Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

ጾም

ጾም

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ሰብ ኣብ ማእከል ክልተ ተቓረንቲ ስምዒታት ዝነብር ፍጡር እዮ። እዚ ማለት ስጋዊ ባህሪኡ እንስሳዊ ኣካይዳን ኣናብራን ክነብር ይደፋፍኦ። ብስጋኡ ክበልዕ፡ ክሰቲ፡ ክሰክር፡ ክዝሙ. . . . . ንስጋ ዘሐጉስ ዘበለ ኩሉ ክፍጽም ደስ ይብሎ። ብነፍሱ ወይ ድማ ብመንፈሳዊ ድልየታቱ ከኣ ክጸውም፡ ክሰግድ፡ ክጽሊ፡ ክዝምር፡ ንእግዚኣብሔር ከመስግን፡ . . . . . ፈረ ጽድቂ ክሰርሕ ይደሊ። ነዚ ክልተ ነገራት ኣመዓራርዩ ንኽኸይድ ኣብ ቃልሲ ይኣቱ። ስጋዊ ስምዒቱ ካብ መንፈሳዊ ስምዒቱ ምስ ዝዛይድን ዝሕይልን ሰብ እንስሳ መሲሉ ይርከብ። ብኣንጻሩ ድልየት ስጋኡ(ስጋዊ ትምኒቱ) ብናይ ነፍሲ ድልየት እንተድኣ ኣግዚኡ ግና ሰብ ብሰናይ ግብሩን ብቅድስንኡን ንመላእኽቲ መሲሉ ይርከብ። ስለዚ ሰብ ኣብ ምድራዊ ዘመና ብሰላም ኣብታ እትመጽእ ዓለም ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ብሓጎስን ደስታን ክነብር እንተድኣ ኮይኑ ናይ ስጋ ፍትወት፡ ኩሉ ዓይነት ርኽሰትን ሓዲጉ ብመንፈሳዊ ኣካይዳ ክኸይድን ሰማያዊ ሓሳብ ክሓስብን የድልዮ።

ጾም እምበኣር ነዞም ክልተ ተቓረንቲ ስምዒታት ዘመዓራሪ፡ በቲ ሰብ ኽኾነ ዘለዎ ኣካይድ ከም ዝኸይድ ዝገብር ኢዩ። ኣቐዲሙ ክርስቶስ ኣምላኽና ነቲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን ኣብ ገዳም ቆሮንጦስ ብጸሙ ዝሰዓረለልና፡ ንሕና’ውን ኣምላኽ ብዝሃበና ሓይልን ጸጋን እንተድኣ ጾምና ንኹሉ ነቲ ካብ ሰይጣን ዝመጻና ፈተና ክንስዖሮ ኢና። ከመይ ነተን ኣርእስቲ ሓጣውእ በዓሉ ክርስቶስ ኣምላኽ ብጾሙ ዝሰዓረልና፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ኩሉ ናይ ዓለም ርኽሰት ተፈሊኹም እንተ ጸምኩም ሰይጣን ካብ ዙርያኹም ክሃድም ኢዩ ንኽብል ስለ ዝኾነ።

ኣቦና ኣዳም ካብ ኣምላኽ ኣብ ዝዓለወሉ፡ ጸጋኡ ኣብ ዝተገፈፈሉ ግዜ ሓጢኣቱ ተኣሚኑ ስለ ዝበኸየ፡ ብጸሎትን ብጾምን ናብ ኣምላኽ ስለ ዝቐረበ ኢዩ ተስፋ ድሕነት ዝረኸበ። በዚ ከኣ ተስፋ ተፈጺምሉ ናብ ገነት  ኣተወ።

ብዙሓት ሰባት እውን ኣብ ግዜ ጸገሞምን ሽግሮምን ንእግዚኣብሔር ብጾም ኣብ ዝቐረብዎ ግዜ እታ ሓያል ኣምላኽ ንጾሞም ሰሚዑ ምሕረቱ ልኢኽሎም ኢዩ።

ንሞት ዝተፈርዱ ኣይሁዳውያን ኣስቴር ምስ መርዶክዮስ ተሓባቢሩ ብዝኣወጀቶ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጾም ኢዩ ናይ ሞት ደብዳቤኦም ዝተቐየረን ሰላም ክነብሩ ዝኸኣሉን::

ሊቀ ነቢያት ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ መመርሒ ዝኸውን ሕጊ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበለ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ድሕሪ ምጻሙ ኢዩ። በዚ ሕጊ እዚ ከኣ ዓለም ብምልእታ ትምራሕ ኣላ።

