋ፡ ጸባ፡ ጠስሚ፡ እንቛቕሖ፡ ብሓፈሻ ካብ ውጽኢት ናይ እንስሳታት ዝኾነ ምኽልካል እዩ፡ እዚ በይኑ ግና ን ጾም ፍጹም ስለ ዘይገብሮ ቅዱስ ያሬድ” ኩሎም ህዋሳት ክፋእ ካብ ምስራሕ ክሕለዉ ኣለዎም” ይብል። ስለ’ዚ ዓይኒ ክፋእ ካብ ምርኣይ፡ እዝኒ ክፉእ ካብ ምስማዕ፡ ኣእዛን ክፉእ ካብ ምስማዕ መልሓስ(ልሳን) ክፋእ ካብ ምዝራብ ምቑጣብ ከም ዝግባእ ገሊጹ። እዚ ምስ’ቲ ኢሳያስ ዝበሎ (ትን.ኢሳ ፶፰፡፫-፯/ 58፦3-7) ስለ ምንታይ ደኣ ጾምና ንስኻ ድማ ዘይርኣኻና፡ ስለምንታይ‘ከ ነፍስና ኣሕሰምና ንስኻ ኸኣ ግድና ዘይገበርካ ክብሉ ከለዉ እስራኣኤላዉያን እግዚኣብሔር ድማ ብመዓልቲ ጾምኩም ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ”  ኽብል መሊስሎም። ስለዚ ኣብ ግዜ ጾም ወይ ድማ ኣነ ዝፈትዎ ጾም ይብል እግዚኣብሔር፦ “ማአሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንጥሙይ እንጀራ ምብላዕ ንጥቑዓት ሓራ ምዉጻእ እዩ” ይብል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን ካብቲ ንኣእምሮ ኣስሒቱ ንሰብ ኣስኪሩ ዘይግባእ ነገራት ዘፈጽምን ዘሕስብን ኣልኮላዊ መስተ’ውን  ካብ ምስታይ ክንጥንቐቕ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግበኣና።

ናይ ጾም ጥቕሚ

     ናይ ትምኒት ስጋ(ናይ ሓጢኣት ትምኒት) ዘጥፍእ ናይ ነፍስና ቑስሊ ዘሕዊ ካብ እንስሳዊ ግብርን ጠባይን ዝኽልክል፡ ሰብ ንመላአኽቲ  መሲሉ ከም ዝነብር ዝገብር ስርዓት ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሓት ሰባት ካብ ብሉይ ኪዳን ክጥቀሙ ንርኢ። ገለ ካብ ብዙሕ ብዉሑድ ንምጥቃስ፡ እግዚኣብሔር ጾም ዝኣወጀሉ ገና ካብ መጀመርያ ኣዳም ዝተፈጠረሉ ግዜ ኢዩ። ካብ‘ዛ ዕጸ በለስ ኣይትብላዕ (ዘፍ ፪፡፲፯ /2፣17) ምባሉ ትእዛዝ ኢዩ። ትእዛዙ ከኣ ናይ ጾም ትእዛዝ ከም ዚኾነ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣዳምን ሄዋንን እዚ ናይ ጾም ስርዓት (ተእዛዝ) ብምፍራሶም ዕጸ በለስ ብምብልዖም ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ዓይነት መርገም ከም ዝበጽሖም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ(ዘፍ ፫፡፲፬ /3፣14)። ስለዚ ነዚ ትእዛዝ ናይ ጾም ምፍራሶም መርገም ከም ዝበጽሖም ንርኢ፡ እንተ ዝፍጽምዎ ከኣ እንታይ ዓይነት ምርቓ ምበጽሖም ነይሩ ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን። ብጾም ዝተጠቕሙ ቅዱሳን ኣቦታታት “ጾም ኣደ ናይ ጾሎት፡ ምንጪ ናይ ንብዓት፡ መሰረት ጽድቒ ኢያ” ኢሎም ክጠቕስዋ ከለዉ፡ ዲያብሎሳዊ ትምህርቲ ዚሓደሮም ሰባት ከኣ “ናብ ከብዲ ዝኣቱ ኣየርክስን ኢዩ፡ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ማለት ከም ጸርፊ፡ ምንዝርና፡ ዝኣመሰለ እዩ ዘርክስ እንዳበሉ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብምትቃስ (ማቴ፲፭፡፲፩ / 15፡11) ኣይጾሙን “ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ዚህቦ ጥቕሚ የለን”እንዳበሉ ይዛረቡ። ብመሰረቱ ጎይታ ነዚ ጥቕሲ እዚ ዚተዛረቦ ንጾም ከም ዘይኮነ ኣብ (ማቴ ፲፭፡፩-፳ /15፡1-20) ዘሎ ጥራይ ምንባብ እኹል እዩ። በቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ጎይታ ነዚ ቃል እዚ ክዛረብ ምስ ሰምዑ፡ ጠዋያት ስለ ዚኾኑ ጠዉዮም ተርጊጒሞም ከጉረምርሙ ከለዉ፡ ሓዋርያት ስለ ዝሰምዕዎም “በዚ ቃል ከም ዚተሰናከሉ ፈሊጥካ ዶ ኣለኻ” ኢሎም ንጎይታ ምስሓተትዎ፡ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ግን ዝተዛረቦ ቃል  ዘየሰናኽል ስለ ዝነበረ “ስቕ በልዎም፡ ኣቦይ ዘይተኸሎ ተኽሊ ኩሉ ይወድቕ፡ ዕውር ንዕዉር ክመርሖ ኣይክእልን እዩ። ተመራሪሖም ናብ ገደል እዮም” ክብል ገሊጹሎም። ደቂ መዛሙርቱ ግን ንጎይታ ናይ’ዚ ምሳሌ ትርጉም ንገረና ኣብ ዝበሉሉ ግዜ፡ ኢድካ ተሓጺብካ ምብላዕን ዘይምብላዕን ከም ዘየርክስ፡ ካብ ሃይማኖት ከም ዘየውጽእ፡ እንታይ ደኣ ክፉእ ምስራሕን ምዝራብን እምበር ብምባል ብዛዕባ ኢድካ ተሓጺብካ ምብላዕን ዘይምብላዕን ከም ዝተዛረበ ንጹር ጌሩ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ጾም ኣብ ብሉይ ኪዳን

