Eritrean Orthodox Tewahdo Church Saviour of the world and Mahbere Mariam Israel

፩፱/19 ታሕሳስ በዓሉ ለቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት/ 19 Tahsas Beoalu le qdus Gebriel liqe maleekt

       በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

         ፩፱/19 ታሕሳስ በዓሉ ለቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት

    ገብ ቅዱስ ገብርኤል ካብቶም ሾብዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ሓደ እዩ። ገብርኤል ማለት “እግዚእ ወገብር” ናይ እግዚኣብሔር ኣገልግሊ ማለት እዩ።

 ሊቀ መልኣክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ቅዱስ መልኣኽ ኮይኑ፤ ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ብዙሕ ዘደንቕ ግብርታትን ተኣምራትን ዝገበረ መልኣኽ እዩ።

 ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል፥ዘድእ መልአከ ሰላም እዩ። መላእኽቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ዕለት ማለት ብዕለተ ሰንበት ዝተፈጥሩ ፍጡራት እዮም። ምስ ተፈጥሩ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቕሩብ ግዜ ካብኦም ተሰወረ። ሳጥናኤል (ዲያብሎስ) ድማ ኣቦ ሓሶት ስለ ዝኾነ ፈጣሪኡ ረሲዑ ብትዕቢት “ኣነ እየ ፈጢረኩም” “ንዓይ ኣመስግኑ” በሎም እሞ ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ህውከት ኮነ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ድማ “ንቁም በብህላዌነ እስከ ንአምር አምላክነ” ብምባል ንቅዱሳን መላእኽቲ ኣረጋግኦም። “ወአኅድኦሙ መልአከ ሰላም ገብርኤል ለማኅበረ መላእክት በቃሉ” ከም ዝብል (መጽሓፍተ ስነ ፍጥረት፡ ድርሳነ ሚካኤል)። ቅዱስ ገብርኤል ብእግዚአብሔር ፍቓድ፡ ሊቀ መላእኽቲ ክኸ’ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መላእኽቲ ዝተሾመ መልኣኽ እዩ። መጽሓፈ ሄኖክ ናይቶም ትጉሃን ቅዱሳን መላእኽቲ ኣስማት ኣብ ዝዘርዘረሉ ኣንቀጹ “ኣብ ልዕሊ ኣትማን፡ ኣብ ልዕሊ ገነትን ኪሩቤልን ዝተሾመ እዩ” ብምባል ንቅዱስ ገብርኤል ስሙን ሹመቱን ይጠቕስ።  ኣብዚ ዓለም’ውን ብስም ጐይታ ኣሚኖም ንዝምኅፀኑ፡ ዝጽልይን ዝልምምን መልኣኽ ምዃኑ እቲ ሰማያዊ ናይ መላእኽቲ ምሥጢር ተገሊጹሉ ዝጸሓፈን ኣካይድኡ ምስ እግዚኣብሔር ብምግባሩ ሞት ዘይረኣይን ሄኖክ ዝገለጾ እዩ (ሄኖ 6፡7,  ሄኖ 10፡7)

 ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ዘበነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓድሽ ንብዙሓት ካብ ሽግርን መከራን ዘናገፈን በማላድነቱ ንብዙሓት ዘድሓነን መልኣኽ እዩ።

   ንኣብነት ኣብ ዘበነ ብሉይ፥ ንጻድቕ ሎጥን ስድርኡን ድማ ካብ ሞንጎ እቶም ዝረኸሱ ሕዝብን ክፈልዩ ምስ ቅዱስ ሚካኤል ዝተላእኸ መልኣኽ፡ ቅዱስ ገብርኤል እዩ (ዘፍ 19፡1)። ነቲ ኣብ መግዛእትን ስደትን እንከሎ ብእግዚአብሔር ተኣሚኑ ኣብ ቅድሚ ንጉሥን ሕዝብን ልዑል ሞገስን ክብርን ዝረኸበ ነቢየ እግዚአብሔር ዳንኤል፡ ነቲ ዝርእዮ ዝነበረ ድንቂ ፍጻሜ ዘመን ዝምልከት ራእይ ዝትርጐመሉ ብእግዚአብሔር ዝተላእኸ ቅዱስ ገብርኤል እዩ ነይሩ (ዳን  8፡15)። ንዳንኤል ነቲ ዝርእዮ ዝነበረ ራእይ ምስጢር እናገለጸ ንኸስተውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ዝህቦ ዝነበረ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ (ዳን  9፡21-22)፡ ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ዘድሕእኖ ውን ንሱ እዩ (ዳን  9፡21)። ኣብ ዘመነ ሐዲስ ድማ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጐይታ ከም እትወልድ ዘበሰረ (ሉቃ   1፡18-56) ንህን ዘካርያስ ንቅዱስ ዮሓንስ  መጥምቕ ከምዝወልድ ዘበሰረ (ሉቃ  1፡19) መልኣከ ብስራት እዩ።ንጻድቕ ዮሴፍ ብሕልሚ  ተገሊጹ ንቅድስት ድንግል ማርያምን ንጎይታን ሒዙ ናብ ግብጺ ክስደዱን ሄሮድስ ምስ ሞተ ድማ ሒዝዎም ክምለስን ዝነገሮ ቅዱስ ገብርኤል እዩ (ማቴ 2፡13-19, ዕብ 1፡14)።