ህዝቢ እታ ብዕብየታ ፍልጥቲ ብምዕባሌኣ ከኣ ኣብ ከባቢኣ ዝወዳደራ ዘይነበራ  ህዝቢ ከተማ ነነዌ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ከም ዝፈጸሙ፡ እንሳስዊ ኣካይዳን ኣነባብራን ከም ዝነበሩ፡ ብናይ ነቢይ ዮናስ ስብከት ኣብ ዝኣመንሉ ግዜ እንሆ ንሓጢኣቶም እግዚኣብሔር ይቕረ ምእንቲ ክብለሎም ካብቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ክሳዕ ዝጠብዉ ሕጻናት ንሰለስተ መዓልቲ ጾም ኣወጁ። ካብቲ እግዚኣብሔር ከጥፍኦም ኢሉ ሓሲብዎ ዝነበረ ድማ ተረፋ(ት.ዮናስ፩—-፬)። ንእግዚኣብሔር ብስቡር ልቢ፡ ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ብጾም ኣብ እንልምኖ ግዜ ማዕረ ክንደይ ኣብ ልዕሌና ሰናይ ዘበለ ኩሉ ከም ዝገብረልናን ካብ ሞትን ኩኔነን ከም ዘድሕነናን ክንርዳእ ንኽእል።

ስለዚ እምበኣር ከምቲ ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ቅልስና ንምስቶም ረቐቕቲ ርኹሳት መናፍስቲ ክሳዕ ዝኾነ፡ ነዚ እንስዕረሉ ድማ ሓደ ካብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣጽዋር ጾም ኢዩ(ኤፌ፮፡፲-፲፩/6፡10-11)፡።

ሓደ ሓደ ሰባት ጾም ማለት ሰብነትካ ምዕባር፡ ካብ ኩሉ ሰብ ድኹም ምዃን ዝኾነ ዓይነት ዕዮ’ውን ክትዓይን ክተበርክትን ዘይትኽእል ኮይኑ ዝስምዖም ኣለው። እንተ ኾነ እዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ሓሳብን ርድኢትን ኢዩ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ እምባ ሲና ደይቡ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾይሙ ሕገ ኦሪት ካብ እግዚኣብሔር ክቕበል ከሎ ዝያዳ ኩሎም ገጹ በሪሁ፡ ምጥማት ክሳዕ ዝስእንዎ ኮኑ። ጾም ማዕረ ክንዲ እዚ ኢዩ ጸጋ ዘለዎ።

እቶም ብጽንዓቶም ኩሉ ግዜ ዝዘከሩ ሰለስተ መንእሰያት ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል’ውን እንተኾኑ ምስ ነቢይ ዳንኤል፡ ካብቲ ጥዑም መግቢ ናይ ንጉስ ርሒቖም እንሆ ኣሕምልትን ማይን ስለ ዝተመገቡ ዝያዳ ኩሎም እቶም ጥዑም መባልዕ ዝበልዑ ሰባት ድኣ ገጾም በሪሆም፡ ጥበብ ኣብ ልዕሊ ጥበብ ተወሲኽዎም፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ዝለዓለ ክብሪ ረኸቡ እምበር ብምጻሞም ዝጎደሎም ኣይነበረን(ዳን፩፡፲-፳፩/1፡10-21)። ነዚኦም መሲሉ ካብ ጥዑም መባልዕን መስተን ካብ ልቡ ብሓያል ኣምላኻዊ ፍቕሪ ዝጸውም ሰብ ሎሚ’ውን እንተኾነ መንፈሳዊ ደስታን ሓጎስን ክስምዖ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣይህዛብን ድማ ገጹ ክበርህ ምስትውዓልን ጥበብን ክረክብ ኢዩ። ከመይ እቲ ናይ ትማሊ ኣምላኽ ንሱ ስለ ዝኾነ።

ስለዚ እምበኣር ጾም መሰረት ናይ ኩሉ ግብረ ጽድቂ ምዃኑ ፈሊጥና እግዚኣብሔር ካብ ናይ ስጋን ናይ ነፍስን መከራ ክስውረና ብግልና ኮነ ብሓባር ኣብ እንጾሞ ጾም ብትግሃት ክንጸውም ይግብኣና። ቅዱሳን ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ጻድቃን፡ ሰማእታት ብሓፈሻ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ኩላቶም ጾይሞም ንኣምላኾም ክም ዘስመሩ፡ ንሕና’ውን ደቆም ከም ምዃና መጠን በቲ ዝኸድዎ መንገዲ እንዳ ተጓዓዝና ክንጸውም፡ እንጾሞ ጾም ድማ ከም ልምዲ ብዘይምስትውዓል፡ ሰባት ከይብሉና፡ ምስ ርኽሰትናን ክፍኣትናን ዘይኮነ ከም ስርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም ትምህርቲ ክርስቶስ ብንጹሕ ሕልና ክንጸውም ይግብኣና ኢዩ።

“ጾም ኣውጁ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ንዝነብሩን ኩላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣክብዎም ናብ እግዚኣብሔር ከኣ ተማህለሉ”(ኢዩ፩፡፲፬/1፡14)

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Uncategorized

Sorry, comments are closed for this post.