   እስራኤላዉያን ብመርሒነት ኢያሱ  ኣብ ኢያሪኮ ምስ በጽሑ ንዓይ ዝተባህለት ቦታ ኣብ ዝሰለይዋ ግዜ ዓይ ንእሽቶ ስለዝኾነት ኩሉ ህዝቢ እስራኤል ኣይድከም፡ ሒደት ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ጥራይ ይኣኽሉ እዮም” ኣብ ዝበሉሉ ግዜ፡ እስራኤላውያን ተሳዒሮም ከም ዝተመልሱ ካብኦም’ውን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ኢያሱን ዓበይቲ እስራኤላውያን ግን ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚኣብሔር’ውን ክሳብ ምሸት ተደፊኦም ከም ዝወዓሉ፡ እግዚኣብሔር ምላሽ ከም ዝሃበ ንርኢ።(ኢያ ፯፡፮-፱ /7፦6-9)

    ዘዳ ፱፡፱ /9፤9፦ነቢይ እግዚኣብሔር ሙሴ’ውን ኣብ ደብረ ሲና ነቲ ብኢድ እግዚኣብሔር ዝተጻሐፈ ጽላት ክቕበል ፵/40 መዓልትን ፵ /40 ለይትን ከም ዝጾመ ይነግረና።

   ዘዳ፲፡፲ / 10፦10፦ ሕጂ’ውን እንተኾነ ነቢይ ሙሴ ብሰንኪ በደል ደቂ እስራኤል  ክልተ ግዜ ፵/40 መዓልትን ለይትን ጾም ጾመ። ዳዊት’ውን እንተኾነ ንኦርዮ ብምቕታልን ንሰበይቲ ኦርዮ ብምእታውን በደል ስለ ዝገበረ ብነቢይ ናታን ተገሲጹ ጾም ከም ዝጾመ ንርኢ (2ይ ሳሜ፲፪፡፲፯/ 12፦17)። ነቢይ ኤልያስ’ውን ምስ ኤልዛቤል ተባኢሱ ናብ  ኮሬብ እንዳኸደ እንከሎ ኣብ መንገዲ ደኺሙ ኣብ ትሕቲ ገረብ ክሊዓው ከምዝደቀሰ እሞ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር መጺኡ ነቕኒቑ  ኣተንሲኡ መግቢ ኣብሊዑ ማይ ምስ ኣስተዮ ጉዕዞ ጀመረ። ካብኡ ንደሓር ብዘይ መግቢ ብዘይ ማይ 40 መዓልትን 40 ለይትን ሙሉእ ከምዝተጓዕዘ  (1ይ ነገ ፲፱፡፮-፲ /19፦6-10)። ነቢይ ኢዩኤል’ውን እንተኾነ ኣብ “ጽዮን መለኸት ነፊሑ ጾም’ውን ቀድሱ ይብል(ኢዩኤል ፪፡፲፬ /2፡14)። እሞ እንታይ ድኣ ክንብል ኢና፧ ነቢይ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጾም ኣውጁ እንዳበለ እንታይ ዝኾኑ እዮም ጾም ኣየድልን ዝብሉ። ከነስተውዕል ይግባኣና እዩ።

መዝ ፴፭፡፲፫ /35፡13 ፦ ዘማራይ ዳዊት ናይ ጾም ኣገዳስነት ክገልጽ ከሎ “ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ”ክብል ከሎ ንርኢ።

ትን.ዳኒ ፲፡፪ /10፡2-3 ፦ “በቲ ግዜ እቲ ኣነ ዳኒኤል ሰለስተ ሰሙን ሙሉእ ሓዚነ፡ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኩን ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእተኩን” ይብል።