  ንሰባት ንደቂ ሰባት ዝገበሮ ረግድኤትን ኣምላድነትን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፡ ተንቲንካ ዝውዳእ ውን ኣይኮነን። ንሎሚ ግን ከም ፋቕድ እግዚኣብሔር 19/፲፱ ታሕሳስ ቅዱስ ገብርኤል ንሰለስቱ ደቂቅ (ኣናንያ፡ ሚሳኤል፡ ኣዛርያ) ካብ እቶን  ሓዊ ዘውጽኦም ዕለት ስለዝኾነ  ዛዕባና ብሰፊሑ ብዛዕባኡ ክኸውን እዩ፥ 

 ቅዱስ ገብርኤልን  ጽንዓት ሰለስቱ ደቂቅን፥

    ታሕሳስ 19  ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ ዘውጽኣሉ ዕለት እዩ።

እቲ ታሪኽ ከምዚ አዩ

  ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ኣብ ፋርስ ባቢሎን ተማሪኾም ከለዉ ንጉስ ናቡከደነጾር ንዳንኤል ራብዓዮም ገይሩ ጥበብ ባቢሎን ይማሃሩ ኢሉ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣእተዎም። መጋቢኦም ሜልዳር ስጋ ብብያቲ ሜስ ከኣ ብዋንጫ ገይሩ ቀረበሎም።  ንሳቶም ድማ “ነዚ ኣይንበልዕን ቁሩብ ጥረ ነገርን ጽሩይ ማይን ጥራይ ሃበና” በልዎ። ሜልዳር ድማ “ንጉስ ዓቢርኩም እንተሪኢኩም ክቁጣዕ እዩ” በሎም።  ንሳቶም ድማ ቅሩብ መዓልቲ ጣራይ ሃበና እሙ ሽዑ ትርእየና በልዎ። ንሱ ድማ 10 መዓልቲ ሃቦም። ጥረ ምረን ጥራይ እናቆርጦሙ ማይ ጣራይ ክሰትዩ ቀነዩ እሞ ካብቶም ሰስቡሑ በሊዖም ሜስ ክሰትዩ ዝቀነዩ ጸቢቆምን ደሚቆምን ተረኽቡ። ብከምዚ ክመሃሩ ጸኒሖም ጎይታ ጥበቡ ገሊጽሎም ጠቢባን ምስ ኮኑ ዳንኤል “ርእሱ ዘወርቅን’’ ንንጉስ ምስ ተርጎመሉ ኣብ ሰለስተ ኣውራጃታት ሾሞም ባቢሎናውያን ቀኒኦም መባኣሲ ምክንያት ክኾነና ይክእል እዩ ኢሎም ንጉስ ከም ዝራኣኻዮ ምስሊ ገርካ ኣስርሕ እሞ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ክትፈሊ ኢኻ በልዎ። 27 ሜትሮ ቁመት 3 ሜትሮ ጎድኒ ዘለዎ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስሪሑ ኣብ ጎልጎል  ዱራ ገይሩ ዘይሰገደ ክቅጻዕ እዩ ኢሉ ኣዋጅ ኣወጀ። ኩሉ ሰብ ክሰግድ ሰለስቱ ደቂቅ ግን “ኣይንሰግድን” በሉ። ምስጋድ ከም ዝኣበዩ  ከይዶም ነገርዎ።  ንጉስ ድማ ልኢኹ ኣምጾኦም እሞ “ኣይንሰግድን ኢና ኢልኩም ዲኹም” በሎም።  ንሳቶም ድማ ብትብዓት “እወ ኢልና” በልዎ። “መኑ ያድኅነክሙ እም እዴየ’’ መን ከድሕነኩም እዩ በሎም። “ሀሎነ ኣምላክነ ዘፈጠረኪያከ ወኪያነ’’። ንሳቶም ድማ “እቲ ንዓናን ንዓኻን ዝፈጠረ ኣምላኽና ከድሕነና እዩ” በልዎ። ንሱ ድማ ተቖጢዑ ነቲ እሳት 7 ኢድ ኣንድድዎ ኢሉ ኣበርቲዑ ከም ዝነድድ ገበሮ። ካብ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት መሪጹ ድማ  ናብቲ ጉሁር ሓዊ ከእትውዎም ኣዘዘ። እቶም ዝተኣዘዙ ድማ ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያን ናብቲ ነበልባል ሕእዊ ደርበይዎም። እንተኾነ እቲ ሓዊ ነቶም ዝደርበይዎም ሰባት ደኣ ኣንደዶም እንበር ነቶም ሰለስተ መንእሰያትሲ ሃንቲ እኳ ኣይገበሮምን።   “ወወረደ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስለ እለ ኣዛርያ ውስተ እቶን ወዘበጦ ለነበልባለ እሳት ወረሰዮ ከመ ማይ ቆሪር ዘግዜ ጽባሕ’’ይብል ቅዱስ ገብርኤል ወሪዱ ብዘንጉ ምስ ተንከፎ እቲ ሓዊ ማይ ኮነ ባቢሎናውያን ግን እቲ ዝቐደመ ምስ ጠፍኣ ወሲኾም ኣንደድዎ። እንተኾነ እቶም ሰለስተ መንእሰያት ወላሓንቲ ከይኮኑ “ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣበዊነ ስቡሁኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም’’ ናበሉ የመስግኑ ነበሩ። ሽዑ ናቡከደነጾር ሰንበደ። ነማኸርቱ ድማ “እቶም  ኣሲርና ናብ  ሓዊ ዘእተናዮምሲ ሰለስተ ዶ ኣይኮኑን፧ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ” ኦ ንጉስ ርግጽ እዩ” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ከኣ “እንሆ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ገለ እኳ ከይተጎድኡ ኣብ ማእከል ሓዊ ክመላለሱ  እርኢ ኣለኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ  ወዲ ኣምላኽ ይመስል” በሎም። ብቑልጡፍ ናብቲ እቶን ሓዊ ከይዱ “ኣንትሙ ሲድራቅ(ኣናንያ)፡ ወሚሳቅ(ሚሳኤል) ወኣብደናጎ(ኣዛርያ) ኣግበርተ እግዚኣብሔር ንዑ ፃዑ ዝየ/ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ ኣብደናጎ ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ” ኢሉ ጸውዖም። ገለ ከይኮኑ ድማ ካብቲ ጉሁር ሓዊ ወጹ። ጸጉሪ ርእሶም ኣይቃረየን ክዳውንቶም ኣይነደደን፡ አረ ጨና ሓዊ እኳኣይነበሮምን። ናቡከደነጾር ነዚ ርእዩ “ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሲድራቅ ወሚሳቅ ወኣብደናጎ ዘፈነዎ መልኣኮ ወኣድኅነ ኣግበርቲሁ/ እቲ ነቶም ባረቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዘይ ኣበዩ፡ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከየምልኹን ከይሰግስዱንሲ ህይወቶም ወፈዩ” በለ።  እቶም ሽማምንቱ ድማ “ንጉስ ሓቂ ከይመስለካ ብስራዮም እዮም ከምኡ ዝገበሩ” በልዎ። ብስራይ እንተኮይኑ እሞ ካባኹም ዝበልጽ ስራይ የለን ብምባል ናብቲ ሓዊ የእተዎም እሞ ተቓጸሉ። ንጉስ ድማ “ብዘይካ ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣምላኽ ካልእ ከድሕን ዝኽእል ኣምላኽ የለን እሞ ንዕዑ ጥራይ ኣምልኹ” ብምባል ነቲ ኣዋጅ ብኣዋጅ ቀየሮ። ንዕኦም’ውን ኣብ ልዕሊ ሽመቶም ሽመት ኣብ ልዕሊ ክብሮም ድማ ክብሪ ወሰኾም (ዳን ምዕ 3)። ልክዕ ከምዞም ሰለስተ መንእሰያት ዝተፈላለየ ከቢድ ሽግር ዘጋጠሞም እሞ  ብረድኤትን ኣማላድነትን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናይ ነፍስን ናይ ስጋን ምሕረት ዝረኸቡ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

 ጸበሉ ሰትዮም ካብ ደዌኦም ዝደሓኑ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ብስሙ ዝተሰምየ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ጸሎቶም ዝተሰምዓሎም ውን ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ስለዚ ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዝተዋህበ ጸጋን ክብርን ተረዲእና ብኣማላድነቱን ፈጣን ተራድኣነቱን ኣሚንና  ከነኽብሮን ክንሰግደሉን ይግባእ። 

ንኣናንያ ሚሳኤል ኣዛርያ  ብኣማላድነቱ ካብ እቶን ሓዊ ዘውጽአ  ንኩላትና ካብ ዘለና ሽግርን መከራን የናግፈና። ኣሜን!

    በረኸትን ተራዳእነትን ኣማላድነትን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንዘለኣለም ምስ ኩላትና ይኩን ኣሜን።     

         ስብሃት ለእግዚኣብሔር

         ወለወላዲቱ ድንግል

           ወለመስቀሉ ክቡር

            ኣሜን!

 

 

 

 

Sorry, comments are closed for this post.