መዝ ፻፱ ፡፳፬ /109፡24 ፦“ብጾም ኣብራኸይ ራዕራዕ በለ ሰብነተይ ድማ ቅብኢ (ጠስሚ) ብምስኣን ዓበረ “ካብ ጠስሚ ክንጸውም ከም ዘለና ቅዱስ ዳዊት ኣብዚ ሓቢሩና ኣሎ።

ጾም ኣብ ሓድሽ ኪዳን

ናይ ሓድሽ ኪዳን ጾም ካብ ብሉይ ኪዳን ጾም ዝተፈልየ እዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን ጾም ስጋዊ ሽግር ዝፈትሕ ክኸውን እንከሎ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝጽወም ጾም ግና ንጽድቂ እዩ። እዚ ከኣ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢልካ እትገብሮ ነገር ማለት እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀምርያ ስርሑ ዝገብሮ ጾም ስለ ዝኾነ፡ መስራቲኡ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ። እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጾም ከም ዝተኣዘዘ ዘመልክቱ እዮም።

ማርቆስ ፱፡፳፱ /9፡29   “ከምዚ ዓይነት ጋኔን ብጾምን ብጾሎትን እንተ ዘይኮይኑ ብኻልእ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ”። ኣጋንንቲ ንምውጻእ፡ ካብ እግዚኣብሔር ሓይሊ ንምርካብ፡ ጾም ኣገዳሲ ምዃኑ ጎይታ ባዕሉ መስኪሩ ኣሎ።

ማርቆስ ፪፡፳/ 2፡20   ጎይታ “መርዓዊ ካብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ክትመጽእ እያ ፡ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ክጸሙ እዮም” እዩ ዝበለ እምበር ኣነ ሰለ ዝጸምኩሎም ሙጻም ኣየድልዮምን እዩ ኣይበለን። ስለዚ ጎይታ ስለ ዝጾመልና ጾም ኣየድልን እዩ ዝብሉ ሰባት ማዕረ ክንደይ ተጋግዮም ምህላዎም በዚ ይፍለጥ። ከምኡ እንተዝኸውን እሞ ክርስቶስ ምእንታና ስለ ዝጸለየ ምጽላይ’ውን ኣይመድለየናን ነይሩ ማለት እዩ።

ማቴዎስ ፮፡፲፮ /6፡16  “ክትጸሙ እንከለኹም ከምቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ”ምባሉ ጾም መንፈሳዊ ግዴታ ምዃኑ ዶ ኣይኮነን፧ ጾም ንክርስቲያን ሕጊ እንተዘይከውን ፡ “ክትጸሙ እንከለኹም ከምዚ ኩኑ” ኢሉ ትእዛዝ ኣይመሃበን ነይሩ።

ሉቃስ ፮፡፳፭ / 6፡25 ፦ ኣብ ዓንቀጸ ብጹኣን ብዛዕባ ብጽዕና ክምህር ከሎ፣ “ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ ዘለኹም ክትጸግቡ ኢኹም እሞ ብጹኣን ኢኹም” ክብል ሎሚ ብፍቃዶም ፈትዮም ምእንቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ኢሎም ዝጠምዩ ድሓር ኣብ መንግስተ ሰማያት ብተድላን ብሓጎስን ከም ዝነብሩ ጎይታ ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

ግብ ሃዋ ፲፫፡፫ /13፡3 “ምስ ጸሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበርሎም እሞ ኣፋነውዎም”ክብል፡ ሃዋርያት ጎይታ ጸይሙልና እዩ ኢሎም ካብ ሙጻም ከምዘይተኸልከሉ፡ እኳ ድኣ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ምጅማሮም ጾም ከም ዝጸሙ ኢና እንርኢ።

 ስለዚ ቅዱሳን ኣቦታትና  ጾም ብዙሕ ረብሓ ከም ዘልዎ ፈሊጦም ይጸሙ ከም ዝነበሩ ንሕና ውን ክንጸውም ይግባኣና እዩ ናይ። ጾም ጥቕሚ ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ንምጥቃስ ግን፥

.  ርኹስ መንፈስ የውጽኣልና (የርሕቐልና) (ማር፱፡፳፱ /9፦29)።

. ምሕረት ኣምላኽ የውህበና፡ ቁጣዓ ኣምላኽ ከኣ የርሕቐልና (ትንቢት ዮናስ ብምልኡ ተመልከት)።

. ንኣገልግሎት ወንጌል ድልዋት ይገብረና (ግብ ሓዋ ፲፫፡፫ /13፣3)።

. ብጽእና የውህበና (ሉቃ ፮፡፳፩ /6፣21)።

 ጾምና ንሓጢኣትና መደምሰሲ መንግስተ ሰማያት መውረሲ ይግበረልና ኣሜን!!!

 

Sorry, comments are closed for this post.